ድለ

ራቫዚ፡ ፍራንቸስኮ ከም ጳውሎስ ሻድሻይ፥ ኪነ ጥበብ ኣብ ቅልውላው ጸላም ብርሃን እዩ

እዩ፡ “እዚ ጥምረት’ዚ - ይብሉ ካርዲናል ራቫዚ - ክልቲኣቶም ማለት ሞንቲኒን ፍራንቸስኮን ከምቲ ፓውል ክሊ ዝብሎ “ብዛዕባ እቲ ኣብ ጭብጥ ዘሎ ግሁድ ዘይኮነ ኣብቲ ዘይግሁድ ዘሎ ግሁድ” እዮም ዝዛረቡ”

ዕለት 7 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጐሆ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ምእንቲ ናይ ስነ ጥበብ ዓለም ከምዝጸለዩን፡ ኩሉ ኣብዚ ጸሎት’ዚ ክሓበር ኣብ ዝዓደሙላ ዕለት፡ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ልክዕ ዕለት 7 ግንቦት 1964፥ ጽባቔ ዝፈጥር ኣብ ነገራውነት ዘሎ ጥልቂ ጽባቔ ፈቲቱ ንኽትርእይ ይሕግዝ እንክብሉ ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ጳውሎስ ሻድሻይ ንስነ ጥበበይናታት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ዘስመሩሉ ሓሳብ ዘዘኻኽር ምዃኑ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መሃዝነት ናብ ተስፋን ኣብ መጻኢ እምነት  ንኽህልወካ ዘሰንይ እዩ፡ ብፍላይ ኣብ ጽንኩርን ኣዚዩ ኣብ ዘሰክፍ እዋን፡ ነዚ ዝበሉ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓልይ ጳጳሳዊ  ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ኣስዕቦም፡ ኣብቲ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ብልክዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ዕለት 7 ግንቦት 1964 ዓ.ም. ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ንስነ ጥበበይናታት መስዋዕተ ቅድሴ ከምዘዕረጉን ሎሚ ድሕሪ 60 ዓመት ክትብሎ ይከኣል ዕለት 7 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብዘይ ጽባቔ ወንጌል ክንርድኦ ኣይንኽእል ቢሎም ምእንቲ ስነ ጥበበይናታት ንኽንጸልይ ይዕድሙ።

ጥምረት

እቲ ር.ሊ.ጳ. ሞንቲኒ ብዛዕባ ስነ ጥበበይናታት ዝበልዎ ሓሳብ ንጽብሒቱ  ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ናቱ ገይሩ ብምቅላሕ ኣብ እንነብረሉ ዓለም ኣብ ቀላይ ተስፋ ቁርጸት ከይንጥሕል ጽባቔ ከምዘድልይ የብርህ፡ እቲ ማእከላዊ ረቛሒ ኣብ መንጐ ስነ ጥበብን እምነትን ዘሎ ጥምረት እዩ፡ “እዚ ጥምረት’ዚ - ይብሉ ካርዲናል ራቫዚ - ክልቲኣቶም ማለት ሞንቲኒን ፍራንቸስኮን ከምቲ ፓውል ክሊ ዝብሎ “ብዛዕባ እቲ ኣብ ጭብጥ ዘሎ ግሁድ ዘይኮነ ኣብቲ ዘይግሁድ ዘሎ ግሁድ” እዮም ዝዛረቡ” ጥበብ እዚ እዩ ኢሎም።

ናይ መንፈስ ዓለም

እቶም ብረሻዊ ር.ሊ.ጳ. ሞንቲኒ ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ነቶም ስነ ጥበበይናታት ብግልጺ ሰላም ክገብሩን ናብ ምሕዝነት ክምለሱን ጻዋዒት ኣቕሪቦምን ንቤተ ክርስቲያን ስነ ጥበበይናታት ዘድልይዋ ከምዝኾኑን ኣፍልጦ ከምዝሃቡ እውን ብጹዕነቶም ዘኪሮም፡ ኣብ መንጐ ስነ ጥበበይናን ካህንን ዘሎ ናይ ሓባር ረቛሒ እቲ ናይ መንፈስ ዓለም ብኹሉ ተበጻሕን ተስተውዓልን ምግባር ዝብል ሸቶ እዩ፡ ኣብዚ ስርሒት’ዚ - ሞንቲ - ንስኻትኵም ስነ ጥበበይናታት መምሃራን ኢኻትኩም” እንክብሉ ይገልጽዎም - ጥበብኩም ነቲ ናይ ሰማየ ሰማያት መንፈስ ሃብትታቱን ቅርጺ ዝህብን ልሳንን ሕብርን ኣልቢሱ ተበጻሒ ዝገብር እዩ” ከምዝበሉ የዘኻኽሩ።

