ድለ

ፓሮሊን፥ ህዝባዊ ሃይማኖታውነት ካብ ዓለመ ገበን ክነጽሕ ኣለዎ ፓሮሊን፥ ህዝባዊ ሃይማኖታውነት ካብ ዓለመ ገበን ክነጽሕ ኣለዎ 

ፓሮሊን፥ ህዝባዊ ሃይማኖታውነት ካብ ዓለመ ገበን ክነጽሕ ኣለዎ

“እቲ ብእምነትን ባህልን ያታን ዕዮን ሃብትም ዝኾነ ከባቢ ንቀቢጸ ተስፋነት ኣበርቲዑ በቲ ቅዱስ ውርሻታት ኣቢሉ ከወግድ ኣተሓሳሲቦም፡ እዚ ሃብታም ዝኾነ ህዝባዊ ሃይማኖታውነት ካብ ዓለመ ገበን ክነጽሕ ሓደራ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ዕለት 8 መስከረም 2020 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ካላብሪያ ብምኽንያት በዓለ ማርያም ኣብ ዝፈጸመዎ ሓዋርያዊ ንግደት ካብ ናይ ሕዝቢ ሓቀይና ውፉይነት ዓለመ ገበን ረቛሒታትን ኣጉል እምነታትን ምውግድ ከምዘድልይ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ብኣጽንዖት ከምዘተሓሳሰቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብዙሓት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ጽልዋ ንኽገብሩ መንፈሳዊ ውርሻታትን መንፈሳዊ ባህልታትን ከም መጋበርያ ከምዝጥቀሙሉን መጋበርያ ጥንቆላን ማሪትን ከብቅዕ ዕለት 15 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ጳጳሳዊ ዓለም ሓቆፋዊ ናይ ስነ ማርያም መጽናዕታዊ ተቕዋም ንዘቑሞ ናይ ትንተናን መጽናዕትን ገበን ጉጅለታትን ማፍያን ክፍሊ መጽናዕቲ ወግዓዊ ኣብ ዝገብረሉ ዕለት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘተሓኣሰቡን ተክለ ሰብነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ካብ ጽልዋ ናይ ገበን ጉጅለታት ናጻ ምግባር ኣዚዩ ህጹጽን ኣገዳስን ምዃኑ  ከምዘመላኸቱ ክዝከር እንከሎ እዚ ናይ ቅዱስነቶም ምዕዶ ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘቃልሕዎ ዝሓበሩ ደ ካሮሊስ ኣስዒቦም፥

ክዕቀብ ዝግብኦ ውርሻ

ብጽዕ ካርዲናል ፓርሊን ኣብ ክፍለ ሃገር ካላብሪያ ወረዳ ካታንዛሮ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅድስተ ማርያን ጸጋዊት ሓዋርያዊ ንግደት ፈጺሞም ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ነቲ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ፥ ንእሽተይ ሉርደስ እክብሉ ገሊጾም፥ “እቲ ብእምነትን ባህልን ያታን ዕዮን ሃብትም ዝኾነ ከባቢ ንቀቢጸ ተስፋነት ኣበርቲዑ በቲ ቅዱስ ውርሻታት ኣቢሉ ከወግድ ኣተሓሳሲቦም፡ እዚ ሃብታም ዝኾነ ህዝባዊ ሃይማኖታውነት ካብ ዓለመ ገበን ክነጽሕ ሓደራ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ነዚ ሓሳብ እዚ እውን ብጹዕነቶም ድሕሪ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ካብ ጋዜጠይናታት ዝቐረበሎም ሕቶ እንክምሉስ፥ ህዝባዊ ሃይማኖታውነት ካብቲ ዘይናቱ መግለጽታት ኵሉ ብፍላይ ካብ ዓለመ ገበን ክነጽሕ ኣለዎ፥ እዚ ኸኣ ናይ ኩሉ ሓላፍነት እዩ ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ዝተፈላለየ ዓይነት ኣጉል እምነት

ኣብቲ ናይ ገበን ጉጅለታት ኣብ ዝንቀሳቐሱሉ ከባቢ ኢጣሊያ ኣብ እዋን መንፈሳዊ ዑደት ብፍላይ ናይ ማርያም ቅዱስ ምስሊ ብምቕዳም ዝግበሩ መንፈሳዎ ዑደታት ኣብቶም ብሕቡእ ኣብ ከባቢኦም ናይ ገበን ጉጅለታት መራሕቲ ምዃኖን ዝንገረሎም ኣባይቲ ፊት ክሓልፍን ኣብኡ ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ቅዱስ ምስሊ ክሰግድ ምግብር ጥራሕ ዘይኮነ ተመሳሳሊ ካልእ ዓይነት ጸያፍ ጸረ እምነት ተግባር ዝኾኑ ንኣብነት ኣጉል እምነታትን ቅዱሳት ምስልታትን ህዝባዊ ሃይማኖታውነት ካብ ዓለመ ገበን ክነጽሕ ኣለዎ፡ እዚ ኸኣ እቲ ህዝባዊ ሃይማኖታውነት ዘለዎ ክብሪ ክዕቀብን ብትኽክል ንኽግለጽን ንኽንበርን መታን እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ህዝባዊ ሃይማኖታውነት ናይ እምነት መግለጽን መግለጺ ኣብ ብምዃኑ ከይሰሓት ምሕናጽ ሓላፍነታ እዩ  ከምዝበሉ ደ ካርሊስ ኣፍሊጦም።

ፓሮሊን፥ ህዝባዊ ሃይማኖታውነት ካብ ዓለመ ገበን ክነጽሕ ኣለዎ
11 September 2020, 16:01