ድለ

2019.05.25 ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 12 2019.05.25 ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 12  

ትሕዝቶ መዛግብ ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 12 ኣብ ዘመን ሥነ ኣሓዛዊ ስነዳ

ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 12 እንክዝከሩ ካልኣይ ውግእ ዓለምን ሕልቂት ዕብራውያንን ይዝከር። ካብ 1939-1958 ዓም ምስ ምጅማር ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ሥልጣን ዝመጹ ኰይኖም ብዙሕ ጸገም ኣብ ርእሲ ምሕላፎም ብዛዕባ ታሪኽ ሕይወቶም ብዙሕ ዘከራኽር ነጥብታት ሓሊፉስ ነቲ ኣብቲ ግዜቲ እቲ ኣብ መንጎ ቅድስት መንበርን መንግሥታትን ዝግበር ንዝነበረ ርክባት ዝገልጽ መዛግብቲ ተሓዚኡ ድሕሪ ምጽናሕ ቅድስት መንበር ሕጂ ንኩሉ ክፉት ብዝኾነ ብዘመናዊ ዲጂታል መራኸቢታት ንምዝርጋሕ ነቲ ዝነበረ ማዕቀብ ከምዘልዓለት እንክምልከት ብዛዕባዚ ሓጺር ጸብጻብ ክነቅርበልኩም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 12 ብ1876 ዓም ኣብ ሮማ ተወሊዶም ኣብ 23 ዓመት ዕድሚኦም ብ1899 ዓም መዓርገ ክህነት ተቀበሉ። ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 15 ብ1917 ሊቀ ጳጳስ ቀቢኦም ሓዋርያዊ ልኡኾም ገሮም ንሃገረ ጀርመን (ከተማ ሙንሽን) ለኣኽዎም። ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብዘስዓቦ ማእሰርቲ ንዝሳቀዩ ዝነበሩ ብዙሕ ከምዘጸናንዑን ከምዝሓገዙን ይዝንቶ። ብ1929 ዓም ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 11 ካርዲናል ሸምዎም ካብ 1930 ዓም ክሳብ ር.ሊ.ጳ ዝምረጹ 1939 ዓም ከኣ ዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ኰይኖም ኣገልገሉ።

በቲ ዝነበሮም ክእለት በቲ ዚርእይዎን ዚዕዘብዎን ዝነበሩ 2ይ ውግእ ዓለም ከይጀመረረ ንመራሕቲ ሓያላን ሃገራት ኣጠንቂቆም ነበሩ ኰይኑ ግን ዝሰምዖም ኣይተረኸበን ዳርጋ ምስ ር.ሊ.ጵ ናቶም ብ1939 ጀሚሩ ብ1945 ዓም ድሕሪ ብዙሕ ሕልቂት ተፈጸመ።

ኣብዚ እቲ ንኩሉ ዝቀዝፍ ዝነበረ ሥርዓት ናዚ ብዝኸፍኤ መልክዑ ንዕብራውያን ንምጽናት ዘካየዶ ሕልቂት እንክኸውን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብኩላ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከኣ ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 12 ምስ ተሓባበርቶም ንዕብራውያን ንምድሓን ዘይፈንቀልዎ እምኒ ኣይነበረን ክበሃል ይከኣል። ኣብቲ ዝግበር ዝነበረ ናይ ምሕባእን ምምላድን ርክባት ዝገልጽ ጽሑፋት ሥቱር ናይ ምዃኑ ግዜ ተፈጺሙስ  ትማሊ ዕለት 2 መጋቢት ብሠናይ ድሌት ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ወላ እቲ ተኣፋፊ ዝበሃል ታሪኻዊ ሥቱር ሰነዳት ርክብ ቅድስት መንበርን መንግሥታት ዓለምን ዘመን ር.ሊ.ጵጵስና ፕዮስ መበል 12 ንኩሉ ክፉት ኰይኑ።

ሥቱር መዛግብቲ ቅድስት መንበር ክሳብ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ 29 2019 ዓም ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናይ ቫቲካን ሓዋርያዊ ቤተ መዝገብ ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝወሰኑሉ ምናዳ እቲ ንፖሎቲካዊ መዳይ ርክብ ቅድስት መንበርን መንግሥታትን ዝምልከት ብዙሕ ህንጡይነት ዘሕድር ኣብ መንጎ ሓዋርያውያን ልኡካን (ኑንስዮታትን) መንግሥታትን ዓለም ለኸ ተቊዋማትን ዝግበር ምልውዋጥ ሓበሬታን ርክብን ንብዙሓት ብይኸውን ብዙሕ ኣዛሪቡ እዩ።

