ድለ

ባርባጋሎ፥ ናይ ሃገረ ቫቲካን ሓልዮ ሓበሬታ ሃብቲ ገንዘብ ተቖጻጻሪ በዓል ስልጣን ዕዮ ምዕባሌታት

እቲ ባርባጋሎ ዝመርሕዎ ናይ ሃገረ ቫቲካና ናይ ገንዘብ ሓብቲ ሓልዮ ሓበሬት በዓል ስልጣን ቤት ጽሕፈት ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ኤኮኖሚ ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋ ቤት ጽሕፈትን ናይ ሕግን ፍትሕን ዘነቓቕሕን ምስ ካልኦት ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ብምትሕብባር

ናይ ሃገረ ቫቲካን ሓልዮ ሓበሬታ ሃብቲ ገንዘብ ዝከታተል በዓል ስልጣን ኣቦ መንበር ካርመሎ ባርባጋሎ ናይ 2019 ዓ.ም. ናይ 2020 ዓ.ም. ቀዳማይ መፋርቕን ናይቲ በኣኦም ዝምራሕ በዓል ስልጣን ናይ ሃገረ ቫቲካን ትካላትን ዋኒንን ምንቅስቓስ ሃብቲ ገዘንብ ዘካይዶ ናይ መርመራን ምቁጽጻርን ዕዮን ተበጽሖታቱን ዝሕብር ጸብጻብ ኣማእኪሎም ምስ  ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መምሕትት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ምንቅስቓስ ሕጽቦ ረሳሕ ሃብቲ ገንዘብን ንግብረ ሽበራ ዝውዕል ሃብቲ ገንዘብን ዝቆጻጸር በዓል ስልጣን ንዘካይዶ መርመራ ቅሩባት ንምዃን ኣድላዪ እዩ፡ እቲ ናይ ሃገረ ቫቲካን ትካላትን ዋኒናትን ሃብቲ ገንዘብ ተቖጻጻሪ በዓል ስልጣን ኣብ ዘካይዶ ምቁጽጻር ውጽኢታቱ ዘዕግብን ዝነኣድ ስጉምቲ እውን ከምዝዓተረ ኣፍሊጦም፥ እቲ  ብኣኦም ዝምራሕ በዓል ስልጣን ኣብ ትሕቲ መርሕነቶም ዘርኣዮን እንታይ ይመስል ምዕባሌታቱ ብዕምቆት ከምዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ኣፍሊጦም።

ድሕሪ ኣርብዓ ዓመት ኣብ ናይ ኢጣሊያ ማከላይ ኣገልግሎቶም

ነርበዓ ዓመት ኣብ ናይ ኢጣሊያ ማእከይ ባንኪ ቤት ዘገልገሉን ኣብ 2019 ዓ.ም. ነቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃብቲ ገንዘብ ተቖጻጻሪ በዓል ስልጣን ኣቦ መንበር ኮይኖን ንኽመርሕዎ ብር.ሊ.ጳ. ዝተሓርዩ ካርመሎ ባርባጋሎ ናይቲ ብኣኦም ዝምራሕ በዓል ስልጣን ናይ 2019 ዓ.ም. ከምኡ እውን ናይ 2020 ዓ.ም. ቀዳማይ መፋርቅ ናይ ሃገረ ቫቲካን ዋኒንን ትካላትን ናይ ሃብቲ ገንዘብ ጉዳይ ኣብ ዝምልከት ዘካየዶ ናይ ምቁጽጻር ዕዮ ሓባሪ ጸብጻብ ከምዘቕረቡን፥

ኣብ ቫቲካንን ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባርን

እቲ ባርባጋሎ ዝመርሕዎ ናይ ሃገረ ቫቲካና ናይ ገንዘብ ሓብቲ ሓልዮ ሓበሬት በዓል ስልጣን ቤት ጽሕፈት ምስ ናይ  ቅድስቲ መንበር ናይ ኤኮኖሚ ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋ ቤት ጽሕፈትን ናይ ሕግን ፍትሕን ዘነቓቕሕን ምስ ካልኦት ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ብምትሕብባር ዝተፈላለዩ ናይ ሃገረ ቫቲካን ኣባይቲ ጽሕፈት ናይ ገንዘብ ሃብቲ ሓበሬታ ካበይን ናበይን ኣብ ምልላይ ኪደት ብቕዓት ክህልዎም ዝተፈላለዩ መደብ ሕንጸት ከምዘሳለጠን እዚ ኸኣ ኣባይቲ ጽሕፈት ሃገረ ቫቲካን ነቲ ስግኣት ዝኾነ ግብረ ሕጽቦ ረሳሕ ሃብቲ ገንዘብን ንኣሸበርቲ መጋበርያ ዝውዕል ሃብቲ ገንዘብን ናይ ምልላይን ምቁጽጻርን ኣኽእሎቶም ከብ ከብሉን ብዙሕ እዋን ብዘይ ፍላጥ እቲ ሃብቲ ገንዘብ ረሳሕ ምዃኑን ንግብረ ሽበራ ዝውዕል ከምዝኾነ ካብ ዘይምፍላጥ ኣብ ጌጋ ከይውዕሉ ጸረ ኣካል ከማዕብሉ ዘድሊ መደብ ሕንጸት እውን ምክያዱ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ ብዛዕባ ሃብቲ ገንዘብ ግልጽን ንጹርን ሓበሬታ ዝቕበልን ዘቕርብን ቤት ጽሕፈት እውም ምዃኑ የመላኽቱ።

እቲ ናይ ሃብቲ ገንዘብ ሓልዮ ሓበሬታ በዓል ስልጣን ኣብ 2010 ዓ.ም. ብውሳኔ በነዲክቶስ መበል 16 ዝቖመን ካብ 2011 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎን ክኸውን እንከሎ፡ ምስ ናይ ሃይማኖት ተግባር ተቕዋም (Ior) ርክብ ዘለዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ተቕዋማትን ዝቆጻጸርን ከምቲ ቅድም ክብል ከምዝሓበርዎ ረሳሕ ሃብቲ ገንዘብ ንምሕጻብን ንግብረ ሽበራን ዝውዕል ሃብቲ ገንዘብ ንምኽዋል ዝግበር ጸረ ሕጋውነት ተግባር ብፍሉይ ዝከታተልን ዝቆጻጸርን እዩ።

ናይ ሃገረ ቫቲካን ሓልዮ ሓበሬታ ሃብቲ ገንዘብ ተቖጻጻሪ በዓል ስልጣን ዕዮ ምዕባሌታት
04 July 2020, 19:17