ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን፥ ንሓደስቲ ካህናት፥ ዝሳዋእ ፍቕርን ሕይወትን ኣብሰርቲ ብቓልን ሕይወትን ካርዲናል ፓሮሊን፥ ንሓደስቲ ካህናት፥ ዝሳዋእ ፍቕርን ሕይወትን ኣብሰርቲ ብቓልን ሕይወትን 

ካርዲናል ፓሮሊን፥ ንሓደስቲ ካህናት፥ ዝሳዋእ ፍቕርን ሕይወትን ኣብሰርቲ ብቓልን ሕይወትን

ጓሳ ከምቲ ኢየሱስ ዝብሎ “ምእንቲ ኣባጊዑ ሕይወቱ ኣሕሊፉ ዝህብ እዩ” (ዮሓ. 10, 11) ካልእ መግለጽን ትርጉም የብሉን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ዕለት 5 መስከረም 2020 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ኤውጀኒዮ ንናይ 29 ዲያቆናት ኣባላት ማሕበር ዕዮ ኣምላኽ ማዕርገ ክህነት ንኽሰርዑ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ኢየሱስ ንጓሶት ዝህቦ ተልእኾን ብዛዕባ ምሕረት ክዛረብ እንኮሎ ብሓላፍነት ዝሃቦ መጓሰይ ዘለዎ ልዑል ክብሪ ዘማእከለ ከምዝኾነ ዝትንትን ስብከት ከምዝለገሱን፡ ዕለት 5 መስከረም ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ ዝኽሪ ቅድስቲ እናተ ተረዛ እተብዕለሉ ዕለት እውን ምዃኑ ዘኪሮም ማድረ (እናቴ) ተረዛ ቅድስቲ ድኻ ኣብ መንጐ ድኻታት እንክብሉ ከምዝገለጽዋ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፋውስታ ስፐራንዛ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዝመርሕ ጥራሕ ዘይኮነ ጓሳ ነፍሳት እዩ፡ ዝመርሕ ክበሃል እንከሎ ቀቅድሚ መጓሰ ኮይኑ ሕይወት ዝሕብርን ስጉምቲ ዝመርሕን ኣብዚ ኪደት እዚ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መገዲ ዘነጽር እዩ፥ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ወንጌል እዚዩ ሰፊሕን ዓቢይን ኣንፊ ንረክብ፥ እዚ ኸኣ ኢየሱስ ዝምስክሮ እቲ ኣብ መንጐ ጓሳን ዕሱብን ዘሎ ፍልልይ ዘነጽር እዩ፡ ጓሳ ተራ ወይ ግደ ዘይኮነ ናይ ሕይወት ኣገባብ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ስፐራንዛ ኣስዒበን፥ ከም ዝደልዮ ዝንበሮ ዘይኮነ መጓሰይ ከምዝደልዮ ምንባር ዝብል ኣገባብ እዩ፡ ኣብቲ ኣነ ዝደልዮ ዘይኮነ ኣብቲ መጓሰይ ዘለሉ ዝርከብ መጓሰይ ከም ዝደልዮ እዩ፡ . . . ወትሩ ኣብ ኵለ መዳያት ቀረባኡ ዝኸውንን ዘሰንዮን ብደገ ኮይኑ ዝመርሕ ዘይኮነ ኣብቲ መጓሰይ ገዛእ ርእሱ ዘዋስእን ኣብቲ ሕይወት መጓሰይ ዝጽምበር እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ጓሳ ንሕይወት ዝተጸውዔ እዩ

ጓሳ ከምቲ ኢየሱስ ዝብሎ “ምእንቲ ኣባጊዑ ሕይወቱ ኣሕሊፉ ዝህብ እዩ” (ዮሓ. 10, 11) ካልእ መግለጽን ትርጉም የብሉን፡ እዚ መልእኽቲ እዚ ንጹር እዩ፡ ጉዳያት ንምፍጻም ዘይኮነ ሕይወት ንምሃብን ንምክፋልን እዩ! ኣብዚ እዩ እቲ ካልኣ ክርስቶስ ምዃን ዘሎ፡ ቅዱሳት ምስጢራት ኣብ ምስራዕ ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ኢየሱስ ኣገባብ ብምስባእ ዝንበር እዩ ቢሎም እዚ ኸኣ ናይ ዕዮ እግዚኣብሔር ማሕበር መስራቲ ቅዱስ ኾሰማርያ ኤስክሪቫ ደ ባላገር ፥ ካህን ወትሩ ካልኣ ክርስቶስ ከምዝበሎ እዩ።

