ድለ

ብጹዕ ኣቡነ ኢቫን ዩርኮቪች ብጹዕ ኣቡነ ኢቫን ዩርኮቪች 

ቅድስቲ መንበር ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዋዕላ ዛዕባ ኣድልዎ ብዘርኢ

“ኩሉን ነፍሲ ወከፍን በርኣያን ኣምሳልን እግዚኣብሔር ዝተፈጥረ ናይ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ኣባል - ኣካል እዩ”፡ እንክብሉ ብኣጽንዖን ዘተሓሳሰቡ ብጹዕ ኣቡነ ዩርኮቪች፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ዝኾነ ይኹን ዓይነት ኣድልዎን ማሕበራዊ ምንጻልን ከም ቅቡል እናሓሰብካን ርኢኻ ከምዘይረኣኻ እናኾንካን ናይ ሕይወት ቅዱስነት ክከላኸል ይግብኣኒ ምባል ብፍጹም ዝከኣል ኣይኮነን”

ዕለት 18 ሰነ 2020 ዓ.ም. ጀነቭ ዝርከብ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ማሕበር “ህልው ኩነታት ዘርኢ መሰረት ዝገበረ ዝረአይ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን፥ ሜላውን ቅርጻውን ኣድልዎ ብዘርእን ጭካኔ ኣባላት ሓይሊ ጸጥታን ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፈይናትትን” ኣብ ዝብል እዋናዊ ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሉ ኣብ ዘካይዶ ዓውደ ኣኼባ ዝተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ  ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ዩርኮቪች ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድስቲ መንበር ኣድልዎ ብዘርእን ዘረይናነትን ብኹሉ ዓይነት መግለጽታቱ ብፍጹም ክጽወር ዘይከኣል እዩ ክትብል ኣጽኒዓ ትገልጾን ትኹንኖን፡ ኣብቲ ዕለት 18 ሰነ 2020 ዓ.ም. ኣብ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ጉዳይ ዝከታተል ማሕበር ነቲ ኣብዚ እዋን ዝረአይ ዘሎ ኣዚዩ ዘተሓሳስብን ዓቢይ ስግኣትን ዝኾነን ኣድልዎ ብዘርኢ ኣማእኪሉ ኣብ ዘካየዶ መበል 43 መደበይና ዓውደ ኣኼባ “ዓሌት ማእከል ዝገበረ ኣድልዎን ስሩዕን ቅርጻውን ኣድልዎ ብዘርእን ዓሌትን ናይ ሓይሊ ጸጥታ ኣባላት ጭካኔን ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ናይ ተቓውሞ ሰልፈይናታትን” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ሰፊሕ ምይይጥ ከምዘካየደን ኣብቲ ዓውደ ኣኬባ ዝተሳተፉ ኣብ ጀነቭ ኣብ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ሓዋርያዊ ልኡኽክ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኢቫን ዩርኮቪች፥ ኩለን ሃገራት “ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ውሑስ ክገብራን ከነቓቕሓን” ከምእተላበዉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፓውሎ ኦንዳርዛ ሓቢሮም።

ከምዘይረኣኻ ዘይምዃን

ብርግጽ “ኩሉን ነፍሲ ወከፍን በርኣያን ኣምሳልን እግዚኣብሔር ዝተፈጥረ ናይ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ኣባል - ኣካል እዩ”፡ እንክብሉ ብኣጽንዖን ዘተሓሳሰቡ ብጹዕ ኣቡነ ዩርኮቪች፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ዝኾነ ይኹን ዓይነት ኣድልዎን ማሕበራዊ ምንጻልን ከም ቅቡል እናሓሰብካን ርኢኻ ከምዘይረኣኻ እናኾንካን ናይ ሕይወት ቅዱስነት ክከላኸል ይግብኣኒ ምባል ብፍጹም ዝከኣል ኣይኮነን” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ጠቒሶም፥ “ኩሉ ዓሌትን ሃይማኖትን ጾታን ኣናስርን ባህልን ብዘየገድስ ኣብ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ማዕረ እዩ” ከምዝበሉ ኦንዳርዛ ኣፍሊጦም።

ናይ ኵሉ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምክልኻል

“ናይ ኣድልዎን ኣድልዎ ብዘርእን ናይ ጽልእ መጻእተይናን መሰረት ዝኾነ ሕድ ሕዳዊ ቅድመ ፍርድን ቅድመ ኣመርን ከብቕዕ” ጻውዒት ኣቐሪቦም፡ “ሓደ’ኳ ደሴታውነት ከይስምዖን! ሓደ’ኳ ናይ ካልእ ክብረትን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክግህስ ሓላፍነት የብሉን ከምዝበሉ ዝሓበሩ ኦንዳርዛ ኣስዒቦም፥ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ሰነ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ “ዓመጽ ርእሰ ዕንወትን ርእሰ ማህሰይትን እዩ፡ ብዓመጽ ዝኽሰብ ሓደ’ኳ የልቦን ጥፍኣት ጥራሕ እንተዘይኮነ” ዝበልዎ ጠቒሶም ብጹዕ ኣቡነ ዩርኮቪች ዘስምዕዎ መደረ ከምጠቓለሉ ገሊጾም።

ቅድስቲ መንበር ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዋዕላ ዛዕባ ኣድልዎ ብዘርኢ
21 June 2020, 00:32