ድለ

ሓድሽ ሓፈሻዊ መምርሒ ንትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ሓፈሻዊ መምርሒ ንትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን 

ሓድሽ ሓፈሻዊ መምርሒ ንትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን

እቲ ሰነድ ኣተሓሒዙ ትምህርቲ ሃይማኖት (ብዛዕባ ሃይማኖት ዝቐርብ ትምህርቲ) ካብ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተፈለየ እውን እተኾነ ንሓድ ሕዶም ተማላእቲ ምዃኖም የብርህ . . . ናይ ሃይማኖት ረቛሒ ናይ ህልውና ኩርናዕ እዩ

ወንጌል ወትሩ ህልው ንምግባር፥ ሓድሽ መሓበሪ ንትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ድሕሪ እቲ ኣብ 1971 ዓ.ም. ቀዳማይ ሕዳሴ ስዒቡ እቲ ኣብ 1997 ዓ.ም. ተሓዲሱ ዝቐረበ ናይ ክቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ትምህርተ ክርስቶስ መዝገበ ሃይማኖት ሓፈሻዊ መሓበሪ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 23 ሰነ 2020 ዓ.ም. ይኹንታ ተዋሂብዎ ኣብ 15 ክፍለ ዘመን ንኣስፍሆተ ወንጌል ንትምህርተ ክርስቶስን ብርቱዕ ድርኺት ዝሃበ ቅዱስ ቱሪቢኦ ዘሞግሮቨዮ ቤተ ክርስቲያን ኣብ እትዝክረሉ ዕለት 25 ሰነ 2020 ዓ.ም. ተሓዲሱን ተመሓይሹን ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ብወግዒ ንንባብ ከምዘብቀዖን ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ሓድሽ ሓፍሻዊ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ትምህርተ ክርስቶስ መምርሒ ሰነድ ብመንጽር ናይ ርክብ ባህሊ ኣብ መንጐ ኣቲ ናይ መጀመሪያን ምዕባለን ብስለትን እምነት ብኣጽዖት ዘስመረ ኣብ መንጐ ኣስፍሆተ ወንጌልን ትምህርተ ክርስቶስን ዘሎ ምትእስሳር ናይቲ መምርሒ ፍሉይ መለለይኡ እዩ። እቲ ፍሉይ መለለዪኡ ኣብዚ እዋን’ዚ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድሚኣ ዘሎ እዋናዊ ክልተ ብድሆ፥ ብሰነ ኣሃዝ ዝተራቐ ባህልን ናይ ባህሊ ዓውሎማነትን ኣብ ምግጣም ከምእትርከብ ዘነጽር እዩ። እቲ ናይ መምርሒ ሰነድ 300 ገጽን 3 ክፍልን 12 ምዕራፍን ዘጠቓልል ከዮኑ ነፍሲ ወከፍ ምስጢረ ጥምቀት ዝተቐበለ ሓዋርያ ተልእኾ ወንጌልን ብምዃን እምነት ንምርኻብ ሓድሽ ቋንቋን ንምርካብ ኣድላይነት ህርኩት ጻዕርን ሓላፍነት ዘለዎን ከምዝኾነ የዘኻኽር።

ኣብ ጉዕዞ ተግባራውያን ክኾኑ ዝኽእሉ ምስክርነትን ምሕረትን ዘተን ዝብሉ መሰረታውያን መርሖታት የቕርብ፡ ምስክርነት፥ ምኽንያቱ ቤተ ክርስቲያን ብምስዳዕ ዘይኮነ ብምምራኽን ምሕረት ብስራተ እምነት ተኣማኒ ይገብርን እቲ ሳልሳይ መርሖ ከኣ ዘተ ዝብል ክኸውን እንከሎ ናጻን ብጥርሑን ካብ ፍቕሪ ዝነቕል ብዘይ ምግዳድ፡ ኣብ ሕንጸት ሰላም ኣበርክቶ ህይልዎ - በዚ ኣገባብ እዚ ይብል እቲ መምርሒ -  ትምህርተ ክርስቶስ ክርስቲያን ንህልውናኦም ምሉእ ትርጉም ንኽህቡ ይሕግዞም። ጽማሬ ናይቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ትምህርተ ክርስቶስ ናይ መምርሒ ሰነድ፥

