ድለ

ኣብ ናይ ዓለም ሓቆፍ ውድባት ምሕደራ ግብረ ገባውነት ክህሉ ኣብ ናይ ዓለም ሓቆፍ ውድባት ምሕደራ ግብረ ገባውነት ክህሉ 

ኣብ ናይ ዓለም ሓቆፍ ውድባት ምሕደራ ግብረ ገባውነት ክህሉ

እተን ዓለም ሓቆፍ ውድባት ኣብ ዓለም ሓቆፍ መድረኻት ዘለወን መርሕነት ንክሕደስ ኣብ ውሽጠን ዘሎ ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ክዋግኣን ብፍላይ ካብቲ ንምቛም መሰረት ዝዀነን ቀንደይና ዕላማኤን ካብ ዘርሕቐን ከምቲ ዝጥለብኦ ከይነን ካብ ዘይምርኻብ ዘመምታ ክላቐቓ ይግባእ

መርሕነትን ስነ ምግባርን ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባርን፡ ብዝብል መርሕ ቃል፡ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር መርሓ ግብሪ መግብን ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕርሻ ልምዓት መዋልን ናይ መግብን ሕርሻን ማሕበርን ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ሓዋርያዊ ተዓዛብን ቫቲካናዊ ማሕበር ጆሰፍ ራትዚንገር-በነዲክቶስ መበል 16ን ብሓባር ዘሰናደውዎ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕርሻ ልምዓት መዋሊ ማሕበር ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ናይተን ሰለስተ ዓለም ሓቆፍ ውድባት ልኡካን ብዙሓት ናይ ስነ ምግባርን ግብረ ገብን ሊቃውንቲ ኣሳቲፉን ብናይ ጆሰፍ ራትዚንገር ማሕበር ኣቦ መንበር ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ኣላዛብነት ተሰንዩ ከምእተኻየደ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ሮብርታ ጂሶቲ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ ውድባት ምሕደራን ኪደት ምሕደራን ዘለዎ ሓላፍነት ዕብየቱ ዘተሓሳስብን እዚ ሓላፍነት’ዚ ግብረ ገባውን ስነ ምግባራውን ዝተክህኖ ዘለዎ ክኸውን ከምዝግባእ፡ እዚ ብራኸ ግብረ ገብን ስነ ምግባርን ነተን ውድባት ተኣማንነት ዘዕትር ከምዝዀነ እቲ ዓውደ ጉባኤ ከምዘመላኸተ ዝሓበራ ጂሶቲ ኣስዒበን፡

ጽምኣት ጽፈትን ፍትሕን

ናይ ነፍሲ ወከፍ ጽሕፍቶ ምስ ናይ ካልእ ጽሕፍቶ ውስጠ - ተራኻቢ እዩ ካብ ዝብል ምስትውዓል ዝነቅል ጭቡጥ ተግባር ጥራሕ እዩ ንዓበይቲ ዓለም ሓቆፍ ጸገማት መፍትሒ ከርክቦ ዝገብር፡ ስለዚህ ናይ ጽፈትን ፍትሕን ጽምኣት ኣብ ናይ ውልቅን ኣብ ናይ መንግስትን ውስጠ መንግስታውን ማዕዶታት ዝቃላሕ ብምዃኑ ዓለም ሓቆፍ ውድባት ንውሕስነት ሰብኣውነት ሓልዮ ካብ ኣናስሩ ግብረ ገባውነት ዘለዎ ክኸውን ዝተጸውዓ እያተን፡ ናይዚ ተቓራኒ እቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ ስርዓተ ሕጊ ዝጠልቦ ምርግጋእ ንሓደጋ ዘቃልዕ ዝርአይ ዘሎ ምስፋሕ ሕዝብነትን ብሔርተይናነትን ተነጽሎነትን እዩ ዘስዕብ፡ ስለዚህ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ነዚ ፖለቲካዊ ስግኣት ንኽብድህ ብቕዓት ዘለዎ ክኸውን ይግባእ እንክብሉ ኣብተን ሰለስተ ዓለም ሓቆፍ ውድባት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ሓዋርያዊ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኪካ ኣረላኖ፡ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከምምዝገለጹ ኣመላኺተን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ድህረ ፖለቲካውያን ህልዮን ምንቅስቓስ ሰብኣዊ ፍጥረትን ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ምስፋሕ ድኽነትን ኢማዕርነትን ዝብሉ ሕብረተሰብ ዝሃስዩ ምርጫታት ዘህልዉ ሓደስቲ ህልዮታት ይራብሑ ከምዘለዉ እውን ገሊጾም፡ ናይዚ ዅሉ መፍትሒ ግብረ ገብን ስነ ምግባር ተክለ ሰብነት ዓለም ሓቆፍ ውድባት እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ከምቲ እትጥለቦ ኰይንካ ዘይምርኻብን ምውጋእ

