ድለ

ብጹዕ ኣቡነ ፓሊያ፥ ናይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ስርዓት ሕዳሴ የድልዮ! ብጹዕ ኣቡነ ፓሊያ፥ ናይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ስርዓት ሕዳሴ የድልዮ! 

ብጹዕ ኣቡነ ፓሊያ፥ ናይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ስርዓት ሕዳሴ የድልዮ!

“ጸገም ጥዕናን ቅልውላው ክንክን ጥዕናን ኮቪድ - 19ን ናይ ሓባር ረብሓን ዝብሉ ነጥብታት ብምድህሳስ ሰብኣዊ ሕይወት ምድሓንን ጥዕና ናይ ሓባር ረብሓን እዩ ዝብል ሓሳብ

“ለብዕን ኵለንተናዊ ሕውነትን” ብዝብል ኣርእስቲ ጳጳሳዊ ናይ ህይወት ተቕዋም ዘውጸኦ ሰነድ ማእከል ዝገበረ ናይ ላቲን ኣመርካን ካራይቢን ብጹዓን ጳሳት ቤት ምኽርን ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘሳተፈ ብመረብታዊ ውሕዘት ዝተደገፈ ዓውደ ጉባኤ ከምእተኻየደን ብዛዕባ እዚ ዓውደ ጉባኤ ኣመልኪቶም ጳጳሳዊ ናይ ስነ ሕይወት ተቕዋም ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ፓሊያ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ከም ፍሉይ ዕድል ንውሑዳት ጥራሕ ዘይኮን፡ ብዅሉ ተበጻሒ ክኸውን ኣለዎ፡ እዚ ኸኣ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንምብዳህ ዝግበር ዘሎ ድልያ ናይ ክትባት መድሓኒት ዝፍትኖ ጉዳይ ከምዝኸውን ርግጽ እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ለብዕን ኵለንተናዊ ሕውነትን ብዝብል ኣርእስቲ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ህይወት ተቛም ዘሰናደዎ ሰነድ ኣማእኪሉ ዝተኻየደ መረብታዊ ዓውደ ጉባኤ ብሰፊሕ ዛዕባ ኮቪድ - 19 ዝዘተየ ክኸውን እንከሎ፡ “ጸገም ጥዕናን ቅልውላው ክንክን ጥዕናን ኮቪድ - 19ን ናይ ሓባር ረብሓን ዝብሉ ነጥብታት ብምድህሳስ ሰብኣዊ ሕይወት ምድሓንን ጥዕና ናይ ሓባር ረብሓን እዩ ዝብል ሓሳብ ናይ ላቲን ኣመሪካ ካራይቢን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብኣጽንዖት ከምዘመላኸተ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ዳቪደ ዲዮኒሲ ሓቢሮም።

ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ

ጳጳሳዊ ናይ ስነ ሕይወት ተቕዋም ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ቪንቸንዞ ፓሊያ፥ ናይቲ ብኣኦም ዝምራሕ ጳጳሳዊ  ተቕዋም ንጥፈታቱ ብሰፊሕ ኣብሪሆምን እዚ ተቕዋም’ዚ ዕለት 30 መጋቢት 2020 ዓ.ም. “ለብዕን ኵለንታዊ ሕውነትን” ብዝብል ኣርእስቲ ዘቕረቦ ሰነድ ወግዓዊ ከምዝገበሮን ኣብ ቀረባ እዋን እውን “ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ኣብ እዋን ለብዒ፥ ኣስተንትኖ ብዛዕባ ዳግም ውልደት ሕይወት” ብዝብል ኣርእስቲ ቀጻሊ ሰነድ ወግዓዊ ከምዝገብር እውን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ ብዛዕባ እቶም በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣዚዮም ዝጥቕዑ ዘለዉ ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘማእከለ ኣስተንትኖ ዝተነብሮ ሰነድ እውን የሰናድው ኣሎ፡ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ፥ ኣብ ናይ ዘመን ለውጢ ዘይኮነ ኣብ ናይ ለውጢ ዘመን ኢና” እንርከብ ኢሎም።

