ድለ

ውዳበ ር.ሊ.ጳጳሳውያን ባዚሊካ ውዳበ ር.ሊ.ጳጳሳውያን ባዚሊካ  

ውዳበ ር.ሊ.ጳጳሳውያን ባዚሊካ

እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ብፍልዩ ነቲ ካልኣይ ኣርካን ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገን ኣገልግሎት ንህዝቢ ር.ሊ.ጳጳሳውያን ባዚሊካን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ከምዝመኸሩ

ባዚሊካ ር.ሊ.ጳጳሳውያን ብውሕስነት ሊጡርጊያዊ ኣገልግሎተን ንምእመናን ንምቕራብ ብመሰረት ካልኣይ ኣርካን ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገ ብዘኽብር ኣገባብ ቅሩባት ኮይነን ንኽርከባ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳውያን ባዚሊካ ሓለፍቲ ኣኼባ ከምዘካየዱን ቅድሚ ናብ ባዚሊካ ምእታው ቆማቲ ናይ ሰብነት ሙቐት መዓቀኒ ክቐውም ዝብል ሓሳብ ከምዝቐረበ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ ውሸባ ኣብ ሮማ ዝርከባ ጥንታውያንን ታሪኻዋን ር.ሊ.ጳጳጳሳውያን ባዚሊካ ምእመናን ንዘሳትፍ ስርዓተ ሊጡርጊያ ስንድዋት ኮይነን ክርበባ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ናይተን ባዚሊካ ሓለፍቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ኣብ ዝጠለቦ ዓውደ ኣኼባ ከምእተመያየጡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ሓቢሮም፡ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ብፍልዩ ነቲ ካልኣይ ኣርካን ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገን ኣገልግሎት ንህዝቢ ር.ሊ.ጳጳሳውያን ባዚሊካን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ከምዝመኸሩ ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ይብሉ ብሩኒ፥ ናይ ምእመናን ጥዕና ንምውሓስ ዘኽእል ማዕቅንን ብፍላይ ቆማቲ ናይ ሰብነት ሙቐት መዕቀኒ ብፍላይ ኣብ ዓበይቲ በዓላት ክህሉ ዝብልን ናይ ምእመናን ጥዕና ውሑስ ክኸውንን መሰረታውያን መዐቀንታት ኣብ ግብሪ ምውዓል ኣገዳሲ ምዃኑ ከምእተሰማምዑ ኣፍሊጦም።

ውዳበ ር.ሊ.ጳጳሳውያን ባዚሊካ
15 May 2020, 16:20