ዘመነ ር.ሊ.ጵጵስና ፕዮስ መበል 12 ከስ ካብ 1939 ክሳብ 1958 ኰይኑ ካብቲ ርሱን ካልኣይ ውግእ ዓለም ክሳብ እቲ ኣብ መበል 19 ክፍለዘመን ብዙሕ ዘሰሓሓበ ዝሑል ኲናት ዓለም ዘካተተ ነበረ። ናይዚ ግዜ እዚ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ብትእዛዝ ቅዱስ ጳውሎስ 6ይ Actes e Documents de la Seconde Guerre mondiale ብዝብል መዝገብ ብኣርባዕተ ኢየሱሳውያን ግራሃም ሽናይደር ማርቲኒን ብለን ብዝበሃሉ ከምዝስነድ ተገሩ።

ግድል ተክኖሎጂ ዘመንና!

ነዚ መዛግብ እዚ እዩ እምበአር ቅዱስነቶም ትማሊ ንኩሉ ክፉት ክኸውን ዘፍቀዱ። ምስ ምዕባሌ ዘመንና ግን ቅድሚ ዓሠርተ ዓመት ሓለፍቲ ቅድስት መንበር እዚ መዛግብ እዚ ሃርድ ወር ሶፍት ወር ብዝብል ቋንቋ ኮምፕዩተር ሓደ ቅዳሕ ከምቲ ልሙድ መዛግብ ካልእ ቅዳሕ ድማ ብኮምፕዩተር ብዘመናዊ ቋንቋ ዲጂታል ብሥነ ኣሓዝ ዝተረቀ ኢደ ጥበባዊ ምዕባሌ ኣሰናድዮምስ ልዕሊ 1.3 ሚልዮን ሰነዳት ኣሰናድዮም። ገና በዚ ክሰናዶ ዘለዎ ልዕሊ 323 ሜትሮ ዝኸው ከባቢ 700,000 ናይ ጽሑፍ ሰነዳት ከምዘሎ እውን ተመልኪቱ።

እዚ ሥራሕ እዚ ንብዙሕ ሃልኪ ወረቀት ከምዘድሕን እንክግለጽ ኰይኑ ግን ኣድላይነት ናይቲ መበቆላዊ ሰነዳት እውን ብትኩረትን ብዓቢ ጥንቃቄን ክሥራሓሉን ክዕቀብን ዘለዎ ምዃኑን ኣድላይነቱን ከምዘሎ ሒዙ ብቀሊሉ ንምቅዳሕን ንምጥቃምን ግን እቲ ዲጂታል ዓቢ ናይ ቊጠባን ግዜን ምልኣት ሓበሬታን ኣለዎ። ኣብ ርእሲኡ በዚ ኣገባብ እዚ ንዘድልየካ ጉዳያት ንምድላይን ብቀሊሉ ንምርካቦምን ንምቅዳሖምን ምስ ካልኦት ንከተነጻጽሮምን ዓቢ ሓገዝ ከምዘለዎ እውን ተሓቢሩ።  

ጉዳይ ተሃደንቲ ነበር ዕብራውያን!

ኣብ ጉዳይ ሞትን ድሕነትን ተረኺብካ ሕይወት ኣድሕን ምስ ኮነ ዝገበርካ ገርካ ሕይወት ክተድሕን ምግዳል ሰብኣዊ ግድነት ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ኣብ ቤተክርስትያን ከኣ ፈሪሃ እግዚአብሔርን ጭካኔ ውልቀ ምልካውያንን ተለኣኣኽቶምን ተመሊኪትካ ባሕርን ከምዘይነጽፍ ዓሳን ከምዘይመውት ዝግበረሉ ብዙሕ ግዜ እንከጋጥም ናይ ሂልትለር ዕብራውያን ንምጽናት ዝወሰዶ ስጒምቲ ግን ክሳብ ሎሚ ኣሽንኳይ ሕልና ዘለዎ ኣማኒ ብማንም ባህርያዊ ኣተሓሳስባ ደመ ነፍስ ብዘለዎ እውን ገና መግለጺ ዘይተረኽቦ እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ እዩ እምበኣር ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብሓበራ ብፍላይ ከኣ ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 12 ንዕብራውያን ካብዚ መቅዘፍቲ ንምድሓን ዝተኻእሎም ዝገበሩ።

