ድለ

Gerusalemmeማእከላይ ምብራቕ፡ ቅድስቲ መንበር ነገባብ መፍትሒ ካብ ዘተ ምሉእ ድጋፋ ትገልጽ Gerusalemmeማእከላይ ምብራቕ፡ ቅድስቲ መንበር ነገባብ መፍትሒ ካብ ዘተ ምሉእ ድጋፋ ትገልጽ 

ማእከላይ ምብራቕ፡ ቅድስቲ መንበር ነገባብ መፍትሒ ካብ ዘተ ምሉእ ድጋፋ ትገልጽ

ቅድስቲ መንበር፡ ኢየሩሳሌም ቅድስቲ ከተማ ንዅለን ሃይማኖታት ክፍትቲ ዝዀነትን እዚ ከኣ ናይታ ከተማ ጸዋዕታ ምዃኑ ኣሚና፡ ንኣይሁድን ክርስቲያንን ሃይማኖት ምስልምናን ክቡር ዝዀነ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ቅዱሳት ስፍራታት ውሳኔ ህልዊ ዅኔታ ውሑስ ክኸውን ትላበውን

ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ቀዳማይ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ፍረደሪክ ሃንሰን ኣብቲ ክሳብ ዕለት 22 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ኣብ ኒው ዮርክ ኣብቲ ናይቲ ውድብ ዋና ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ጸጥታን ደሕንነትን ሕቡራት መንግስታት ዓለም ቤት ምኽሪ ናይ ፍልስጥኤም ጉዳይ ዘጠቓለለ ብሓፈሻኡ ዛዕባ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝምልከት ዝክረ ነገር ኣብ ዘካየዶ ዓውደ ኣኼባ ተሳቲፎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ናይ ዘተ ብርሃን ህያው ኰይኑ ክዕቀብ ተላብዮም፡ ቅድስቲ መንበር መፍትሒ ካብ ዘተ ንዝብል ኣሰራርሓ ምሉእ ድጋፋ ትገልጽ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ኣቡነ ሃንሰን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 9 ጥሪ 2020 ዓ.ም.  ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመት ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ቁሩብ መዓልታት ድሕሪ በዓለ ኣስተርእዮ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ሃገራትት ልኡካነ መንግታት ተቐቢሎም ናይ ርሑስ ሓድሽ ዓመት ሰናይ ምንዮት መልእኽቲ ንምልውዋጥ ኣብ ቅድስቲ መንበር ብዝጸንሔ ባህሊ መሰረት፡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ዘስምዕዎ መደረ፡ ቅድስቲ መንበር ብዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ተገዳስነት ዝፍጸሙ መፍትሒ ካብ ዘተ ዝብል ተበግሶታን ምዕባሌታቱን ምእንቲ ውሕስነት ሰላም ዘካይዶ ጻዕርታቱን ኵሉ ምሉእ ድጋፍ ተቕርብ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ዶኒኒ ኣስዒበን፡ ኣብ መንጐ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኢራንን ዝተረአይ ዘይምርድዳእ ንህልው ኵነታት ዒራቕን ሊባኖስን ብጠቕላላ ንማእከላይ ምብራቕ ዓቢይ ስግኣት እዩ፡ ዝብለዎ ሓሳብ ኣቃሊሖም ምእንቲ’ዚ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ነቲ ቅድሚ 75 ዓመት ኣብ ዘቖሞ መሰረታዊ ሕግታት ዝጸንዔ ሓናጽን ክፉትን ዘተ ክተባብዕ ሓደራ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ቅድስቲ መንበር፡ ኢየሩሳሌም ቅድስቲ ከተማ ንዅለን ሃይማኖታት ክፍትቲ ዝዀነትን እዚ ከኣ ናይታ ከተማ ጸዋዕታ ምዃኑ ኣሚና፡ ንኣይሁድን ክርስቲያንን ሃይማኖት ምስልምናን ክቡር ዝዀነ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ቅዱሳት ስፍራታት ውሳኔ ህልዊ ዅኔታ ውሑስ ክኸውን ትላበውን፡ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጥኤም ናይ ሰላም ዘተ ትድግፍን እዚ እውን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 9 ጥሪ 2020 ዓ.ም.  ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ሃገራትት ልኡካነ መንግታት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘስመሩሉ ሓሳብ  ምንባሩ ኣዘኻኺሮም፡ ብናይ 1967 ዓ.ም. መስርዕ መሰረት ክልተ ጐረባብቲ ሃገራት ዝብል መፍትሒ ትግብሩ ንምግባር ዝግበር ጻዕርታ ኣብቲ ከባቢ እናተመላለሰ ዝኽሰቱ ጉዳያት ምኽንያት ኣዚዩ እናረሓቐን ይሰናኸልን ምህላዉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ብዛዕባ ሕልዉ ኩነታት ማእከላይ ምብራቕ ዝቐረበ ናይ ገምጋም ሰነድ መሰረት ገይሮም፡ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ ከምዝበሉ ዶኒኒ ገሊጸን።

ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዝበልዎን ዝገለጽዎን ሓሳብ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ምትግባሩ ዝከኣል እዩ፡ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም መበል 75 ዓመት ቅዋሜኡ ንምብዓል ኣብ ዝቐራረበሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ጸገም ዝርከቡ ሕዝብታት ሰላምን ጸጥታት ምዕባለን ይሓትቱ ቢሎም፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግታት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ህልው ኩነታት ሶሪያን ሎሚ ዳርጋ ብዙሕ ዘይንገር ከይኑ ከምዘሎን ስለዚህ ኣብ ልዕሊ ሶሪያ ዘዘንብይ ዘሎ ጉልባብ ሱቕታ ዓለም ክእለይ ዘቅረብዎ ጻውዒትን፡ ሰላምን ዳግማይ ሕንጸት ንሶሪያ ተማሕጾኖምን ከምኡ እውን ብዛዕባ የመንን ብስእነት ሰላም ዝሰፍሕ ዘሎ ጽንኵር ሰብኣዊ ጸገም መፍትሒ ክርከቦ ዘቕረብዎ ጻውዒት ብፁዕ ኣቡነ ሃንሰን ጠቒሶም ዘስምዕዎ መደረ ከምዘጠቓለሉ ዶኒኒ ኣፍሊጠን።

ማእከላይ ምብራቕ፡ ቅድስቲ መንበር ነገባብ መፍትሒ ካብ ዘተ ምሉእ ድጋፋ ትገልጽ
24 January 2020, 17:28