ድለ

ካርዲናል ቱርኮስን ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክማ ጀመሊ ዘካየድዎ ምብጻሕ

ናይ ቅዱስ ኣቦናን ናይ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅርበትን ጸሎትን ንምርግጋጽ ዘካይድዎ ምብጻሕ

ዕለት 3 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ድሕሪ ቀትሪ ሮማ ኣብ ዝርከብ ዓቢይ ቤት ሕክምና ጀመሊ ንሓኻይምን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን ናይቲ ቤት ሕክምና ቤት ምሕደራን ኣብዚ ጽንኵር እዋን ናይ ር.ሊ.ጳ. ቅርበት ንኽምስክሩ ምብጻሕ ኣካይዶም ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተባርከ መቑጸርያ ከምዝዓደሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምዉቕ ሰላምታ አቕርበልኵም፡ ኣብቲ ተካይድዎ ዘለዅም ጸረ ኮቪድ 19 ቃልሲ ንበይንዅም ኣይኰንኩምን!” ነዚ ዝበሉ ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ፐተር ቱርክሶን ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ኣብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ምስ ናይቲ  ቤተ ሕክምና ሓኻይምን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን ብጠቕላላ ሰራሕተይናታትን ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከምዝኾነን፡ ብጹዕነቶም ኣብቲ ብዋና ጸሓፊኦም ብጹዕ ኣቡነ ሰጉንድ ተኻዶ ሙኞዝን ኣባ ኒኮላ ሪካርዲን ተሰንዮም ኣብ ዘካይድዎ ምብጻሕ፥ ናይ ቤተ ክርስቲያን ድጋፍን ጸሎትን ዘረጋግግጽ ብፍላይ ኣብዚ ጽንኩር ኣካላውን መንፈሳውን ፈተና ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ከምዘይፍለዮም ዘረጋግጽ ብቕዱስ ኣቦና ዝተባርከ መቝጸርያ ንዀሎም ናይቲ ቤት ሕክምና ኣካላት ከምዝለገሱ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ብጹዕ ካርዲናል ቱርክሶን ድሕሪ ዘካየድዎ ምብጻሕ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ ኣብዚ ናይ ፈተና እዋን ንዝሳቐዩ ቀረባ ብምዃን ምድጋፍን ምጽላይን የድሊ፡ ስለዚ ነዚ ንምርግጋጽን ናይ ቅዱስ ኣቦናን ናይ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅርበትን ጸሎትን ንምርግጋጽ ዘካይድዎ ምብጻሕ ምዃኑ ሓቢሮም፡ እቲ ቤት ሕክምና ኣብዚ ለብዒ ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፥ በዚ ሓድሽ ሕማም ንዝልከፉ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝህበሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ኣብ ጀመሊ ካብቲ ናይ ካልኦት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና መውሃቢ ዝተፈልየ ቦታ ዘለዎ እዩ፡ እዚ እቲ ሕማም ንኸይሰፍሕ ዝድግፍ እዩ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ጀመሊ ቤት ሕክምና ዝህቦ ዘሎ ኣገልግሎት ዝነኣድ እዩ ኢሎም።

ንሓኻይምን ሰብ ሞያ ክንክን ንጥዕናን ቤት ሕክምና ጀመሊን ንኣባላት ቤት ምሕደራን ብጠቕላላ ምስ ኵሎም ኣብቲ ቤት ሕክምና ምስ ዝዓዩ ብምርኻቦም ሓጐስ ከምእተሰመዖም ዝገለጹ ብጹዕነቶም ኣስዒቦም፥ እቲ ቤት ሕክምና ኣብ ዝህቦ ኣገልግሎት ድጋፍ ቤተ ክርስቲያን ሎሚ ከም ቀደም ከምዘረጋገጹን፡ ኣብ ጀመሊ ኣብ ጸረ ቃልሲ ኮቪድ 19 ዝዓይዩ በዚ ሕማም’ዚ ንዝተጠቕዑ ዝኣልይ ብ15 ጉጅ ሓኻይም ዝቖመ ጉጅለ ከምዘሎን ነዚ ሕማም ንምብዳህ ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ስንድው ዝዀነ ቤት ሕክምና እዩ፥ ብኮቪድ 19 ዝተጠቕዑ ህሙማን ካብ ካልኦት ህሙማን ምፍላይ እቲ ሕማም ንኸይሰፍሕ ይድግፍ፡ ስለዚ ጀመሊ ነቲ ሕማም ንምብዳህ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዝነኣድ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

Photogallery

ካርዲናል ቱርኮስን ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክማ ጀመሊ ዘካየድዎ ምብጻሕ
04 April 2020, 16:45