ድለ

2019.07.24 Benedetto XVI - 2013.02.24 anno della rinuncia 2019.07.24 Benedetto XVI - 2013.02.24 anno della rinuncia 

በነዲክቶስ መበል 16 ናብ ሃገረ ቫቲካን ብሰላም ተመሊሶም

ኣብ ዛይገትስድሮፍ ናብ ዝርከብ ናይ ወለዶምን ናይ ምዕባይ ሓብቶምን ናይ መቓብር ስፍራ በጺሖምን ጸሎት ከምዘዕረጉን ኣብ ረገንስበርግ ናብ ዝርከብ ናብታ ዝዓበዩላ ታሪኻዊት ቤቶም ምብጻሕ ከምዘካየዱን

ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብጽኑዕ ንዝሓመሙ ምዕባይ ሓዎም የኔታ ኣባ ገዮርግ ንኽበጽሑ ሓሙስ ንግሆ ካብቲ ንብሕቶም ኣብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ዝርከቡሉ ገዳም እመ ቤተክርስትያን ብኣካላት ሓለዋ ጥዕናን ጸጥታን ናይ ቅድስት መንበርን ተሰንዮም ከባቢ ሰዓት 11.45 ናይ ንግሆ ካብ ቫቲካን ነቒሎም ሚዩኒሽን ኣብ ዝበሃል ከተማ ጀርመን ብሰላም ኣትዮምን ከምቲ ዝነበረ መደብ መሰረት እቲ ዝፈጸምዎ ምብጻሕ ብሰላም ዛዚሞም ዕለት 22 ሰነ 2020 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት ዓሰርተ ካብ ሙይንሽን ከተማ ካብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ነቒሎም ሰዓት ሰዓት ሓደ ሮማ ኣትዮምን ብማኪና ድሕሪ ናይ 45 ደቓይቕ ጉዕዝ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናብ ዝርከብ መንበሪኦም እመ ቤተ ክርስቲያን ገዳም ብሰላም ከምዝኣተዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ከቢድ ሕማም ንዝርከቡ ተስዓን ሽዱሽተን ዓመት ዝዕድመኦም ሓዎም የኔታ ኣባ ገዮርግ ራትዚንገር ንምብጻሕ ዝሓለፈ ዕለት 18 ሰነ 2020 ዓ.ም. ሙይንሽን ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ ኣተዉ ብናይ ረገንስበርግ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ሩዶልፍ ቮደርሆልዘር ኣቀባብላ ተገይሩሎምን ናብቲ ሓዎም ኣብ ረገንስበርግ ናብ ዝርከብሉ ስፍራ ሓቢሮም ተጓዕዞምን ዘካየድዎ ምብጻሕ ኣጠናቒቖም ክሳብ ዕለት 22 ሰነ 2020 ዓ.ም. ናብ ሮማ ዝተመለሱላ መዓልቲ ንሓዎም እናተመላለሱ ከምዝበጽሕዎምን ኣብ ዛይገትስድሮፍ  ናብ ዝርከብ ናይ ወለዶምን ናይ ምዕባይ ሓብቶምን ናይ መቓብር ስፍራ በጺሖምን ጸሎት ከምዘዕረጉን ኣብ ረገንስበርግ ናብ ዝርከብ ናብታ ዝዓበዩላ ታሪኻዊት ቤቶም ምብጻሕ ከምዘካየዱን ኣብዚ ዘካየድዎ መገሻ በነዲክቶስ መበል 16 ጴጥሮሳዊ መንበር ብፍቓዶም ቅድሚ ምልቃቖም ኣብ ርእሰ ሊቃነ ጵጵስናኦም እዋን ናይ ብጹዓን ጳጳሳቲ ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ክይኖም ዘገልገሉ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ጀርመን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያው ልኡኽ ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኒኮላ ኤተሮቪች ካብ በርሊን ናብ ሙዩንሽን ብምኻድ ከምዝበጽሕዎምን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

በነዲክቶስ መበል 16 ናብ ሃገረ ቫቲካን ብሰላም ተመሊሶም
23 June 2020, 21:46