ድለ

ቱርክሶን፥ ኣብ እዋን ኮቫዲ 19 ምትሕብባርን ሕውነትን ክበራታዕ ቱርክሶን፥ ኣብ እዋን ኮቫዲ 19 ምትሕብባርን ሕውነትን ክበራታዕ 

ቱርክሶን፥ ኣብ እዋን ኮቫዲ 19 ምትሕብባርን ሕውነትን ክበራታዕ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ለምዘበን 2020 ዓ.ም. ዓቢይ ጾም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ብምሉእ ልብና ናይ ፋሲካ ምስጢር ናይ ጐይታና ኢየሱስ ሞትን ትንሳኤን ንኸነስተንትን ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና እቲ ንሱ ንኣና ገዛእ ርእሱ ምውፋዩ ብናጽነትን ብለጋስነትን ንኸነአንግድን

ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ቱርክሶን ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 ዝተኣወጀ ሕጹጽ እዋን ሓደጋ ኣብ መንጐ ሰብን መንግስታትን ምትሕብባርን ሕውነትን ክድንፍዕ ዝላበው መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንናይ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርትን

ንናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓለፍት ጳጳሳት

ንሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን

በርገሳውያን ሰበ ስልጣናትን

ህሙማንን ኣባይቲ ስድራኦምን

ወለንተይናታትን ሰብ ጽቡቕ ድላይን

ሰላም ምሳኻትኵም ይዅን!

ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ተኣፋፍነት ዘዘኻኽርን እደ ጥበባዊ ውሕስነት ስንኵፍ ምዃኑ ዘመላኽት ኣዚዩ ኣብ ዘጨንቕ ኵነት ንርከብ ኣሎና፡ እዚ ኵነት’ዚ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ስብኣዊ ፍጥረት ዘስዕቦ ዘሎ ከቢድ መጉዳእቲ፡ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ቅልውላው ኤኮኖሚ የስዕብን ቍጠባን ትካትላትን ናይ ስራሕ ዓለምን ናይ ሰብ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንይ ምንቅስቓስ መሰልን፡ መስህቦን ስፖርትን ስግደትን ኣምልኾን ይድርት ከምዘሎን፡ ሰብኣውነትን ኤኮኖሚን ፖለቲካን ኣብ ከቢድ ቅልውላው ይርከብ፡ ምንቅስቓስን ናጽነት ዝድርት ኰይኑ እሎ፡ እዚ ስጉምቲ’ዚ እቲ ሕማም ንምድራት ንዝግበር ጻዕሪ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ለበዋን ድምጽን ሓቢሮም፡ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህይነተ ብፁዕ ካርድናል ቱርክሶን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንመላእ ሕዝቢ ዓለም ቅርበት ቤተ ክርስቲያንን ጸሎትን የረጋግጹ።

… ብፍላይ ነተን ኣዚየን በዚ ለብዒ’ዚ ዝጥቅዓ ንዘለዋ ሃገራት እናሓሰቡ፡ ንዅሎም ነዚ ሕማም’ዚ ንምብዳህ ንዝጽዕሩን ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን መንግስታትን ወለንተይናታትን ቅርበትናን ጸሎትናን እናረጋገጽና፡ ነተን ናይ መንግስትን ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ግልን ብሔራውን ዓለም ሓቆፋውያን ኣባይቲ ሕክምና ነበራትዕ፡ ዓለም ሓቆፍ ናይ ክንክን ጥዕና ሓልዮ ውድብን መንግስታትን ናይ ዞባ ኣባይቲ ምሕደራን ዝሕብርዎ መገዲ ክኽበር እላበው ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡

