ድለ

ማሪኖ፥ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ወትሩ ኣብ ምውጻእ ንእትነቓቓሕ ቤተ ክርስቲያን ማሪኖ፥ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ወትሩ ኣብ ምውጻእ ንእትነቓቓሕ ቤተ ክርስቲያን  

ማሪኖ፥ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ወትሩ ኣብ ምውጻእ ንእትነቓቓሕ ቤተ ክርስቲያን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን መሰናደዊ ተቕዋም ዝመሃሩ ካህናት ቅድሚ ኣብ ሓዋርያዊ ልኡኽነት መዝነት ንሓደ ዓመት ኣብ ተልእዀ ወንጌል ክገልግሉ ዝብል ድላዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቶም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ኣብ ዞባዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን (ኣምባሳደራት ቅድስቲ መንበር) ኰይኖም ንኸገልግሉ  ዘሰናድው ጳጳሳዊ ናይ ስነ ቤተ ክርስቲያናዊ መክብብ ተቕዋም ነቶም ኣብቲ ተቕዋም ዝህነጹ ትምህርቶም ኣጠናቒቒም ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡክነት ኣገልግሎት ቅድሚ ምምዳቦም ንሓደ ዓመት ካብ ሰበኻታቶም ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለየ ዞባ ኣብ ተልእዀ ወንጌል ንኸገልግሉን እዚ ኣገልግሎት’ዚ ናይቲ ተቕዋም ክፍሊ መደብ ሕንጸት ክኸውን ዝሕብር ዝመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዝተቐበሉ ናይቲ ጳጳሳዊ ተቕዋም ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ማሪኖ ምስ ቫቲካን ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ቅዱስነቶም ዕለት 11 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ናብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ስነ ቤተ ክርስቲያናዊ መክብብ (ናይ ኣምባሳደራት መሰናደዊ ጳጳሳዊ ተቕዋም) ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ማሪኖ ዘመሓላለፍዎን ዕለት 17 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ወግዓዊ ዝዀነ   መልእኽቲ፥ ኣብታ ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጽእ ናብ እትብል ቤተ ክርስቲያን ንምግልጋል ካብ ገዛእ ርእስኻ ምውጻእ ከምዘድሊ ዘመላኽትን፡ ንሱ ኸኣ ኣብታ ልእኽቲ ወንጌል ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ልኡኽ ወንጌል ብምዃን ምግልጋል ዝብል እዩ። ስለዚህ እዚ ናይ ር.ሊ.ጳ. ስልጣናዊ ለበዋ (ናይ ውሳኔ ሓሳብ) ካብ 2020 – 2021 ዓ.ም. ናይቲ ጳጳሳዊ ተቕዋም ናይ ትምህርቲ ዘመን ኣትሒዙ ሓደ ክፍለ ትምህርቲ ናይቲ ተቕዋም ኰይኑ  ከምዝቐርብን፡ ብዝበለጸ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንቤተ ክርስቲያን ንምግልጋል ዝድግፍ እውን እዩ ኢሎም።

ምስ ቅዱስነቶም ከምእተራኸቡን ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን መሰናደዊ ተቕዋም ዝመሃሩ ካህናት ቅድሚ ኣብ ሓዋርያዊ ልኡኽነት መዝነት ንሓደ ዓመት ኣብ ተልእዀ ወንጌል ክገልግሉ ዝብል ድላዮም ሸቶኡ እንታይ ምዃኑ ከምዝሓበርዎም ገሊጾም፡ ብርግጽ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብታ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም፡ ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጽእ፥ ወትሩ ኣብ ተልእዀ ወንጌል ንቕሕቲ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ሃረር ዝብሉ ምዃኖምን እዚ እውን ኣብቲ ናይ ወንጌል ሓሴት ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም ዘንበርዎ ናይ ር.ሊ.ጳጳስናኦም ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብዕምቆት ተልእዀ ወንጌልን ብስራት ናይ ወንጌል ሓሴትን ዝብል ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ኣብቲ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ቤተ ክርስቲያናዊ መክብብ ተቕዋም ዝሕነጹ ካህናት ቅድሚ ኵሉ ናይ ካህናት ማሕበረሰብ እያቶም፡ ስለዚህ ክህነታዊ ሕይወትን መንፈስ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብዕምቆት ንምስትውዓል ዝሕግዝ እዩ። ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣምባሳደር ንምዃን ዝሓቶ ምስትውዓል እዩ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ኣምባሳደራት ቅድሚ ምዃን ይብሉ፡ ካህናት ኢና፡ እቲ ተቕዋም ናይ ቅድስቲ መንበር ኣባሳደር ንምዃን ዘብቅዕ ሕንጸት የቕርብ፡ እቲ ዝወሃብ ሕንጸት ብናይ ቤተ ክርስቲያን መሰረታዊ ተልእዀ ዝምራሕን ዝትግበርን እዩ፡ እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ውሳኔ እውን ነዚ እዩ ዘዘኻኽር ኢሎም።

እቲ ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ ዝትግበር ምስቶም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምስ ዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር (ሓዋርያዊ ልኡኻን) ኣምባሳደራት ብምትሕብባር እዩ፡ እቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መጻኢ ኣምባሳደራት ንኽዀኑ ዝሕነጹ ሓዋርያዊ ልኡካን ንምዃን ዘብቅዕ ካብ ዝቐርብ መደብ ሕንጸት እቲ ንሓደ ዓመት ኣብ ተልእዀ ወንጌል ንኸገልግሉ ዝብል ውሳኔ ከም ሓደ ክፍሊ መደብ ሕንጸት ዘጠቓልል ከምዝኸውንን፡ እዚ ኣብ መጻኢ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ንምዃን ዝሕነጽ ካህን ንዝነብሮ ኣገልግሎት ዘሀብትም ከምዝኸውንን፡ ኣብታ ንኣስፍሆተ ወንጌል ካብ ገዛእ ርእሳ ወጺኣ ናብ እትብል ቤተ ክርስቲያን ባዕላ ቤተ ክርስቲያን ብትህበካ ዝተፈላለየ ሓላፍነት ኣቢላ ኣብቲ ናታ ተልእዀ ተሳትፈካ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ማሪኖ፥ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ስብከተ ወንጌል እትበርኽ ቤተ ክርስቲያን
18 February 2020, 16:46