ናይ ምሕረት ግዜ

“ካህን ምዃን ናይ ምሕረት ምስክር ምዃን ማለት እዩ” ዝበሉ ብጹዕነቶም፥ “እቲ ሕያዋይ ጓሳ ክርስቶስ ኣብቲ ዝጠፋእናሉ ንኸናድየና ዝመጸ እዩ፡ ኣብቲ ናይ ሓጢኣት ጸልማት ስንጭሮን ሞትን ንኸናድየና መጺኡ ሓጢኣትና ተሰኪሙ ስቓይናን ተሳቐየ፥ ኣብ መስቀል ሞይቱ ሞትና ዝተኻፋለ እዩ፡ ብፍቅሪ ኣብ ዝባኑ ጸይሩና ልክዕ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ክርስትና ብምስልን ቅብእን ዝሕብሮ ዝነበረ፥ ብፍቕሩ ኣብ ዝባኑ ጾይሩናን ብምሕረቱ ኣቢሉ ኸኣ ኣድሓነና” ምእንቲ’ዚ  ክህነት ምስ ክርስቶስ ናይ ምርኻብ ሓሴት ምስክርነት እዩ፡ እቲ ኣብ መንጐ እግዚኣብሔርን ሰብኣዊ ፍጥረት ናይ ዘሎ ርክብ ዘዕስሎ ሓሴት ኣብሳሪ፡ ብእግዚኣብሔር ዝወሃብ ምሕረት ዝፈጥሮ ሓሴት፥ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ፍሉይ ዓመተ ምሕረት ባሪኾም ንኽኸፍቱ፥ “ሎሚ ናይ ምሕረት እዋን እዩ” ናይ ሎማዊት ቤተ ክርስቲያን ጸጋን ዕለት ብዕለት ካብቲ ሕያዋይ ጓሳ ምእንቲ መጓሰይ ገዛእ ርእሱ ናይ ምሃብ ምልክታ እዩ፥ ክህነት ማለት እምበኣርከስ ንሱ እዩ ከምዝበሉ ስፐራንዛ ሓቢረን።

ናይ ድሕነት ጽባቄ ኣብ መንጐ ቃልን ምሕረትን

“እተበስርዎ ቃል ብጀካ ቃል ሕይወት ካልእ ቃል ክኸውን ኣይኽእልን” እንክብሉ ነቶም ሓደስቲ ካህናት ኣባላት ማሕበር ዕዮ ኣምላኽ ዘተሓሳሰቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፍ ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዒቦም፥ ቅድሚ ምዕዶ ናይ ድሕነት ጽባቔ ኢኻትኩም እተበስሩ፥ ናይ ምሕረት ልኡኻን ኢኻትኩም፡ ህልውና ዝፍውስ፡ ነሕዋትን ኣሓትን ብእግዚኣብሔር ክመሓሩ ዝፈቕዱ ክኾኑ እተመላኽቱ ኢኻትኩም፥ ምእንቲ’ዚ ኣብ ናይ ዕርቅን ንስሓን ምስጢር እትጽመዱ ክትኾኑ እላበው፡ ናይ ጐይታ ጸጋን ምሕረትን ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣዚዩ ዘድልዮ ዓለም ምቕራብ ናይ ዝተቐበልኵምዎ ጸዋዕታ ኣምክንዮ እዩ ከምዝበሉ ስፐራንዛ ኣፍሊጠን።