ሕንጸት መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ

“ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ኣስፍሆተ ወንጌል” እዚ ናይቲ መምርሒ ናይ ቀዳማይ ክፍሉ ኣርእስቲ ክኸውን እንከሎ፡ ናይ መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ሕንጸት ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣጽኒዑ፡ መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ እሙናት ናይ እምነት መሰኻኽር መታን ክዀኑ፡ ቅድሚ ትምህርተ ክርስቶስ ምሃብ መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ክኾኑ ይግብኦም፥ ቅድም ትኾኖ ደሓር ተቕርቦ። . . . ምእንቲ’ዚ ብናጻን ብተወፋይነትን ብስኒትን ነቲ መኻን ዝኾነን ውልቃነት ንዝብልን ርቡጽ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘርሕቕ መንፈሳውነት ዝንበሮ ተልእኾ እዩ። . . . መምህር ሓናጽን መስካርን ናይ ክላኦት ናጽነት ብምኽባር ብትሕትና ዘሰይን እዩ።  ብምትሕሓዝ እውን “ንነፍሲ ወከፍ ሰብን ብፍላይ ከኣ ንትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ተኣፋፍያንን ካብ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ዓመጽ ምሉእ ብምሉእ ንምክልኻል ቆራጽ ንቕሓት ክህሉ ወሳኒ እዩ” እንክብል የተሓሳስብ። መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ናይ ሱታፌ ኣገባብ ክህልዎምን መሳለጥያን ቋንቋን ኣብ ምጥቃም መሃዝያን ክዀኑ እቲ ናይ መምርሒ ሰነድ ይዕድሙ።

ናይ ትምህርተ ክርስቶስ ቋንቋ፥ ትረኻን ስነ ጥበብን ሙዚቃን

ናይ ቋንቋ ብድሆ ህልው እዩ፡ ብፍላይ እዚ ሓሳብ እዚ ኣብቲ ናይ መምርሒ ሰነድ “ናይ ትምህርተ ክርስቶስ ኪደት” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተደርሰ ካልኣይ ክፋል ዝተነብረ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፥ ዝተፈላለዩ መግለጽታት፥ ትረኻ ካብ ዝብል ሓሳብ ይብገስ፡ እዚ “ጥልቅን ስሉጥን ናይ ርክባዊ ኣገባብ እዩ”፡ ናይ ኢየሱስን ናይ እምነትን ናይ ሰባትን ታሪኽ ኣብ ምቕራብን ምግላጽን . . . ስነ ጥበብ፥ ጽባቔ ምስ እግዚኣብሔር ዘራኽብ ብምዃኑ ጽባቔ ምስትንታን፡ ሙዚቃ፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ንዘሎ ሃረርታ ኢታእላው ዝመልእ ሙዚቃ፡ እዚ ኸኣ መንፈሳዊ ማህሌት - መዝሙርን ምጥቃም ዝብል እዩ።

ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ሕይወት ሰባት፥ ኣገዳስነት ስድራ ቤት

ትምህርተ ክርስቶስ ብጭቡጥ ኣብ ናይ ሰብ ሕይወት ኣብ ምስራጽ ብቐዳምነትን ብግልጽን ስድራ ቤት ይጥቀስ፡ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ንቑሕ በዓል ቤትን እምነት ዝንበረሉ ባህርያዊ ገርሄይናን ፍቓደይናን ስፍራን ክርስትያናዊ ሕንጸት “ካብ ብቓል ብሕይወት” ዝቐርበሉ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብዚ እዋን’ዚ ሓደስቲ ተርእዮታት ስድራ ቤት ኣብ ሕብረተሰብ ኣብ ዝረአየሉ እዋን፡ እቲ ደረት ሰገር ትርጉም ስራቤት ዝሓክኽ ኩነት ዘጋጥመሉን እትራኸበሉን ኮይኑ ኣሎ፡ ስድራ ቤት ዳግም ተኣማንነትን ተስፋን ክረክብን በዚ ኣቢሉ ተነጽሎነትን ኣድልዎን ንኸሰንፍ መታን ቤተ ክርስቲያን ኣብ እምነት ብቐረባውነትን ጽን ብምባልን ብቡቕባቔን - ሓልዮትን በቃልቦን ብኣኽብሮትን ብተገዳስነትን ተሰንዮ። ብኻልእ መዳይ እውን ትምህርተ ክርስቶስ ናይ ዕድመ ደረጃ ግምት ዝህብ ክኸውን ኣለዎ፥ ሕጻናትን መንእሰያትን ዓበይትን ኣረጋውያንን . . . ኵሉ ኣብ ማሕበረሰብ ክርስቲያን እንጉድን ፍሉጥን ኮይኑ ክስምዖ መታን።

“ናይ ጸንባሪ (ሓቛፊ) ባህልን” ምእንጋድ ንጉድዓትን ስደተይናታት

ግዱዓት፥ ሕማምን ኣካላዊ ስቓይን ሞትን ዝብል ጉዳይ ኣብ ውሽጥኻ ስለ ዘበራብሩ ምርሓቖምን ምንጻሎምን ከይህሉ መታን ጸምባርን ሓቛፍን ባህሊ ኣቢልካ ነቲ ዝርአይ ምንጻልን ከም ውዳቕ ዝሓስብን ዝኣልይን ባህሊ ምውጋእ፡ . . . ግዱዓት ናይቲ ኣገዳሲ ሓቂ ዝኾነ ኣብ ሰብኣዊ ሕይወት ናይ ዘሎ እዚ ተኣፋፍነትን ተነቃፍነትን መሰኻኽር እያቶም፡ . . . እቲ ናይ መምርሒ ሰነድ ምስ እዚ ኣተሓሒዙ እቶም ካብ ሃገሮም ዝስደዱ እናሓሰበ ናይ እምነት ቅልውላው ከጋጥሞም ስለ ዝኽእል ንኣኣቶም ኣብ እንገዳን እምነትን ምትሕብባርን ዘማእከለ ትምህርተ ክርስቶስ ምቕራብ ዘለውዎ ኣገዳስነት የመላክት . . . ቅድመ ፍርድን ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣብ ልዕሌኦም ዘንጸላልዉ ሓደጋታት ኩሉ ንምስናፍ ኣብ ዘካይድዎ ቃልሲ ምድጋፍን . . . ።

ቤት ምሕቡስ “እውነተይና ናይ ተልእኾ ስፍራ” ንድኻታት ሓለፋ ዝብል ምርጫ

እቲ ሰነድ ኣስዒቡ ናብ ኣባይቲ ማሕቡስ ብምትኳር፥ ኣባይቲ ማሕቡስ “ናይ ተልእኾ ወንጌል ስፍራ” እንክብል ሰምዩ፡ ንእሱራት ትምህርተ ክርስቶስ ድሕነት ኣብ ክርስቶስ እዩ፥ . . . ንድኻታት ሓለፋ ናይ ዝብል ናይ ቤተ ክርስቲያን ምርጫ ኣካል እያቶም . . . መንፈሳዊ ግዳሴ ክግበረሎምን ምስ ክርስቶስ እትራኸበሎምን። ነዚ መሰረት ብምግባር ቤተ ክርስቲያን ንድኽነትን ኣብ ድኽነትን ንኽትነብር ዝተጸውዔት ምዃና ኣዘኻኺሩ፡ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምህር ወንጌላዊ ድኽነት ክነብርን ምእመናን ቅዋሜ ሓሳርን ኢፍትሓውነትን ክጽየፉን ዝድርኽ ናይ ሕውነት ባህሊ ዘነቓቕሕን ክኸውን የተሓሳስብ. . .

