ድለ

ኮኽ፥ እቲ ዓሚዩቕ ርክብ ነቲ ናብ ሓድነት ዝግበር ጉዕዞ የጽንዕ

ኩሉ እቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ጉዕዞ እቲ ዝነበረ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዳግም ክምለስ ዝብል ጠመተ ዘለዎ እዩ፡ ስለዚህ ኩሉ ናብዚ ሸቶ እዚ ዘቕንዔ ምዃን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ንሓድነተ ኣሚቱ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ውሑስ ክኸውን ኣለዎ

ብሓልዮትን ድላይን ዮሓንስ መበል 23 ዝተበገሰ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናብ ሓድነት ዘቕንዔ ናይ ሓባር ጉዕዞ ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ምኽንያት ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር እቲ ዝተበጽሔን ዝተፈጸመን ናይቲ ጉዕዞ ምዕባሌታት ከይድታቱን ምስ ዜና ቫቲካን ጋዜጠይና ማሲሚሊያኖ መኒከቲ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክምዘብርሁን፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ዘይቕልበስ ናይ ሓባር ጉዕዞ ዓቢይ ሓሴትን ቀጻሊ ጻዕርን! ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ፡ ነዚ ሓሳብ እዚ ብኣጽንዖት ዘዘኻኸሩ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤተ ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ኩርት ኾስ ምስ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን መኒከቲ ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ፥ ዕለት 5 ሰነ 1960 ዓ.ም. ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ዘቖምዎን ኣብ 1988 ዓ.ም. ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዝብል መጸውዕ ዝተወሃቦ ምዃኑ እውን ገሊጾም፡ ናይዚ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዕላማ፡ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሓድነትን ኣብ ፍቕርን ሓቕን ብጥልቃዊ ሰዓብነትን ኣብታ ናይ ኢየሱስ ክህነታዊ “ሓደ መታን ክኾኑ” ኣብ ዝብል ጸሎት ስምረት ዘነቓቕሕ እዩ፡ እዚ ዕላማ እዚ እዩ ካብ ርሑቕ ክሳብ ኣብዚ እዋንን ብዅሎም ር.ሊ.ጳ. ዝቃላሕ ኢሎም።

ቅድሚ ስልሳ ዓመት ኵነት ጉዕዞ ንሓድነት ዝተፈልየ እዩ ዝነበረ ምስቲ እዋናዊ ክነጻጸር እንከሎ፡ ምእንቲ’ዚ እቲ እዋናዊ ንሓድነት ዝግበር ጉዕዞ ብኸመይ ይግለጽ?

ኣብ 1960 ዓ.ም. እቲ ምንቅስቓስ ምእንቲ ሓድነት ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብቲ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ውሽጣዊ ወግዓዊ ቅርጹ ኣብ ብጋሴ እዩ ዝነበረ፡ ኣብ ዝሓለፉ ስልሳ ዓመታት ማእለያ ዘይብሉ ዘተን ርክባትን ተኻይዱ እወታዊ ውጽኢት ኣዕቲሩ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር እቲ እንኰ መባጼሕ ምሉእ ሓድነት ዝብል እዩ፡ እቲ ዝነበረ ምሉእ ሓድነት ዳግም ክምለስ ዝብል ስለ ዝኾነ ገና ኣይተበጽሔን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ካብቶም ዝዓበዩ ብድሆታት ሓደ ኣብቲ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያ ናብ ሓድነት ዝግበር ጉዕዞ ሸቶ፡ ሓድነት ኣገዳሲ ምዃኑ ኩሉ ዝኣምነሉ እዩ ግና እቲ ክብጻሕ ዝግብኦ ሓድነት ገና ኣይተበጽሔን፡ ናይ ሓባር ራእይ ወሳኒ እዩ፡ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ስጉምቲ ተፈጻምነት ዝህልዎ ኣብ ነፍሲ ወከፍና እቲ ዕላማ ግልጺ ምስ ዝኸውን እዩ ኢሎም።

እቲ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ዝገብረኦ ጉዕዝ ሓድነት ከም ገጸ በረኸት ዝለዋወጣሉ ስርዓት ተገይሩ ይሕሰብ፡ ኣብ ዝሓለፉ ስልሳ ዓመታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክሳብ ክንደይ ተቐይራ ትብሉ፡ ኣብዚ ጉዕዞ’ዚ ካቶሊካዊት በተ ክርስቲያን ንኻልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሃበቶ ገጸ በረኸት እንታይ እዩ?

