ድለ

ኣብዚ ጽንኩር ግዜ እዚ አብነትናን ምሳሌናን እኖና ድንግል ማርያም እያ! ኣባ ካንታላመሳ

ኣብ ግዜ ዘመነ ጾመአርባዓ ንምስንዳው ትንሣኤ ዓርቢ ዓርቢ ብሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣባ ካንታላመሳ ንር.ሊ.ጳን መሳርሕቶምን ዝቀርብ ኣስተንትኖ ኣብ ናይ ዕለት 20 መጋቢት 2020 ዓም ኣብዚ ብህጹጽ ኩነታት ኮረና ቫይረስ ኩሉ ተወሺቡሉ ኣብ ዘሎ ግዜ ብድምጺ ተቀሪጹ ዝተላእከ ስብከት 'ጒዕዞ እምነት ኣደ ኢየሱስን ኣደናን ዝኾነት ድንግል ማርያም ክንክተሎ ዘሎና ኣብነት እዩ' ክብሉ ኣብ ግዜ ዓቢይ ጸገምን ሥቃይን ቅርበት እኖና ድንግል ማርያም ኣድላዪ ምዃኑ ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን

ብዛዕባ እምነት ኣደ ኢየሱስን ኣደናን ድንግል ማርያም ምስትንታን ቅድሚ ዝኣገረ ንሳ ንባዕላ ቀዳመይቲ ሓዋርያ ወዳ ኰይና ንኩሉ ኣብ ልባ እናኣዋህለለት እንክትጐዓዝ ንዓና ከኣ ብዚ ጽጉም ግዜ ኣብ ትሕቲ ሓለዋኣ ክንውፈ ንመላእ ዘመደ ኣዳም እውን ኣብ ሕቊፋ ክትቅበልን ብጽላላ ክትከድኖን ብምምሕጻን ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣባ ካንታላመሳ ነታ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቃና ዘገሊላ ወይኒ እምበር የብሎምን ምስ በለቶ ዝሃባ መልሲ መልሲ 'ንዓይን ንዓኽን ዘእቱ እንታይ ጉዳይ ኣሎ' ከም መኽፈቲ ኣስተንትኖ ኣቅረብዋ።

ኣባ ካንታላመሳ ነዛ 'ኣቲ ሰበይቲ ንኣይን ንኣኽን ዘእቱ እንታይ ኣሎ' ንእትብል ሓረግ ኣብ ምትርጓም ብቀዳምነት ድንግል ማርያም ኣብተን ሠለስተ ኣገደስቲ ፍጻሜታት ድሕነት ደቂ ኣዳም ማለት ምስጢረ ሥጋዌ ምሥጢረ ፋሲካን ምሥጢረ ጴንጠቆስጠን ምስታፋ እንከተኣሳስርዎ ከምቲ ንሳ ኣብዚ ምስታፋ ንኩልና ስለዝምልከት ንሕና እውን ኣሰራ ብምስዓብ ኣብ ኩሉ ምስ ኢየሱስ ክንርከብ ኣሎና ኢሎም።

ምናልባት ምሥጢረ ፋሲካ ኣብ ጌተሰማኒ ብዝተፈጸመ ጸሎትን ክሕደትን ምትሓዝ ኢየሱስን ዝጅምር ከይመስለና፡ ከምኡ ኣይኮነን ሕይወት እኖና ድንግል ማርያም ብምሉኡ ናብዚ ዘሰናዱ ጒዕዞ እዩ ነሩ። በዚ ከኣ ፈተና ዝመልኦ ሕይወት እኖና ድንግል ማርያም ብጊሓቱ እዩ ጀሚሩ። እዚ ከምዚ ዓይነት ፈተነ ነተን ዓበይቲ ነፍሳት ቅዱሳን ወትሩ እዩ ዘጋጥመን። ጒዕዞ ቅድስና ከኣ ከምኡ እዩ። እናጸረኻ እትጐዓዞ እዩ ከምቲ ወርቂ ብሓዊ ዝፍተኖን ዝጸርዮን መንገዲ ቅድስና እውን ከምኡ ናይ ምንጻሕን ምልዋጥን ንኩሉ በብቁሩብ ጠንጢንካ ናይ ምሕዳግን ጒዕዞ እዩ።

እኖና ድንግል ማርያም ከስ ነዚ ነዊሕ ፍኖተ መስቀል ክንብሎ እንኽእል ጒዕዞ ቅድስናን ፍጽምናን ብብዙሕ ድኻምን ስቃይን ጻዕርን ኣብ ሕማማት ክርስቶስ እናተሳተፈት እያ ኣሕሊፋቶ። እዚ ከኣ ንዓናን ንምሉእ ዘመደ ኣዳምን ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ። እኖና ድንግል ማርያም ካብ ሓጢኣት ኣዳም ነጻ ብምዃና ክቡር ቦታ ነርዋ ክብርቲ ብፅዕቲ ከኣ ንብላ። እዚ ግን ከምቲ ገለና ክንሓስቦ እንፍተን ካብ ኩሉ ሥቃይን ጻዕርን ሥቃይን ነጻ እያ ማለት ኣይኮነን። ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝብሎ እኖና ድንግል ማርያም ብእምነት ተጓዒዛ። እዚ ከኣ ዕብየት ኣብ ልዕሊ ዕብየት እዩ ዝውስኸላ።

ትሕትና እኖና ድንግል ማርያም!

