ድለ

2020.01.02 ሥርዓት ቀብሪ ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ፕሮስፐር እሽታንሊ ግረች 2020.01.02 ሥርዓት ቀብሪ ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ፕሮስፐር እሽታንሊ ግረች  

ነፍሰኄር ብፁዕ ካርድናል ግረች ዓሚቚ ኣፍልጦ ሠረተ-እምነትን መንፈሳውነትን ዝነበሮም እዮም! ር.ሊ.ጳ

ናይቶም ዝሓለፈ 30 ታሕሳስ 2019 ዓምፈ ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ፕሮስፐር እሽታንሊ ግረች ሥርዓተ ቀብሪ ኣብ ባዚሊካ ቅ.ጴጥሮስ ምኽትል ኣቦመንበር ጉባኤ ካርዲናላት ብፁዕ ካርዲናል ባቲስታ ረ ብዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ እንክፍጸም ፕረሲደንት ሃገረ ማልታ ጆርጅ በል እውን ከምዝተሳተፉ እንክምልከት ኣብ ጸሎተ ግብኣተ መሬት ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እውን ከምዝተሳተፉ ተገሊጹ።

አባ መኰንን ኣማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብቲ ስለ ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ፕሮስፐር እሽታንሊ ግረች ዝቀረበ ናይ ሓመድ ድበ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝተነበ ወንጌል ካብ ሉቃስ 12.35 ኰይኑ ‘ሓቛቝኹም ዕጡቕ፡ መባርህትኹም ብሩህ ይኹን። ንስኻትኩም፡ ጐይታኦም ካብ መርዓ ኽሳዕ ዚምለስ ዚጽበዩ እሞ፡ መጺኡ ዃሕኳሕ ምስ ኣበለ፡ ብኡብኡ ዚኸፍቱሉ ሰባት ምሰሉ። እቶም፡ ጐይታኦም ኪመጽእ ከሎ፡ ነቒሖም ዚረኽቦም ባሮት እቲኦም ብጹኣን እዮም። ተዐጢቑ ኣብ መኣዲ ኸም ዜቐምጦም፡ ቀሪቡውን ከም ዜገልግሎም፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ’ ዝብል ይርከቦ።

ነቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝሠርዑ ምኽትል ኣቦመንበር ጉባኤ ካርዲናላት ብፁዕ ካርዲናል ባቲስታ ረ ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ‘እዞም ዕለት 30 ታሕሳስ ካባና ብሞት ዝተፈልዩ ብፁዕ ካርዲናል ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልቲ ኣብ በዓለ ልደት ምስ ቅዱስነቶም ብኁባሬ ኣብዚ ባዚሊካ እዚ ኣብ ናይ ለይቲ ቅዳሴ ተሳቲፎም ነበሩ። ሰኑይ ዕለት 29 ታሕሳስ ከኣ ከም ልማድ መንኰሳት ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ኣብ ምሳሕ ምስ ኣሕዋቶም በቲ ልሙድ ፍሽኽታ ዘይፍለዮ ዕላሎም ምስ ኣሕዋቶም የዕልሉ ነሮም። ኰይኑ ግን ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ብሃንደበት ጐይታ ናብኡ ጸዊዕዎም። ሃንደበታዊ ሞት ንብሎ ብቋንቋና። ኰይኑ ግን ነዚ ሓው እዚ ሓውትና ሞት ተሰናድዩ እያ ረኺባቶ ከመይ ናይ 94 ዓመት ጉዕዞ ሕይወቱን ነዊሕ ዓመታት ወፈያ ሕይወቱን ነታ ናይ መወዳእታ ጻውዒት ክሰናዶ ሓግዚዎ’ ኢሎም።

ኣብ ምፍናው ሓደ ዓቢ ሰብ ብዙሓት እዮም ተዘክሮኦም ዘቅርቡ እሞ ሓላፊ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ሶዳኖ እውን ዝኽሮም ንምክፋል ‘ኣብ ጉዕዞ ሕይወት ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ግረች ቀንዲ ጉዳያት መጽናዕትን ምምሃርን’ ከምዝነበረ ገሊጾም።

ኣብ ጉዕዞ ሕይወት ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ግረች ቀንዲ ጉዳያት መጽናዕትን ምምሃርን ነበራ!

ሓላፊ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ሶዳኖ ነዚ ቀንዲ ሥራሕ ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ግረች ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መልእኽቲ ‘ነቲ መጽናዕትን ምምሃርን ንሥልጣናዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ቀጥ ኢሎም ብምኽትታልን ብተኣማንነትን ከምዝገብርዎ ነዚ ከአ ኣብ ዪኒቨርሲታት ሮማን ዓባይ ብሪጣንያን ከምዝገበርዎ ነቲ ዘበርክትዎ ዝነበሩ መጽናዕትታትን ጽሑፋት ቅዱስ መጽሓፍን ትምህርቲ ኣበውን እውን ከምኡ’ ኢሎም።

ሓጺር ታሪኽ ሕይወት ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ግረች!

ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ግረች ብ1925 ዓም ኣብ ሃገረ ማልታ ተወልዱ ኣብ 18 ዓመት ዕድሚኦም ኣባል ማሕበር ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ኰይኖም ፕሮስፐሮ ዝብል ስም ማሕላ ተቀቢሎም ከኣ ብ1950 ዓም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራነንሰ መዓርገ ክህነት ተቀቡሉ። ብ1960 ዓም ናይ ር.ሊ.ጳ ህየንተ ዝነበሩን ናይ ቤተ ር.ሊ.ጳ ቤተልሔም ሓላፊ ዝነበሩን ብፁዕ ኣቡነ ፕየትሮ ካኒስዮ ቫን ልየርድ ጸሓፊኦም ክኾኑ ይመዝዎም። ብኡ ንብኡ ድማ ብልሖምን እምነቶምን ዝተዓዘቡ ናይ ሽዑ ካርዲናል ራዚንገር ናይ ሎሚ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ናይታ ንጉዳይ እምነት እትከታተል ማሕበር ኣማኻሪ ይመርጽዎም።

ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም!

ምስዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ሓልፍነታት ነፍሰኄር ብፅዕ ካርዲናል ግረች ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ሞኒካ ኣብ ምሥጢረ ንስሓን ካልእ ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ብዓቢ ንጥፈት ይሳተፉ ነበሩ።  ኣብቲ ብ2012 ዝነበረ ብኮንቺስተሮ ዝፍለጥ ዕፁው ጉባኤ ካርዲናላትን ር.ሊ.ጳጳሳትን ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ካርዲናል ሾምዎም። ማንም ካህን ስለዝነበሩ ከኣ ሲመተ ጵጵስና እውን ሃብዎም።

ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ግረች ኣብ ዘመነ መጽናዕቶምን ትምህርቶምን ናይቲ ናይ ማሕበሩ ኣባል ዝኾኑ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ትምህርትን ኣብነትን ናብ ኩሉ ንክባጻሕ ዝገበርዎ ጻዕሪ ብዙሕ ከምዝነበረ ዝገለጹ ብፁዕ ካርዲናል ረ ‘ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ምናዳ ኣብቲ ኑዛዜ ዝብል ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ብዙሕ ዝገልጸሉ መጽሓፍ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ንዝነብር ዘመደ ኣዳም ዝትንክፍ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ካብቲ ሎሚ ንቤተክርስትያን ንማሕበረሰብን ኣዕለቅሊቁ ካብ ዘሎ ጸገማት ብዙሕ መፍትሒ ኣብኡ ስለዝርከብ ክሳብ ኣብ መንጎ ቤተክርስትያንን መንግሥትን ዘሎ ጸገማት ፍታሕ ክረኽበሉ ከምዝኽእል ይገልጹ። እዚ ዝኾነሉ ከኣ ኩሉ ጽሑፋት ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ብቀጥታ ንልቢ ስለዝዛረብ እዩ ይብሉ ነሮም’ እንክብሉ ገሊጾም።

ጉባኤ ካርዲናላት ሎሚ!

ብሞት ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ግረች ቊጽሪ ብፁዓን ካርዲናላት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ናብ 223 ይወርድ። ካብዚኦም 124 ር.ሊ.ጳ ክመርጹን ክምረጹን ዝኽእሉ ኰይኖም እቶም ዝተረፉ 99 ግን ብምኽንያት ገደብ ዕደም ክመርጹን ክምረጹን ኣይክእሉን። ብዙሕ ግዜ ገዳማውያን ካርዲናላት ክትረክብ ኣጸጋሚ እኳ እንተኾነ ካብ ዝተፈላለዩ ገዳማት ዝተሾሙ 24 ካርዲናላት ኣለው ኣጋጣሚ ኰይኑ እንኮ ኣባል ማሕበር ቅዱስ ኣጎስጢኖስ እዞም ሎሚ ዘሰናበትዎም ብምዃኖም ወላ ሓደ ኣባል ቅዱስ ኣጎስጢስኖስ የሎን። ብሃገራት እንክንምልከቶ 90 ሃገራት ካብ መላእ ዓለም ካርዲናላት እንክህልውወን ሃገራት ኤውሮጳ 25 ጥራይ ምዃነን እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ብድምጺ ንምክትታል!
03 January 2020, 18:44