ድለ

ዝኽሪ መበል 91 ዓመት ውዕሊ ላተራነንሰ ዕለት 11 ለካቲት 1929 ዓ.ም. ዝኽሪ መበል 91 ዓመት ውዕሊ ላተራነንሰ ዕለት 11 ለካቲት 1929 ዓ.ም.  

ካብ ንእሽቶይ ሽራጥ መሬት፡ ዝኽሪ መበል 91 ዓመት ውዕሊ ላተራነንሰ

ኣብ ቅድስቲ መንበር ዘገልግልን ወይ ከኣ ኣብ ከተማታት ዘገልግል ኵሉ፡ ኣብ ማእከል ከተማ ሮማ ንእሽተይ ሉኣላዊት ሃገር ከምዘላ የስተውዕል፡ ይዅን ደኣ እምበር ናብዚ ሕጃዊ ዀኔታ ንኽብጻሕ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ተባሂሉን ብዙሕ ዘሳቐየን ጉዳይ እዩ፡ … ፍጻሜኡ ንዅሉ ዘርወየ

ከም ሎሚ ቅድሚ 91 ዓመት ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንፈሳዊ መርሕነት ግደኣን ሓድሽ ፍሉይ ኣስተውዕሎን ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ምዕርፋ ዝኸፈተን  ንሮማዊ ሕቶ መዕለቢ ዝሃበን፡ እቲ ዕለት 11 ለካቲት 1929 ዓ.ም. ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢጣሊያን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ዝተበጽሔ ብውዕሊ ላተራነንሰ ዝፍልጥ ስምምዕ ኣብ መንጐ መክበብ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ዓለማዊ መንግስታዊ ተቕዋማትን ኢጣሊያ ኣብ ምክብባር ዝጸንዔን ፍርያምቱን ዝምስከረ ስምምዕ ምዃኑ ዘዘኻኽር እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ 2013 ዓ.ም. ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ፡ እቲ ዕለት 11 ለካቲት 1929 ዓ.ም. ዝተፈረመ ውዕሊ ላተራነንሰ ሎሚ ምዝካሩ ትርጉም ይህልዎ ዶ? ብዝብል ሕቶ ኣብ ዘውጸኦ ርእሰ ዓንቀጽ፡ እቲ ሕቶ ቅኑዕ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ካብቲ ርሑቕ እዋን ኣትሑዙ ክሳብ ሎሚ ኣብ ሕብረተሰብ ኢጣሊያ ዝተራእየ ባህላውን ፖለቲካውን ለውጥታትን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን እውን ሕጋውን ተቕዋማዊ ማዕዶታቱ ዝተራእየ ለውጥታት ኵሉ ንኸተስተውዕሎ ዝደረኸ እውን እዩ፡ ምስቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኵነት ክተነጻጽሮ እንክለኻ ሎሚ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ማዕቅፍ እዚዩ ኣብቲ እዋን ክትሓስቦ ዘይከኣል ዝነበረ ወጅህታት ቤተ ክርስቲያን ክህልው ገይሩ እዩ።

ዝኽሪ መበል 91 ዓመት ውዕሊ ላተራነንሰ ዕለት 11 ለካቲት 1929 ዓ.ም.
ዝኽሪ መበል 91 ዓመት ውዕሊ ላተራነንሰ ዕለት 11 ለካቲት 1929 ዓ.ም.

ድሕሪ ውዕሊ ላተራነንሰ፡ ቫቲካን ከም ሃገር ናብ ናይ ኢጣሊያ ንጉስ ቪቶሪዮ ኤማኑኤለ ሳልሳይ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፍ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ጋስፓሪ ብስም ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 11 ናይ ውዕሊ ላተራነንሰ ብኽታም ተቐባልነቱ ከምእተረጋገጸ ዝሕብርን ንጣሊያ ንጉስን ንግስቲ ኣውጉስታን  ንናይ ኢጣሊያ ንጉሳዊ ስድራ ቤትን ሕዝቢ ኢጣሊያን መላእ ዓለምን ጸሎትን ቡራኬን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘረጋግጽ ናይ ተለግራም መልእኽቲ ከምእተመሓላለፈ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር ከምዘመላኽቶ ነዚ ናይ ዜና ሓተታ ዘቕረባ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ላውራ ደ ሉካ ይሕብራ።

ጳውሎስ ሻድሻይ ዕለት 11 ለካቲት 1976 ዓ.ም. ውዕሊ ላተራነንሰ ኢጣሊያን ሃገረ ቫቲካንን ብኽታመን ዘጽደቐኦ ምዝካር ስለምታይ እዩ ዘድልይ? ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም፡