ቍምስናታትን ካቶሊካውያን ማሕበራትን ኣባይቲ ትምህርትን

እቲ ሰነድ ኣብ ሳልሳይ ክፋሉ፥ “ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዘቤታውያን ኣቢያተ ክርስቲያን” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዘተኮረ ኮይኑ፥ እዚ ኸኣ ናይ ቁምስናታትን ካቶሊካውያን ማሕበራትን ኣባይቲ ትምህርትን እንታይነት ግደ የመላኽት . . . በዞም ናይ ቤተ ክርስቲያን መግለጺታት ኣቢልካ ቤተ ክርስቲያናዊ ማሕበረሰብኣውነትን ኤቅለሲያዊ ሱታፌን ምሕናጽን ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መጋበርያታት እያትም፡ ብዘቕርቦ ትምህርቲ ኣቢሉ ካቶሊካውያን ኣባይቲ ትምህርቲ እውን ኣብ ወንጌላዊ ክብርታት ዝጸንዔ መደብ ሕንጸት ዘቕርባ ብምዃን ኣብ ትምህርተ ክርስቶስን ኣስፍሆተ ወንጌልን ይሳተፋ። . . .

ትምህርቲ ሃይማኖትን ትምህርተ ክርስቶስን፥ ዝተፈላለዩን ተማላእትን

እቲ ሰነድ ኣተሓሒዙ ትምህርቲ ሃይማኖት (ብዛዕባ ሃይማኖት ዝቐርብ ትምህርቲ) ካብ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተፈለየ እውን እተኾነ ንሓድ ሕዶም ተማላእቲ ምዃኖም የብርህ . . . ናይ ሃይማኖት ረቛሒ ናይ ህልውና ኩርናዕ እዩ ምእንቲ እዚ ዕሽሽ ክበሃል የብሉን፥ ኩለንተናዊ ምሉእ ሕንጸት ኣብ ግምት ዘእትው ትምህርተ ሃይማኖት ኣገዳሲ እዩ፥ ናይ ወለድን ተመሃራይን ናጽነት እዩ፥ ካብ ህልዮኣዊ ምግርጫዋት ናጻ ዝኾነ ምክብባር ዝዓሰሎ ክፉትን ብዘተ መሰረት ዝቐርብ ክኸውን ኣለዎ ይብል። 

