ድለ

ፊሲከላ፥ እቲ ለብዒ ንእምነት ኣይልውጥን ፊሲከላ፥ እቲ ለብዒ ንእምነት ኣይልውጥን 

ፊሲከላ፥ እቲ ለብዒ ንእምነት ኣይልውጥን

ኣብዚ መረብታዊ ኣብ ዝኾነ ኣብ እንርከበሉ እዋናዊ ባህሊ እቲ ዘጥቅዓና ዘሕዝን ፍጻመ ለብዒ፡ ሕይወትና ክቕይሮ ይኽእል ቢልካ ምሕሳብ ከቢድ እዩ፡ ምኽንያናቱ ድማ ብሕጹጽ ነገራት ናይ ምርሳዕ ዝምባለ ስለ ዘሎ እዩ፡ እቲ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ ባህሊ ክንየው ግዜን ቦታን ንኽንብል ዝገብር ዘሎ እዩ፡

ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘነቃቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኣብቲ ብለብዒ ኮቪድ ብፍርሒ ምልኩት ኣብ ዝኾነ ዓለም ናይ ቀረባ መጻኢ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ምእመናን ኣብ ማሕበረሰብ እምበር ኣብ ተነጽሎነት ንኽነበር ኣይኰኑን ክርስቲያን ዝኾኑ፥ ምፍንታት ናይ ሰብኣዊ ህላዌና ደምዳሚ ከምዘይኮነ የብርሁ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ለብዒ ናይ ሰባት እምነት ማዕቅን ዝቕይር ኣይኮነን፡ ክንየው እዚ እውን ሕይወቶም ኣይቅይርን እዩ ዝብል ጽኑዕ እምነት ከምዘለዎም ዝገለጹ ናይቲ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል መጻኢ በቲ ብለብዒ ምልኩት ዝዀነ ምስቲ ኩነት ብዝጸባጸብ ዓለም ዝድረኽ እዩ፡ ብርግጽ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ እውን ተፈናቲትና ምንብር ንቕጽል እውን እንተዀንና ሰብ ተፈናቲቱ ንኽነብር ዝተፈጥረ ክምዘይኰነ ሓቂ እዩ። እዚ ዘይቕየር ጭቡጥ ስነ ሰብኣዊ ስነ መጐት እዩ ኢሎም።

ኣብዚ መረብታዊ ኣብ ዝኾነ ኣብ እንርከበሉ እዋናዊ ባህሊ እቲ ዘጥቅዓና ዘሕዝን ፍጻመ ለብዒ፡ ሕይወትና ክቕይሮ ይኽእል ቢልካ ምሕሳብ ከቢድ እዩ፡ ምኽንያናቱ ድማ ብሕጹጽ ነገራት ናይ ምርሳዕ ዝምባለ ስለ ዘሎ እዩ፡ እቲ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ ባህሊ ክንየው ግዜን ቦታን ንኽንብል ዝገብር ዘሎ እዩ፡ ኣብዚ እዋን`ዚ ብዙሕ ዘይሰማምዓሉ ዝውታረ ጥበብ ወይ ውን ጣቋ መደረ ንሰምዕ፡ ኵሉ ደሓር ዝረአይ ይኸውን።

