ድለ

ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ምስራቓዊ ክርስቲያንን

“ብሓደ ሳምቡእ ምስትንፋስ ዝከኣል ኣይኮነን፡ ምእንቲ እዚ ክልተ ሳምቡእ የድሊ፡ እዚ ኸኣ ምስራቓውም ምዕራባውን እዩ”

ዕለት 18 ግንቦት 2020 ዓ.ም. መበል 100 ዓመት ዝክሪ ልደት ካሮል ዎይትይላ ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ተዘኪሩ ከምዝወዓለ ክዝከር እንከሎ፡ ነዚ ምኽንያት ብምግባር ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስትያን ዝሓልይ ቅዱስ፡ ዎይትይላ ኣብቲ ጥብቂ ምትእስሳር ኣብ ዝነበሮም ምስራቓዊ ከባቢ ዘካየድዎ ምብጻሕን ርክባትን ሕጽር ብዝበለ መልክዕ ዘስተርእይ ብዘቕረቦ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ይዝክሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ዓቢይ ኣብ እምነት ብዝብል መጸውዕ ዝግለጹ ሓደ ካብ ዝነበሮም ዓቢይን ነቕ ዘይብልን፥ “ከም ክርስቲያን ካብኡ ሓሊፉ እውን ከም ካቶሊክ፡ “ብሓደ ሳምቡእ ምስትንፋስ ዝከኣል ኣይኮነን፡ ምእንቲ እዚ ክልተ ሳምቡእ የድሊ፡ እዚ ኸኣ ምስራቓውም ምዕራባውን እዩ” ዝብል እምንቶ ዝነበሮም እዮም።

እቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ምስ ምስርቓዊ ዓለም ዝነበሮም ጥብቂ ምትእስሳር ዘስተርእይ ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ንዝኽሪ መበል 100 ዓመት ልደት ካሮል ዋይትይላ ናይ ዘመሓላለፎ ናይ ምስማዐ ርእየት ሓበሬታ ማእከል እዩ።

እቲ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘካየድዎ ምብጻሕን ናይ ምስርቓውያን ኣቢያተ ክርስትያን ሕገ ቀኖና ክድንግጉ እንከለዉን ናይ ምብራቕ ብርሃን ዘርእቱ ሓዋርያዊ መልእኽቶምን ምስራቓውያን ቅዱሳት ቄርሎስን መጠዲዮስን ምስቶም ናይ ኤውሮጳ ሓለውቲ ቅዱሳት (ቅዱስ በነዲክቶስ ዘኖርቻን ቅድስቲ ብሪጊታ በዓልቲ ሽወደንን ቅድስቲ ካተሪና በዓልቲ ሲየናን ቅድስቲ ተረዛ በነደታ ዘመስቀልን) ምስዝኾኑ ተሓበበርቲ ሓላውቱ ቅዱሳትን ቢሎም ክጽንብሩ ከምዝገበሩን ዛዕባ ሊባኖስ ዝዝትይ ዝጸውዕዎን ዝተኻየደን ፍሉይን ታሪኻውን ሲኖዶስን ዝትርኽ፡ ካብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ኣገልግሎት ቀረጻ ስእሊ ካብ ዘሎ ቤተ መዛግብት ዝረኸቦ ኣሳእል ኣሞርኵይዙ፡ ነዚ ኹሉ እናበራረየ ዘርእይን ከም ድሕሪ ባይታ ብናይ ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ሊጡርጊያዊ ቅኒታዊ ማህሌት ኣሰንዩን ዝትርኽ እዩ።

እቲ ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ንኽብሪ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘቕረቦ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ምድራዊ ጉዕዞእም ኣብ ዝዛዘምሉ ዕለት ኣብ ዙሪያ እቲ ኣካሎም ዝተነብረሉ ሳጹን ምስራቓውያ ኣቢያተ ክርስቲያን ብሁባሬ ዘቕረበኦ ስንብታ ብዘርእይ ምስሊ ይዛዘም። 

ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ምስራቓዊ ክርስቲያንን
20 May 2020, 00:00