ኣብቲ ዝለዋወጠኦ ገዘ በረኸት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን እቲ ዝነበረ ሓድነት ዳግም ክምለስ ኩለን ኣበርክቶ ከምዘለወን እምንቶ ኣለወን፡ ካብ ቤተ ክርስቲያንን ካብ ኤቅልሲያውን ሉተራናዊ ተሓድሶ ተወለድ ኣዚ ኸኣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ማእከልነት ቃል ኣምላኽ ኣብ ሊጡርጊያን ኣብ ቲዮሎጊያን ንኸተስተዕል ገይርዋ እዩ፡ እምነት ካብ ቃል ኣምላኽ ምስማዕ ዝነቕል ምዃን ምስትውዓል ዳግም ኣበራቢሩ እዩ፡ ናይ ኢየሱስ ወንጌል ናይ ቤተ ክርስቲያን ማእከል ክኸውን ከምዘለዎ፡ ካብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን - ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ - ኣብ ህይወት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ጉባእያውነት ጳጳሳትን ሲኖዶሳውነት ዘለዎ ልዑሉ ቦታ ነስተውዕል፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከኣ እቲ ከም ገጸ በረኸት ዝቐርብን ኣብቲ ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ጉዕዞ ኣተኩሮ ኵላውነት እዩ፡ ምኽንያቱ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኵላውነትን ኵላውነት ኣብተን ዞባውያን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብውስጠ ተራኽቦነት ስለ ዝንበር እዩ፡ እዚ ኸኣ ሓድነትን ብዝሓነትን ተነጻጻጊ ዘይኮነ ኣብ ሓድነት ብስኒትን ኣብ ሕድ ሕዳዊ ምድግጋፍ ዝንበር ምዃኑ ብቓልን ሕይወትን ትምስክር።

እቲ ናብ ሓድነት ዝግበር ጉዕዞ ናብቲ ናይ ኩሎም ክርስቲያን ሱታፌ ዝቕንዔ እዩ፡ ብጭቡት ኣብዚ መዳይ እንታይ ተኸዊኑ ትብሉ?

ኩሉ እቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ጉዕዞ እቲ ዝነበረ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዳግም ክምለስ ዝብል ጠመተ ዘለዎ እዩ፡ ስለዚህ ኩሉ ናብዚ ሸቶ እዚ ዘቕንዔ ምዃን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ንሓድነተ ኣሚቱ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ውሑስ ክኸውን ኣለዎ፡ . . . ኣብ ፍቕሪ ዝጸንዔ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ምሕዝነታዊ ርክብ ዘስንዮ እዩ። እዚ ርክብ እዚ ዝነበረ ብዙሕ ቅድመ ፍርድታት ክስገር ገይሩን ዝበለጸ ምርድዳእን ስምምዓትን ክበራታዕ ገይሩ እዩ። ብዘይተነኣኣሰ ደረጃ እውን ኣብ ሓቂ ዘማእከለ ዘተ ኣገዳሲ እዩ፡ እዚ ማለት ከኣ ቲዮሎጊያዊ ትንተና እቲ ዘየሰማማዕ ኣብ ታሪኽ ናብ ምግምማዕ ዘብጸሔ ቲዮሎጊያዊ ሕቶ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘመላኽት ኮይኑ፡ ነዚ ኹሉ ኣብ ዘጠቓለለ ዝተፈጸመ ናይ ሓባር ጉዕዞን ዘተን እቲ ዘዋህድ ካብቲ ዝፈላልይ ዝበዘሔን ዝጸንዔን ምዃኑ ንኽስትውዓል ገይሩ እዩ።

. . . መንፈሳዊ ዘተ እዚ ኸኣ ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ምእመናን ኣብቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ክህነታዊ “ሓደ ምእንቲ ክዀኑ” ኣብ ዝብል ጸሎት ክሓብሩ ዝገብር እዩ፡ እዚ ጸሎት እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ድላይ ምዃኑ ምስትውዓል ክነቓቓሕ ይገብር።

ኣብ ቀረባ እዋን እታ ዕለት 25 ግንቦት 1995 ዓም ናብ ኩሎም ክርስትያን ዘቅነዔ ንሓደነት ክርስትያን እትጽውዕ Ut unum sint -  ሓደ ምእንቲ ክኾኑ እትብል ዓዋዲ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝኺር መበል 25 ዓመት ኣብዒልና፡ እዛ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣብ ጉዕዞ ንሓድነት ዘለዋ ኣገዳስነት?

