ድለ

መዓልቲ ፍጥረት ብሓባር ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ከም ሓንቲ ስድራ መዓልቲ ፍጥረት ብሓባር ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ከም ሓንቲ ስድራ 

መዓልቲ ፍጥረት ብሓባር ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ከም ሓንቲ ስድራ

መዓልቲ ፍጥረትን ተፈጥሮን ንናይ ሓባር ቤትና ክንክንን ጸሎትን ምብርታዕን ምንቕቓሕን ዘለዎ ኣገዳስነት “ኣገባባት ሕይወትና ንኸነስተንትንን ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘኽብር ምርጫታትን ነቢያዊ ተግባራትን ንምብጋስን”

ኵለንተናዊ ምሉእ ናይ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብዚ ናይ ለምዘበን ፍሉይ ዓመት ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቲ ንናይ መሬትን ድኻታትን ገዓር መልሲ ንምሃብ ዝዕድም ዝተፈላለዩ ተበግሶታት ንኽነቓቓሕ ዝዕድምን ዘተባብዕን መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብሓባር ኩለን ምእንቲ ሓድነት ዝዓያ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ከም ሓደ ስድራ ህዝበ እግዚኣብሔር ንናይ መዓልቲ ፍጥረት ዘቕንዔ ንጥፈታት ኣዋዲዱ ንቤተ ክርስቲያንን ንኵለንተናዊ ማሓድሮን ዘቕንዔ ሓደስቲ ስጉምታት ከቀላጥፍ፡ ነቲ ካብ ዕለት ሓደ መስከረም ክሳብ ዕለት 4 ጥቅምቲ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ኣብ ዘሎ ግዜ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎትን ክንክን ፍጥረትን ተፈጥሮን መደባት ነበራትዕ እንክብል ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዘነቓቕሕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ብሩኖ ማሬ ዱፈ ክታም ኣብ ዝተነብሮ መልእኽቲ ጻውዒት ከምዘቕረበ ካፐሊ ኣፍሊጠን።

ንናይ መሬት ገዓር መልሲ ንምሃብ

ብምኽንያት ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት እታ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተደርሰት ይሴባህ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣማእኪሉ ድሕሪ ዝተኻየደ ቅነ ይሴባህን ዝተበገሰ ፍሉዩ ዓመት ንዝኽሪ እታ ዓዋዲት መልእኽትን እቲ ላዕለዋይ ቤተ ጽሕፈት ኣብ 2019 ዓ.ም. መዓልቲ ፍጥረትን ተፈጥሮን ንናይ ሓባር ቤትና ክንክንን ጸሎትን ምብርታዕን ምንቕቓሕን ዘለዎ ኣገዳስነት “ኣገባባት ሕይወትና ንኸነስተንትንን ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘኽብር ምርጫታትን ነቢያዊ ተግባራትን ንምብጋስን” እንክብል ኣዘኻኺሩ ከምዝነበረ ዝሓበራ ካፐሊ ኣስዒበ፡ን እቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈተ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቱ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ዝተፈተኺ ኣማዞን ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ድህረ ኣማዞናዊ ሲኖዶስ ሓዋርያዊ ምዕዳን መሰረት ንናይ መሬትን ድኻታትን ገዓር መልሲ ንምሃብ ኣብ ኩሉ ክነቓቓሕ ዘላቕን ተቐባልነት ዘለዎ መደባት ክካየድ ይላበው፡

ናይ እግዚኣብሔር ስራሕ ዓቀብቲ

ብፍላይ ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ህጹጽን ኣገዳስን ናይ ሓባር መልሲ ወሳኒ ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምዝበልዎ ብሓባር ጥራሕ እዩ ናይቶም ተኣፋፍያን ጸገም ናትና ብምግባር ዓለም ሓቆፍ ንዝኾኑ ብድሆታት እንሰግር፡ ኣብ ዘይርጉጽነትን ኣብ ፈተናን ነቶም ተኣፋፍያን ኣዚዩ ጽንኩር ዝኾነ ጸገም ኣብ ዝረኣየሉ ኩነት ኩሉ ተማራዃሲ ምዃኑ ነስተውዕል፡ ስለዚህ ነቲ ዝበተኽናዮ ተራኻብነትና ዳግም ከነተኣስስሮ ኣገዳሲ እዩ፡ምትሕብባርን ምድግጋፍን ናይ ካልኦት ጸገም ብሕውነት መንፈስ ናትና ብምግባር ንከናኸንን መልሲ ንሃብን፡ ብሓባርን ኣብ ሓባርን ብሕውነትን እዩ ጸገማት ዝብዳህ፡ ስለዚህ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳትን ኤቅለሳውያን ተውቕዋማትን “ምእመናን ናይ እግዚኣብሔር ስራሕ ተኸናኸንቲ” ናይ ምዃን ጸዋዕታኦም ብምዝኽኻር ነዚ ጸዋዕታና (ይሴባህ ቍ. 217)ንኽንበብሮ ዝድግፉ መደባት ከነቓቕሑን እቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ሓደራ ከምዝበለ ኣፍሊጠን።

ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዕማም

እቲ ጳጳሳዊ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋ ቤት ጽሕፈት ቅኑዕን ፍትሓውን ሕብረተሰብ ኣብ ምሕናጽ ዝኣመተ፡ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ብቑዕ መልሲ ንምሃብ ኣብ ዘሳልጦ ዘሎ ምትሕብባር፡ ብፍላይ ነቶም ኣብ ከቢድ ስቓይ ንዝርከቡን ተኣፋፍያንን ቀረባ ብምዃን የገልግልን፡ ኣብዚ መደብ’ዚ ኣቢያተ ክርስቲያንን ዝተፈላለያ ኤቅለሳውያን ተቕዋማትን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ብምትሕብባር የንቀሳቐስ ከምዘሎ ዝሓበራ ካፐሊ ኣስዒበን፡ ብዛዕባ መዓልቲ ፍጥረት ዝምልከትን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝውክል ዝቖመ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ዘቕረቦን ዘመሓላለፎን መልእኽቲ ኣብቲ SeasonofCreation.org/it. ኣብ ዝብል ኣድራሻ ሓበሬታ ንምርካብ ከምዝከኣል ኣፍሊጠን።

መዓልቲ ፍጥረት ብሓባር ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ከም ሓንቲ ስድራ
27 May 2020, 15:41