ድለ

2019.12.20 ብሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣባ ካንታላመሳ ዝቀረበ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ስብከት! 2019.12.20 ብሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣባ ካንታላመሳ ዝቀረበ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ስብከት!  

ንማርያም ክመስል ዝጽዕር ቃል እግዚአብሔር ኣብ ግብሪ የውዕል! ሰባኬ ቤ.ር.ሊ.ጳ

መሰናደዊ ልደት ኣብ ዘመነ ምጽኣት ብሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣባ ካንታላመሳ ዝቀረበ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ስብከት! ኣባ ካንታላመሳ ነቲ ዕምቈት እምነት ማርያም ብምግላጽን ጸሎታ ብምትንታንን ዝጀመርዎ ስብከት ብምቅጻል ሎሚ ኣደ ኣምላኽ ንዝብል ኣርእስቲ ክነስተንትን ይዕድሙ።

እንገብሮ ዘሎና ኣስተንትኖ ብዝተኻእለ መጠን ቃለ ወንጌል ብምስዓብ ንሕይወት እኖና ድንግል ኣብ ታሪኻዊ ባይታ እውን ክረአ ዚከኣል እዩ። ምልእተ እምነት ምዃና ናብ ብሥራት ኣምሪሑ ምልእተ ጸጋ ኰይና መንፈስ ቅዱስ መሊእዋ ከኣ ኣብ ምብጻሕ ቅድስት ኤሳቤጥ ነታ ትንቢታዊት ጸሎት ተዓብዮ ነፍስየ ደሪሳ። ሎሚ ከኣ ኣብ መዓልቲ ልደት መዓልቲ ምውላድ ምስ በጽሐ ማርያም ኣደ ኣምላኽ እመ ኣምላክ ከምዝኾነት ክንምልከት ኢና። ሉቃስ ወንጌላዊ ከምዘዘንትዎ ‘በዅሪ ወዳ ወለደት’ (2.7) እንክብል ማርያም ብሓቂ ኣደን ብምልኣት ከኣ ኣደ እግዚአብሔር ከምዝኾነት ይገልጽ።

ብዛዕባ ማርያም እንከዘንቱ ቅዱስ መጽሓፍ ክልተ ነገራት የመልክት። እዘን ክልተ ነገራት እዚአን መሠረታውያን ኰይነን ንዓና ንደቂሰባት ኲልና እውን ዝትንክፋ እየን። ምጽናስን ምውላድን ከኣ እየን። ድሮ እቲ ብኢሳይያስ ነቢይ (7.14) ድንግል ክትጸንስ እያ ወዲ እውን ክትወልድ ኣማኑኤል ከኣ ኪበሃል እዩ ኣምላኽ ምሳና ቢሉ ዝተነበዮ ሉቃስ (1.31) ከኣ ኣብ ብሥራት ገብርኤል እነሆ ክትጸንሲ ወዲ እውን ክትወልዲ ኢኺ ይብል። ቅዱስ ማቴዎስ (1.20) እውን እቲ ካብኣ ዝተወልደ ብመንፈስ ቅዱስ ተጠኒሱ ዝተወልደ እዩ። በዚ ከኣ ኣብ ልደት ንኢየሱስ ምስ ወለደት ድግንል ማርያም ብሓቀኛን ምልኣት ብዘለዎን መንገዲ ኣደ እግዚአብሔር እመ ኣምላክ ትኸውን።

ካብዘን ክልተ ኣርእስታት እታ ብላቲን ደይ ገኒትሪክስ ብግሪኽ ተዮቶኮስ ማለት ወላዲተ ኣምላክ ኣደ እግዚአብሔር ትብል ትብል ነታ ምውላድ ትብል ሓፍ ተብላ። ከም ሓቁ እንተተመልከትና እውን እንትርፊ ኣብ ጉዳይ ማርያም ኣብ ሕይወት ምጽናስ ንኣቦን ንኣደን እንክምልከት እታ ምውላድ ትብል ግን ናይ ኣደ በይኑ እዩ።

ኣደ ኣምላኽ ዝብል ኣርእስቲኸስ ካብተን ዝለዓላ ብእንግሊዝ ፓራዶክስ ወይ ግርቢጥ ብሰብ ዘይከኣል ብኣምላኽ ግን ዚከኣል ሓደ ካብ ምሥጢራት ይገልጽ። ብዓንቀጸ እምነት ንእኖና ካብ ዝተዋህቡ ኣርእስታት ጥንታውን ቀዳማይን ኰይኑ ኣብ ጉባኤ ኤፌውሶን ብ431 ኩሎም ክርስትያን ኪኣምንዎ ዘለዎ ናይ እምነት ዓንቀጽ ወይ ሓቂ እያ። መሠረት ዕቤት ማርያምከስ እዚ እዩ። ነገረ ማርያም ኢልና እንቀርቦ ትምህርቲ እውን መሠረቱ እዚ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ እኖና ድንግል ማርያም ናይ ኣኽብሮ ጉዳይ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ትምህርተ መለኮት መጽናዕቲ ጉዳይ እውን እያ። በዚ ከኣ ኣብ ጉዳይ መጽናዕቲ ትምህርቲ ተሎግያ ትምህርተ እርግዚአብሔር ማለት ትምህርቲ ንባበ መለኮት ጉዳይ ትኸውን እዚ ማለት ከኣ ኣደ ኣማላኽ ምዃና ዘመልክት ጉዳይ ንጐይታ ብቀጥታ ስለዝምልከቶ እዩ።

ታሪኻዊ ጠመተ ብዛዕባ’ቲ እመ ኣምላክ ዝብል ዓንቀጸ እምነት!