ናይ ትሕትና ክብርን እናቴ ተረዛ ዘካልኩታን

ካርዲናል ፓሮሊን ቀጺሎም ትሕትና ኣብ ሕይወት ክርስትናን ሕይወት ክህነትን ዓቢይ ክብሪ ምዃኑ እንክሕብሩ፥ ምውላድ ኢየሱስ ካብቶም ናይ ኣሕዛብ ልዑላን ዘይመጸን እቶም መሲሕ ንኽቕበሉ ሃረር ዝብሉ ዝነበሩን ደሓር ዝተቐበልዎን ኵነታት ኣሕዛብ የረጋግጸልና፥ የዕይንቲ እግዚኣብሔር ኣብ ልቡ እያተን፡ ብልቡ እዩ ዝርእይ፥ ዝተናዕቑን ትሑታትን ገርሄይናታትን የፍቅር፥ ዕለት 5 መስከረ 1997 ዓ.ም. እናተ ተረዛ ኣብ ሰማይ ቤት ዝተወለዳሉ መዓልቲ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 5 መስከረም ዓመታዊ ሊጡርጊያዊ ዝክረ በዓል ቅድስቲ ተረዛ ምዃኑ እውን ዘኪሮም፡ እናቴ ቅድስቲ ተረዛ ዘካልኵታ፡ ኣብነት ናይ ትሕትናን ገርሄይናን ኪደት እንክብሉ ገሊጾም፡ ኩሉ ምስ ህልውና፥ ምስ እግዚኣብሔርን ካልኦትን ዘራኸበት ቅድስቲ፥ ጓሳ ምዃን ኣኽራሪ ስርዓት ዝመልኦ ሕይወት ማለት ኣይኮነ፥ ብነገራት ዘይዕብሉልነት እውን ይሓትት፡ ናጻ ንምዃን። ኣስዒቦም ናይ ማሕበር ዕዮ እግዚኣብሔር ማሕበር መስራቲ፥ “እግዚኣብሔር ብእተካፍሎ ኣይሕጎስን፡ ኵለንተናኻን ኵሉን እዩ ዝደልይ፡ ነገራትና ዘይኮነ ገዛእ ርእሳውነትና እዩ ዝደልይ” ዝበሎ ጠቒሶም ኣብ ኵለንተናና ንእግዚኣብሔርን ምሕረቱን ምዃን ካብኡ ምድሕንና ክበጽሓና እዩ፡ ምድሓንና ኣብ እግዚኣብሔር እዩ ከምዝበሉ ስፐራንዛ ኣፍሊጠን።

ዓቢይ ናይ ተልእኾ ብድሆ

ብጹዕነቶም ኣብ መወዳእታ ተልእኾ ኣብ ዝብል ቃል ኣማእኪሎም፥ ተልእኾ ከምቲ ንዝጠፍኡን ዝጠፈኣን ከናድይ ዝወጽእ ክሳብ ዝረኽበንን ዝረኽቦምን ከኣ ካብ ምድላዮምን ምድላየንን ዘይቦኮር ሕያዋይ ጓሳ ምዃን ዝብል እዩ። ንስኻትኩም ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዝመጻእኩም ኣባላት ማሕበር ዕዮ ኣምላኽ ሓደስቲ ካህናት፥ ምሕረትን ወንጌላዊ ገርሀይናነትን፡ ሳልሳይ ተልእኾን ዝብልን ጠቒሶም፡ ተልእኾ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጸዋዕታ ንምንባር ዝተጸዋዕካ ምዃን ማለት እዩ እንክብሉ ሓቢሮም፡ ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ገዛእ ርእሳ ከም ሸቶ ዘይኮነ መጋበርያ ምዃና እትኣምን እያ፡ ገዛእ ርእሶም ዘይኮነ ጐይታ ናብ ዓለም ዘብጽሑ፥ ኢየሱስ ብኹሉ ክፍለጥ ዝወጹ፥ ምስ እዚ ኸኣ ናይ ዝስዋዕ ፍቕሪ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ጥዑይ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ምህዞን ሓቛፊ ዘይንጽል ብፍላይ እቲ ኣዚዩ ርሒቑ ዘሎ ሓድሽ ወለዶ ዘናድይ . . . ነቲ ኢየሱስ ዝደልዮን ዝጠፈኣ ኣባጊዕ ምድላይን ናብኡ ንኽምለሳ ምግልጋልን ማለት እዩ እንክብሉ ዘስምዕዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ስፐራንዛ ሓቢረን።  

ካርዲናል ፓሮሊን፥ ንሓደስቲ ካህናት፥ ዝሳዋእ ፍቕርን ሕይወትን ኣብሰርቲ ብቓልን ሕይወትን
08 September 2020, 15:52