ድለ

ሓድነት ክርስቲያን፡ ፋረል፥ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድ ሕድ ኣብ ጉዕዞ ምቅርራብ ሓድነት ክርስቲያን፡ ፋረል፥ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድ ሕድ ኣብ ጉዕዞ ምቅርራብ 

ሓድነት ክርስቲያን፡ ፋረል፥ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድ ሕድ ኣብ ጉዕዞ ምቅርራብ

ኣብቲ ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ዘሎ ጉዕዞ ብዙሕ ምዕባለ ተራእዩ እዩ ይረአይ እውን ኣሎ፡ ዓለም ተቐይሩ እዩ፡ ኣቢያተ ክርስቲያን እውን፥ እቲ ዘገድስን ወሳንን ጸሎት እዩ፡ እዚ ኸኣ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ብሓባር ምእንቲ ሓድነት ዘቕርብኦ ጸሎት

ናይቲ ካብ ዝቀውም መበል 60 ዓመት ዘብዕል ዘሎ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ናይ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ጳጳሳዊ  ቤት ምኽሪ ዝሓለፉ ዝበደሆምን ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ እዋናዊ ብድሆታትን ተንቲኖም ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ዘካይድኦ ጻዕሪ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድ ሕደን ክፋለጣን ክፉት ልቢ ክህልወንን የተባብዕ፥ እቲ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ቤት ምክሪ ኣብዚ መዳይ ብቐዳምነት ዝዓዪ ምዃኑ የመላኽቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 3 ሰነ 2020 ዓ.ም. ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዝቖመሉ ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ተሓሲቡ ከምዝወዓለ ዘዘኻኸሩ ናይቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ብሪያን ፋረል፡ እቲ ቤት ምኽሪ ብጋሴኡ ናይ ዮሓንስ መበል 23ን ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ጸጋ እዩ ቢሎም፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ር.ሊ.ጳጳሳዊ ተልእኾኦም ማእከልን ብፍላይ ከኣ ኣብታ ክኾኑ ‘Ut Unum sint - ሓደ ምእንቲ ክኾኑ' ብዝብል ኣርእስቲ ዕለት 25 ግንቦት 1995 ዓ.ም. ናብ ኩሎም ክርስትያን ዘቅነዔ ንሓደነት ክርስትያን እትጽውዕ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ወሳኒ መላግቦ ዘንበሩሉ እዩ፡ ኣብቲ ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝነበረ ርክባት ለውጢ ዘምጸአን ጭቡጥ ውጽኢት እውን ንኽርአይ ከምዝጀመረን ንኣብነት እቲ ኣብ መንጐ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ዘሳትፍ በቢ ዓመቱ ዝካየድ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘበገስዎ ምእንቲ ሓድነት ናይ ሓባር ጸሎት ጠቒሶም፡ እቲ ሓድነት ካብ ር.ሊ.ጳጳሳትን ጳጳሳትን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንትን ዝነቅል ዘይኮነ ካብ ጐይታ ምዃኑ ዘመላኽት እውን እዩ፡ ስለዚ ካብ 1960 ዓ.ም. ኣትሒዙ ዝተኻየዱ ርክባትን ናይ ሓባር ዘተን ኣቢያተ ክርስቲያን ድላይ ሓድነት ንሓድ ሕደን ከም ገጸ በረኸት ዘቕርባሉ ኮይኑ ይቅጽል ኣሎ ኢሎም።

ዮሓንስ መበል 23 ንኹለን ኣቢያተ ክርስቲያን ብኻልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣቢሎም ክፉት ልቢ ዘርኣዩን ንገዛእ ርእሱ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እውን ናብ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ክፉት ልቢ ዘቕረበን እዩ፡ ነቲ ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝነበረ ምርሕሓቕን ቅዙሕ ርክብ ዝለወጠን ነገልግሎት ሰብኣዊ ፍጥረት ምሕዝነትን ምቅርራብን ክረኣይ ጀሚሩን እዚ ዓቢይ ጸጋ እዩ።

ኣብዚ ናይ ሓባር ዘተ ቤተ ክርስቲያን እትገጥሞ ዘላ ብድሆ እንታይ እዩ?

