ድለ

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ጋላገርን ናይ ቻይና ወጻኢ ጉዳያት ሚንስተር ዋንግ ዪን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ጋላገርን ናይ ቻይና ወጻኢ ጉዳያት ሚንስተር ዋንግ ዪን 

ቅድስቲ መንበርን ሕዝባዊት ቻይናን፡ ኣብ ጐደና ዘተ ንቕድሚት ንምባል

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ዋና ጸሓፍ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፖውል ሪቻርድ ጋላገር ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ ምስ መዘናኦም ናይ ሕዝባዊት ቻይና ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ዋንግ ዪ ካብቲ ዓውደ ጉባኤ ወጻኢ ክሌኣዊ ርክብ ከምዘካየዱን ከምዚ ዓይነት ብዓበይቲ ናይ ክልቲኣተን ሃገራት ኣካላት ዝተሰነየ ርክብ ክካየድ ድሕሪ 70 ዓመት ፋልማይ ምዃኑ

ኣብ ጀርመን ከተማ ሚዩኒክ ካብ ዕለት 14 ክሳብ ዕለት 16 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ዛዕባ ጸጥታን ደሕንነትን ኣብ ዝዝትይ  መበል 56 ዓውደ ጉባኤ ዝሳተፉ ዘለዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ርክባት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጋላገርን ናይ ረፓብሊካዊት ሕዝባዊት ቻይና ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ዋንግ ዪ ካብቲ ዓውደ ጉባኤ ወጻኢ ክሌኣዊ ርክብ ኣካይዶም ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሕዝባዊት ቻይናን ዝተበጽሔ ግዝያዊ ናይ ስምምዕ ናይ ውሳኔ ሰነድ ዘማእከለ ምይይጥ ከምዘካየዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ወግዓዊ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ኣብ ከተማ ሙዩኒክ ዛዕባ ጸጥታን ደሕንንት ኣብ ዝመኸር ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ ዘለዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ዋና ጸሓፍ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፖውል ሪቻርድ ጋላገር  ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ምስ ዝሳተፉ ዘለዉ መዘናኦም ናይ ሕዝባዊት ቻይና ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ዋንግ ዪ ካብቲ ዓውደ ጉባኤ ወጻኢ ክሌኣዊ ርክብ ከምዘካየዱን ከምዚ ዓይነት ብዓበይቲ ናይ ክልቲኣተን ሃገራት ኣካላት ዝተሰነየ ርክብ ክካየድ ድሕሪ 70 ዓመት ፋልማይ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ጠቒሱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብቲ ሰናይን ልባዊ ምቅርራብን ዝተረኣየሉ ክሌኣዊ ርክብ፡ እቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እወታዊ እናዀነ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ክልቲኤን ሃገራት ርክብን፡ ብፍላይ እቲ ዕለት 22 መስከረም 2018 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ክልቲኣተን ሃገራት ዝተፈረመ ዛዕባ ስያሜ ጳጳሳት ዝምልከት ግዚያዊ ናይ ሓባር ናይ ውሳኔ ሰነድ ዘለዎ ልዕሉ ኣገዳስነት ዘመላኸተን ከምኡ እውን ኣብ ቻይና ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ንሕዝቢ ቻይናን ናይ ሓባር ጥቕሚ ኣብ ዝድግፍ ብተቕዋማዊ ጽፍሒ ኣብ ክሌኣዊ ርክብ ንምስጓም ዘሎ ሓባራዊ ድላይ ዝሓደሰን ምይይጥ ከምዝነበረ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሃገረ ቻይና ለብዒ ኮሮና ተህዋስ ንምብዳህ ዝካየድ ጸሎ ጻዕሪ ብወገን ቅድስቲ መንበር ከምእተደነቐን ነቲ በቲ ሕማም ኣዚዩ ዝጥቃዕ ዘሎ ሕዝቢ ድጋፍን ምትሕብባርን ዘረጋጋገጸን፡ ኣብ መወዳእታ እውን ዓለም ለኻዊ ናይ ሓባር ሰላማዊ ናብራን ሰላምን ንምንቕቓሕ ኣብ መንጐ ክልቲኣተን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ክብ ንምባልን ውስጠ ባህላውን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት እውን ርእይቶ ከምእተለዋወጡ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ርክባት ቤት ጽሕፈት ዘውጸኦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብዛዕባ ለብዒ ኮረና ህዋስ ኣመልኪቶም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ረቡዕ ዕለት 12 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምርህተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፥ ንረፓብሊካዊት ሕዝባዊት ቻይና ቅርበቶም ኣረጋጊጾም፥ ነቶም ብለብዒ ኮረና ህዋስ ዝተጠቕዑን ኣብ ስቓይ ንዝርከቡን ብሓባር ንጸልይ ቢሎም፡ ነቶም በቲ ሕማም ዝተተሓዙ ካብ እግዚኣብሔር ጸጋ ፈውሲ ክዕደሉን ጸሎት ኣዕሪጐም፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ ሕማም ፈውሲ ክርከቦ እምሕጸን ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር። 

ቅድስቲ መንበርን ሕዝባዊ ቻይናን፡ ኣብ ጐደና ዘተ ንቕድሚት ንምባል
15 February 2020, 13:20