ድለ

ፓሮሊን፡ ንቨነዝወላ ውሽጣውን ሰላማውን ደሞክራሲያውን መፍትሒ ፓሮሊን፡ ንቨነዝወላ ውሽጣውን ሰላማውን ደሞክራሲያውን መፍትሒ  

ፓሮሊን፡ ንቨነዝወላ ውሽጣውን ሰላማውን ደሞክራሲያውን መፍትሒ

ስለምንታይ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እውን ሓጢኣት ኣሎ፡ ብባህርእያ ቅድስትን ንጽሕትን እያ ሰብኣዊ ፍጥረት ስለ እትሓቝፍ ከኣ ሓጢይና ትበሃል፡ ምእንቲ’ዚ ኵላትና ዕለት ብዕለት ክንልወጥ ዝተጸዋዕና ምዃንና ትሕብረና፡ ኵላትና ድሮ ዝተኸወነ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይኰናን፡ እንታይ ደኣ ኣብ ጉዕዞ ኢና

“ናይ ቅድስና ስነ ምምህርና ንዓለማውያን ምእመናን ኵላዊ ብድሆ” ዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሑ ካቶሊካዊት ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ፒዮስ መበል 11 ማሕበር ካቶሊካዊ ተግባር ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦምን ነቲ ዓውደ ጉባኤ ብዘስምዕዎ መደረ ዘበገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ካብቲ ዓውደ ጉባኤ ወጻኢ፥ ዛዕባ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያዊ ህልው ኵነታት ቨነዝወላ ኣብ ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ ምስ ጋዜጠይናታት ቃለ መሕትት ከምዘካየዱን፡ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ቅድስና ወትሩ እቲ እዋናዊ ዝዀነ ተስፋ ንዓለም ምብሳር ማለት እዩ ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ልኽቲ ጋዜጠይና ክፍሊ ዜና ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ኣብ ነዊሕ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ፖለቲካውን ቅልውላው ዝርከብ ሕዝቢ ቨነዝወላ ምድጋፍን እቲ ዝርአይ ዘሎ ውጥረት ውሽጣውን ሰላማውን ዴሞክራሲያውን መፍትሒ ዘድልዮ ከምዝዀነ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዝሓበሩን፡ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ቨነዝወላ ናይ መሪዳ ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ካራካስ ሓዋርያዊ መስተናብርን ብፁዕ ካርዲናል ባልታዛር ኤንሪከ ፖራስ ኮርዶዞ ከምእተሳተፉን፡ ዝሓበራ ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፡ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ቅድም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ንኽዀኑ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምሕራዮም ክሳብ 2013 ዓ.ም. ሊቀ ጳጳስ እንክለው ኣብ ቨነዝወላ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኰይኖም ከምዘገልገሉን ኣዘኻኺረን፡ ህልው ኩነታት ቨነዝወላ ገና ኣብ ውጥረት ከምዘሎን ናይታ ሃገር መጻኢ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል እውን ንምግላጹ ዘጸግም እዩ ከምዝበሉ ሓቢረን።

ናይ ተስፋ ኣብሳሪ

ብፁዕነቶም ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ቅድስና ንዓለም ተስፋ ዘበስር እዩ፡ እዚ ኸኣ ብቓልን ሕይወትን እዩ፡ እዚ ዓይነት ቅድስና’ዚ ብፍላይ ንመንእሰይ ወለዶ ዝማርኽ ከምዝዀነን፡ ዓለም መምሃራን ዘይኰኑ መሰኻኽር እያቶም ዘድልይዎ፡ ስለዚህ ዝሰብኽ ኣብነታዊ ሕይወት እዩ ዘድልይ፡ እዚ ዓይነት ምስርክነት’ዚ መንእሰይ ወለዶ እቲ ብልቦም ዝሓልምዎ ጽባቔ ዝዀነ ኢየሱስ ዘርእዮም እዩ፡ ቅድስና ስራሕ መንፈስ ቅዱስ እዩ፡ እግዚኣብሔር እቲ ዅሉ ኣባና ዝፍጽሞ መደብ ምድሓን እውን እንተዀነ ብጸቕጢ ዘይኰነ ወትሩ ናጽነትና ብምኽባርን ሓላፍነት ክስምዓና ብምግባር እዩ፡ ስለዚህ ቅድስና ንዅላትና ዝተዓደለ ጸጋ እዩ፡  ኣብ ሓገዝ ብሓገዝን መንፈስ ቅዱስ ዝንበር እዩ ከምዝበሉ ኣኵይሊኖ ሓቢረን፡