ኣቐዲምካ ምክልኻልን ምርመራን ፍወሳን

ንብጹዕ ኣቡነ ፓሊያ እቲ ናይ ዕለት 30 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ሰነድ፥ ብቐዳምነት ኣቐዲምካ ናይ ምክልኻል ዕድልን መርመራን ፍወሳን ኵላዊ ኣኽእሎ ክኸውን ዝብል እዚ ኽኣ ኣቐዲምካ ምክልኻልን መርመራን ፍወሳን ናይ ውሑዳት ዕድልን ሓለፋን ከይከውን ዝብልን ኣብ ካልኣይን መደምደምታን ክፋሉ ድማ ዛዕባ ሓላፍነት ናይ ስነ ምርምር ድልያ ትርጉሙ ዝሕብርን እዩ፡ ማለት ስነ ምርምራዊ ድልያ ኵለንተናውን ናይ ስነ ምርምር ድልያ ናጽነትን ምኽባርን ኤኮኖሚያዊ መኽሰብን ዝምልከት ተዛማዲ ሕቶ ብዕምቆት ዝምልከትን በዚ ኣገባብ’ዚ ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ ጥዕና ናይ መላእ ኣብ ናይ ሓባር ቤትና ዝነብር ሰብኣዊ ፍጥረትን መላእ ፍጥረትን ጥዕና ዝሓልይ ብምዃኑ በዚ መሰረት’ዚ ሕዳሴ ክግበረሉ ዘመላኽት እውን እዩ ኢሎም።

ምትሕብባርን ጭቡጥ ጸረ ለብዒ ምላሽን

ኣብቲ ብመርበባዊ ውሕዘት ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ናይ ስነ ማሕበረሰብ ሊቅ ጃኒ ቶኞኒ፥ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ልብዒ መልሲ ኣብ ምሃብ ዘሎ ምፍንጭል መንግስታትን ናይ ስነ ምርምር ሊቃውንትን ሓኻይምን ኣማእኪሎም ሰፊሕ ትንተና ከምዘቕረቡን ነዚ ምፍንጫል’ዚን ሳዕቤኑን ብቑዕ መልሲ ንምሃብ ዝግበር ጻዕሪ ከምዘንውሖ ከመላኽቱ እንከለዉ፡ ናይቲ ብካሪታስ ዝጸውዕ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ግብረ ሰናይ ጨንፈር ኣብ ኮሎምቢያ ሓላፊ ብጹዕ ኣቡነ ሄክቶር ፋቢያ ሄናኦ ብወገኖም ዛዕባ እቲ ዝረአይ ቅልውላው ማሓድሮን እዚ ኣብ ጉዳይ ጥዕና ዘለዎ ሳዕቤንን ኣማእኪሎም ትንተና ከምዘቕረበን መክሲካዊ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ኣልፎንሶ ሚራንዳ፥ ኣብቲ እቲ ለብዒ ዘስዓቦ ዘሎ ስእነት ስራሕን ማሕበራዊ ቅልውላውን ተስፋ ምዝራእን ጭቡጥ መልሲ ንምቕራብ መሰረታዊ ምዃኑ ዘብርህ መደረ ከምዘስምዑን ዝሓበሩ ብጹዕ ኣቡነ ፓሊያ ኣስዒቦም ብጽዕ ኣቡነ ኤልኪን ኣልቫረዝ እውን ብወገኖም ኣብ ኮሎምቢያ መንግስትን ተቕዋማቱን ንናይ ሕዝቢ መሰረታዊ ድላይ መልሲ ኣብ ምሃብ ዘርእዮ ምፍልላይ ኣማእኪሎም ሰፊሕ ትነተና ከምዘቕረቡን ኣብ ምወዳእታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ላቲን ኣመሪካ ነቲ ዝርኣይ ዘሎ ቅልውላው ብቑዕ መልሲ ንምሃብ ብቕዓት ዘለዋ ክትከውንን መልሲ ኣብ ምሃብ ክትድግፍን ተስፋን ምትሕብባርን ክትዘርእ ከምዘለዋ እዚ ናብ ናይ ፍቕርን ምትሕብባርን ሕውነትን ስልጣነ ዘሰንይ ምዃኑ ብጹዕ ኣቡነ ፓሊያ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከምዘመላኸቱ ሓቢሮም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ብጹዕ ኣቡነ ፓሊያ፥ ናይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ስርዓት ሕዳሴ የድልዮ!
25 June 2020, 18:22