ድለ

ማዕከላይ ምብራቕ፥ ክልተ ሕዝብን ክልተ ሃገራትን እንኮ መፍትሒ ማዕከላይ ምብራቕ፥ ክልተ ሕዝብን ክልተ ሃገራትን እንኮ መፍትሒ 

ማዕከላይ ምብራቕ፥ ክልተ ሕዝብን ክልተ ሃገራትን እንኮ መፍትሒ

ክልተ ሉኣላውያን ጎረባብቲ ሃገራትን ዝብል ኣብ 1967 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ተቐባልነት ዝተወሃቦ ውሳኔ መሰረት ምግባር ንናይቲ ከባቢ ሰላም ፍሉይ መፍትሒ እዩ

ናይ ፍልስጥኤም መንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ናይ ዘታይ ጉጅለ ልኡካን መራሒ ኤረካት ብዛዕባ ምዕባሌታት ህልው ኩነታ ናይ ፍልስጥኤም ርእሰ ምምሕዳር ግዝኣትን ኣብ ገለ ገለ ዞባታት ናይ እስራኤል ልኡላውነት ብኣሃዳዊ ጐናውነት ኣፍልጦ ናይ ምሃብ ኪደትን ሳዕቤናቱን ንናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ስልኪ ደዊሎም ሓበሬታ ከምዝሃቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ቅድስቲ መንበር እውን ብወገና ዓለም ሓቆፍ ሕጊ መሰልን ክብርን ክኽበርን እቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ንሓደጋ ከቃልዕ ዝኽእል ኩሉ ብዘተ መዕለቢ ክረክብ ትላበው ከምዝበሉ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖዎል ሪቻርድ ጋላገር ካብ ናይ ፍልስጥኤም  ዘታይ ጉጅለ ልኡካን መራሒን ናይ ፍልስጥኤም ውድብ ሓርነት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሳኤብ ኤረካት ከምእተደወለሎምን ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጐ ፍልስጥኤምን ኣስራኤልን ዘሎ ህልው ኩነታትን ምዕባሌታቱን ከምዝሓበሩን እቲ ናይ ፍልስጥኤምን እስራኤልን ናይ ሓባር ዘተ ንሓደጋ ዘቃልዕ ኩሉ ከምዝሓበሩን ዘመላኸተ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣተሓሒዙ፥

ዘተ ኣብ መንጐ ፍልስጥኤምን እስራኤልን ዘተሓሳስብ ምዃኑ

ቅድስቲ መንበር ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ስልኪ ርክብ፥ “ዓለም ምሓቆፍ ሕጊ ክኽበርን ነዚ ጉዳይ`ዚ ዝምልከት ብቑዕ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዋሳኔን እዚ ኸኣ እቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዘሎ ምፍሕፋሕን ዘይምርድዳእን ክውገድ፥ ክልተ ጎረባብቲ ሃገራትን ሕዝብን ብሰላም ክነብሩ፡ ክልተ ሉኣላውያን ጎረባብቲ ሃገራትን ዝብል ኣብ 1967 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ተቐባልነት ዝተወሃቦ ውሳኔ መሰረት ምግባር ንናይቲ ከባቢ  ሰላም ፍሉይ መፍትሒ እዩ ቢላ ከምእተኣምነሉ ደጊማ ከምዘረጋገጸት ሓቢሩ፡ ኣብቲ  ከባቢ ኣብ ባይታ ዘሎ  ኩነታት ቅድስቲ መንበር ከምዘተሓሳስባ ኣፍሊጣ፡ ኣብታ ንኣይሁድን ቤተ እስላምን ክርቲያንን ክብርቲ ኣብ ዝኾነት ቅድስቲ መሬት ሰላም ክነገስ መታን ፍልስጥኤምን ኣስራኤልን ብዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ተደጊፈን፣ እቲ ናይ ዘተ መስርሕ ከኽብራን ነዚ መሰረት ገይረን ናብ ዘተ ክምለሳ ዘብቅዐን ሓደስቲ ኣንፈታት ከናድያን ኣብ ግብሪ  ከውዕላን እውን ጻውዒት ዳግም ከምዘቕርበት ናይ ቅስቲ  መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ማዕከላይ ምብራቕ፥ ክልተ ሕዝብን ክልተ ሃገራትን እንኮ መፍትሒ
21 May 2020, 15:54