ድለ

ኣባይቲ ትምህርቲ፡ ቨርሳልዲ፥ ካብቲ ቅልውላው ዝበልጹ ኴይንና ንኽንወጽእ ብሓባር ንጒዓዝ ኣባይቲ ትምህርቲ፡ ቨርሳልዲ፥ ካብቲ ቅልውላው ዝበልጹ ኴይንና ንኽንወጽእ ብሓባር ንጒዓዝ 

ኣባይቲ ትምህርቲ፡ ቨርሳልዲ፥ ካብቲ ቅልውላው ዝበልጹ ኴይንና ንኽንወጽእ ብሓባር ንጒዓዝ

ብድላይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ዕለት 14 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ተበጊሱ ንሓደ ሰሙን “ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕንጸት ውዕሊ” ብዝብል ኣርእስቲ ንኽካየድ ተሰናዲዩ ዝነበረ ዓውደ ጉባኤ፡ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ምኽንያት ካብ ዕለት 11 ክሳብ ዕለት 18 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ንኽካየድ ከምእተመሓላለፈ እውን ኣዘኻኺሮም

ኣብ ቀልቢ ሰብኣዊ ርክብን ውዕሊ ዓለም ሓቆፍ ሕንጸትን ምእኩል ዝኾነ ሕዳሴን ከምኡ እውን ነቲ ሓድሽ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ሰብኣውነት ተኮር ክኸውንን ናይ ግሊ ኣባይቲ ትምህርቲን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ዘማእከለ ብጹዕ ካርዲናል ጁዜፐ ቨርሳልዲ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዘስመሩሉ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 24 ሚያዝያ ንጐሆ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቲ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ናይ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ጸሎት ሓሳብ ነቶም ኣብዚ ጽንኩር እዋን ብዝከኣል ኵሉ ብስነ ኣሓዝ ዝተራቐ መጋበርያ እውን ብምጥቃም ንተመሃሮ ቀረባ ብምዃን ካብ ስርሖም ከይቦኸሩ ንዝፍጽምዎ ዘለዉ ኣገልግሎትን ብጠቅላላ ንመምሃራን ንጸልይ ዝብል ከምዝነበረ ክዝከር እንከሎ፡ ናይ ካቶሊካዊ ስነ ሕንጸት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ጁዘፐ ቨርሳልዲ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ነቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ጸሎት ሓሳብ መሰረት ገይሮም ንመላእ ኣቢያተ ትምህርቲ ዘበራትዕ ቃል ከምዘመሓላለፉን እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ናይ ትምህርቲ ዓለም ኮነ ናይ ስራሕ ዓለም ካብቲ ልሙድ ኪደቱ ዝቐየረን፡ ኵሉ ኣብ ቤቱ ተወሺቡ ብሓድሽ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ዕደ ጥበብ ብምጥቃም ዕለታዊ ዕዮኡ የሳልጥ ከምዘሎን ገሊጾም፡ ትምህርቲ ዕዮ ይቕጽል እውን እንተሃለው ሰብኣዊ ርክብን፡ ርክብ ኣብ መንጐ መምሃራንን ተመሃሮን ኣገዳሲ እዩ፡ መምሃራን ሓነጽቲ እያቶም፡ ስለዚ እቲ ዘቕርብዎ ሕንጸት ዕደ ጥበባውን ኣብ ናይ ትምህርቲ ዓይነት ጥራሕ ዝተሓጽረ ዘይኮነ፡ ዕሴት ኣብ ምትሕልላፍን ዕሴታዊ ሕንጸት እውን ዘጣመረ ክኸውን ኣለዎ፡ እዚ ዓይነት ሕንጸት ኣብ ናይ ትምህርቲ መዳይ ኣገዳሲ እዩ፡ ሰብኣዊ ሕንጸት ክፍለዮ ኣይግባእን ኢሎም።