ህብረ ባህልን ህብረ ሃይማኖትን፡ ዘተ ምስ ሃይማኖት ኣይሁድን ምስልምናን

ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምህር ገዝእ ርእሱ ክነጻጽረሉ ዘለዎ ዝተፈላለዩ እዋናዊ መድረኻት ከምዘሎን፡ እቲ ነዚ ዘማእከለ ነዊሕ ምዕራፍ ናይቲ ሰነድ፥ ህብረ ባህሊ ብዛዕባ ግብረ ገብ ዝምልከቱ ሕቶታት ብላዕሊ ላዕሊ ንኽትምልከቶ ክድርኽ ክኸውን ይኽእል፡ ኢሰብኣውነትን ዓመጽን ምሕራግን ኣብ ሓውሲ ከተማታት ከባቢ ዝርአይ ከቢድ ማዕቅፍን ምስ ደቀባት ሕዝብታት ዘሎ ቅድመ ፍርድታት ብምስጋር ክህሉ ዝግብኦ ብቑዕ ዘተን ናይ ሕዝብታት መንፈሳውነትን፥ ኩሉ ቲዮሎጊያዊ ስፍራን መቐመጥ እምነትን`ዚ ንማሪትን ንጉጅላዊ ሃይማኖታትን ክፉት ንምዃን ዝድርኽ ስግኣትን ዝዓቖረ ምዃኑ ምስትውዓል ከምዘድሊ የመላኽት። ኣብዚ ኩሉ ኩነት’ዚ ትምህርተ ክርስቶስ ተስፋን ክብርን ንኸብጽሕ ዝተጸውዔ እዩ። ዘይተፈላጥነት ንምስዓርን ክንክን ማሓድሮ ንምንቕቓሕን፡ ስለዚህ ኣገደስቲ ዝኾኑ ፍሉያት ንጥፈታት ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ዝኣመተ ዘተን ምስ ካልኦት ሃይማኖታት፥ ኣይማኖት ኣይሁድን ምስልምናን ናይ ሓባር ዘተ ዝብሉ ንረክብ። ምእንቲ እቲ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ ናይ መምርሒ ሓድሽ ሰነድ “ድላይ ውህደት ዘነቓቕሕ” ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን፡ “ምእንቲ እሙን መጋበሪያ ኣስፍሆተ ወንጌልን ምዃን”፡ ሃይማኖት ኣይሁድ ኣብ ዝምልከት እቲ ናይ ሓባር ዘተ ጸረ ሴማውነት ንምብዳህን ሰላምን ፍትሕን ንምንቓሕን ዓመጸይና ኣኽራርነትን ኣብ ገለ ገለ እዋን ምስ ሃይማኖት ምስልምና ዝራኸብ ዝመስል፡ ቤተ ክርስቲያን ብድብድቡ በቲ ዓመጸይና ኣኽራርነት መላእ ሃይማኖት ምስልምና ከይግለጽ መታን ተተሓሳስብን ምስ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ብዘይ ተባህለን ደጋውን ጥልቂ ናይ ሓባር ዘተን ሌላን ተተባብዕ፡ ዝኾነ ኮይኑ ኣብ ሃለዋት ህብረ ሃይማኖት ትምህርተ ክርስቶስን “ንምእመናን ብምስክርነትን ብምትሕብባርን ብልዙብን ልባውን ዘተ ናይ ምእመናን መንነት ከዕሙቕን ከበራትዕን ኣለዎ”።

ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ ዓለምን፥ ብርሃናውን ጸላማዊ ጐድኑን

እቲ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምርሒ ሰነድ ኣስዒቡ ብዛዕባ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ ዓለም ኣማእኪሉ ኣብ ምጥቃምን ምስፋሕን መረብታዊ ዓለም “ናይ ወንጌል ዕሴት መስካርያን” ዘለዎም ኣገዳስነት የመላኽት፡ ምእንቲ’ዚ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምህር ኣብ ኣጠቓቕማ ብስነ ኣሃዝ ዝተርቐ መጋበርያ ዝተሓንጸን ብፍላይ መንእሰያት ኣብ ምጥቃም መርበብ ስንዮታ ክረኽቡን ምኽንያት ምናባዊ ዓለም ኣብ ልዕሊ ተምሳጥ ስምዒታቶም ሕንጸት መንነቶምን ዓቢይ ሳዕቤን ስለ ዘለዎ፡ ሎሚ ባህሊ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ዓለም ይብል እቲ ናይ መምርሒ ሰነድ - ዝኾነ ኮይኑ ቋንቋን ዓለም ለኻውያን ዕሴታት መሳልላዊ ኣቐማምጣኦም ዝቕይርን  “ባህርያዊ” ተገይሩ ክሕሰብ ስለ ዝኽእል እውን፡ ብርግጽ ብዙሕ እወታዊ ጎድንታት ዘለዎ ዓለም እዩ፡ ንኣብነት ናይ ፍልጠት ብቕዓት ክብ የብልን ናጻ ሓበሬታ ዘተባብዕን (ኣብ ምክልኻል ተኣፋፍያንን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ንዘይብሎም)፡ ብተመሳሳሊ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ ዓለም “ጽልሙው ጎድኒ” ኣለዎ፡ ናብ ብሕትውናን ተመላኽነትን ዓመጽን ዓለቐይናነትን ቅድመ ፍርድን ጽልእን ከብጽሕ ይኽእል፡ ኩለንተናኻ ብምልኣት ዘዋስእ ኮይኑ ነቐፋዊ ትንተና ከይህልወካ ዝድርኽ፡ ተጠቓሚ ነቲ ዝረኽቦ ሓበሬታ ብኣገባብ ዝሰርዕ ኣክንዲ ዝኸውን ተራ ተበጻሒ ክኸውን ስለ ዝገብር፡ ንኣብነት ነቲ ናይ መረብት እትጥቀመሉ ናይ ድልያ መሳርዕ ዝብሎን ዘቕርቦን ብዕሙት እምነት ክትቕበሎን ስለ ዝድርኽ።