ቀጺሎም ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ዝዝክርዎ ፍጻሜ ምጥፋእ ኢየሱስ ሕጻን ኣብ ቤተመቅደስ ኰይኑ ዝገደደ ከኣ ተሻቂላ እሂ ደኣ ዝወደይ ከምዚ ትገብረና ኣሻቂልካና እምበር እነሆ ኣነን ኣቦኻ ክንደልየካ ምስ በለቶ 'ስለምንታይ ትደልዩኑ ኣብ ሥራሕ ኣቦይ ክህሉ ከምዘሎንዶ ኣይትፈልጡን' ይብላ። እዚ ምስቲ ኣብ መእተዊ ዝገልጽናዮ `ኣቲ ሰበይቲ ንዓይን ንዓኽን ዘእቱ እንታይ ኣሎና ግዜይ ገና ኣይበጽሐ` ምስ ዝበላ ከምኡ እውን ንክተዘራርቦ ንክትርእዮ ኣብ ደገ ኰይና ሰብ ልኢኻ ዳርጋ በጃኹም እንዶ ግዳ ኣደኻ ትደልየካ ኣላ በልዎ ብዝመስል ቃና ምስ ሓተትውን 'መን እያ ኣደይ እንመንከ እዮም ኣሕዋተይ' ክብል 'ኣዲኡን ኣሕዋቱን ቃል እግዚኣአብሔር ሰሚዖም ፍቃዱ ዝፍጽሙ ምዃኖም ይገልጽ'። እዚ ኩሉ ዝገልጾ እኖና ድንግል ማርያም ከም ማንም ካልኦት ትሕትና ለቢሳ ክትመላለስ እምበር ኣደ መሲሕ ኰይና ፍሉይ ክብርን ሞገስን ክትለብስ ወይ ክትረኤን ክትስማዕን ኣይደለየትን እዚ ከኣ ብትሕትና ከም ማንም ናይቲ ቦታ ኣደታት ኰይና ትመላለስ። ስለዚ ኣብነታ ክንክተል እንተዀና ነቲ ከጋግየና ዝኽእል ናይ ሥጋ ነገራት ቀንጢጥና ትሕትና ተላቢስና ከም ኢምንት ምስ እንጐዓዝን ፍቃድ ኣቦ ምስ እንፍጽምን እቲ ንትሕትና ባርያኡ ርእዩ ኢላ ተዓብዮ ነፍስየ ትብሎ እሞ ኣብ መወዳእታ ከኣ ንትሑታት ክብ ኣበሎም ዝበለቶ እዩ ዝኸውን።

ሱቚታ እኖና ድንግል ማርያም!

ሉቃስ ወንጌላዊ ንኩሉ ኣብ ልባ ትዓቚሮ ነበረት ይብል። ኢየሱስ ዓብዩ ስብከተ ወንጌል ምስ ጀመረ ንሱ ከምቲ ባዕሉ ዝብሎ ርእሱ ዘጸጋዓሉ ኣይነበሮን እታ ወላዲቱ ከኣ ልባ ተጸገዓሉ ኣይረኸበትን ከመይ ንናዝሬት ገዲፉ ፈቀዶኡ ክምህር ኰለል ክብል እንከሎ ትስዕቦ ነበረት። ንኩሉ ገዲፋ ብተስፋ ክትጐዓዝ ነርዋ። እዚ ከኣ እቲ ንኩሉ ሓዲግካ ገዛእ ርእስኻ ክሒድካ ፍቃድ ሰማያዊ ኣቦ ንምፍጻም እትጐዓዞ ጒዕዞ እዩ። ወዳ እውን ፍቃድ ኣቦኡ እዩ ዝፍጽም ዝነበረ። እዚ ከኣ ፍጹም ተኣዝዞ ብሱቚታ የመልክት። እዚ ሱቊታ እዚ ብዙሕ እኳ እንተነበሮ ብሓቂ ሠናይ ናይ ማርያም ነበረ። በዚ ኸስ ሽሕ'ኳ ካብ ሓጢኣት ነጻ እንተነበረት ካብ መስቀል ነጻ ኣይነበረትን ንኩሉ ጻዕርን ድኻምን ገድልን ጸልማትን ክተሸንፍ ነርዋ። ነዚ ብትሕትናን ብእምነትን ብሱቚታን ፈጺማቶ። ፍቃድ ሰማያዊ ኣቦ ብምፍጻም ከኣ ቀዳመይቲ ተኸታሊት ኢየሱስ ወይ ሓዋርያ ኰይና ብትንሣኤ ሰጊራ ኣብ ዕለተ ጳራቅሊጦስ ጽላል ኰይና። ኣብ ትሕቲ ጽላላ ንማዕቆብ ከምቲ ኣብ ሰላም ንዓኺ ኦ ንግሥቲ እንደግሞ `ሃየ ደጊምከስ ኦ ጠበቃና ነተን ርሕሩሓት ኣዕይንትኺ ናባና ምለሲ! ናባኺ ንምዕቆብ ኣሎና ንልመናና ተቀበልዮ ካብ ዝኾነ ሓደጋ ሓልውና ክብርቲ ድንግል' ንበላ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

21 March 2020, 13:30