ኣብ ጉዕዞ

ካብ ጋዜጠይናታት ዝቐረበሎም ሕቶ መሰረት ገይሮም፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈላለዩ ጸቕጢ ዝገብሩ ጉጅለታትን ናይ ስልጣን ጉጅለታትን ምፍሕፋሕ ዝንበረላን ናይ ውድባት ስፍራ እያ ቢልካ ምግላጻ ጌጋ እዩ፡ ዝተፈላለየ ኣመለኻኽታ ክህሉ ንቡር እዩ፡ ስለዚህ ብዙሕ ጥንቃቔ ይሓትት፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኩሉ ክትረክብ ዝከኣል እውን እዩ። ስለምንታይ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እውን ሓጢኣት ኣሎ፡ ብባህርእያ ቅድስትን ንጽሕትን እያ ሰብኣዊ ፍጥረት ስለ እትሓቝፍ ከኣ ሓጢይና ትበሃል፡ ምእንቲ’ዚ ኵላትና ዕለት ብዕለት ክንልወጥ ዝተጸዋዕና ምዃንና ትሕብረና፡ ኵላትና ድሮ ዝተኸወነ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይኰናን፡ እንታይ ደኣ ኣብ ጉዕዞ ኢና፡ ንቤተ ክርስቲያን በዚ መዳይ እዚ ጥራሕ ደምዲምካ ምግላጽ ጌጋ እዩ፡ እቲ ኣብኣን ብኣኣን ዝፍጸም ሰናይ ነገር ምርኣይ እውን የድሊ ከምዝበሉ ገሊጸን፡

ብፁዕ ካርዲናል ፖራስ ካርዶዞን ማሪየላ ኤኖክን

ናይ ካቶሊካዊ ተግባር ማሕበር ቤት ትምህርቲ ቅድስና ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፖራስ ካርዶዞ፥ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ከመይ ገርካ እዩ ቅዱስ ዝኸወን? ኣብ ዝብል ሕቶ ኣሞርኵይዞም ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ቅድስና ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን፡ ብዙሓት ብቓሎምን ብሕይወቶምን ህላዌ እግዚኣብሔር ዕለት ብዕለት ዝምስክሩ ከምዘለዉ ይነግረና፡ ሎሚ እውን ዝቕጽል ዘሎ ጸጋ እዩ፡ ነዚ ቅድስና እዚ ንኸነስተውዕሎ ሓደራ እንክብሉ ተላብዮም፡ ቅድስና ኣብ ሕይወትካ ዕብየት ወንጌል ምዅላዕ ማለት እዩ ከምዝበሉን፡ ናይ ሕጻነ ኢየሱስ ናይ ሕጻናት ቤት ሕክምና ኣደ መንበር ዓለማዊት ምእመን ማሪየላ ኤኖክ እውን ብውገነን ዓለማውያን፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና እትወጽእን ናብ እትብል ቤተ ክርስቲያን ዝብልዎ፡ ዓለማዊ ምእመን ኣብ ምውጻእ ከብልን፡ ማለት ናብቲ ደጋዊ ክፍሊከተማታትን ህልውናን ክብልን ኣብዚ ምውጻእ እዚ ቅድስና ክምስክርን ዝተጸውዔ እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መደረ ከምዘስምዓ ኣኵይሊኖ ሓቢረን። 

ፓሮሊን፡ ንቨነዝወላ ውሽጣውን ሰላማው ደሞክራሲያውን መፍትሒ
07 February 2020, 17:21