ድለ

ችዘርንይ፥ ኣፍሪቃ፥ ኣብ ጸረ ንግድ ሰብ ቃልሲ ቤተ ክርስቲያንን መግስታትን ብሓባር ችዘርንይ፥ ኣፍሪቃ፥ ኣብ ጸረ ንግድ ሰብ ቃልሲ ቤተ ክርስቲያንን መግስታትን ብሓባር 

ችዘርንይ፥ ኣፍሪቃ፥ ኣብ ጸረ ንግድ ሰብ ቃልሲ ቤተ ክርስቲያንን መግስታትን ብሓባር

ዘይቀመራውን ብዘይ ናይ ሕቡዕ ዕላማን ተግባርን ንሰብኣዊ ፍጥረት ኣገልግሎት ዝብል ቅኑዕን ፍትሓውን ብዝብል ፖለቲካ መሰረታዊ መልሲ ክወሃቦ ይግባእ

ናይ ምዕራብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣባይቲ ምኽሪ ናይ ፍትሕን ሰላምን ድርገት ኣበ መናብርትን ናይቲ ከባቢ ብካሪታስ ናይ ዝጽዋዕ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጨንፈር ማሕበር ረድኤት ሓለፍትን ኣሳቲፉ ካብ ዕለት 9 መጋቢት ክሳብ ዕለት 13 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ኣብ ኣይቮርይ ኮስት ርእሰ ከተማ ኣቢጃን፥ ኣብታ ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ይሴባህ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣማእኪሉ “ናይ ሓባር ቤትናን መሰልን ክብን መሓድሮን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ናይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ሚካኤል ችዘርንይ ተረኺቦም ሰፊሕ ናይ መብርሂ መደረ ከምዘስምዑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ሊዛ ዘንጋሪኒ ኣፍሊጠን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ዝነቓቓሕ ዘሎ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንስደተይናታትን ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዝምልከት ፖለቲካን ግምት ብምሃብ በቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቕርብዎ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረ ሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ መሰረት ብፍላይ ኣብ 2013 ዓ.ም. ኣብ ላምፐዱዛ ሓውጾተ ኖልዎ ኣካይዶም ዘስመሩሉ ሓሳብ ዘማእከለ ንናይ ስደተይናታት ሕቶ መልሲ ክነቓቓሕን ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝርአይ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታን ናይ ገበን ጉጅለታት ዘካይድዎ ሰብ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ናይ ምንቅስቓስ ገበን ንምዕጋት ዘኽእል ናይ ሓባር መስርሕ ምቕራብ ዝከኣል ምዃኑን ብፍላይ ካብቲ ብምእንጋድን ምክልኻልን ምንቕቓሕን ኣብ ዝብሉ ሰለስተ ግስታት ዘቕረብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝተበገሰ ናይ ሓባር ጻዕሪ መሰረት ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ክብርን መሰልን ክኽበርን ፍቕሪ እግዚኣብሔር ምምስካርን የድሊ ከምዝበሉ ዘንጋሪኒ ይሕብራል

ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳይ ስደተይናታን ተመዛበልትን ዘቕረበቶ ሓሳብ ነቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ዝተበጽሔ ንውሑስ ስደት ዓለም ሓቆፋዊ ውዕሊ መሰረት ምዃኑ እውን ገሊጾም፡ ገዛእ ርእሶምን ኣባይቲ ስድራኦምን ካብ ዝተፈላለዩ ሰብኣውን ፖለቲካውን ተፈጦሮኣውን ጸገማት ንምድሓን ዝስደዱ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበረሎምን ብፍላይ ብሕጋዊ ኣገባብ፡ ብናይ ሰብኣዊ መደባት መሰረት ክስደዱ ዘኽእል መገዲ ምቕራብ ከምዘድልን እዚ ነቶም ዜጋታት ካብቶም ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ካብ ዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት ዘድሕን እውን እዩ ከምዝበሉ ዘንጋሪኒ ኣፍሊጠን።

ብፁዕ ካርዲናል ችዘርንይ፡ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 6 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት ዝተመዓራረየን ትርጉም ዘለዎ መልሲ፡ ካብ ምትሕብባርን ምሕረትን እዩ፡ ዘይቀመራውን ብዘይ ናይ ሕቡዕ ዕላማን ተግባርን ንሰብኣዊ ፍጥረት ኣገልግሎት ዝብል ቅኑዕን ፍትሓውን ፖለቲካ መሰረት መልሲ ክወሃቦ ይግባእ ዝበልዎ ሓሳብ ዘኪሮም፡ እቲ እዋናዊ ሕቶ ከይኑ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታን ተመዛበልትን ዝጠልቦ ዝተመዓራረየ መልሲ፡ ካብ ፍትሕን ሰላምን እዩ እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከምዘጠቓለሉ ዘንጋሪኒ ሓቢረን።

ችዘርንይ፥ ኣፍሪቃ፥ ኣብ ጸረ ንግድ ሰብ ቃልሲ ቤተ ክርስቲያንን መግስታትን ብሓባር
14 March 2020, 17:56