ድለ

ቅድስቲ መንበር፥ ንኹሉ ዘገልግል ዓለም ሓቆፍ መልስን ግልጽነትን ቅድስቲ መንበር፥ ንኹሉ ዘገልግል ዓለም ሓቆፍ መልስን ግልጽነትን 

ቅድስቲ መንበር፥ ንኹሉ ዘገልግል ዓለም ሓቆፍ መልስን ግልጽነትን

ብጹዕ ኣቡነ ዩርኮቪች፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ብፍላይ ኣብዚ ጽንኩር እዋን እቶም ኣብ ወሰናስን ከተማታትናን ህልውናናን ዝርከቡ ተኣፋፍያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ንድሕሪ ከይሕደጉን ኣብ ገዛእ ርእሶምን ንገዛእ ርእሶምን ከይይጥንጠኑ ዘቕርብዎ ጻውዒት ኣዘኻኺሮም

ጀነቭ ኣብ ዝርከቡ ናይ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ኣባይቲ ጽሕፈት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኢቫን ዩርኮቪች፡ ኣብቲ ጀነቭ ኣብ ዝርከብ ኣብቲ ናይቲ ውድብ ዋና ሕንጻ ኣብ ዘሎ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብመረብታዊ ርክባት ዝካየድ ዘሎ መበል 73 ዓለም ሓቆፍ ናይ  ክንክን ጥዕና ሓልዮ ውድብ ኣብ ዝጠለቦ ጠቕላሊ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም፥ ለብዕን ቤተ ክርስቲያንን ምትሕብባርን (ምድግጋፍን) ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ተሞራዃስያን ምኹንናን እዚ ሰብኣዊ ኩነት’ዚ ዘረጋግጾ ፍኖት እውን ኮይ፡ኑ ሓደ’ኳ ኣብ በይናውነትን ድሕሪት ከይሕደግን የተሓሳስበና ከምዝኾነ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ ሓሳብ ብጹዕነቶም ከምዘስመሩሉ ልኡኽ ዜና ቫትካን ፓውሎ ኦንዳርሳ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ቅድሚ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ኣብ ዘይፈልጥ ኩነት ፊት የቑሞ፡ ሎሚ ካብ ቀደም ኣብ መንጐ ሃገራት ዘሎ ተማራዃስነትን፡ ጥዕና -  ክንክን ጥዕና ብተግባርን ብዓለም ሓቆፍ ኣርካን ዝተወሃሃደ ምትሕብባርን ክህሉ ዝግብኦ መሰረታውን ቀዳማውን ጉዳይ ምዃኑ የተሓሳስበና፡ ነዚ ዝበሉ ኣብ ጀነቭ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 73 ዓለም ሓቆፍ ውድብ ሓልዮ ክንክንን ጥዕና ብማሕብራዊ ርክባት ዝተደገፈ ብምስማዐ ርእየት መሰረት ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ጠቕላሊ ዓውደ ጉባኤ ዝሳተፉ ዘለዉን ዘረባ ዘስምዑን ኣብ ጀነቭ ኣብ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ማሕበራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛብ ብጹዕ ኣቡነ ዩርኮቪች ክኾኑ እንከለዉ፥

ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣስተዋጽኦ

ብጹዕ ኣቡነ ዩርኮቪች፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ብፍላይ ኣብዚ ጽንኩር እዋን እቶም ኣብ ወሰናስን ከተማታትናን ህልውናናን ዝርከቡ ተኣፋፍያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ንድሕሪ ከይሕደጉን ኣብ ገዛእ ርእሶምን ንገዛእ ርእሶምን ከይይጥንጠኑ ዘቕርብዎ ጻውዒት ኣዘኻኺሮም፡ ቤተ ክርስቲያን ኮቪድ - 19 ንምብዳህ ዓለም ሓቆፋዊ ውዳበን ምትሕብባርን ከምዘድልን እተን ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ዝበላ ልዕሊ 5 ሺሕ ዝግመታ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣባይቲ ሕክምናን ካልእ 16 ሺሕ ዝግመት መዐደሊ ኣፋውስን ሓገዝን ድጋፍን ዝቐርበሉ ማእከላት ከምዘለዋን እውን ገሊጾም ካህናትን ኣሓውን ደናግልን ቁምስናታትን ኣብ ድጋፍን ምትሕብባርን መዳይ ብግምባር ቀደም ዝዋስኡ እውን ከምዝኾኑን ዘኪሮም፡ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ኣገልግሎትን ኣስተዋጽኦን ነቲ  ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንምብዳህ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ንዘቖሞ ዓለም ሓቆፍ ደረጃ መዋሊ ማሕበር ዓቢይ ኣበርክቶን ማንም ዘይስሕቶ ዓቢይ ሓገዝ እውን እዩ ከምዝበሉ ኦንዳርዛ ኣፍሊጦም።

ወግእ ደው ክብልን ድልያ ክትባት ብዝለዓለ ደረጃ ክተባባዕን

ቅድስቲ መንበር ዓለም ሓቆፍ ውድብ ክንክን ጥዕና በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ምስ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ተራኺቡ፥ ኣብ ዛዕባ ናይ ስግደትን ኣምልኾን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ስለ ዘካየዶ ምይይጥ ምስጋናኣ ተቕርብ ቢሎም፥ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣብዚ እዋን ለብዒ እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዝካየዱ ውግኣት ደው ንኽብል ዘቕረብዎ ዓለም ሓቆፍ ውግእ ደው ናይ ምባል ጻውዒት፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሓሳብ ኣቃሊሖምን ድኻታት ሃገራት ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንምብዳህ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን መደብ ሕንጸትን ኣብ ምስፋሕ ዘካይድኦ ጻዕሪ ከይሰናኸል፡ ዘለወን ናይ ወጻኢ ልቓሕ ክመሓርን እንተዘይኮነ ዝኽፈለሉ ዓምታት ምንዋሕ ዝበልዎ ሓሳብ ኣዘኻኺሮም ኣተሓሒዞም እውን ናይ ቅዱስነቶም ሓሳብ ናቶም ገይሮም፥ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስነ ምርምር ማእከላት ብዘይ ህርፋንን ድልያ ውልቃዊ መኽሰብን ብቕዓተንን ሰብኣዊ ሓይለንን ኣዋዲደን ኣልቦ ውልቃዊ መኽሰብ ኮይነን ንናይ ኩሉ ረብሓን ክንክን ጥዕናን ኣብ መላእ ኵርናዕ ዓለም ዝርከብ ሰብኣዊ ፍጥረት ንምፍዋስ ዝኣመተ ድልያ ፍቱን መድሃኒት ከሳልጣ ሓደራ ከምዝበሉ ኦንዳርዛ ሓቢሮም። 

ቅድስቲ መንበር፥ ንኹሉ ዘገልግል ዓለም ሓቆፍ መልስን ግልጽነትን
21 May 2020, 15:59