ድለ

ሓድሽ ሲመት ኣብ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ሓድሽ ሲመት ኣብ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር 

ሓድሽ ሲመት ኣብ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር

ካብ 2011 ዓ.ም. ኣትሒዞም ናይ ምስራቕ ስርዓት ሕገ ቀኖና ማሕበር ምኽትል ኣቦ መንበን ካብ 2013 ዓ.ም. ኣትሒዞም እውን ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ኣማኻርን

ዕለት 25 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢጣሊያ ዞባ ሲቺሊያ ኣብ ዝርከብ ናይ ኣልባንያውያን ጴጳርቅና ዘበፒያና ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጆርጆ ደመትሪዮ ጋላሮ ንናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ንኽዀኑ ከምዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ናይ ምስራቕ ዝርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ንኽዀኑ ብቕዱስ ኣቦና ዝተሰምዩ ብፁዕ ኣቡነ ጆርጆ ደመትሪዮ ጋላሮ ዕለት 16 ጥሪ 1948 ዓ.ም. ኣብ ሲቺሊያ ከተማ ፖዛሎ ዝተወዱን ትምህርቶም ኣብታ ዝተወለዱላ ከተማን ኣብ ኖቶ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነትን ኣጠናቒቖም ኣብ 1968 ዓ.ም. ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከይዶም ኣብ ሎስ ኣንጀሎስ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ዮሓንስ ናይ ፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ተቕዋም፡ ናይ ቲዮሎጊያ ትምህርቶም ኣጠናቒቖም ኣብ 1971 ዓ.ም. ድቁና፡ ኣብ 1972 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ከምእተቐበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ንሸሞንተ ዓመት ኣብ ሰበኻ ሎስ ኣንጀሎስ ኣብ ዝርከባ ክልተ ቁምስናታት ኣገልጊሎም ደሓር ናብ ሮማ ተላኢኾም ኣብ ጳጳሳዊ ናይ ምስራቕ ስርዓት መንበረ ጥበብ ብምስራቓዊ ሕገ ቀኖና ሊቕነት ደሓር እውን ኣብ ጳጳሳዊ ቅዱስ ቶማስ ዘኣኵይኖ መንበረ ጥበብ ብቲዮሎጊያ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ሓባር ዘተ ሊቕነት ኣመስኪሮም ኣብ ማሳቹሰትስ ኣብ ዝርከብ ናይ መልቂጣ ስርዓት ኣብ እትኽተል ሰበኻኦም ኤጳርቅና ነውቶንን ኣብ ስታምፎርድ ኣብ እትርከብ ኤጳርቅና ኮነክቲኩትን ኣብ ፒትስቡርግ ርእሰ ኤጳርቅና ሩተናን ኣገልጊሎም ይገልጽ።

ካብ 2011 ዓ.ም. ኣትሒዞም ናይ ምስራቕ ስርዓት ሕገ ቀኖና ማሕበር ምኽትል ኣቦ መንበን ካብ 2013 ዓ.ም. ኣትሒዞም እውን ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ኣማኻርን፡ ፒቱስበርግ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ቅዱስ ቀርሎስን መጠዲዮስን ብመምህርናን ኣብ ፊላደልፊያ ናይ ኡክራይን ርእሰ ኤጳርቅና ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዳይናን ከይኖም እውን ከምዘገልገሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣተሓሒዙ፥ ዕለት 31 መጋቢት 2015 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ዞባ ሲቺሊያ ናይ ዝርከብ ናይ ኣልባንያውያን ኤጳርቅና ፒያና ጳጳስ ንኽዀኑ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ተሰምዮም፡ ዕለት 28 ሰነ 2015 ዓ.ም. ኣብ ናይ ኣልባናውያን ካቴድራል ቅዱስ ደመጥሪዩስ ዓቢይ ሰማዕት ማዕርገ ጵጵስና ከምእተቐበሉ የመላኽት።

ሓድሽ ሲመት ኣብ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር
26 February 2020, 16:57