ድለ

ክራየውስኪን ፒየሮ ማሪኒ ንዝኽሪ ር.ሊ.ጳ. ዎይትይላ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ክራየውስኪን ፒየሮ ማሪኒ ንዝኽሪ ር.ሊ.ጳ. ዎይትይላ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም 

ክራየውስኪን ፒየሮ ማሪኒ ንዝኽሪ ር.ሊ.ጳ. ዎይትይላ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም

ኣወኪፎም፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናብ ቤት ኣቦ ዝኸዱላ ዕለት ዘይትርሳዕን ኣብ ልቢ ኵሉ ዝክርቲ ዕለት እያ፡ ብክርስቲያናዊ ምስክርነት ዝነበርዎ ነዊሕ ናይ ስቓይ ዓመታት ኣማኒያን ጥራሕ ዘይኰኑ ብዙሓት ኢኣማኒያ እውን ናብ ቤተ ክርስቲያን ዝማረዅ

ዕለት 2 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ንዝኽሪ መበል 15 ዓመት ዕረፍቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ጳጳሳዊ ቤተ ምጽዋት ሓላፍን ዓለም ሓቆፍ ጳጳሳዊ ናይ ቅዱስ ቍርባን ጉባኤ ኣቦ መንበርን ብሓባር ኣብ ትሕቲ ምድሪ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝርከብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ናይ መቓብር ስፍራ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝርከብ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ መቓብር ስፍራ ኣብ ዘሎ ቤተ ጸሎት ቅዱስ ሰባስትያን ዝርከብ ኣብቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተቐብሩሉ መንበረ ታቦት ናይ ጳጳሳዊ ቤተ ምጽዋት ሓላፊ ብጹዕ ካርዲናል ክራየውስኪን ዓለም ሓቆፍ ጳጳስዊ ናይ ቅዱስ ቍርባን ጉባኤ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፒየሮ ማሪኒ ብሓባር ንመበል 15 ዓመት ዝኽሪ ምውላድ ኣብ ሰማይ ቤት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን፥ ብጹዕ ኣቡነ ማሪኒ ክሳብ 1998 ዓ.ም. ጳጳሳዊ ናይ ስርዓተ በዓላት ሓላፊ ዝነበሩን ድሕሪ 1998 ዓ.ም. ዝተክእዎም ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ጳጳሳዊ ቤተ ምጽዋት ሓላፊ ብጹዕ ካርዲናል ክራየውስኪ ብሓባር ኣብቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተቐበሩሉ መንበረ ታቦት መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉ ደ ካሮሊስ ኣፍሊጦም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 1 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምስማዐ ርእየት ውሕዘት ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፥ መንፈሳውያን ነጋዶ ፓላንዳውያን ንመለኰታዊ ምሕረትን ነማላድነት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ኣወኪፎም፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናብ ቤት ኣቦ ዝኸዱላ ዕለት ዘይትርሳዕን ኣብ ልቢ ኵሉ ዝክርቲ ዕለት እያ፡ ብክርስቲያናዊ ምስክርነት ዝነበርዎ ነዊሕ ናይ ስቓይ ዓመታት ኣማኒያን ጥራሕ ዘይኰኑ ብዙሓት ኢኣማኒያ እውን ናብ ቤተ ክርስቲያን ዝማረዅ እዮም ቢሎም፡ ኣብዚ መላእ ዓለም ብምኽንያት ለብዒ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን እቶም ተወላዲ ፖላንድ ር.ሊ.ጳ. ዓቢይ ኣብነት እዮም እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ደ ካሮሊስ የዘኻኽሩ።

03 April 2020, 15:50