ፍኖት

ደሓር እውን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን በነዲክቶስ መበል 16ን ነቲ ሞንቲኒ ዝገለጽዎ ሓሳብ የዕሙቑ፡ ቃላት ናይ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ተዘኪሩ - ዝኽሪ ኮይኑን - ስነ ጥበብ ናብ ተስፋ ዝመርሕ መገዲ እዩ” ከምዝበሉን፡ ብጹዕ ካርዲናል ራቫዚ ነዚ ኣብ መንጐ ስነ ጥበብን ተስፋን ዘሎ ምትእስሳር ኣተሓሳሲቦም` ኣብዚ እንርከበሉ ዘሎና ጽንኩር እዋን፡ ደረት ትርኢቱ ዕጹውን ጽልሙት ኣብ ዝመስለሉ ዘሎ ህልው ኵነት ናይ ስነ ጥበበይናታት ሓይሊ የዘኻኽሩ።

ጠመተ

“ስነ ጥበበይና - ይብሉ ብጹዕነቶም - ኣእጋሩ ኣብ ጭቡጥ ባይታ ረጊጹ ነቲ ጭቡጥ ዝትንትንን ቅርጺ ዝህብን ዝልውጦን እዩ፡ በዚ ኣገባብ’ዚ ኣቢሉ የዕይንቲ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ውሽጢ ናይ ታሪኽ ሓመድ (ሬሳ) ኣብ ዝብል ከይተርፍ ይገብር”፡ ኣብዚ ማሕበራዊ ምፍንታትን ውሸባን ኣብ ዝንበረሉ ዘሎ እዋን፡ ስነ ይበበይናታት ከሰንዩናን ብመራኸቢ ብዙሓን ዝመሓላለፍ ብዘሎ ጥበብን ኪነ ጥበብን ኣቢሎም ንኸነስግል ይድግፉናን የሰንዩናን ኣለዉ” ዝበሉ ብጹዕነቶም ኣስዒቦም - እቲ ዝተፈላለየ ኣብ ነገራትን ኵውንነትን ዘሎ ስእሊ ንኽንርእይን እቲ ኣብ ነገራት ዘሎ ጥልቂ ንኸነስተውዕል ይሕግዙና” ኢሎም።

ጻውዒት

እቲ ናይ ስነ ጥበብ ዓለም እዚ ኸኣ ብመንግስታትን ተቕዋማትን ግቡእ ኣፍልጦ ስለ ዘይወሃቦ ከም ኩሉ ንመጻኢ ብፍርሒ የማዕድው፡ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስጋና ይኹኖም ድሕሪ እቲ ንሶም ምእንቲ ስነ ጥበበይናታት ብወግዒ ዘቕረብዎ ጸሎት ብዛዕባ ስነ ጥበበይናታትን ህልው ኩነታቶም ኣብ ገለ ገለ ጋዜጣታት ክንግንዘብን ከነንብቦን እውን በቒዕና፡ እቲ ናይ ስነ ጥበብ ካብ ዘጋጥሞ ዘሎ ኤኮኖሚያው ቅልውላው ክንየ - ኩነት ስነ ጥበበይነታት ብሕብረተሰብ ዓቢይ ኣተኵሮ ክግበረሉ ይግባእ ምስ በሉ፡ ኣብዚ ኪደት’ዚ እውን ቤተ ክርስቲያን ትውሳኤ ክህልዋን ኣብ ኤቅለሲያዊ ዓለም ንናይ ዞባታት ኣባይቲ መጻሕፍትን ትያትርን ሙዚቃን ዝግብኦ ክብሪ ክህበሉ ኣተሓሳሲቦም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ራቫዚ፡ ፍራንቸስኮ ከም ጳውሎስ ሻድሻይ፥ ኪነ ጥበብ ኣብ ቅልውላው ጸላም ብርሃን እዩ
09 May 2020, 14:33