ኣብቲ ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ዘሎ ጉዕዞ ብዙሕ ምዕባለ ተራእዩ እዩ ይረአይ እውን ኣሎ፡ ዓለም ተቐይሩ እዩ፡ ኣቢያተ ክርስቲያን እውን፥ እቲ ዘገድስን ወሳንን ጸሎት እዩ፡ እዚ ኸኣ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ብሓባር ምእንቲ ሓድነት ዘቕርብኦ ጸሎት እዩ፡ ምእመናን ይራኸቡን ብሓባር ይጽልዩን እቲ ብጐይታ ዝተጸለየሉን ዝተደልየን ሓድነት ኣብ ምድላይ ንምዕባይ ዝግበር ናይ ሓባር ጉዕዞ እዩ፡ ስለዚህ እቲ ሓድነት ናይ ማንም ዘይኮነ ካብ ጐይታን ኩለን ኣቢያተ ክርስቲያን ንኣኡ ሸቶ ገይርን ብሓባር ዘካይድኦ ጉዕዞ እዩ፡ ኣብቲ ናይ ጐይታ ድላይ ክሓብራን ናተን እውን ክገብረኦን፡ እቲ ብድሆ ብጥልቂ ምፍላጥን ሕድ ሕዳዊ ምኽፍት ልብን ምትሕብባርን ምጽላይን እዩ፥ እዚ ብጥቕልሉ እቲ ዝዓበየ ብድሆ እዩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእንቲ ሓድነት ካብቲ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ንላዕሊ ክንገብር ከምእኽእልን ነዚ ኸኣ ኣልቦ ትዕግስቲ ምዃን ቢሎም፥ ቅዱስ ዝኾነ ኣልቦ ትዕግስቲ፥ ሓድነት ክትበጽሖ ምድላይ ዝብል ሓሳብ ተጠቒሞም፡ እቲ ኣልቦ ትዕግስቲ እንታይ እዩ ትብሉ?

እታ ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ Ut unum sint-ሓደ ምእንቲ ንዀኑ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ምስ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ኣስታት ሰላሳ ዓመት ድሕሪ ዘቑጸረ ርክብን ዘተን ዝተደርሰት እያ ስለዚህ ናይቲ ዝሓለፈ ናይ 30 ዓመት ርክብ ውህሉል ተመክሮ ድሕረ ባይታ ዝገበረት እያ፡ እዚ ኸኣ ቲዮሎጊያውን ስሩዕ ኣብ ኣምክንዮ ዝጸንዔ ሜላን ንበይኑ እዅል ከምዘይኮነ ዘስተውዓለት ዓዋዲት መልእኽቲ እያ፡ ኵሉ ካቶሊካውያን ማሕበረሰብን ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ዝግበር ናይ ሓባር ርክብ ክዋስኣን ክፉታት ክኾናን እተተሓሳስብ እያ፥ ስለዚህ ኩሉ ዝሳተፈሉ ክኸውን ከምዘለዎ ተመላኽት። ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቲ፥ ናይ ሓባር ዘተ ምእንቲ ሓድነት ኩለን ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድ ሕደን ዝለዋወጠኦ ገጸ በረኸት እዩ እንክብሉ ይገልጽዎ፡ እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝረአይ ርእሰ ውከሳን ርእሰብ ብቑዕነትን ምውጋድን ኣነ ዝለዓልኩ እቲ ካልእ ዝነኣሰ ኣነ ቀዳማ እቲ ካልእ ዳሕረዋይ ዝብል ኣመለኻኽታ ምውጋድ እቲ ዝዓበየ ብድሆ እዩ፡ ስለምንታይ ነዚ ብድሆ እዚ ምብዳህ ናብቲ ጐይታ ሃረር ዝብሎን ጸሎት ገይሩ ናብ ኣቡኡ ዘዕረጐ ሓድነት የብጽሕ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ሓድነት ክርስቲያን
05 June 2020, 12:48