ድለ

ኮቪድ 19 ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ንምህለላን ጸሎትን ኣብ ቤተ መቕደስ መለኮታዊ ፍቕሪ ኮቪድ 19 ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ንምህለላን ጸሎትን ኣብ ቤተ መቕደስ መለኮታዊ ፍቕሪ 

ኮቪድ 19 ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ንምህለላን ጸሎትን ኣብ ቤተ መቕደስ መለኮታዊ ፍቕሪ

ብምኽንያት እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ሕጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሰበኻኦም ሮማ ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ደ ዶናቲስ ስምዒት ናቶም ገይሮም ኣብቲ ጸሎት ብዘመሓላልፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት ክሳተፉ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ኮቪድ 19 እተሰምየ ተህዋስ ምኽንያት ኣብ ኢጣሊያን ኣብ መላእ ዓለምን ዝረአይ ዘሎ ሓድሽ ተላባዒ ሕማም ዘስዕቦ ዘሎ ስቓይን ሞትን ምኽንያት ናይ ሮማ ሰበኻ ዘካየዶ ናይ ጾምን ጸሎትን መደብ ዕለት 11 መጋቢት 2020 ዓ.ም.  ብዘመሓላልፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከበግሱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዕለት 10 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 11 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ምሸት ሰዓት ሸውዓተ ኣብ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ መለኮታዊ ፍቕሪ ናይ ሰበኻ ሮማ ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጅሎ ደ ዶናቲስ ነቲ ሰበኻ ሮማ ብምኽንያት ኮቪድ 19 ተኸሲቱ ዘሎ ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ኣዋጅ ዘቕረቦ ናይ ጾምን ጸሎትን መደብ መኽፈቱ ኣብ ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ቅዱስነቶም ከተማ ሮማን ኢጣሊያ መላእ ዓለምን ንድሕነትን ተስፋን ንሓለዋ ተኣምራዊት ቅድስተ ማርያም እመ ኣምላኽ ንኸወክፉ በቲ ዘመሓላልፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ነቲ መንፈሳዊ መደብ ሰበኻ ሮማ ብወግዒ ከበግሱ ምዃኖ ብሩኒ ሓቢሮም።

ህየንተ ር.ሊ.ጳ. ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ብሩኒ፥ ኣብ 1944 ዓ.ም. ፒዮስ መበል 12 ሮማ ከቢቡ ዝነበረ ናይ ናዚ ስርዓት ሓይሊ ምክልኻል ክወጽእ እንከሎ ምስ መላእ ምእመናን ከተማ ሮማ ብሓባር ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ተረኺቦም ኣብ ትርጋጽ ተኣምራዊት ቅድስተ ማርያም እመ ኣምላኽ ምስሊ ጸሎት ከምዘዕረጉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር ጠቒሶም ኣዘኻኺሮምን ድሕሪ 75 ዓ.ም. ብምኽንያት እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ሕጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሰበኻኦም ሮማ ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ደ ዶናቲስ ስምዒት ናቶም ገይሮም ኣብቲ ጸሎት ብዘመሓላልፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት ክሳተፉ እዮም። በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ ተላባዒ ሕማም ምኽንያት ሕዝቢ ካብ ዘተኣኻኽብ ቦታ ክእለይ ስለ ዝተወሰነ ኵሉ ካብ ቤቱ ኰይኑ ክከታተሎ መታን  ነቲ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ብናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝመሓደር ቲቪ 2000 ብእተሰምየ መደብር ተለቪዥን በቲ ኣብ ፈይስ ቦክ እተሰምየ ማሕብራዊ መረብት ብዘሎ ናይ ሰበኻ ሮማ ኣድራሻ ብቀጥታ ውሕዘት ክመሓላለፍ እዩ።

ንናይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ሓገዝ

ናይ ሰበኻ ሮማ ዘውጸኦ መግለጺ እውን ብወገኑ፡ ምስቲ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ተተሓሒዙ ኣብዚ እዋን’ዚ ነቲ በቲ ተላባዒ ሕማም ዝተጠቕዑን ዝጥቅዑ ንዘለዉን ንዝቐርብ ዘሎ ኣገልግሎት መውሃቢ ክንክን ጥዕና ሓገዝ ዝውዕል መውሊ ክእከብ ምዃኑ ይሕብር።

ኮቪድ 19 ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ንምህለላን ጸሎትን ኣብ ቤተ መቕደስ መለኮታዊ ፍቕሪ
11 March 2020, 16:42