ድለ

ቫቲካን፥ ፍሉይ ኣኼባ ዛዕባ ድህረ ለብዒ ቫቲካን፥ ፍሉይ ኣኼባ ዛዕባ ድህረ ለብዒ 

ቫቲካን፥ ፍሉይ ኣኼባ ዛዕባ ድህረ ለብዒ

እቲ ንቕዱስ ኣቦናን ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝወሃብ ኣገልግሎት ውሕስ ክኸውን ዝብል ሓሳብ መሰረት ዝገበረን ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ዘላቕን ቅቡልን ብዝኾነ ኣገባብ ቅድስቲ መንበር ትገጥሞ ከምዘላን ኣብቲ ካልኣይ ድንጋገ

ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ዝተመርሔ መላእ ናይ ኩሪያ ሮማና ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ቅዱሳት ማሕበራትን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ናይ ቅድስቲ መንበር ተቕዋማት ላዕለዎት ሓለፍቲ ዘሳተፈ ዛዕባ ድህረ ለብዒ ዕለት 22 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ዝመኸረ ዓውደ ኣኼባ ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ከምዝሓበሮ፥ እቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ተመሪሑ ኣብ ሃገረ ቫቲካን መላእ ናይ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ ኣባይቲ ምሕደራን ናይ ቅድስቲ መንበር ተቕዋማት ላዕለዎት ኣሕሉቕ ኣሳቲፉ ዛዕባ ድህረ ለብዒ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመያየጠ ክኸውን እንከሎ፡ ካብቲ ብምኽንያት ኮቪድ - 19 ቀዳማይ ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገ ናብቲ ካብ ዕለት 4 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ኣብ ግብሪ ዝውዕል ካልኣይ ሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገ ኣብ መላእ ናይ ሃገረ ቫቲካን ኣባይቲ ላዕለዎት ምሕደራን ናይ ቅድስቲ መንበር ተቕዋማትን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘብቅዕ ፍኖት ንምሕንጻጽ ከምዝኾነ ክፍለጥ እንከሎ፥ እቲ ቀዳማይ ድንጋገ ውሸባን ምፍንታትን ማለት ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ክህሉ ዝብል ከምዝነበረን ነዚ ዝትክእ ሓድሽ መደብ ድንጋገ ንምሕንጻጽ እቲ ብብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ተመሪሕ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጥንታዊ ናይ ሲኖዶስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዝተኻየደ ከምዝነበረን ብተወሳኺ እውን ኣብ ዓለም ነዚ ለብዒ ኮቪድ - 19 ንምብዳህ ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ ዛዕባ ኣበርክቶ ቅድስቲ መንበር ከምዝመኸረን ኣብ ሃገረ ቫቲካንን ተቕዋማት ቅድስቲ መንበርን እቲ ለብዒ ንምቁጽጻርን ከይመሓላለፍን ዝተወሰነ ድንጋገ እቲ ንቕዱስ ኣቦናን ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝወሃብ ኣገልግሎት ውሕስ ክኸውን ዝብል ሓሳብ መሰረት ዝገበረን ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ዘላቕን ቅቡልን ብዝኾነ ኣገባብ ቅድስቲ መንበር ትገጥሞ ከምዘላን ኣብቲ ካልኣይ ድንጋገ ናይ ቅድስቲ መንበር ተቕዋማትን ላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣባይቲ ጽሕፈትን ዕለታዊ  ዕዮታቶም ከምቲ ዝነበሮ ክኸውን ዘኽእሎ በቢ ስጉሚ ዝቕጽል መደብ ንምሕንጻጽ ዝተመያጠ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ቫቲካን፥ ፍሉይ ኣኼባ ዛዕባ ድህረ ለብዒ
23 April 2020, 15:34