ኣብዚ ኵነት’ዚ ቅዱስ ኣቦና ናይ ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ኣባይቲ ምሕደራን ነቶም በዚ ሕማም’ዚ ኣዚዮም ዝተጠቕዑ ሕዝብታትን ዝተጠቕዓ ሃገራትን ቅርበትን ድጋፍን የረጋግጹ፡ እቲ ሕማም ንምቁጽጻር ኣባይቲ ሕክምናን ሰብ ሙይ ክንክን ጥዕና ዘርእይዎ ዘለዉ ህርኵት ጻዕሪ ዝነኣድ እዩ፡ … ድኻሞም ባኺኑ ከምዘይተርፍ ርግጸይና እየ፡ ስለዚህ ኩሉ በቢ ዘለዎ ሓላፍነት ነቲ መንግስታት ዝሕጽጽዎ ዘለዎ ኣዋጅ ብምኽባር ክተሓባበሮም ጻውዒት አቕርብ፡ እዚ ጽንኵር ኩነት ኣብ መንጐ ሰባትን መንግስታትን ምትሕብባርን ሕውነትን ዘበራትዕ ክኸውን ንትስፈው ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ነፍሲ ወከፍ ኣማንን ኢኣማንን እዚ እዋን’ዚ ናይ ሕውነት ዕሴትን ሰብኣዊ ፍጥረት ንሓድ ሕዱ ተማራዃሲ ምዃኑ ኣጸቢቑ ዘስተውዕለሉን ናይ እምነትን ምትሕብባርን ነቲ ካባና ዝተፈልየ ሰብ ምዃኑን ሕዝብን ሃገርን ምዃኑ እነስተውዕለሉ ብጀካይ ካብ ዝብል ንኣይነት ካብ ዘማእከለ ባህሊ እንርሕቐሉን ኣምሳልናን ደገፍናን ምዃኑ (ኦርት ዘፍጥረት ምዕ. 2 ፍቕዲ 18, 20 ረኣ) እነስተውዕለሉ ይዅነልና። …

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ለምዘበን 2020 ዓ.ም. ዓቢይ ጾም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ብምሉእ ልብና ናይ ፋሲካ ምስጢር ናይ ጐይታና ኢየሱስ ሞትን ትንሳኤን ንኸነስተንትን ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና እቲ ንሱ ንኣና ገዛእ ርእሱ ምውፋዩ ብናጽነትን ብለጋስነትን ንኸነአንግድን፡ እቲ ገዛእ ርእሱ ክሳብ ኣብ መስቀል ብሙማት ዘሕለፎ ስቓይ፡ ንመላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ህያብ ፍቕሪ ምዃኑ ንኸነስተውዕልን ንኽነስተንትንን እላበዉ ዝበሉ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ኣስዒቦም፡ ንዅሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝሓቁፍ ፍቕሪ … ነቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ብኮቫዲ 19 ዝሳቐዩ ዘለዉ ናይ ኢየሱስ ስቓይ መግለጺ እያቶም፡ ሕያዋይ ሳምራዊ ንኽንክውን ዘተባብዕን ዝጽውዕን እዋን እዩ፡ በቲ ለበዳ ኮቪድ 19 ድዩ ብኻልእ ምኽንያት እውን ሰብኣዊ ፍጥረት ይሳቐይ ኣሎ፡ እዚ ስቓይ’ዚ ናይ ምሕረት ቤተ ሙከራ ዘቕውም እዩ፡ … ህሙማን ምሕረትን ክንክን ጥዕናን የድልዮም ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እዚ እዋን ዓቢይ ጾም ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ፥ ብዘይ መስዋዕተ ቅዳሴን ብዘይ ማሕበራዊ ሕይወትን ብዘይ ናይ ሓባር ጸሎትን ብሓፈሻኡ ብዘይ ናይ ማሕበራዊ ሊጡርጊያ ይንበር ኣሎ፡ ስለዚህ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ነዚ እዋን’ዚ ፍልይ ብዝበለ ኣብ እምነት ጽንዓት ብዝሓትት ኣገባብ ጾምን ጸሎትን ናይ ፍቕሪ ስራሕን፡ ሕይወት ምዕታርን ፍርሒ ምስናፍን ብናይ ተስፋ ዓወትን