ቅድም ቀዳድም እቲ ዘለዋ ኣገዳስነት ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ሓድነት ዘማእከለ ዓዋዲ መልኽቲ ክድረስ ቀዳመይቲ ኣብ ምዃና ዘሎ እዩ፡ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ካብ ዝጠናቐቕ ኣብ ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ በታ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣቢሎም “ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጉዕዞ ሓድነት ዘንቀለቶ ኪደት ዘይቕልበስ” ምዃኑ የዘኻኽሩ (Ut unum sint -  ሓደ ምእንቲ ክኾኑ ዓዋዲት መልእኽቲ ፍቕዲ 3)፡ ኵለን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብቲ ምእንቲ ሓድነት ዝግበር ጉዕዞ ክዋስኣ ብእምነት ትሑዛት እያተን . . . ብሓደ ወገን እቲ ካብቲ ንሓድነት ዘተዓናቕፉ ሓደ ናይ ጴጥሮሳዊ ተልእኾ ቀዳማውነት ዝብል ምዃኑ ከይሰሓቱ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እዚ ጴጥሮሳዊ ሓላፍነት በቲ ናይ ሮማ ጳጳስ ዝብል ብዝለብሶ ሓዋርያዊ ሓላፍነት እውን ክርአይን እዚ ኸኣ “ሕውነታውን ዓቃልን ዘተ” ዛዕባ ቀዳማውነት ናይ ሮማ ጳጳስ ዘተ ክካየድ ይዕድሙ፡ እዚ ኸኣ ንሓድነት ዘለዎ ዓቢይ ግደ ምዃኑ ብምዝኽኻር እዩ፡ ቀዳማውነት ብኸመይ ክፍጸም ከምዘለዎ ሓድሽ ኣገባብ ንኽርከብ ዝድርኽ ኣምር እውን እዩ፡ እዚ ኸኣ ናይ መንበረ ጴጥሮስ ተልእኾ ብዘይስሕት ኩነት ክኸውን ከምዘለዎ ከይዘንግዑ እዮም፡ እቲ ጴጥሮሳው ተልእኾ “ብዅለን ኣቢያተ ክርስቲያን ቅቡልን ንጹርን ኮይኑ ብናይ ፍቕሪ ኣገልግሎት ክኽወን መታን” (Ut unum sint -  ሓደ ምእንቲ ክኾኑ ዓዋዲት መልእኽቲ ካብ ፍቕዲ 95 – 96 ረኣ)፡ እዚ ተበግሶ እዚ ብሓቂ ሓድነት ከም መብጽዓ ዘቕርብ ክኸውን እንከሎ እዚ ሓሳብ እዚ በነዲክቶስ መበል 16 ደሓር እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን የቃልሕዎ።

እቲ ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ካብ ዝቐውም ኣብ ዝሓለፉ ስልሳ ዓመታት ብዝሓት ጳጳሳት ንሓድነት ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ህርኩት ጻዕሪ ኣካይዶም እዮም፡ ሎሚ እውን፡ ሕጽር ብዝበተለ ኣገላልጻ ናይ ኣርእስቲ ሊቃነ ጳጳሳት ኣበርክቶ ብኸመይ ትገልጽዎ?

