ድለ

ኮማስትሪ፥ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ መስቀሉ ናብ ፍቕሪ ዝቐየረ ኮማስትሪ፥ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ መስቀሉ ናብ ፍቕሪ ዝቐየረ 

ኮማስትሪ፥ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ መስቀሉ ናብ ፍቕሪ ዝቐየረ

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናብ ቤት ኣቦ ዝኸዱላ ዕለት ዘይትርሳዕን ኣብ ልቢ ኵሉ ዝክርቲ ዕለት እያ፡ ብክርስቲያናዊ ምስክርነት ዝነበርዎ ነዊሕ ናይ ስቓይ ዓመታት ኣማኒያን ጥራሕ ዘይኰኑ ብዙሓት ኢኣማኒያ እውን ናብ ቤተ ክርስቲያን ዝማረዅ እዮም

ናይ ሃገረ ቫቲካን ህየንተ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሊቀ ካህናት ብጹዕ ካርዲናል ኮማስትሪ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 15 ዓመት ዕረፍቲ ዕለት 2 ሚያዝያ 2005 ዓ.ም. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ መስቀሉ ናብ ፍቕሪ ዝለወጠ ቅዱስ እንክብሉ ይገልጽዎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካሮል ዎይትይላ ኣብ ሰማይ ቤት ውልደቶም ዝኽሪ መበል 15 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝለገስሉ፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናብ ቤት ኣቦ ዝኸዱላ ዕለት ዘይትርሳዕን ኣብ ልቢ ኵሉ ዝክርቲ ዕለት እያ፡ ብክርስቲያናዊ ምስክርነት ዝነበርዎ ነዊሕ ናይ ስቓይ ዓመታት ኣማኒያን ጥራሕ ዘይኰኑ ብዙሓት ኢኣማኒያ እውን ናብ ቤተ ክርስቲያን ዝማረዅ እዮም ቢሎም፡ ኣብዚ መላእ ዓለም ብምኽንያት ለብዒ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን እቶም ተወላዲ ፖላንድ ር.ሊ.ጳ. ዓቢይ ኣብነት እዮም እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ዝዘከሩ ብጹዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኮማስትሪ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ድሕሪ ነውሕ ናይ ሕማምን ስቓይን ዓመታት ዕለት 2 ሚያዝያ 2005 ዓ.ም. ከምዝዓረፉን ሓዲጎምዎ ዝሓለፉ ኣብነት ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ  እንነብሮ ዘሎና ከቢድ ስቓይ ንኽንብድህ ዝድግፍ እዩ፡ ኢጣሊያዊ ጋዜጠይና ኢድሮ ሞንታነሊ ቅድሚ ቁርብ መዓልታት ዕረፍቶም ብቕንዕንና ብምስትውዓልን ካበይ መጺኤ ናበይከ እየ ዝኸይድን ናብዛ መሬት ስለምንታይ እየ ዝመጻእኩን ዝብል ሕቶ ከየቕረብኩ የዕንተይ ሰም እንተ ዘብል፡ የዕንተይ ቋሕ ቢለን ክተርፋ ምሓሸኒ ዶ? እዚ ናይ ውድቀተይ ምልክት ምዀነ! ከምዝበሉን፡ እዘን ቃላት እዚኣተን ሓደ ናይ ሕብረተሰብና ኩነት ስእሊ ዘቕርባ እያተን፡ ስለዚህ እዩ ድማ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ልብዒ ዘሰንብደና ዘሎ፡ ስለምንታይ ኣብ ብዙሓት እምነት ስለ ዝቐሃመት፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፥ ኣማንን ብጽንዓት እምነት ዝነብሩን ዝነበሮም እምነት መገዶም የብርሃሎም ዝመበሩ በዓል ዓቢይ እምነት ኢሎም።

