ድለ

ኣንስታውነትን ካቶሊካዊ መንነትን ኣንስታውነትን ካቶሊካዊ መንነትን 

ኣንስታውነትን ካቶሊካዊ መንነትን

ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ተሳትፎ ደቀንስትዮ ንምንቕቓሕ ኣብ ሓቀይና ኣንስታውነት ከስተንትን ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተዓደመ

25 ካብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝተዋጽኡ ካቶሊካውያን መራሕቲ ዘሳተፈ ዕለት 11 ሰነ 2020 ዓ.ም. ዝብገስ ኣብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሕብረተሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ብዛዕባ ደቀንስቲዮ ዘንበሮ ትምህርቲ መሰረት  ንሓደ ሓድሽ ኣንስታውነት ደቀንስትዮ ንጹር ክርስቲያናዊ መንነትን፡ ግደ ደቀንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ማሕበራዊ ሕይወትን ሓድሽ ኣንስታውነት ዝብል ግልጺ ውጥን ክርስቲያናዊ መንነት ንምቕራብ ዝኣመተ ዓውደ መጽናዕቲ ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኢሳበላ ፒሮ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ደቀንስትዮ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት፥ ኣንስታውነትን ካቶሊካዊ መንነትን ኣብ 21 ክፍለ ዘመን” እዚ ናይቲ ካብ ዕለት 11 ክሳብ ዕለት 25 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ብናይ ላቲን ኣመሪካን ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ተቕዋም ዘዳለዎ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ዘማእከለ ዓውደ መጽናዕቲ ከምዝኾነ ዝሓበራ ፒሮ ኣስዒበን፥ ኣብቲ ዝወሃብ ትምህርቲ ካብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ዝተዋጽኡ 25 ካቶሊካውያን መራሕቲ ዘሳተፈ ኮይኑ ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ በገባብ መረብታዊ ዓውደ ጉባኤ ዝካየድ እውን ከምዝኾነን እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ተሳትፎ ደቀንስትዮ ንምንቕቓሕ ኣብ ሓቀይና ኣንስታውነት ከስተንትን ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተዓደመ እውን ምዃኑ ኣፍሊጠን።

መምሃራንን ዕላምኡን

ነቶም ኣብዚ ዓውደ መጽናዕቲ ንዝሳተፉ 25 ካቶሊካውያን መራሕቲ ትምህርቲ ዘቕርቡ ኣብ ናይ ቫቲካን ታሪኽ ንፈለማ ግዜ ኣብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ሓዋርያውያን ኣባይቲ ጽሕፈት ኣብ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዛዕባ ደቀንስትዮ ዝምልከት ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊት ኮይነን ዝተሰምያ ማርታ ሮድሪገዝን ናይ መክሲኮ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ካርሎስ ኣጉያር ረተስን ናይ ኢጣሊያ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ኣባል ናይ መትናዊ ስነ ኣእምሮን ናይ ስነ ሕይወት ፖለቲካን ሊቅ ፓውላ ቢነቲን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ብሪጣንያ ማሕበር ካቶሊካዊ ድምጺ መስራቲ ኣውስቲን ኢቨራይንን ኣብ ቺለ ነበር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ሶለዳድ ኣልቨኣርን ናይ ሚያሚ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ቶማስ ወንስኪን ኣብ ፖርቱጋል ናይ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪትን ናይ መላእ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ዋና ኣመሓደርቲ ማሕበር ቀዳመይቲ ጓለንስተይቲ ኣደ መንበርን ኢሳበል ካፐሎኣን ናይ ኮሎምቢያ ናይ ትምህርቲ ጉዳይ ምኽትል ሚንስተር ኣለክሳንድራ ፐላአዝን ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት ኣባል ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ማርዮ ኣንገል ፍሎረስን ከምዝኾኑን ናይቲ ብምስክር ወረቐት ዝምርቕ ዓውደ መጽናዕቲ ሸቶ ፍልስፍናዊ ስነ ሰብእ ናይ ደቀንስትዮን ፍልስፍናዊ ኣናስር ጾታውነትን ታሪኽ ኣንስታውነትን ብመንጽር ሕብረተሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ማሕበራዊ ሕይወትን ዝብል ከምዝኾነ ዝሓበራ ፒሮ ኣስዒበን፥ ነቲ ዝወሃብ ትምህርቲ ብናይ ዓለማውያንን ስድራ ቤትን ሕወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ኣባ ኣለክሳንደር ኣዊ መሎ “ድንግል ማርያም ናይ ጓለንስተይቲ ኣዶ (Icon) ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ካብ ፍካሬ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ” ብዝብል ኣርእስቲ ንሊቕነት ናይ መጽናዕቲ ዝሑፎም ዘቕርቡ ብዘስምዕዎ መደረ ከምዘበገሱን፡ ኣብ ፍጻሜ እቲ ዓውደ ትምህርቲ ንዝተሳተፉ ኣብ መክሲኮ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብን ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ኣብ ኮስታ ሪካን ኣብ ቨነዝወላ ናይ ታቺራ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብን ኣብ ቺለ ካብ ፊኒስ ተራአ መንበረ ጥበብን ዝጥርንፍ ካብ ናይ ላቲን ኣምሪካ ተቕዋም ካቶሊካውያን መራሕቲ ምስክር ወረቐት ክወሃብ ምዃኑ ገሊጸን።

ኣንስታውነትን ካቶሊካዊ መንነትን
09 June 2020, 15:17