ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ፋብሪካ ፍልዩ ወኪል ሰምዮም ር.ሊ.ጳ. ንናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ፋብሪካ ፍልዩ ወኪል ሰምዮም 

ር.ሊ.ጳ. ንናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ፋብሪካ ፍልዩ ወኪል ሰምዮም

እቲ ብፋብሪካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝጽዋዕ ዋኒን ቅድስቲ መንበር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ሕንጻን ሕደሳት ጉዳያት ዝከታተልን ናይ ሕንጻ ሕደሳን ሕንጸትን ንዝተፈላለያ ትካላት ብጨረታ ዘሳትፍን

ኣብ ሃገር አቫቲካንን ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካን ናይ ስነ ጥብብ ሃብታት ጉዳያት ዝግደስን ናይ ሕንጸት ዕዮታት ጉዳይ ዝከታተልን ዘሳልጥን ብፋብሪካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝጽዋዕ ትካል መመሓደሪ ውሽጣዊ ቅዋም ሕዳሴ ክግብረሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሉይ ስልጣን ብዝደንገግዎ ውሳኔ መሰረት ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብጹዕ ኣቡነ ማሪኦ ጆርዳኖ ፍሉይ ላዕለዋይ ተቖጻጻሪ ወኪል ንኽዀኑ ዕለት 29 ሰነ 2020 ዓ.ም. ከምዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ማሪዮ ጆርዳኖ ብዛዕባ ፋብሪክ ቅዱስ ጴጥሮስ ኩሉ ፍልዩ መጽናዕቲ ገይሮምን ግልጺ ናይ ሓበሬታ ሰነድ ከቕርቡን ዝጠልብ ሓላፍነት ካብ ቅዱስ ቅዱስነቶም ከም እተቐበሉን ቅዱስነቶም ንብጹዕ ኣቡነ ጆርዳኖ ዝሰመይዎም እቲ ናይ ሃገረ ቫቲካን ዋኒን ዝኽተሎ ውሽጣዊ ቅዋም ንምሕዳስ ዘብቅዕ መደብ ክሕንጽጹን መዋቕራቱ ዘሳልጦ ዕዩ ብጥልቂ ብምምርማር ሕዳሴ ክግበረሉን ዘብቕዕ ዕዮ ከሳልጡ ዝብል ፍሉይ ስልጣን ዘለዎም ኮይኖም ብኣኦም ዝምራሕ ምስኦም ሓቢሩ ዝዓዪ  ሽማግለ እውን ከምዝቖመ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ  ኣፍሊጡ።

ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ፋብሪካ ዝጥቀመሎም መሳርዕ መራኸብታትን ዝኣመሰሉ ኣብቲ ፋብሪካ ኣብ ናይ ክለሳን ተቖጻጻርን ቤት ጽሕፈት ዝሰርሕ ግለ ሰብ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት ናይ እደ ጥበብን ቤት ምሕደራን ቤት ጽሕፈት ናይ ዕዮ ንብረት ዝኾነ መራኸብታትን ሰነዳትን ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድም ክብል ንናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ፍርዲ ክመሓላልፈ ብዝወሰዶ ውሳኔ መሰረት ንናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ፍርዲ ኣሰራቲ ሕጊ ዳይና ጃን ፒየሪ ሚላኖን ንካልኣይ ዳይናን ኣለሳንድሮ ዲዲ ከምእተረከበ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ብፋብሪካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝጽዋዕ ዋኒን ቅድስቲ መንበር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ሕንጻን ሕደሳት ጉዳያት ዝከታተልን ናይ ሕንጻ ሕደሳን ሕንጸትን ንዝተፈላለያ ትካላት ብጨረታ ዘሳትፍን እቲ ዘድሊ ስራሕ ብሓላፍነት ዘረክብ እውን ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን ሕንጸትን ሕድሳትን እውን ዝከታተል ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣተሓሒዙ የዘኻኽር።

ር.ሊ.ጳ. ንናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ፋብሪካ ፍልዩ ወኪል ሰምዮም
01 July 2020, 12:24