ድለ

ድሕረ ለብዒ ንመጻኢ ምቁማት ድሕረ ለብዒ ንመጻኢ ምቁማት  ርእሰ ዓንቀጽ

ድሕረ ለብዒ ንመጻኢ ምቁማት

ስለዚ እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ቅድሚ ስነ ማሓድሮኣዊ ምዃኑ ብሰረቱ ስነ ምግባራውን ባህላውን መንፍሳውን ቅልውላው እዩ

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጠመቓዊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረ-ሰብኣዊ ትምህርቲ ሓድሽ ስጉምቲ ዘበገሰን ሰብኣዊ ሕይወትን መላእ ፍጥረትን ንምዕቃብ ብቕዓት ዘለዎ ቅኑዕ ማሕበረሰብ ዝሓንጽ መራሕ ግብሪ ዝኾነ ሰነድ ከቲሞም ወግዓዊ ከምዝገበሩ ይዝከር፡ ነዚ ዝበሉ ብምኽንያት ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ይሴባህ ዘርእታ ዓዋዲት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍንራቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ርእሰ ዓንቀጽ ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኔሊ ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ ክኸውን እንከሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣፍያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ርእሰ ዓንቀጽ ዋና ኣሰናዳኢ (Andrea Tornielli - ኣንድረያ ቶርኒየሊ) ድሕረ ለብዒ ንመጻኢ ምቁማት” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ፥ ሓምሻይ ዓመት ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ ምዝካር በቢ ዓመቱ ዝግበር ልሙድ ዝኽሪ ዘይኮነ ቅድም ክብል ካብ ቅነ ይሴባህ ስዒቡ እውን ዓመት ይሴባህ ብዝብል ሰፊሕ መደብ መሰረት ዝተፈላለዩ ኣብ ምክልኻል ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘማእከሉ ተበግሶታትን ፍካሬታትን ተመክሮታትን ሰናይ ተግባራትን ንምውህላል ዘብቅዕ ገምጋም ዝካየደሉ እዋን እዩ። እቲ ሰነድ ኣብ ማሕበረሰብን ኣብ ከባቢታትን መላእ ዓለም ዘንቀሳቐሶ ኩሉ ንምክፋልን ነዚ ኸኣ ምስቲ ኣብ መላእ ዓለም ተኸሲቱ ብዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ዝሳቐየሉ እዋን ናይቲ ሰነድ እዋናውነት ዝስትንተነሉ እዩ ኢሎም።

ር.ሊ.ጳ. ፋራንቸስኮ ካብቲ መሰረታዊ ዝኾነ ኣብ መንጐ ፈጣርን ፍጥረትን ዘሎ ርክብ ተበጊሶም፡ በቲ ዓሚዩቕን ሰፊሕን ሰነድ ኣቢሎም፥ ተማራኾስቲን ተራኸብትን ምዃንና ንኽንርዳእን ካብ ማሕበራዊ ንጹል ዝኾነ ናይ ማሓድሮን ናይ ምቅይያርን ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ውግእን ድኽነትን ትሕተ ምዕባለን ናይ ከባቢ ኣየርን ሕቶ ዝበሃል የሎን፡ ስለዚ እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ቅድሚ ስነ ማሓድሮኣዊ ምዃኑ ብሰረቱ ስነ ምግባራውን ባህላውን መንፍሳውን ቅልውላው እዩ። እዚ ኸኣ ጥልቅን ጭቡጥን ዝኾነ ኣረኣእያ እዩ። ይሴባህ ናይ ታሪኽ ሰዓት ንድሕሪት ንምምላስ ካብ ዝብል ናፍቆትን ናብቲ  ቅድመ ኢንዳስትሪ ዝነበረ ኩነት ንምማስን ካብ ዝብል ድላይ ዝተወለደ ዘይኮነ፡ በንጻሩ እቲ ኪደት ርእሰ ዕንወት ዝፈነዎ ናይቲ መኽሰብ ምኽዕባት ካብ ዝብል ሓጺር ዝራእዩ ንግድን ቁጠባን ዘጣዖተን ኪደት ፈልዩ ዘለልይን ዝትንትንን እዩ። ናይቲ ማሓድሮኣዊ ቅልውላው ሰረት ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት - ሕይወትን ስብኣዊ ተግባራትን መገዱ ስሒቱን ንክውንነት ክሳብ ምጽራር ምዕናው ኣብ ዝብል ተግባራቱ እዩ።

