ድለ

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ 

ሩፊኒ፥ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ሕንጸት ሰብኣዊ ሕውነት ግደ ኣለዎ

እቲ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣቡ ዳቢ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣሕመድ ኣል ጣይብ ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ናይ ውሳኔ ሰነድ፡ ኣብ እንነብረሉ ዓለም ሰብ ሰብ ኣብ ምዃኑ ንምቅርራብን ንሕውነትን ዝተጸውዔ ምዃኑ ብዝርዝር የብርህ

ብምኽንያት ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ናይ ውሳኔ ሰነድ ዕለት 4 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብ ኣቡ ዳቢ ኣብ ዝተኻየተ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ቅድስቲ መንበር ብናይ መራኸቢ ብዙሓን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህይነተ ብዝተምርሐ ልኡካን ከምእተሳተፈትን፡ ኣብ ሕንጸት ሰብኣዊ ሕውነት መራኸቢ ብዙሓን ዓቢይ ግደ ከምዘለዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከምዘብርሁ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣግልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣመደዮ ሎሞናኰ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፓውሎ ሩፊኒ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ መራኸቢ ብዙሓንን ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓን ሰላምን ፍትሕን ናይ ሓባር ጥቕምን ዝብሉ ዕሴታት ኣብ ምዕቃብን ምስፋሕን ዘየላቡ ተራ ከምዘለዎም ኣዘኻኺሮም፡ ሕውነት ልክዕ ከምቲ ብዙሕነት እውን ንምቕባል ትብዓት ይሓትት፡ ስለዚህ ሕውነት ንምሕናጽ ብቐዳምነት ምክልኻልን ምክንኻንን ፍጥረትን ተፈጥሮን ምዕሩይ ተጠቃምነት ጸጋታትን ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባሕርያዊ ሞት ምዕቃብን ምክልኻልን ኣገዳሲ ምዃኑ ዝትንትን ሰፊሕ መብርሂ ምስ ሃቡ ኣስዒቦም እውን ኣብቲ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኩለን ሃይማኖታት ብዘይ ምንም ዓይነት ቅድመ ኵነት ሃይማኖት ንጽልእን ዓመጽን ምጥቃም ክውግዛ ኣብ ሃይማኖታዊ ምዃናውነትን ዘሎ እዩ፡ ምኽንያቱ ሃይማኖት ንምቅርራብን ምትሕልላይን እምበር ንጽልእን ዓመጽን መጋበሪያ ምጥቃም ጸረ ሃይማኖትን ብዓቢዩ ጸረ እግዚኣብሔር ምቛም ማለት እዩ ከምዝበሉ ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

መራኸቢ ብዙሓን ሰላም ዝዓሰሎ ዓለም ኣገዳሲ እዩ

ህየንተ ሩፊኒ ምስ ቫቲካን ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣቡ ዳቢ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣሕመድ ኣል ጣይብ ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ናይ ውሳኔ ሰነድ፡ ኣብ እንነብረሉ ዓለም ሰብ ሰብ ኣብ ምዃኑ ንምቅርራብን ንሕውነትን ዝተጸውዔ ምዃኑ ብዝርዝር የብርህ፡ ስለዚህ ይብሉ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ብዙሓት ናይ ሓይማኖት ኣካላትን ምሁራንን ሕውነት ብሕድ ሕዳዊ ሓልዮት ዝሕነጽ ምዃኑን ነቶም ኣብ ከቢድ ድኽነት ዝርከቡ ሓገዝን ካብቲ ዝወደቕሉ ድኽነት ክላቐቑ ዘኽእል ዕድላት ምፍጣርን ይሓትት፡ ኵለን ሃይማኖታት ናይ ገዛእ ርእሰን መለለይአን ዓቂበን ኣብ ናይ ሓባር ረቛሒ መሰረት ብምቅርራብ ሕውነት ንኽሓንጻ ንገዛእ ርእሱ ናይ ሃይማኖት ዕሴት እያተን ዘኽብራ ኢሎም።

ምስቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ማዕረ ማዕረ እውን ናይ ዓረብ ሃገራት ጋዜጠይናታት ኣብቲ ናይ ውሳኔ ሰነድ ዘተኰረ ኣብ ዘካየድዎ ዓውደ ጉባኤ፡ ጋዜጠይና ናይ ዝዀነ ይኹን ሃይማኖት ሰዓቢ ይኹን ብዘየገድስ ከም ጋዜጠይና ሓቂ ኣብ ምድላይ እዩ ሓላፍነቱ፡ ስለዚህ ዓመጽን ጽልእን መታን ክይሰፍሕ ተሓታቲ ኣብ ምድላይ ዘይኰነ ናይ ሃይማኖት ቀንድን መሰረታውን ትርጉሙ ኣብ ምሕባርን መራኸቢ ብዙሓን መጋበርያ ሓቅን ምዃኑ ዝምስክር ተግባር ኣብ ምቕራብ እዩ ክተግህ ዘለዎ፡ ዓመጽን ጽልእን ከለዓዕል ዝኽእል ተግባራት ምቅዋም፡ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበር ምግልጋል፡ እዚ እዩ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሙያዊ መምርሒ፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ናብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ እቲ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሓላለፈ ዝመጸ ምኽንያት መለለይና፥ ምኽንያት መለለዪ ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖታት ብሰናይ ዘነቓቕሕን ዘመሓላልፎ ቅኑዕ መልእኽቲ ከም መራኸቢ ምጥቃም የድሊ ከምዝበልዎ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ሩፊኒ፥ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ሕንጸት ሰብኣዊ ሕውነት ግደ ኣለዎ

Photogallery

መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ሕንጸት ሰብኣዊ ሕውነት ግደ ኣለዎ
05 February 2020, 17:11