ድለ

መጽሔት ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ መርበብ ሓበሬታ መጽሔት ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ መርበብ ሓበሬታ 

መጽሔት ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ መርበብ ሓበሬታ

እቲ ናይ ሳላሳ ዓመት ታሪኽ ዘለዎ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ወግዓዊ ምስክርነት ዘተ ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳጳሳትን መንእሰያትን ፍርያም ዘተ ብመረብታዊ መጽሔት

ኣብ ናይ ዓለማውያንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ www.laityfamilylife.va ኣብ ዝብል ኣድራሻ እቲ ካብ ርሑቕ ሰላሳ ዓመት ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ኣብ መንጐ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን መንእሰያት ዝተበገሰ ወግዓዊ ናይ ዘተ ምስክርነት ፈልዩ ዝትርኽ መረብትዊ መጽሔት ንንባብ ከምዘቕርብ ክሕበር እንከሎ፥ ኣብቲ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ እቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ፓናማ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ቁጽሪ 25 መረብታዊ መጽሔት ዕለት 18 ሰነ 2020 ዓ.ም. ከም ቀዳማይ መጽሔት ንንባብ ከምዘብቅዔ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘውጸኦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ነፍሲ ወከፍ ቅነ መንእሰያት ምስክርነት

እቲ ናይ ሳላሳ ዓመት ታሪኽ ዘለዎ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ወግዓዊ ምስክርነት ዘተ ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳጳሳትን መንእሰያትን ፍርያም ዘተ ብመረብታዊ መጽሔት ኣብቲ ናይቲ ናይ ዓለማውያን መእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ፡ መረብታዊ መጽሔት ዓለም ሓቆፍ መንእሰያት ንንባብ ከብቕዕ ከምዝኾነን እቲ ምስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተኻየዱ ርክባት ማሕበር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ሓደ ጠርኒፉ ብቋንቋ እንግሊዝን ስፓንሽን ፈረንሳን ጣልያንን ከምዘሕተሞን እቲ መጽሔት ብኣሳእልን ጽሑፍን ዝተሰነየ ኮይኑ ነቶም ዝተሳተፉ መንእሰያት ናይቲ ዝተሳተፍዎ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ተመክሮን ርክባቱን ናይቲ ኵነት ቀንዲ ህሞትን ዳግም ንኽነብርዎን ንዝሳተፉ ኸኣ ንኽነብርዎን ዝድግፍ ምዃኑ ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ፓናማ 2019 ዓ.ም.

እዚ መደብ መረብታዊ መጽሔት በቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ፓናማ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣሳቲፉ ብዝተኻየደ ቅነ መንእሰያት ቍጽሪ 25 መረብታዊ መጽሔት ኣቢሉ ብወግዒ ዕለት 18 ሰነ 2020 ዓ.ም. እቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ንንባብ ብዘብቀዖ መረብታዊ መጽሔት፡ ቃል ቅዱስነቶምን ምስክርነት መንእሰያት ዘቕርብን ነቲ ኩነት ብኣሳእል እውን ዘርእይ እዩ።

ፍጥረት

ኣብቲ መጽሔት እውን ኣብታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይሴባህ ዘርእስታ መሰረት ዝገበረ “መንሰያት ንናይ ሓባር ቤትና፥ ኵለንተናዊ መሓድሮኣዊ ብግብሪ” ብዝብል መርሕ ቃል መንእሰያት ዘካይድዎ ጻዕሪ ዝሕብር ቃልን ኣሳእልን እውን ዘሳዃዕ ከምዝኾነን ኣብቲ ዕለት 18 ሰነ 2020 ዓ.ም. ንንባብ ዝበቐዔ መጽሔት ናይ 2019 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት፥ ኣተሓሒዙ እውን ዘካየዶ  ሳልሳይ ስንዳወ “መንሰያት ንናይ ሓባር ቤትና፥ ኵለንተናዊ መሓድሮኣው ብግብሪ” ዝትርኽ ገጽ እውን ክጠቓለል ከምዝገበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መጽሔት ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ መርበብ ሓበሬታ
21 June 2020, 00:41