ካብ ኵውንታ ምብጋስ ማለት ምስ ሓባራዊ ኩነት ሰብኣውነት ምጽብጻብ ማለት እዩ፡ ካብቲ ናይ ዓለምን ጸጋታቱን ውስንነት ካብ ዝብል ኣፍልጦ ዝብገስ፡ ኣብ ዕደ ጥበባዊ ምልኮ ረባሕታዊ ኣብ ዝውክሎ ዑረት ሓለፋ ካብ ዝብል ኣመለኻኽታ ኣብቲ ሮማኖ ጓርዲኒ ዝብሎ “ዕደ ጥበባዊ ኣመክንዮ ልዕሊ ክውንነት ኮይኑ ተፈጥሮ ከም ቅኑዕን መሰርት ዘለዎ መምርሕ ድዩ ህያው ጸግዕን ገይሩ ዘይጥምት” እንክብል ኣብ ዝገለጾ ሓሳብ ተወኪሶም ዘስመሩሉ ሓሳብ እዩ፡ እደ ኣታውነት ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዝነበረ እዩ፥ ነቲ ኣብ ነገራት ዘሎን ዝቐርበሉ ዕድላት ኣብ ምጥቓም ዝብል እዩ ዝነበረ፡ ካብ ቀደም ኣትሒዙ ክውንታውነት ተፈጥሮ ዘቕርበሉ ልክዕ (ምስ ተፈጥሮ) ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝካ ምኻድ ክሳብ ዝመስልም ዝነበረ ሎሚ ግና ብጸቕጣዊ ኣገባብ ኣቢሉ ክሳብ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ተፈጥሮን ኣብ ተፈጥሮ ዘሎን ኩሉ ክውንነት ዕሽሽ ይብል፡ ምእንቲ’ዚ ሎሚ ክውንነት ዘንብሮ ጥዑይን ፍርያምን ሰብኣውን ማሕበራዊ ምዕባለ ተኸኣልነቱ አቚይሙ ውስንነት ግምት ምሃብን ምኽባርን ምትሕልላይ ኣብ ዘይንበረሉ እዋን ተበጺሑ እዩ፣

ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ እንነብሮ ዘሎና ኩነት እቲ ንጹር ዝኾነ ኣነጺሩ ዘመላኸተ ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንሮማን መላእ ዓለምን ቡርኬ ኣብ ዝሃብሉ መደብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ምህለላን፥ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኣብ ዝዀን ኣካይዳ ንርክብ ቢሎም እዚ ኸኣ ብርቱዓትን ምሉእ ብቕዓትን ዘለዎም ኮይና ክስምዓናን ሃርጎፍጐፍ ምባልን ስስዔን ብግዑዝ ነገራት ንኽንዕብለል ፈቒድናን ዕረፍት ብዘይፈልጥ ሸበድበድ ዝተወሓጥናን ኮይንና ንርከብ፡ . . . ንመኽሰብ ዝሃርፉ፡ ብነገራት ክንወሓጥን ብታህዋኽ ክንናወጽን ዝፈቐድና፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝኽሰት ዘሎ መተሓሳሰቢ ኵሉን ኣብ ቅድሚ ውግእን ዓለም ለኻዊ ኢፍትሓውነትን ደው ቢልና ንኽነስተውዕል ኣይፈቐድናን ናይ ድኻታት ገዓርን ነቲ ከቢድ ማሕሰይቲ ዝወረዶ ዓለምና ስቓይ ጸማማት ኰንና፡ … ኣብቲ ዝሓመመ ዓለም ጥዑያት ኮይኖም ዝስመዖም ኰንና ኣሎና” ከምዝበልዎን ኣተሓሒዞም እውን፥ እዚ እዋን ፈተና ናይ ምርጫን ልልያን ግዜ ገርና ንኽንጥቀመሉ . . . እቲ ዘገድስን ዘየገድስን እነለልየሉን እቲ ዘገድስ ካብቲ ዘይገድስ ኣንፈልየሉን እዋን እዩ” ከምዝበሉ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ኣዘኻኺሮም፡ ኣተሓሒዞም “ይሴባህ ዓዋዲ መልእኽቲ ሕይወትን ሰብን ብፍላይ ናይ ዝተነጸሉን ድኻታትን ዝተሓረጉን ናይቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎምን ሕይወት ዘማእከል ማሕበረሰብ ክነቝውምን ኩሉ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ መሰሉ ዝኽበረሉን ሰብ ከም ውዳቕ ዘይሕሰበሉን ዘይምዝመዘሉን ኣደዳ ኣድልዎ ዘይኾነሉን፡ተፈጥሮ ነቲ ድሕሬና ዝመጽእ ወለዶ ብዘስተውዕል ኣገባብ ክዕቅባን ፍርያም ክገብራን ይመርሓና እንክብሉ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ዛዚሞም።

(Andrea Tornielli - ኣንድረያ ቶርኒየሊ)

ድሕረ ለብዒ ንመጻኢ ምቁማት
25 May 2020, 15:35