ድለ

ዕለት 27 ጥቅምቲ 1986 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ኣሲዚ ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ርክብ ዕለት 27 ጥቅምቲ 1986 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ኣሲዚ ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ርክብ  ርእሰ ዓንቀጽ

ናብ ኩሉ ዝተዘርግሓ ኣእዳው፥ ህልው ምስክርነት

ኩለን ሃይማኖታት ኣብ ኣሲዚ ምእንቲ ሰላም ኣብ ናይ ሓባር ጸሎት ዓዲሞም፡ ናይ ስልጣነን ግጭት ክህሉ ብዝገብር ናይ ፖለቲካ ህልዩ ብምውጋድ ብዘየገራጭው መንፈስ ብሓባር ክጽልያን ኣብ መንጐ ሕዝብታትን ባህልታትን ሃይማኖታትን ወትሩን ክሳብ መወዳእታን ርክብን ዘተን ክህሉ ዝገበሩን

ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ልደት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፥ እዞም ር.ሊ.ጳ. ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝሓንጸጾ መደብ ኣብ ሓድሽ እዋናዉ ጉዕዞ ዝመርሑ እዮን፡ ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ርእሰ ዓንቀጽ ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli) ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ ክኸውን እንክሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 27 ጥቅምቲ 1986 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ውሽጥን ደጋውን ተቓውሞታት በዲሆም እቲ ኣብ ዓለምና ዘዘንብይ ዝነበረ ኑክለሳዊ ውግእ ከይኽሰት መታን ኣብ ኣሲዚ ኩለን ሃይማኖታት ብሓባር ምእንቲ ሰላም ክጽልያ ዓዲሞምምን ኣብ መላእ ኣብ ዓለም ናይ ዝርከባ ሃይማኖታት መንፈሳዊ ላዕለዎት መራሕቲ ኣራኺቦም፡ እቲ ናይ ኩለን ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕቲ ናይ ሓባር ርክብ - “እቲ ምራኻብ ንገዛእ ርእሱ እዋናዊ ዓለም ብፖለቲካዊ ሕድገታትን ዕዳጋውን ብዝዀነ ኤኮኖሚያውን ጥራሕ ዘይኮነ ካብኡ ንላዒሊ ብዝኾነ ካልእ ዓይነት ሰላምን ካልእ ዓይነት ዓለምን ምንቕቓሕ ኣብ ዝብል ማዕቅን ኣስተውዕሎ ክገብር  ዘተባብዕ እዮም” እንክብሉ ቶርኒየሊ ኣብ ዘውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ ኣዘኻኺሮም፡ ኣተሓሒዞም እውን፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ “እቲ ሃይማኖታዊ ፍልልይ ከምዘሎ ኮይኑ፡ እቲ ናይ ሓባር ናይ ኩለን ሃይማኖታት ላዕለዎት መንፈሳውያን መራህቲ ዘሳተፈ ጸሎት ካብቲ ናይ በይነን ሰብኣዊ ብቕዓት ንላዕሊ ዝኾነ ምስቲ ልዑል ሓይሊ ዘለውን ርክብ ዝገለጽ እዩ”፡ ስለምንታይ ኣብዚ ንርከብ - ዓለም ናይ እውነተይናን ቀዋምን ሰላም ቦታ ክኸውን ንደልይ እንተድኣ ኮይንናትሑትን ሓባራውን ተኣማማኒ ጸሎትን ዘድልዮ ስለ ዝኾነ፡” ከምዝበሉ የዘኻኽሩ።

ዕለት 18 ግንቦት 2020 ዓ.ም. እቶም ኣብቲ ዝሑል ውግእ እዋን ዝተሓርዩ፡ ኣብቲ ነዊሕ ናይ ር.ሊ. ጳጳሳዊ ኣገልግሎቶም ቤተ ክርስቲያን ናብ ሳልሳይ ሽሓዊ ዘሰጋገሩን እቲ ኤውሮጳ ኣብ ክልተ ቀጽሪ መቂልዋ ዝነበረ ናይ ብርሊን መንደቕ ምፍራስ ዝረኣዩን፡ ሓድሽ ናይ ሰላም ዘመን ክበርቕ ተስፋ ዝገበሩ፡ ደሓር ግን ኣብቲ ብዕድመ ኣብ ዝደፍኡሉን ምሉእ ጥዕና ኣብዘየነብሮምን እዋን በደህነቲ ሕደስቲ ወግኣትን ብሽም እግዚኣብሔር ሞትን ዕንወትን ዝዘርአ ግብረ ሽበራታትን ክውገድ ዝገጠሙን፡ ነዚ ዅሉ ንምብዳህ ኣብ 2002 ዓ.ም. ኩለን ሃይማኖታት ኣብ ኣሲዚ ምእንቲ ሰላም ኣብ ናይ ሓባር ጸሎት ዓዲሞም፡ ናይ ስልጣነን ግጭት ክህሉ ብዝገብር ናይ ፖለቲካ ህልዩ ብምውጋድ ብዘየገራጭው መንፈስ ብሓባር ክጽልያን ኣብ መንጐ ሕዝብታትን ባህልታትን ሃይማኖታትን ወትሩን ክሳብ መወዳእታን ርክብን ዘተን ክህሉ ዝገበሩን፡ ነቕ ዘይብል እምነትን ሰቒለ ህልናን ወሓዚ ሰብኣውነትን ዝመስከሩ እዮም፡ ግጭት ከይባራዕን ሰላማዊ መሰጋገሪ ዕድል ከረክብ ሰላምን ፍትሕን ንምንቕቓሕ ምስ ኩሉ ሓደ’ኳ ከይፈለዩ ተመያይጦም እዮም። ወንጌል እናሰበኹ መላእ ሕዝቢ ዓለም ኣብ ሑቕፎኦን ንኸንብሩ ዓለም ብንውሓቱን ብጎድኑን ኵሉ ዝበጽሑ እዮም፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሰብኣዊ ክብሪ ክኽበር ዝተጣበቑን ሮማ ኣብ ዝርከብ ታሪኻዊ ናይ ኣይሁድ እምነት ሰዓብቲ ቤተ መቕደስ - ሙክራብን ንመጀመሪያ ግዜ ናብ መስጊድን ምብጻሕ ዘካየዱን ቀዳማይ ር.ሊ.ጳጳሳት ኮይኖም፡ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝሓንጸጾ መደብ ኣብ ሓድሽ እዋናዉ ጉዕዞ ዝመርሑን ኣብ ሓደስትን ዘይተዳህሰሱን መግድታት ዝተጓዕዙን ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዝመረጸ ቕዱስ ጴጥሮሳዊ ኣገልግሎት ዝነበሩ እዮም፡ ምስክርነቶም ሎሚ ካብ ቀደም ልዑል እዋናውነት ዘለዎ እዩ እንክብሉ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ዛዚሞም።

(Andrea Tornielli)

ናብ ኩሉ ዝተዘርግሓ ኣእዳው፥ ህልው ምስክርነት
17 May 2020, 19:30