ኣገባብ ንነብሮ ኣሎና፡ … “ንስኻስ ክትጽሊ ኸሎኻ፡ ናብ ቤትካ እቶ፡ ማዕጾኻ ዕጾ፡ ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ” (ማቴ. 6,6) እንክብል ኢየሱስ ንዘቕረበልና ምኽሪ ኣብ ግብሪ ንኸነውዕል ዝጽውዕ እዋን እዩ፡ ጸሎት ሓይልና እዩ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ኣብ ዝጸሓፎ ካልኣይ መልእኽቱ ምዕ. 5 ፍቕዲ 20፥ “ስለዚ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት ኢና እሞ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምዕድ ኣሎ። ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ ሓጢኣት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ሓጢኣት ገበሮ። ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ፡ እናበልና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም ኣሎና”  ዝብል ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ 2020 ዓ.ም. መልእኽቲ ዓቢይ ጾም ዝጠቐስዎ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ እግዚኣብሔር ኣቦነትን ደቂ እግዚኣብሔር ምዃንና ንኸስተማቕር ሓደራ ዝብል እዩ ቢሎም፡ እዚ እዋን’ዚ ብሓቂ ኣቦነት እግዚኣብሔርን ውላድ እግዚኣብሔርን ንሕድ ሕድና ኣሕዋት ምዃንና እነስተውዕለሉ ቅዱስ እዋን ይዅነልና ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

እግዚኣብሔር እምነትና ንኸበርትዓልን ንጸልይ፡ ድኻታትን ህሙማንን ንኽድግፍን ንሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ዝቐርብ ምትሕብባር ክብ ክብል መታን ንጸልይ፡ … ብናይ መን በደል ምኽንያት እዩ እዚ ናይ ጭንቅን መከራን እዋን ዝኽሰት ዘሎ ካብ ዝብል ትርጉም ዘይብሉ ሕቶ ተላቒቕና፡ ሕማም ኣብ ዝዀነ ይዅን ስፍራ ልሳኑ ሓደ ምዃኑ ተኣሚንና፡ ባህልን ቋንቋን ከምዘየልይ ኣስተውዒልና፡ እቲ መንፈስ ቅዱስ ኣባና ዝጸገዎ ናይ ልቢ ጥበብ ነተባብዕ፡ ኢዮብ (ምዕ. 29, 15) ከምዝብሎ፥ “ዓይኒ ንዝዖረ፡ እግሪውን ንዝሐንከሰ እዀኖ ነበርኩ” መታን ክንብል፡ ንህሙማን ብዘይ ቅድመ ፍርዲ ቀረባኦም ንዅን ደገፍናን ጸሎትናን ነረጋግጸሎም ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ ፖለቲካን ናይ ኤኮኖምን ዓለም ማሕብራዊ ፍትሒ ዕሽሽ ከይብሉን፡ … ነቲ ለበዳ ኮቪድ 19 ዝፈጥሮ ዘሎ ኤኮኖሚያዊ ጸገም እውን ግምት ብምሃብ ኣብ ምድግጋፍን ምትሕብባርን ክንተግህ ንላበው፡ … መንፈስ ቅዱስ ናይ ነፍሲ ወከፍ ናይ ስነ ሕክምና ተመራማርትን ናይ ስነ ምርምር ሊቃውንትን ናይ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን እቲ ለብዒ ንኽስነፍ ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ መንፈስ ቅዱስ ኣእምሮኦም ነኸብርሃሎምን ንጽልይ፡ መላእ ናይ ስነ ምርምር ኣካላትን ሕዝብን ብፍላይ በቲ ለብዒ ኣዚዩ ዝተጠቕዔ ሕዝቢ ንቅድስተ ማርያም ኣደ ሰብኣውነት ነማዕቁብ እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጡ።

ቱርክሶን፥ ኣብ እዋን ኮቫዲ 19 ምትሕብባርን ሕውነትን ክበራታዕ
12 March 2020, 17:21