ድለ

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣባይቲ ስድራ ናይ ሕብረተሰብ ኣገዳሲ ሃብቲ ምዃኑ የመላኽት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣባይቲ ስድራ ናይ ሕብረተሰብ ኣገዳሲ ሃብቲ ምዃኑ የመላኽት 

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣባይቲ ስድራ ናይ ሕብረተሰብ ኣገዳሲ ሃብቲ ምዃኑ የመላኽት

እቲ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ጉዳይ ዝሓል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብዋና ጸሓፊት ጋምቢኖ ዕለት 6 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ጋምቢኖ ካብ ናይ ገዛእ ርእሰን፥ በዓል ሓዳርን ኣደን ካብ ዝብል ተመክሮኤን ተበጊሰን

ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብናይዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊት ጋብሪኤላ ጋምቢኖ ኣቢሉ ብይብጻሕ ናብ ናይ  ኮሎምቢያ ብጹዓን ጳጳሳት ብዘመሓላለፎ ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ መላእ ትሕዝቶኡ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታው ጋዜጣ ኣብ ናይ ዕለት 9 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ሕትመቱ ንንባብ ከምዘብቀዖን፥

ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊት ጋብሪኤላ ጋምቢኖ
ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊት ጋብሪኤላ ጋምቢኖ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይቲ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣናባቢ መፍትሓዊ ቃል፥ ቃል ኪዳን “ምስናይ” ዝብል ኮይኑ ክልተ ኣገደስቲ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሸቶ ከምዘለዎን፥ እቲ ቐዳማይ መራዑት ናይቲ ናይ ክርስቶስ ህላዌ ኣብ ሕይወቶም ትእምርቲ ዝኾነ ናይ ምስጢረ ተክሊል ዓሚዩቕ ዕሴት ንኸለልዩ ምስናይ” ዝብልን እቲ ካልኣይ ኣገዳሲ ሸቶ “ኣብ ሕንጸት ደቃቶም ኣብ ጐዶኖም ምዃንን ምድጋፎምን” ዝብል ኣብቲ ብምኽንያት ካብ ዕለት 6 ክሳብ ዕለት 8 ሓምለ 2020 ዓ.ም. “ኣብ ኣገልግሎት ወንጌል ንናይ ኮሎምቢያ ተስፋ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ናይ ኮሎምቢያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብምኽንያት ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ብማሕበራዊ መረብት ብዝተሰነየ ውሕዘት ተሰንዩ ናብ ዘካይዶ ዘሎ መበል 110 ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ጉባኤ ምኽንያት ኣብ ዝተሓላለፈ ናይ ምስማዐ ርእየት መልኽቲ ዋና ጸሓፊት ጋብሪኤላ ጋምቢኖ ከምዘመላኸታ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ይሕብር።

ኣባይቲ ስድራ ኣብ በይናውነት ከይሕደጉ

እቲ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ጉዳይ ዝሓል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብዋና ጸሓፊት ጋምቢኖ ዕለት 6 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ጋምቢኖ ካብ ናይ ገዛእ ርእሰን፥ በዓል ሓዳርን ኣደን ካብ ዝብል ተመክሮኤን ተበጊሰን ናይ ስድራ ቤት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሸቶን ብቐዳምነት እንታይ ምዃኑ ኣነጺረን፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣብ መላእ ዓለም ኣባይቲ  ስድራ ናይ ሕብረተሰብ ኣገዳሲ ሃብቲ ምዃኑ ኣመላኺቱ እዩ፡ . . . ብጽንዓቶም ዘንቀሳቕስ መትንን ናይ ሓላፍነትን ምትሕብባርን ምትሕስሳብን ኣብ ጸገም ሕድ ሕዳዊ ናይ ምድግጋፍን ትርጉም ዘስፍሑ እያቶም” ቢለን ስድራ ቤት “ናይ ዓብይ ተቐባሊ ማለት ዝሓልይ ኤኮኖምን ማሕበራውን ሕንጸታውን ስፍራ እዩ። ስለዚ ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ስድራ ቤት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝተዓርደ ብድሆ፡ ንመጻኢ ወለዶ ስድራ ቤት ድኻም ጥራሕ ዘይኮነ ሓሴትን ጸዋዕታን ናይ ሓሴት ሕይወት ማለት ምዃኑ እውን ምስትርኣይ ዝብልን ዝድግፍን እዩ ከምዝበላ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ የመላኽት።