እተን ዓለም ሓቆፍ ውድባት ኣብ ዓለም ሓቆፍ መድረኻት ዘለወን መርሕነት ንክሕደስ ኣብ ውሽጠን ዘሎ ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ክዋግኣን ብፍላይ ካብቲ ንምቛም መሰረት ዝዀነን ቀንደይና ዕላማኤን ካብ ዘርሕቐን ከምቲ ዝጥለብኦ ከይነን ካብ ዘይምርኻብ ዘመምታ ክላቐቓ ይግባእ ዝበሉ ብፁዕ ኣረላኖ፡ ዓለም ሓቆፍ ውስጠ መንግስታውያን ማሕበረሰብ፡ ነቶም ሕብረሰብ ዓለም ዝጐድኡ ዓበይቲ ብድሆታት ንምግጣምን ንምፍታሕን ብዝብል ዕላማ ዝተመስረታ ክምዝዀና ኣዘኻኺሮም፡ ይኹን ደኣ እምበር ብዙሕ ግዜ ነቲ ዝቖማሉ ክብሪ ዘይበረኻ ኰይነን ይርከባ ከምዝበሉ ጂሶቲ ኣፍሊጠን።

ናይ ዕሴት ባህሊ ምንቕቓሕ

ሕጋዊ ቅዋሜን መምርሕን ናይ ውስጠ ምግባር ምምርሒ ስርዓተ ሕጊ ምሕዳስ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ክንየው ምንቅቓሕ ናይ ዕሴት ባህልን ስነ ምግባራውን ግብረ ገባውን መርሕነት ምንቕቓሕን ምስፋሕ የድሊ ዝበሉ ብፁዕ ኣቡነ ኣረላኖ፡ መርሕነት ኣካል ኣብ ስነ ምግባር ኣስተንፍሶ ዘለዎምን ናይ መላእ ሕዝቢ ዓለም ዕድላት በቲ ናታቶም ውሳኔ ዝጽለው ምዃኑ ብሩኽ ምስትውዓል ዘለዎም ክዀኑ ይግባእ ከምዝበሉ ዝሓበራ ጂሶቲ ኣስዒበን፡

ኣብ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝጸንዔ ስነ ምግባር 

ኣብ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝጸንዔ ስነ ምግባር ኣብ መንጐ ብዝሓ መንነትን ማለት ኣብ መንጐ ዝተፈላለየ ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ባህላውን ብዝሓ ሃይማኖታዊ ርእየታት ምርኻብን ዘተን ክህሉ ጭቡጥ ኩነት ዝፈጥር ንናይ ሕዝብታት ምዕባለ ዝኣመተ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ናይ ድጋፍን ምትሕብባርን ተበገሶ መሰረት እዩ።

እቲ ሓደ ንኻልእ ካብ ዝብል ልቢ ምብጋስ

ብፁዕነቶም ዘስምዕዎ መደረ፥ እቶም ኣብዚ ዝተረኸብና ተጋባእያን፡ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገጸ ሓሳብ ብሓቂ ኣብ ልባትና ኣሎ ዶ? ዝብል ሕቶ ቅድሚ 50 ዓመት ኣብ 1960 ዓ.ም. ጳውሎስ ሻድሻይ፡ ኣብ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕርሻን መግብን ውድብ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡

ናይ ደቂ ሰባት ሰናይነት  ኣብ ኣእዳውና እዩ፡ ስለዚህ ነዚ ሰናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ብሓባርን እቲ ሓደ ንኻልእ ካብ ዝብል ልቢ ንድለዮን ንሕነጾን፡ ጠሪሹ እቲ ሓደ ንኻልእ ብዘይተጻብኦነት

እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ተወኪሶም ከምዘጠቓለሉ ጂሶቲ ሓቢረን። 

17 December 2019, 17:49