ኣብዚ ንኩሉ ፍቊድ ዝኸውን ዘሎ ሰነዳት 170 ዝኾነ ጥራዛት ልዕሊ 4000 ኣሽማት ዕብራውያን ዝሃዙ ኣለው። መብዛሕትኡ ካብቶም ዕብራዊ ሠረት ዘለዎም ክርስትያን ሓገዝ ንምድሓን ዕብራውያን ዚሓትት ኰይኑ ገሊኦም ከኣ ዓለምለኸ ኣፍልጦ ዘለዎም ዕብራውያን በጃኹም መውጽኢ ድለዩልና ሓግዙና ዝብሉ እዮም። ሓደ ካብዚኦም ናይ ውሩይ ናይ መጽናዕቲ ሰብ ኦስካር ክሪስተለር ኰይኑ ከመይ ኢሉ ንሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ሃዲሙ ከምዝደሓነ ከምኡ እውን ቱልዮ ልየብማን ዝበሃል ኣብ ሳኦ ፓውሎ ቤትትምህርቲ ዝመሥረተን ካልኦትን! እዚኦም ኪሃድሙ ዝኸኣሉ ናይ ቀረባ ሰባት ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 12 ብዝገበሩሎም ሃገዝ ምዃኑ ሎሚ ኣናነጸረ መጺኡ።

ከምኡ እውን ከም በዓል ኣቡነ ኦታቭያኒ ነቶም ኣብ ሕንጻታት ቤተክርስትያን ተሓቢኦም ሕይወቶም ከድሕኑ ዝቃለሱ ዝነበሩ ዕብራውያን ናይ ሓሰት ሰነዳት ብምሃቦም ዝተከሰሉን ካልእን ሕይወት ንምድሓን ዝተገብረ ገድሊ እንከመልክት ሥርዓት ናዚ ከኣ ንካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝለዓለ ጽልእን ህልኽን ዘርኣየሉ ግዝያት ነበረ።

ኣብዚ ሰፊሕ ሓበሬታ መዛግብ ብዕለት 16 ጥቅምቲ 1943 ዓም እቶም ካብ ሮማ ብዓቢ ግፍዒ ናብ ዝተፈላለየ ናይ ህልቂት መዳጎኒታት ዝኸዱ ካብ ዝነበሩ ዕብራውያን ናብ ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 12 ዝተጻሕፉ ብዙሓት መዓንጣኻ ዝበልዑን ሓገዝ ዝሓቱን መልእኽታት ኣለው። እዚ ከምዚ ዝበለ ግፍዒ ደው ንክብል ብዝተፈላለየ መንገዲ ከምዝሓበሩን ብኢድ ኣዙር እቲ ፍጻሜ ጸሓይ ከምዝወቅዖን ክንዮ ምግባር ምስ ዝተፈላለዩ ሰባት ብምትሕብባር ዝተገብረ ብዙሕ ኣዎንታዊ ነገራት ይጥቀስ።

ምስዚ ማዕረ ብዝኾነ መንገዲ ከኣ ቤተክርስትያን ብምንቅስቃስ ኮሚኒዝም ኣብ ምብራቅ ብካልእ ከኣ ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ ብዙሓት ቊምስናታት እንክቃጸሉን ብዙሓት ውሉደክህነትን ምእመናንን ብሰማዕትነት እንኪሓልፉን ብሕቡእ ቤተክርስትያን ትሕቲ መሬት ብዝብል ክንቀሳቀሱን ብኩሉ ኩሉ ብሓዊ ትልብለበሉ ዘመን ነበረ።

ነዚ ኩሉ ሰነዳት ኣብ ቃልዕ ኣውጺእካ ንሊቃውንቲ በሉ ተመልኪትኩም ሓቀኛ ፍርዲ ሃቡ ንምባልን ነቲ ሓቅን ቤላበለውን ፈሊኻ ዘየማትእ ታሪኽ ወድዓዊ ብዝኾነ መንገዲ ንምቅራብ እዩ። ኣብዚ ግደ ሊቃውንትን ሃሰሳ ዘካይዱን ብዘይሌላን ጒሌላን ንሓቂ ሃሰስ ንዝብሉን ምጽባይ ከድሊ እዩ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

03 March 2020, 18:44