ናብ ሓድነት ዝግበር ጉዕዞ ኣብቶም ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝመጹን ድሕሪ እቲ ጉባኤ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ቤተ ክርስቲያን ዝመርሑ ቀጻልነት ዘለዎ ምዃኑ ተስተውዕል፡ ዮሓንስ መበል 23 ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዳግም ምርግጋጽን ውሑስ ምግባርን ዘለዎ ልዕሉ ኣገዳስነት ዓቢይ ኣኽብሮት ዝህቡን ዘነቓቕሑን፡ ጳውሎስ ሻድሻይ “Unitatis redintegratio - ዝተሓደሰ ሓድነት” ብዛዕባ ሕብረት ክርስቲያን ዝምልከት ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘጽደቕዎ ውሳኔ ኣቢሎም ዝሃብዎ ዓቢይ ኣስተዋጽኦን፡ ናብ ሓድነት ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ዓቢይ እዮም፡ ብፍላይ ምስ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያንን ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናብ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ምብጻሕ ዘካየዱ ቀዳማይ ር.ሊ.ጳጳስ እውን እዮም፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እቲ ዝጠፍኤ ሓድነት ንኽምለስ ብዙሕ ዘገልገሉ ናይ ኩለን ኣቢያተ ክርስቲያን ሰማዕታትን፥ ሰማእትነት ምእንቲ እምነት፡ ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበሉ ነቲ ሓድነት ኣብ ምስክርነት ብሕይወት ዝነበሩ እዮም እንክብሉ ይገልጽዎም፡ በነዲክቶስ መበል 16 እቲ ናይ ሓድነት ጉዕዞ ጥልቅን ሕቶ እምነትን ምዃኑ ዘነጸሩን ቀዳማውነት ቅዱስ ጴጥሮስ ሓላፍነት ምዃኑ ዘዘኻኸሩን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ኩለን ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ብደም ሰማዕትነት ኣብ ዝብል ናይ እምነት ምስክርነት ኣጽኒዖም የብርሁ።

ነዚ ክሌኣዊ ዝኽሪ መሰረት ብምግባር እቲ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዛዕባ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ዘማኣከለ ሰነድ ከቕርብ እዩ፥ እዚ ሰነድ እዚ ስለምንታይ ኣድለየ?

እቲ ንጳጳሳት ዝተወሃበ ተልእኾ ኣብ ሰበኻታቶም ንሓድነት ከገልግሉን ኣብ መንጐ ዘባውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ኣብ ኵላውነት ዘገልግሉ እያቶም፡ ከምኡ እውን እቲ ሰነድ ኣብ ከይዲ ሓድነት ኣገዳሲ እዩ፡ ናይ ጳጳሳት ሓዋርያዊ ተልእኾ እቲ ሓድነት ካብቲ ዝመርሕወን ኣቢያተ ክርስቲያን ወጻእ እውን ጸጋ ጥምቀት ምስ ዝተቐበሉ ናይ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ምእመናን ዝምልከት እውን እዩ፡ ጳጳሳት ኣብ ዞባውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓድነት ትምእምርቲ ምዃንን ብቐዳምነት ነዚ ሓድነት ምግልጋል እዩ፡ ስለዚህ እቲ ሰነድ ብጥልቅን ብግብርን ኣብቲ ንሓድነት ዝግበር ጉዕዞ ዘለዎም ሓላፍነት ንኸስተውዕሉ ዝድግፍን ዘተሓሳስብን እዩ፡ ንሓደስቲ ኣቡናት እውን ናብ ሓድነት ዝግበር ጉዕዞ ንኽርድኡ ዝድግፍ እዩ፡ . . .

እቲ ካልእ እቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ቅዋሜኡ ካብቶም ተበግሶታቱ ብተወሳኺ ብዛዕባ እቲ “Acta Ecumenica - ተግባር ሓድነት” ብዝብል ኣርእስቲ ከሕትሞ ዝጅምር መጽሔት እዩ፡ ናይ ስልሳ ዓመታት ተመክሮን ተበጽሖታትን ዘካፍል፡ ናይዚ መጽሔት ዕላማ እንታይ እዩ?

ንብዙሓት ብፍላይ ንምእመናን እቲ ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ናይ ሓባር ጉዕዞን ዘተን ዝተዓገተን ወይ ዝተቛረጸን ካብኡ ሓሊፉ እውን መዋጽኦ ዘይብሉ ኮይኑ ዝተረፈ እዩ ዝመስሎም፥ እዚ ናታቶም ጌግ ዘይኮነ እንታይ ደኣ ግብኡን ብቑዕን ንጹርን ሓበሬታ ስለ ዘይረኽቡ እዩ፡ ስለዚህ እቲ ንናይ ክርስቲያን ሓድነት ዝዓዪ ድርገት ፍጻሜታቱን ተበጽሖታቱን ብዝርዝር ዘቕርብን ኩሉ ንኽፈልጦ ዝገብር መጽሔት እዩ` ናይቲ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ መጽሔት ነቶም ብቐጥታ ኣብ ኣገልግሎት ሓድነት ንዝዓዩ ሓበሬታን ድጋፍን ዝህብ እውን እዩ፡ ብፍላይ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጉዕዞ ሓድነት ናይ ፍጻሜታቶም ሓበሬታ ዘቕርብ እዩ፡ እቲ ቀንዲ ዕላማ እዚ ኮይኑ ሓድነት ዘነቓቕሕ እውን እዩ፥ ህልውን መጻእን ዘማዕደወን።

ንሓድነት ዝግበር ጉዕዞ ኣብ ርክብን ዘተን እዩ፡ እቲ ንሓድነት ዝግበር ጉዕዞ በቲ ኣብዚ እዋን ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣብ ዕዮታቱ ዘለዎ ጽልዋ እንታይ እዩ?