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሕይወት ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ናብቲ ዓቢይ በዓል ዘሰጋግር ዝቐልጠፈ ጉዕዞ እያ፡ እቲ ኣብ ሑቕፎ እግዚኣብሔር ናይ ምዃን በዓል ዝበዓለሉ፡ ኢትኣላው ሓሴት። ነዚ ርክብ’ዚ ምቅርራብ የድሊ፡ ነቲ ኣበር ዘይብሉ ፍቕሪ ዝኾነ እግዚኣብሔር ንኽንሓቁፍ ክንነጽሕን ኵላትና እቲ ዘሎና ትዕቢትን ኢጐነትን ከነወግድ ይግብኣና። ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንስቓዮም በዚ መንፈስ’ዚ እዮም ዝነበርዎ፡ ኩሉ ዘሕለፍዎ ስቓይ እቲ ኣብ ልዕሌኦም ዝተፈጸመ ፈተነ ቅትለት እውን ከይተረፈ፡ ምኽንያቱ ናይ ሕይወት ሸቶ ካብ ቅድምሚኦም ኣልዮም ስለ ዘይፈልጡ፡ ሎሚ ብዙሓት ኣብ ሕቑፎ እግዚኣብሔር ምዃን ዝብል ናይ ሕይወት ፍጻሜ ዘይኣምኑሉ ብምዃኖም ዘጓምፎም ስቓይ ብዓቕሊ ጽበት ይነብርዎ፡ ስለምንታይ ክንየው ስቓይ ዝርእይዎ ነገር ስለ ዘይብሎም።

ሕማምን ቃንዛን ብርግጽ ዘሰንብድ እዩ፥ ንዅሉ! ይኹን ደኣ እምበር ብእምነት ክትነብሮ እንኰለኻ ኢጐነትን ብኩንነትን ዘይጠቅም ዘበል ኩሉ ትኣልይ፡ ንኣና ክርስቲያን ስቓይ ኣብ ሱታፌ ስቑል ኢየሱስ እንነብሮ እዩ፡ ከምዚ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ኣብኡ ጠቢቕናን ነቲ ስቓይና ብፍቕሪ ክምላእን ንኢጐነት ዝቃወምን ዝስዕርን ገይርና ንነብሮ፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብፍቕሪ ናይ ዝደሓነ ስቓይ ኣብነትን መምህርን እዮም፡ ካብ ኢጐነት ዝፍውስን ካብ ሰብኣዊ ኢጐነት ዘድሕንን ምዃኑ ይምስክሩ፡ ልብኻ ንኢየሱስ ብምኽፋትን ምስኡን ጥራሕ ስቓይ ተስተውዕልን ክብሪ እውን ትህቦ፡ እንተዘይኮነ ናብ ዓቕሊ ጽበትን ተስፋ ምቑራጽን እዩ ዘብጽሓካ።

ዮሓንስ ጳውሎስ ካብዚ ዓለም ቅድሚ ምሕላፎም ናይ መወዳእታ ዝመርሕዎ ዓርቢ ስቕለት - ፍኖተ መስቀል ዘይርሳዕ እዩ፡ ኢየሱስ ኣነ እውን ከማኻ ኣብ መስቀል እየ፡ ምሳኻ ብሓባርን ኣባኻን ትንሳኤ እጽበ ይብሉ፡ ኵሎም ቅዱሳት ስቓይ ብኸምዚ መገዲ እዮም ዝነበርዎን ዝተቐበልዎን፡ ንኣብነት በነደታ ቢያንኪ ፖሮ ዓይና ዓዊራን ጸሚማን ኣካላ ለሚሱን እንታይ ዘየጋጠማ፡ ነዚ ኵሉ ጸይራ ዕለት 24 ጥሪ 1964 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ድማ ሓለፈት፡ ቅድሚ ምስንባታ ከኣ ንሓደ ናታሊኖ እተሰምየ ኣካለ ጐዶሎ ኣብ ብርቱዕ ተስፋ ምቝራጽ ንዝነበረ፥ ዝተፈተኻ ናታሊኖ ኣነ ልክዕ ከማኻ 26 ዓመት እዩ ዘሎኒ፡ መንበርየይ ዓራት ካብ ዝኸውን ነዊሕ ኮይኑ፥ ካብ ቀረባ እዋን እውን የዕንተይ ዓዊረን ተስፋ ግና ኣይቆረጽኩን፡ ስለምንታይ ኣብዚ ዝገብሮ ዘለዅ ጉዕዝ ፍጻሜ ኢየሱስ ይጽበየኒ ከምዘሎ ስለ ዝፈልጥ፡ ዝተፈተኻ ናታሊኖ ሕይወት ብቕልጡፍ ዝውዳእ ጉዕዞ እዩ፡ ስለዚህ ኣብቲ ዝሓልፍ ዘበለ ቤትና ኣይነቕውም፡ ናብታ እውነተይና ሃገርና መታን ንክንበጽሕ ኣእዳው ኢየሱስ ኣጥቢቕና ንሓዝ”  ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ተመሓላልፈሉ፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ነዚ በነደታ እትብሎ ዝነበሩ እዮም እንክብሉ ብጹዕ ካርዲናል ኮማስትሪ ይገልጹ።

ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ መንፈሳዊ  ጭርሖ Totus Tuus Maria - ማርያም ኵሉ ናትኪ እዩ፥ ዝብል ቅርበት ማርያም ብብርቱዕ ዝስምዖምን ልክዕ ከምቲ ንኢየሱስ ቀረባ ከምነበረቶ፡ ኣብ መላእ ሕይወቱ፡ ኣብ መስቀሉን ሞቱን ንዘይተፈለየት፡ ኣብ ዓወት እግዚኣብሔር እምነታ ንዘየብኾረት፡ ኵሉ ናቲኪ ይብልዋ፡ ፍቕሪ ናይ ከሃሌ ኵሉ እግዚኣብሔር ሓይሊ እዩ፡ . . . ኢየሱስ ቅድሚ ሙማቱ ኣብ መስቀል ኰይኑ፥ እነሆ ወድኺ ዝብላ ቃላት ዘረከባን ብዛዕባይ ኣይትሕሰቢ ንኻልኦት ሕሰቢ፡ ስቓዮም ናብ ፍቕሪ ክልውጡን ነቲ ክፍኣት ኩሉ ዝስዕር ሰናይ ጥራሕ ምዃኑ ንኽኣምኑ ደግፍዮም እዩ ዝብላ ዝነበረ፡ ካብታ እዋን እቲኣ ኣትሒዛ ማርያም ስሌና እትግደስ ኣደ ኮነትልና፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ነዚ ብጽንዓት ዝኣምኑን ገዛእ ርእሶም ንኣኣ ዘወከፉን ምስኣ እቲ  ሕማም ናብ ኵነት ፍቕሪ ቀየሩ።

ኣብ 2003 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንመላእ ኩርያ ሮማና - ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ሓዋርያውያን ላኦለዎት ሓለፍቲ ዘሳተፈ ዝካየድ ዝነበረ መንፈሳዊ ሱባኤ ክመርሕ ምስ ሰመዩኒ፡ ኣብቲ ሱባኤ ዮሓንስ ጳውሎስ እውን ከምእተሳተፉን፡ እቲ ሱባኤ ምስ ተዛዘመ ተቐቢሎምንን፥ ሓንቲ መስቀል ከወፍየልካ ሓሲበ ነይረ በሉኒ እሞ ኣነ ከኣ ቅዱስ ኣቦና ከምታ መስቀልኵም ጥራሕ ከይትኸውን  ከም ዝበልክዎም እዝክር፡ . . . ኵሉ ንናይ ገዛእ ርእሱ ሕይወት ጥበብ ዝዀኖ ናይ ገዛእ ርእሱ መስቀል ኣለዎ  እንክብሉ ዝመለሱለይ ብሓቂ ዘደንቓ ቃላትን መልእኽቱን ብፍጹም ዘይርእስዓኒ ኣብ ልበይ ወትሩ ከም ጸሎት ዝዝክሮ ምዕዳን እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

02 April 2020, 14:58