ዘቤታዊት ቤተ - ክርስቲያን

ጋምቢኖ ኣስዒበነ ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ “ስድራ ቤት ዝተባርከ ምስጢር እዩ። ሰብ ሓዳር ዘቤታዊ ቤተ - ክርስቲያን እያቶም”፡ እዚ ኣብ ጭቡጥ ዕለታዊ ሕይወት እንታይ ማለት እዩ? እቲ ዝወሃቦ መልሲ ንጹርን ስድራ ቤት ዘለዎ ናይ ሓናጽነት  ሕላፍነቱን መንፈሳዊ መሪሕነቱን ግምት ብምሃብ ነዚ መሰረት ዝገብር ደጋፍ የድልዮ - ኣብ ዕለታዊ ብድሆታትን ናይ ክርስቶስ ህላዌ ኣብቲ ብድሆ ከስተውዕሉ መታን” ብግልጺ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳኖም፥ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣካላት ብሓባር ምስ ሰብ ሓዳር ናይ ሰብ ሓዳር (ኣባይቲ  ስድራ) ዕለታዊ ብድሆታት ንምስናፍ ዝድግፉ ዝተፈላለየ መልሲ ዘቕርብ . . . ቅዱስ ምስጢራውነቱን ስድራ ቤት ምዃናውነቱ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምሕናጽ መሰረታዊ እዩ፡ . . . ስድራ ቤት ንብዙሓት ኣባይቲ ስድራ መስካሪት እዩ” . . . ጳጳሳት ብሓባር ምስ ኣባይቲ ስድራ ቤተ - ክርስቲያን ዝሓንጹ ክኾኑ ኣለዎም . . . ብዘይ ስድራ ቤት ቤተ - ክርስቲያን ምሕናጽ ዝከኣል ኣይኮነን። ምእንቲ’ዚ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ስድራ ቤተ ሓባራዊ ሓላፍነት ወይ ከኣ ኣብ ሓላፍነት ተኻፋሊ ክኸውን ምግባር የድሊ፡ ኣብዚ እዋን`ዚ እቲ ዓቢይ ናይ  ኣባይት ስድራ ብድሆ ሕንጸት እዩ፡ እዚ ኸኣ ስድራ ቤት ክስነዩን ኣብዚ ብስነ ኣሃዝ ብዝተራቀ ዓለም ርክብ ወለድን ውላድን እቲ ሓድሽ መጋበርያ ስድራ ቤት ዘረሓሕቕ ዘይኮነ ዘቀራርብ መታን ክኸውን ናይ እውነተይና ሰብኣዊ ርክብ መግለጺ መታን ክኸውን . . . ነዚ ኹሉ ርኢኻ ወለዲ ዘለዎም ሓላፍነት ቀሊል ከምዝለይኮነ ብምስትውዓል ኣብዚ ኩነት’ዚ ምስናዮም . . . ብሓባር ምስኦም ኲይናካ ምስናዮም ናይ ኣካልን ገዛእ ርእስኻን ኣብ ሓዳርን ስድራ ቤትን ዘሎ ናይ ምውፋይ ዘሎ ክብሪ መታን ክንበር ብቐጻሊ ምስናዮም።

መሰናድዎ ናብ መርዓ - ምስጢረ ተክሊል

ዋና ጸሓፊት ጋምቢኖ ኣብ ዘመሓላለፈኦ ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ ኣስዒበን፥ መንእሰያት - ሕጹያት ንምስጢረ ተክሊል ዝተጸውዑ ናብ ምስጢረ ተክሊል ምስናይ ዝግበር ኣገባብን ሜላን ትሕዝቶኡን ምምልካትን ምሕዳስን የድሊ፡ ጉያ ጉያ ንመርዓን ድሮ ናይ ቀረባ መዓልቲ ቃል ኪዳኖም ስለ ዝወሰኑ ብውሳኔኦም ዝተደረኸ ሓጺር መሰናደዊ ሓዋርያው ግብረ ኖልዎ ኣብ ምስጢረ ተክሊል ብዝብል ሜላ ዝቐርብ ኣገባብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክቕየር ኣለዎ፡ መርዓ ጸዋዕታን ናይ ሕይወት ውጥን ምዃኑ ክስተውዕል ዝድግፍ መሰናደዊ ክህሉ ወሳንን መሰረታውን እዩ፡ . . . ናይ ምስጢረ ተክሊል ውህበትን ውበትን ጸዋዕታ ክልተ ኣብ ክልተ ናብ ሓደ ምዃን፡ ልክዕ ከምቲ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቲ በቢ ኽልተ ከምዝለኣኾም፡ ስለዚህ ምስጢረ ተክሊል እቶም ክልተ ኣብ ክልተ ኢየሱስ ንምፍቃርን ንምግልጋልን ኣብ ስድራ ቤትን ማሕበረሰብን ዝልኣኹን እያቶም፡ . . . ኣብ ስድራ ቤትን ማሕበረሰብን በቢ ክልተ ዝለኣኹ፡ . . . ቅዱሳት ምስጢራት ብዕምቆት ኣብ ትምህርተ ክርስቶስ ብቐጻልነት ከከም ደረጃ ዕድመ ክቐርብ ኣለዎ፡ ትምህርተ ክርስቶስ ቀጻሊ እምበር ነሓደ ዓመት ክልተ ዓመት ዝበሃል ናይ ሞያ ስልጠና ኣይኮነን . . .  