እቲ ንሓድነት ዝግበር ጉዕዞ ዝነብር ብርክብን ዘተን እዩ ቀጥታዊ ድዩ ግላዊ፡ ምእንቲ’ዚ እዚ ኪደት ኣብዚ እዋን ብቐሊሉ ምፍጻም ዘይከኣል እዩ፡ ኣብ መደብ ንሓድነት ዝግበር ጉዕዞ፥ ምብጽጻሕን ኣጋይሽ ምቕባል ከምዘድሊ ይሕበርን ይፍጸም እውን ኣብዚ እዋን’ዚ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዑ ክፍጸም ኣይተኻእለን፡ ክምቲ ኵሉ ዕማም ካብ ቤትካ ኮንካ ብመረብታዊ ሓበሬታ ዝፍጸም ኮይኑ ኣሎ፡ . . . እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለምብዒ ኩላትና ኣብ ሓንቲ መርከብ ከምዘሎና ኣረጋጊጹልና እዩ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 25 ግንቦት ብሓባር ኩሉ ብዘይ ፍልልይ እቲ ለብዒ ከብቕዕ ኣቡነ ዘበሰማያት ብሓባር ክደገም ንኹለን ኣቢያተ  ክርስቲያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ክዕድሙ ዝበልዎ እዩ፡ እቲ ምፍንታትና ንሰብኣዊ ርክባትና ልዑሉ ክብሪ ከምዘለዎን ኣገዳስነቱን ኣዘኻኺሩና እዩ፡ . . .  ብኣካል እንተካይዶ ርክብ መሰረታዊ እዩ ኢሎም።

ዕለት 1 ሓምለ 2010 ዓ.ም. ነቲ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ንኽትመርሑ ብበነዲክቶስ መበል 16 ዝተሰመኹምሉ ዝኽሪ 10 ዓመት እውን ከተብዕሉ ኢኹም፡ ናይቲ ዝሓለፈን ናይ ቀረባ ዓመታት ገምጋም ኣብ ጉዕዞ ሓድነት እንታይ ይመስል?

እዝከረኒ በነዲክቶስ መበል 16 ነዚ ሓዋርያዊ ሓላፍነት’ዚ ክሰምዩኒ ንዓይ እውን ብኣኽብሮት ከየገረመኒ ኣይተረፈን` ከቢድ ሓላፍነትን ጽቡቕን ደስ ዘብልን ዘሀብትም ጉዕዞ እውን እዩ፡ በነዲክቶስ መበል 16 አመስግኖም፡ ኣብ ዝተፈላለየ ምእንቲ ሓድነት ኣብ ዝካየዱ ዓውደ ጉባኤታትን መጽናዕትታትን ከምእተሳተፉን . . . ሓደ ናይ ሓድነት ተልእኾ ቀንዲ ተዋሳኢ መንፈስ ቅዱስ እዩ፡ ኣብቲ ንሓድነት ዝግበር ጉዕዞ ናይቶ ቀንዲ ተዋሳኢ መጋበርያ ኢና ምስ በሉ፥ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ኣብዚ ሓላፍነት ጸብጻብ ድዩ ገምጋም ምቕራብ ቀሊል ኣይኮነን፡ ስለምንታይ እቲ ዕዮ ናይ መንፈስ ቅዱስ ስርሕ ስለ ዝኾነ፡ ምስ በሉ እቲ ዓቢይ እወታዊ ውጽኢቱ ናብቲ ኢየሱስ ዝጸለዮን ድላዩን ናብ ዝኾነን ሓድነት ዘሰንየና ኣብ ምዃኑ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሚሞ።

ኮኽ፥ እቲ ዓሚዩቕ ርክብ ነቲ ናብ ሓድነት ዝግበር ጉዕዞ የጽንዕ
06 June 2020, 12:42