ሰብ ብባህርይኡ ተቐራራቢ እዩ፥ ስለዚ ክልተ ጽብቖም ዝደላለዩ ሰባት ኢድ ከይተጭባጡ ሰላም ከይተበሃሃሉ ክነብሩን ክልተ ሰባት ብሓደ ንኸይነብሩ ተፈናቲቶም ንኽነብሩ ከመይ እዮም ንኽምርዓዉ ዝፈቕዱ? መንእሰያትና ብዘይ ጭቡጥ መግለጺ ፍቕሪ ከመይ ቢሎም እዮም ከነብሩ ዝኽእሉ? እዚ ኵሉ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ባህርይ እዩ፡ ሰብ ብባህረቱ ተቀራራቢ እዩ፡ ምፍንታት ናቱ ኣይኮነን፡ ምፍንታት ዝህልው ሓርፋፍ ርክባት ምስ ዝህልዎ ጥራሕ እዩ፡ ኣይቀርበካን ኣይትቕረበንን ከምዝብሃል። ሰብ ተራኻቢ ፍጥረት እዩ፡ ብዝያዳ ናይ እምነት ክርስትና ማዕቅን እውን እዩ፡ ምእመናን ብማሕበረሰብ ኣብ ምንባር እምበር ኣብ ደሴታውነት ኣይኮነን፡ ብርግጽ ኣብዚ እዋን’ዚ ምፍንታትን ዝብሉ ዝተፈላለዩ ኣብቲ  ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ድንጋገ ዘሎ ትእዛዝ ምኽባር ይግባእ፡ ኣገዳሲ እውን እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ምፍንታት ወይ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ናይ መጻኢ ህላዌ ክኸውን ብፍጹም ዘይከኣልን ዘይሕሰብን እዩ፣ ስለዚህ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነት እውን ብዝተፈላለዩ ኣገባባትን መሳለጥያታትን ወንጌል ይስበኽ ኣሎ ስለዚህ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ትበጽሕ ከምዘላ ርእዩ እዩ እንክብሉ ይሕብሩ።

እዚ ለብዒ’ዚ መራኸቢ ብዙሓን ዘለዎ ልዑል ኣገዳስነት ካብቲ ዝነበረ ንላዕሊ ንኸነስተውዕል ገይሩና እዩ፡ ካህናትን በዚ መጋበርያ እዚ ንምእመናኖም ቀረባ ብምዃን ዘካይድዎን ዘቕርብዎ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ሰብ ከካብ ቤቱ ዝከታተሎን ኣብ ሳልስቲ ቅድመ በዓለ ፋሲካ ደሓር እውን ዝተራእየ እዩ፡ ኩሉ እቲ ቅድምን ደሓርን በዓለ ፋሲካ ዘሎን ሓሙስ ሕጽበተ እግርንን ዓርቢ ስቕለትን ቀዳም ስዑርን ሰንበት ፋሲካን እናበልካ ክትዝርዝር ትኽእል እዚ ኹሉ ብኣካል ዘይኮነ ብመራኸቢ ብዙሓ ብመንፈስ ዝነበረ ሱታፌ ንምጥቃስ ይከኣል።

ብኻልእ መዳይ እውን እቲ ለብዒ ናይ እምነት ተመክሮና ሓባራዊ ክንነብሮ ከምዝግብኣና ኣዘኻኺሩና እዩ፡ ምእመናና ኣብ መስዋዕተ ቅዳሲ ንኽሳተፉ ዘለዎም ጽምዒ ተስተውዕል፡ ኣስፍሆተ ወንጌልን ቅዱሳት ምስጢራትን ሓደ እቲ ኣብ ክርስትና ሕይወት ካብ ዘገድሱ ረቛሒታት እያቶም፡ ስዒቡ እውን ክልተ ካልኦት ረቛሒታት ኣለዉ፥ እምነት ምብሳርን ናይ ምግባረ ሰናይ ምምስካርን ዝብሉ፡ እቲ ለብዒ ነቲ ብዙሕ ግምት ዘይንህበሉን ብታህዋኽ እንሓልፎን ምርእኣይን ብሓባር ምዃንን መሰረታውን ኣግዳስን ዝኾነ ሰብኣዊ ባህርይ ምዃኑ ኣመላኺቱና እዩ፡ እምነት ህዋስና የድልዮ እዩ፡ እዚ ማለት ከኣ ምርኣይን ጽን ምብህሃልን ምትንኻፍን ዝብሉ፡ ኵሉ እቲ ክፍሊ ሰብኣዊ ሕይወት ዝኾነ ክፍሊ ናይ እምነትን ኣስፍሆተ ወንጌልን ማዕቅን እውን እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ፊሲከላ፥ እቲ ለብዒ ንእምነት ኣይልውጥን
16 May 2020, 16:13