ቃል ኪዳንን ኪደት ንኡሳን ክርስቲያንን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ 2017 ዓ.ም. ኣትሒዞም፥ ንቃል ኪዳናዊ  ሕይወት ኪደት ንኡሳዊ ክርስቲያን ምስራጽ የድሊ እንክብሉ የተሓሳስቡ፡ . . .  እዚ ኸኣ ቃል ኪዳን ናይ ብዙሓት ጸዋዕታ ስለ ዝኾነ፡ ይኹን ደኣ እምበር ኣብዚ እዋን እዚ መንእሰያት እቲ ሓላፍነትን ጸጋን ዝኾነ ጸዋዕታ ዝነጽጉ ኮይኖም ኣለዉ፡ ብዙሓት ሰብ ሓደራ እውን ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ቃል ኪዳናዊ ሕይወት ከፍርሱ እዩ ዝረአይ፥ . . . ጸዋዕታ ቅድስና እዩ! ቃል ኪዳን ጸዋዕታ እዩ፥ ነቲ ንዝጽውዕ እግዚኣብሔር እነኹልካ እትብለሉ፡ በዚ ኣገባብ እዚ እዩ ቃል ኪዳን ክስትውዓል ዘለዎ፡ ገዛእ ርእስኻ እተወፍየሉ ጸዋዕታ እውን እዩ፡ ዝበላለጽ ጸዋዕታ የሎን፥ ምእንቲ’ዚ ስድራ ቤተ ኪደት ንኡሳን ክርስቲያን ኣብ ቃል ኪዳን እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ዘተሓሳስቡ፡ ሓውርያዊ ግብረ ኖልዎ ምስጢረ ተክሊል እቶም ቃል ኪዳን ዝኣሰሩ ቃል ኪዳን ንምእሳር ኣብ ዝገብርዎ ጉዕዞን ድህረ ቃል ኪዳን እውን ከሰንዮም ዝኽእል ክኸውን ኣለዎ፡ . . . ።

ስድራ ቤትን ኣረጋውያንን

ጋብርኤላ ጋምቢኖ  ዘመሓላለፈኦ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ኣብ ስድራ ቤት ንኣረጋውያንን ንተኣፋፍያን ኣባላት ስድራ ቤትን ዘማዕድው ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ አገዳሲ እዩ፡ ኣብቲ ህላዌ ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ስድራ ቤትን ብጠቕላላ ኣብ ዓለም ዝዝንግዕ ሕብረተሰብ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን፥ ናይ ኣረጋውያን ክብሪ ህላወኦም ምስትዕውዓል የድሊ፥ “እቲ ዝዓበየን ክፍሊ ሕዝበ እግዚኣብሔር እያቶም”፡ ናይ  ሓድሽ ኣስፍህተ ወንጌል ደረስቲ፥ ተዘክሮ እውን ብምዃኖም ንመጻኢ ዘሰንዩን ኣብቲ ጭቡጥ ሎሚ ብኽብሪ ንምባር ክከኣል ኣረጋውያን ጸጋ እያቶም፡ . . .  ስድራ ቤት ከም ኩሉ ጸዋዕታ ንቕድስና እዩ፡ ንቕድስና ዝተጸዋዕና፡ ብእምንቕበሎ ጸዋዕታ ኣቢልና” . . .  እንክብላ ከምዝዘማ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣባይቲ ስድራ ናይ ሕብረተሰብ ኣገዳሲ ሃብቲ ምዃኑ የመላኽት
10 July 2020, 19:51