ናይ ህሞታውነት ባህሊ ምብዳህ

ኣብዚ መዳይ’ዚ ትምህርተ ክርስቶስ እንታይ ክገብር ይኽእል? ብቐዳምነት ሕንጸት፡ ነቲ ናይ ዕሴታት መሳልላዊ ሚዛናዊ ምዕዳወታቱን ኵሉ ዘዛብዕ ድኹም ኣብ ዝኽርን ሓቅን ኣገዳስን ፈልዩ ንዘይምልከት ናይ ህሞታውነት ባህሊ ንምግጣም፡ መንእሰያት ካብቲ ማሕበራዊ መጓሰይ ክፍለየሉ ዘኽእሎ ውሳጣዊ ናጽነት መታን ከናድዩ ክድገፉን ክስነዩን እዩ ዘለዎም፡ “እቲ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ብድሆ ኣብ ስነ ኣሃዛዊ ዓለም ብህልትውና ዝጽንብር እዩ”፡ ስለዚህ እቲ ናይ መምርሒ ሰነድ ረዘንቲ ኣርእስታት ፍቕርን ፍትሕን ሰላምን ዝብሉ ዘጠቓልሉ ጉዳያት ክትንትንን ክትርጉምን ዘኽእሎ ብቕዓት ክረክብ፡ ህልዎት ንእውነተይና ናይ እምነት ተመክሮ ጭቡጥ ቦታ ዘለዎ ዕዙዝ ኣገዳስነት የተሓሳስብ።

ስነ ምርምርን እምነትን፥ ብግዳም ተገራጨውቲ ዝመስሉ፡ ምስክርነት ክርስቲያ ተመራመርቲ

እቲ ናይ መምርሒ ሰነድ ኣስዒቡ ኣብ ስነ ምርምርን ዕደ ጥበብን ኣማእኪሉ፥ ስነ ምርምርን ዕደ ጥበብን ናይ ህይወትን ንናይ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ምዕባለን ኩነታት ክመሓየሽ ዝድግፍ በዚ ኣገባብ’ዚ ንሰብኣዊ ፍጥረት መገልገልቲ ኣብ ንምዃን ክምስረቑ ከምዘለዎም ኣመላኺቱ፡ ተራ ዝኾነ ክንክን ዘይተገብረሉን ብዕምቆት ዘይተጸንዐን ስነ ምርምራዊ መጽናዕትታት ከይንዛሕ መታን፡ ንኣብነት እምነትን ስነ ምርምርን ተገራጨውቲ እያቶም ዝብል ዓይነት ስነ ምርምራዊ ክትብሎ ዘጸግም ካብ ቤላ በሎ ንምክልኻል። ቅድመ ፍርዳውን ህልዮኣውን ነቲ ኣብ መንጐ እምነትን ስነ ምርምርን ተጋራጨውቲ ዝብል ዘይጥሉቕ ኣመለኻኽታ ኣይፋል ንምባል። ናይ ስነ ምርምር ሊቃውንቲ ብቕንዕና ደለይቲ ሓቂ እያቶ፡ ንዘተ ስንድው ናይ ምዃን ኣምራዊ ቅንዕና ዘፍቅሩን፡ በዚ ኣቢሉ እውን ብህልትውና እምነት ኣብ ስነ ምርምር ከበረታትዕን ክድግፍን መታን።

