ድለ

ቅርበት ር.ሊ.ጳ. ንበይሎሩሲያ፥ ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ኣብ ሚንስክ ቅርበት ር.ሊ.ጳ. ንበይሎሩሲያ፥ ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ኣብ ሚንስክ 

ቅርበት ር.ሊ.ጳ. ንበይሎሩሲያ፥ ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ኣብ ሚንስክ

ዕለት 16 ነሐሰ 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ጉባኤ ኣስተምህሮ ጸሎተ መልኣከ ኣግዚኣብሔር ኣቅሪቦም ምስ ኣብቅዑን ጸሎተ መልአከ እግዚኣብሔር ምስ ደገሙ ኣብ ዓለምና ህጹጽ ኣቃልቦ ካብ ዘድልዮም ብዙሓት ሃገራት ነታ ብምኽንያት መረጻ ርእሰ ብሔር ኣብ ቅልውላው እትርከብ ሃገረ በላሩስያ ነማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም እወክፍ ከምዝበሉን

በይሎሩስይ ኣብዚ እዋን’ዚ ድሕሪ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ስዒረ ንዝበሉ ርእሰ ብሔር ሉካሸንኮ ዝቃወምን እቲ ዝተኻየደ ሕዝብዊ ምርጫ ዝተደናገረ እዩ ብዝብል መርሕ ሕዝቢ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ጽንኩር ናዕቢ ኣብ ዝተኣለኸትሉ እዋን ሕብረት ኤውሮጳ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ማሕበራዊ ውጥረት ክውገድ ኣብ መንጐ እቶም ዝምልከቶም ናይ ፖለቲካ ኣካላት ዘተ ክህሉ ክላበው እንከሎ፡ እታ ሃገር ኣብ ከምዚ ዓይነት ውጥረት ኣብ ዘላትሉ እዋን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ናይ ቤተ ክርስቲያን ቅርበት ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣባታዊ ኣተኵሮ ንኸረጋገጹ ኣብ ርእሰ ከተማ ሚንስክ ዕለት 11 መስከረም 2020 ዓ.ም. ከምዝኣተዉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጃንካርሎ ላ ቨላ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ በይሎሩሲያ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረትን ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዘሎ እወታውን ኣሉታውን ኩነት ብዓቢይ ኣተኵሮ ከምዝከታተሉን ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ኣብ በይሎሩሲያ ኣብ መንጐ ርእሰ ብሔር ሉካሸንኮን ተቓወምትን ዝረአይ ዘሎ ውጥረት ብዘተ መፍትሒ ክረክብ ናይ ኵሉ ተስፋ ክኸውን እንከሎ ናይ ቅዱስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖውል ሪቻርድ ጋላገር ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅርበት ነታ ኣብታ ሃገር ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ንመላ ህዝብን ሃገርን በይሎሩሲያ ቅርበት ንኸረጋግጹ ሚንስክ ከምዝኣተዉን ኣብዚ ጽንኩር እዋን’ዚ እዚ ዓይነት ቅርበትን ድጋፍን ኣገዳሲ ምዃኑ ዝሓበሩ ላ ቨላ ኣስዒቦም፥ ብጹዕነት ምስ በርገሳውያን ላዕለዎት ኣካላትን ምስቶም ኣብታ ሃገር ናይ እትርከብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣካላትን ንክራኸቡ መደብ ከምዘለዎምን የመላኽቱ።

ምሕንጽንታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእንቲ በይሎሩሲያ

ዕለት 16 ነሐሰ 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ጉባኤ ኣስተምህሮ ጸሎተ መልኣከ ኣግዚኣብሔር ኣቅሪቦም ምስ ኣብቅዑን ጸሎተ መልአከ እግዚኣብሔር ምስ ደገሙ ኣብ ዓለምና ህጹጽ ኣቃልቦ ካብ ዘድልዮም ብዙሓት ሃገራት ነታ ብምኽንያት መረጻ ርእሰ ብሔር ኣብ ቅልውላው እትርከብ ሃገረ በላሩስያ ነማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም እወክፍ ከምዝበሉን ኩነታት እታ ሃገር ብቐረባ ከምዝከታተልዎን ዘተ ክተባባዕን ክትግበርን ዝኾነ ይኹን ዓይነት ዓመጽ ኵውገድን ፍትሕን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበር ኵሉ ግቡኡ ክፍጽም እላበው ከምዝበሉ ክዝከር እንከሎ፡ ዕለት 18 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ድርገት ፍትሕን ሰላምን ንኤውሮጳ ኵሉ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ምሕጽንታ ክሓብርን ፍትሕን ሰላምን ክብጻሕ መታን ምእንቲ ህዝቢ በይሎሩሲያ ኣቡነ ዘበሰማያት ክደግም ጻውዒት ኣቕሪቡ ከምዝነበረ ዝሓበሩ ላ ቨላ ኣስዒቦም፥ እቲ ሕዝባዊ ናዕቢ ይቕጽል ከምዘሎን ናይ ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ሰልፊ  መራሒት ማሪያ ኮለንስኮቫ ቅድሚ ቁሩብ መዓላታት ከምእተኣሰራን ዕለት 13 መስከረም ካልእ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ  ሰልፊ ከምእተጸወዔን ኣብታ ዕለት እቲኣ እውን ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ሉካሸንኮ ምስ ርእሰ ብሔር ፑቲን ንኽራኸቡ ናብ ሩሲያ ሶኪ ክነቕሉ ከምዝኾኑ ኣፍሊጦም።

ብጹዕ ኣቡነ ኮንድሩሳይዊች ንበይሎሩስያ ንኸኣትው ይኽልከሉ

ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ምናልባት ምስቶም ምእንቲ ክብሪ ቅድስተ ማርያም ዘ ክዘስቶኮዋ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን መንፈሳዊ ንግደት ክፍጽሙን ዕለት 31 ነሓሰ ናብ ፖላንድ ዝኸዱን ኣብ ምምላሶም ናብ ሃገሮም በይሎሩሲያ ንኽኣትዉ ምስ ዝተኸልከሉ ናይ ሚንስክ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ተደውች ኮንድሩሳይዊች ክራኸቡ ዝብል ርግጸይናነት ከምዘየለን ብጹዕ ኣቡነ ኮንድሩሳይዎች፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ሃገርና ይብሉ - ኣብ ጽንኩር ቅልውላው ማህበራውን ፖለቲካውን ትርከብ ኣላ፡ ዕርቅን ዘተና ተላብዮም፡ ሃገሮም ንኸይኣትዉ ምክልኻሎም ኢፍትሕውን ዘይሕጋውን ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ነቲ  ዘሎ ውጥረት ከየብእስ እምነይ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ላ ቨላ፥ ምእመናን ናይ ርእሰ ሰበኻኦም ብቕልጡፍ ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ውጥረት ክእለይ መታን ጸሎት ከዕርጉ ሓደራ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ቅርበት ር.ሊ.ጳ. ንበይሎሩሲያ፥ ብጹዕ ኣቡለ ጋላገር ኣብ ሚንስክ
12 September 2020, 22:24