ውዕሊ ላተራነንሰ ስለምንታይ ኢና ክንዝክሮ ንደልይ? ብሓሴትን ተስፋን ዝተመልኦ ስምዒት ምዝካሩ ስለምንታይ ኣድለየ? ኣብ ሓባራዊ ሉኣላውነት ምኽባር ኣብ ዝብል፡ ማለት ቤተ ክርስቲያን ናጻን መንግስቲ ናጻን ዝብልን፡ ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያንን መንግስትን እዚ ኸኣ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ኢጣሊያን ንጹር ክሌኣዊ ርክብ ዘሀልው ብምዃኑ ናብ ሰላም ዘብጽሕ እዩ፡ ብፍላይ ሃይማኖታዊ ሰላም ዝውሕስ፡ ስለ ዝዀነ

እንክብሉ መልሲ ከምዝሃቡሉ ደ ሉካ ይሕብራ።

ዝኽሪ መበል 91 ዓመት ውዕሊ ላተራነንሰ ዕለት 11 ለካቲት 1929 ዓ.ም.
ዝኽሪ መበል 91 ዓመት ውዕሊ ላተራነንሰ ዕለት 11 ለካቲት 1929 ዓ.ም.

እዚ ንጹር ሉኣላውነት’ዚ በነዲክቶስመበል 16 እውን ብወገኖም፥

ኣብ ቅድስቲ መንበር ዘገልግልን ወይ ከኣ ኣብ ከተማታት ዘገልግል ኵሉ፡ ኣብ ማእከል ከተማ ሮማ ንእሽተይ ሉኣላዊት ሃገር ከምዘላ የስተውዕል፡ ይዅን ደኣ እምበር ናብዚ ሕጃዊ ዀኔታ ንኽብጻሕ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ተባሂሉን ብዙሕ ዘሳቐየን ጉዳይ እዩ፡ … ፍጻሜኡ ንዅሉ ዘርወየ እዩ፡

እንክብሉ በዚ ሓሳብ’ዚ ንውዕሊ ላተራነንሰ ከምዝገለጽዎ ደ ሉካ የዘኻኽራ።

ዝኽሪ መበል 91 ዓመት ውዕሊ ላተራነንሰ ዕለት 11 ለካቲት 1929 ዓ.ም.
ዝኽሪ መበል 91 ዓመት ውዕሊ ላተራነንሰ ዕለት 11 ለካቲት 1929 ዓ.ም.

በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 14 ለካቲት 2009 ዓ.ም. ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 80 ዓመት ሉኣላውነት ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም፥

ሃገረ ቫቲካን ኣብ ናይ ዓለም መልክዓ ምድሪ ዝርአይ ሓቂ እዩ፡ ዝፍራሕ ሓይሊ ምክልኻል ዘይብሉ፡ ኣብ ዓበይቲ ዓለም ሓቆፍ መልክኣ ምድራዊ ስነ ፖለቲካዊ ጉዳያት ብዙሕ ዘየገድስ ተመሲሉ ዝረእይ እውን እተመሰለ፡ ኣብ ምትሕብባርን ንናይ ሓባር ጥቕምን ምክንኻን ኣብ ዝብሉ ዓበይቲ ኣርእስታት ንጹርን ናጻን ዝዀነ ኣመለኻኽታ ዘቃልሕን ብቓልን ተግባርን ኣብ ዓለም ሓቆፍ መድርኻት እውን ዝገልጾን እዩ፡ እዚ ሓቂ ስለ ዝዀነ እውን ይኸውን ነዛ ንእሽተይ ሽራጥ ዝዀነት መሬት ካብ መላእ ኵርናዕ ዓለም ዓቢይ ኣተኵር ዝግበር? … እቲ ውዕሊ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ዝነበረ ታሪኻውን ፖለቲካውን ማሕበራውን ድሕሪ ባይታ ሎሚ ዘየለ ብምዃኑ፡ ምእንቲ እዚ ቤተ ክርስቲያን ኰነት ናይ ሕዝቢ ኢጣሊያ ካቶሊካዊ ባህሉን ናይ ሮማዊት ካቶሊክዊት ቤተ ክርስቲያን ተልእዀ ክለሳ የድልዮ

ከምዝበሉ የዘኻኽራ።

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 18 ጥሪ 1986 ዓ.ም. ኣብ ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሕንጻ ኵይሪናለ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ርእሰ ብሔር ፍራንቸስኮ ኮሲጋ ተራኺቦም፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ፍስሓን ተስፋን ናይ 1965 ዓ.ም.  ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ጠቒሶም፥

ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ቀዳሚ ዳይናን ናይ ቤተ ክርስቲያን ኵላዊ ጓሳን ክራኸቡ እንከለዉ፡ ኣብ ሓደ መድርኽ ዘካይድዎ ክሌኣዊ ርክብ፡ ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ሉኣላውነትን ምኽባርን ዝብል ናይ ሓላፍነቶም ፍልልያት ከምዘሎ ኰይኑ፡ እቲ ዘለዎም ሉኣላውነት ሓባራዊ ምክብባርን ቅኑዕ ምትሕብባርን ዝብል ዝፈላልዮም ምኽንያት ይግህድ፡ …. እቲ ኣፍልጦ ሓድ ሕዳዊ ሉኣላውነት ድማ ውዕሊ ላተራነንሰ ንኽህሉ ዝደረኸ መሰረተ ምኽንያት እዩ፡ … ነዚ ግምት ብምሃብ እውን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፥ (ፍስሓን ተስፋን ቍ. 76) ‘ፖለቲካ ማሕበርን ቤተ ክርስቲያንን በብርእሶም ዝመሓደሩን ኣብ ገግራቶም ሓደ ናብቲ ሓደ ዘይጽጉዕን ተቕዋማት ኢዮም፡ ክልቲኣቶም ግን ብዝተፈላለየ መልክዕ እኳ እንተዀነ ንውልቃውን ሓባራውን ጸዋዕታ ውዲ ሰብ ዘገልግሉ እዮም። እዞም ክልተ ተቕዋማት እንተ ከከም ቦታኡን ኩነታትን ግዜን ዝሓቶ ንሓለፋ ደቂ ሰብ ብዝበለጸ ንምግልጋል ብቕንዕና ይተሓጋገዙ’።

ከምዝበሉ ክዝከርን እንከሎ፡  ኣብ ኢጣሊያ ክራክሲ መራሔ መግንስቲ ኣብ ዝነበሩሉ እዋንን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ረጋን ኣብ ነበር ሶቭየት ሕብረት ጐርባቾቭ ዝሑል ውግእ ኣብ ዝመከሉ ዝነበረ እዋን፡ ዕለት 18 ለካቲት 1984 ዓ.ም. ድግማይ ውዕሊ ዝብል ናይ ስምምዕ ሰነድ ከምእተፈረመ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሰንበት ዕለት 19 ለካቲት 1984 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔረ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከምዝገለጹ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ላውራ ደ ሉካ የዘኻኽራ።

ዝኽሪ መበል 91 ዓመት ውዕሊ ላተራነንሰ ዕለት 11 ለካቲት 1929 ዓ.ም.
ዝኽሪ መበል 91 ዓመት ውዕሊ ላተራነንሰ ዕለት 11 ለካቲት 1929 ዓ.ም.

እቲ ዳግማይ ናይ ውዕሊ ሰነድ፡ ምስቲ ናይ 1929 ዓ.ም. ክነጻጸር እንከሎ፡ ትምህርቲ ስነ ሃይማኖት ኣብ ናይ መንግስቲ ኣባይቲ ትምህርቲ ፍቓዳዊ ዝብልን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣባይቲ ትምህርቲ ምስ ናይ መንግስቲ ኣባይቲ ትምህርቲ ማዕረ ዝብልን መንግስቲ ኢጣሊያ ንካህናት ዜጋታት ኢጣሊያ ዝኸፍሎ ዝነበረ ወርሓዊ ዶሞዝ ክውገድን ሕዝቢ ሸሞንተ ሺሓዊ ካብ ደሞዙ ብዝኸፍሎ ግብሪ ክትካእ ዝገበረን፡ እዚ ኸኣ ወይ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ወይ ክኣ ንካልኦት ዘይካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ድዩ ወይ ንዝተፈላለያ ዘይመንግስታውያን ካብ መኽሰብ ናጻ ንዝዀና ማሕበራት ግብረ ሰናይ ክኸውን ናይ ሕዝቢ ፍቓድ ዝብል እዩ።

ዕለት 21 ግንቦት 1984 ዓ.ም. ድሕሪ ቁርብ መዓልታት ኣብ መንጐ ኢጣሊያን ቅድስቲ መንበር ዝተኸተመ ዳግማይ ውዕሊ፡ ናይ ረፓብሊክ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ፐርቲኒ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ወግዓዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ዝተራከብሉ እዋን፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥

ሰብኣዊ ፍጥረት ምስቲ ዘደንቕ ዕቑር ሓይልታቱን ተኣፋፍነቱን … ንቤተ ክርስቲያን ኰነ ንመንግስቲ / ንሃገር ዓቢይ መገዲ እዩ። … ንሰብኣዊ ፍጥረትን ንናጽነትን ፍትሕን ምግልጋል ናይ መንግስቲ ኰነ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሓላፍነት እዩ፡ ነዞም ዕሴታት እዚኣቶም ኣብ ኣቀራርባኦም ፍልልያት ይሃሉ ኣብቲ ክውቃዕ ዝድለይ ሸቶ ግና ምርኻብ ኣሎ፡ ንናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ምሉእ ዕብየት ዝብል እዩ ….

እንክብሉ ከምዘብርሁ ደ ሉካ የዘኻኽራ።

ዝኽሪ መበል 91 ዓመት ውዕሊ ላተራነንሰ

 

11 February 2020, 16:51