ስነ ምግባር ስነ ህይወት፥ ብዕደ ጥበባዊ ክኡል ዝኾነ ኵሉ ግብረ ገባዊ ተቐባልነት ኣለዎ ማለት ኣይኮነን

እቲ ናይ መምርሒ ሰነድ፥ እቲ ብዕደ ጥበባዊ ኪደት ክኡል ዝኾነ ኵሉ ግብረ ገባዊ ተቐባልነት ኣለዎ ማለት ከምዘይኮነ ናብቲ ኣብ መንጐ ፍወሳን ምቁጽጻርን ጽሬት ሓድጊ ዝብል ስነ ምርምርን ኣድልዎን ከሀልዎ ዝኽእል ተመሳሳሊ ተቐባልነት ዘይብሎም ተበጽሖታት ዘበለ ኩሉ ከም ኣብነት ጠቒሱ የመላኽት፡  ነቶም ኣብ ዝተሓላለኸን ካብኡ ሓሊፉ እውን ኣብ ግጭት ኩነት ዝነብሩ ብዘይ ቅድመ ፍርዲ ብምዕዳወ እምነት ኩነታት ምንባብ፥ ንኣብነት ጾታዊ ስምዒት ድዩ ድርኾት ሩካቤን ኣካላዊ ጉዳይ ጥራሕ ዝምልከት ዘይኮነ ክውንነት ሰብ ዝምልከት፡ ንሰብኣዊ ፍጥረት ብሓላፍነት ዝተዓደለ እዩ፡ “ንናይ እግዚኣብሔር ኣናስራዊ  ጸዋዕታ መልሲ” እዩ፡ ስለዚህ ኣብ መዳይ ናይ ስነ ሕይወት ስነ ምግባር ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምህር ሕይወት ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ዝተባርከን ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ክገሃስ ዘይብሉ ምዃኑ ኣብ ዘነጽር መጽናዕቲ ሕንጸት ክረክብ ይግባእ፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ዝምልከት እቲ ናይ መምርሒ መዝገብ፡ ፍርዲ ሞት፥ “ክብሪ ሰብ ዘዋርድ ኢሰብኣዊ ስጉምቲ እዩ” እንክብል ይገልጾ።

ስነ ማሓድሮኣዊ ምልዋጥን ማሕበራው ጻዕርን ስራሕ ንክልኻልን

ካልእ እቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ናይ መምርሒ ሰነድ ካብ ዝተንከፎም ኣርስእታ ሓደ ጻውዒት “ንጥልቂ ስነ ማሓድሮኣዊ ምልዋጥ” ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ትምህርተ ክርስቶስ ፍጥረት ካብቲ ምህላኽ ዝብል ኣመለኻኽታን ተግባርን ኣዚዩ ዝረሓቐ ጥልቂ ምክንኻን ከምዘድልዮን ኣብዚ ተልእኾ’ዚ ኩሉ ጽውዒ ከምዝኾነን፥ ምኽንይቱ “ኵለንተናዊ ምሉእ ማሓድሮ” ናይ ክርስትና ሕይወት ክፍለ ኣካል እዩ፡ በዚ መሰረት ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ካቶሊካውያን ዘለዎም ሓላፍነትን ህርኩት ጻዕርን ኣመላኺቱ . . . ብዛዕባ ናይ ስራሕ ዓለም እውን ነቶም ኣብ ጽንኩር ድኽነት ንዝርከቡ ፍልዩ ኣተኵሮን እዚ ከኣ ብመሰረት ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረሰብኣውነት ጠመቓዊ ትምህርቲ ክውንገል ይላበው። ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ መምርሒ ሰነድ ናይ ዞባዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብሓዋርያዊ መንበር ፍቓድን ይኹንታን ዝፍጸም ከምዝኾነን ኣብዚ መዳይ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስን ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽርን ብናይ ኣገልግሎት ትምህርተ ክርስቶስ ሓልዮ ጉዳይን ኣብ ግምት ዘእትውን ምዃኑ ሰፊሕ መብርሂ የቕርብ።

27 June 2020, 21:59