ቤተ ክርስቲያን ነገልግሎትን ኣብ ኣገልግሎትን እያ፡ እቲ ናይ ካቶሊካዊ ስነ ሕንጸት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ንመላእ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ትምህርቲ ኣብ ዘሳልጥዎ ዕዮ ቀረባ ምዃኑ ገሊጾምን፡ ሰናይ ዘበለ ኵሉ ተመንዮም፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ካቶሊካውያን ኣባይቲ ትምህርቲ፥ ካብ መባእታዊ  ኣቢያተ ትምህርቲ ክሳብ መናብርተ ጥበብ ብጠቕላላ ልዕሊ 61 ሚሊዮን ተመሃሮ ከምዘለዉን እዚኣቶም እውን ካቶሊካዊ ሕንጸት ዘቕርቦ መደባት ዝቕበሉ እያቶም። ስለዚ ንቕድሚት ናይ ምባል ሕዳሴ ብቕዓት ክህልው እምነይ ቢሎም፡ ኣተሓሒዞም እውን ንመላእ ዘይ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ትምህርትን ናይ መንግስትን ካልእ ኣስተንፍሶ ዝስዕባን ብጠቕላላ ንኹለን ኣቢያተ ትምህርቲ ኣብ ፍኖት ሕዳሴ ንቕድሚት ክብላ ሰናይ ምንዮቶም ገሊጾም፡ ካዝቢ ቅልውልው ከምቲ ዝነበርናዮ ኮይንና ንኽንቅጽል ዘይኮነ፡ ብሓባር ብዝተሓደሰ መንፈስ ንኽንብገስ እምነይ ኢሎም።

እቲ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ ዕደ ጥበብ ካብቲ ዝሓሰብናዮን ካብቲ ዕለታዊ ኣጠቓቕማና ፍልይ ዝበለ ልዑሉ ጥቕሚ ከምዘስተውዓልናን ዕደ ጥበባዊ ጥራሕ ዘይኮነ ሰብኣዊ ርክብ ዘነቓቕሕ ክኸውን ሰብኣውነት ኣስተንፍሶ ክህልዎ ይግባእ።

ብድላይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ዕለት 14 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ተበጊሱ ንሓደ ሰሙን “ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕንጸት ውዕሊ” ብዝብል ኣርእስቲ ንኽካየድ ተሰናዲዩ ዝነበረ ዓውደ ጉባኤ፡ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ምኽንያት ካብ ዕለት 11 ክሳብ ዕለት 18 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ንኽካየድ ከምእተመሓላለፈ እውን ኣዘኻኺሮም፡ እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ብሓቂ ኣብ መንጐ ኵሉ ናይ ስነ ሕንጸት ብቕዓት ውዕላዊ ርክብ ክህሉ ኣገዳሲ እውን ምዃኑ የመላኽተና፡ ካብ መባእታዊ ክሳብ መናብርተ ጥበብን ኣብ መንጐ መምሃራንን ከምኡ እውብ ኣብ መንጐ ተመሃሮን ወለድን ተመሃሮን፡ ዓውሎማዊ ኪደት ኣብ መዳይ ሕንጸትን ኣብ መደብ ሕንጸት ዓውሎማዊ ውዕሊ ክህሉ ዝድርኽ እዩ። ብዘበለጸ ቅሩብ ኴንካ ንኽትርከብ መታን።

ኣብዚ  እዋን’ዚ ናይ  ግሊ ካቶሊካውያንን ዘይካቶሊካውያንን ኣቢያተ ትምህርቲ ልክዕ ከምቲ ናይ መንግስቲ ኣባይቲ ትምህርቲ ምዕሩይ ዝዀነ ተቐባልነት ዘለወን ኣብ ጸገም ይርከባ፡ ብዙህነት ሃብቲ እምበር ጸገም ኣይኰነን፥ ብዙሕነት ኣተሓሳስባን እቲ መሰረታዊ መደብ ሕንጸት ከምዘለዎ ኰይኑ፡ ዘቕርብኦ ተወሳኺ መደብ ሕንጸት ዘሀብትም እዩ፡ ናይ ሕርያ ምርጫ ዘስፍሕ፡ እቶም ኣብ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ትምህርቲ ዝሕነጹ ዜጋታት ቤተ ክርስቲያን ንህዝብን ሃገርን ኣባይቲ ስድራን ንመንግስቲ እውን  እተቕርቦ ዓቢይ ኣገልግሎት እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ኣባይቲ ትምህርቲ፡ ቨርሳልዲ፥ ካብቲ ቅልውላው ዝበልጹ ኴይንና ንኽንወጽእ ብሓባር ንጒዓዝ
25 April 2020, 16:30