ድለ

ሱታፌ ራዲዮ ቫቲካንን ናይ ቫቲካን ናይ ፊልም ማእከልን ኣብ ዓውደ ጉባኤ ስነ ታሪኽ ሱታፌ ራዲዮ ቫቲካንን ናይ ቫቲካን ናይ ፊልም ማእከልን ኣብ ዓውደ ጉባኤ ስነ ታሪኽ 

ሱታፌ ራዲዮ ቫቲካንን ናይ ቫቲካን ናይ ፊልም ማእከልን ኣብ ዓውደ ጉባኤ ስነ ታሪኽ

ካቶሊካውያንን መራኸቢ ብዙሓንን ሕብረተሰብ ድሕረ ውግእ ዓለምን ታሪኽ ራዲዮ ቫቲካንን ናይ ቫቲካን ናይ ፊልም ማእክልን ናይ ቤተ ክርስቲያንን ታሪኽን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መዝገበ ሃይማኖት ትምህርተ ክርስቶስ ድህረ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካቶሊካውያን  ናይ ስነ ታሪኽ ሊቃውንቲ ማሕበር ካብ ዕለት 3 ጥሪ ክሳብ ዕለት 6 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዝጠለቦ ቀዳማይ ምዕራፍ ኣብ ኒው ዮርክ ካልኣይ ምዕራፍ ኣብ ቺካጐ ኣብ ዝካየድ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮን ናይ ፊልም ማእከልን ታሪኽን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መዝገበ ሃይማኖት ትምህርተ ክርስቶስ ድህረ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ ክቐርብ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ዓወደ መጽናዕቲ ካብ መንበረ ጥበብ ኮሎምቢያን ሃርዋርድን የልን ዝተዋጽኡ ናይ ስነ ታሪኽ ሊቃወንቲ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፋቶም ከምዘቕርቡን ተተሓሒዙ እውን ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ቅዋሜ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካቶሊካውያን ናይ ስነ ታሪኽ ሊቃውንቲ ማሕብር ክበዓል ከምዝዀነ ክሕበር እንከሎ፡ ካቶሊካውያንን መራኸቢ ብዙሓንን ሕብረተሰብ ድሕረ ውግእ ዓለምን ታሪኽ ራዲዮ ቫቲካንን ናይ ቫቲካን ናይ ፊልም ማእክልን ናይ ቤተ ክርስቲያንን ታሪኽን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መዝገበ ሃይማኖት ትምህርተ ክርስቶስ ድህረ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ካብ ኢጣሊያ ዝተዋጽኡ ናይ ስነ ታሪኽ ሊቃውቲት ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ፖለቲካን ባህል ግደ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብ ዝመክር ምዕራፍ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ ከቕርቡ ከምዝዀኑ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢጣሊያ ሞደና ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ መምህር ፈደሪኮ ሩዎዚ ምእታው ኣብ ኢጣሊያ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተለቪዥን ታሪኽ ብዝብል ኣርእስትን፡ ኣብ ካቶሊክ መንበረ ጥበብ መምህር ራፋኤላ ፐሪን ታሪኽ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይን ናይ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ምርምር ተቕዋም ምኽትል ዋና ሓላፊ የኔታ ኣባ ዳሪዮ ኤድዋርዶ ቪጋኖ ካብ ፒዮስ መበል 12 ክሳብ ዮሓንስ መበል 23 ናይ ቫቲካን ናይ ፊልም ማእከል ታሪኽ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዘማእከለ ጽሑፋት ከቕርቡ ምዃኖም ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ሱታፌ ራዲዮ ቫቲካንን ናይ ቫቲካን ናይ ፊልም ማእከልን ኣብ ዓውደ ጉባኤ ስነ ታሪኽ
03 January 2020, 17:00