ኣብ ሓዲስ ኪዳን ማርያም ኣደ ኣምላኽ እያ ትብል ኣይንረክብን።። እንተኾነ ጽቡቅ ኣዎንታዊ መልሲ በታ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ እትጓዓዝ ቤተክርስትያን ሕመረት ናይዚ ሓቂ እዚ ከምዘሎ ንዕዘብ። ኣብ ወንጌላት ማርያም ወዲ እቲ ልዑል ኣምላኽ ቅዱስ ወልደ እግዚአብሔር ከምዝጸነሰትን ከምዝወለደትን የዘንትው (ሉቃ 1.31-35)። በዚ ከምዚኸስ ወንጌል ድንግል ማርያም ኣደ ሓደ ውሉድ ከምዝኾነት እዚ ውሉድ እዚ ከኣ ወልደ እግአብሔር ከምዝኾነ ይገልጹ። ብካልእ ኣዘራርባ ኣብ ወንጌል ኣደ ኢየሱስ ኣደ ጐይታ ዝብል ንረክብ። ከምቲ ዮሓንስ ወንጌላዊ ዝገልጻ ከኣ ኢየሱስ ኣብ ቃና ገሊላ ነበረ ኣዲኡ እውን ኣብኡ ነበረት (ዮሓ 2.1-3)።

ቤተክርስትያንከስ ቅድሚ መን እያ ማርያም ኢየሱስ መን እዩ ንዝብል ክተነጽር ነበራ። ስለዚኸስ ማርያም ኣደ ኣምላኽ ምዃን ኣብ ጉባኤ ኤፈውሶን ብ431 ኣይኮነን ዝጀመረቶ ከምቲ ኢየሱስ ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ ምዃኑ ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ብ325 ዘይጀመሮ ንማለት እዩ። ከመይ መንነቱ ብጥንቲ ጥቅምቲ ከምኡ እዩ ነሩ። ቤተክርስትያን ግን ኣብቲ ግዜ እቲ እያ ክተረጋግጾ ዝኸኣለት ከምኡን እቲ ኣብ ጉባኤ ኤፌውሶን ዝተገልጸ ኣደ ኣምላኽነት። እቲ ሽዑ ዝነበረ ክርክርን ክሕደትን ኩልና እንዝኽሮ እዩ።

ኣብዚ ጉዕዞ እዝን ምእዋጅ ኣደ ኣምላኽነት ድንግል ማርያም ሠልስተ ዓበይቲ ነገራት ይግለጹ። ብቀዳምነት ኣብ ቀዳሞት ዘመናት ክርስትና ዝነበረ ኣምላኽነት ኢየሱስ ዝኽሕዱ መናፍቅነት ግኖቲክን ዶቸስቲክን ንማርያም ኣደ ሰብ እምበር መለኮታዊ ኢየሱስ ክትከውን ኣይትኻልን ዝብል ክሕደት ስለዝነበሮም እዚ ከኣ ኢየሱስ ሰብ ኣይነበረን ባህርየ ትስብእት የብሉን ይብሉ ስለዝነበሩ እንተደኣ ካብ ሰበይቲ ተወሊዱ ሰብ እዩ እንተዘየሎ ኣምላኽነቱ ኣይንቅበለን ይብሉ ስለዝነበሩ እዩ። እንተኾነ ሉቃስ 1.42 ኤየሱስ ፍረ ማሕጸና ከምዝኾነ ብምግላጽ ማርያም ባህርያዊት ኣደ ኢየሱስ ምዃና ይገልስ። እዚ ከኣ ሓቀኛ ሰብኣውነት ኢየሱስ እምበር ካልእ ኣይገልጽን። ኣብዚ ክርክር እዚ እዩ እምበኣር ቤተክርስትያን ነቲ ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት እንደግሞ ብሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ካብ ድንግል ተወልደ ሰብ ኮነ እናበለት ክትእመን ዝጀመረት። ትርጉሙ ከኣ ኢየሱስ ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ እዩ ንማለት ነበረ። ኣምላኽ ብሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ብምውላዱ ሰብ ካብ ድንግል ማርያም ብምውላዱ ንማለት ነበረ።

ኣብዚ ጥንታዊ ክትዕ እዚ ኦሪጀነ ዝበሃል ጸሓፊ ትዮቶኮስ ኣደ ኣምላኽ ዝብል ኣርእስቲ ክወሃባ ተጀሚሩ ነበረ። ኣብዚ ግን ካልእ ጸገም እውን ነበረ። ባህርየ መለኮት ከመይ ኢሉ ምስ ባህርየ ትስብእት ይሕወስ ዝብል ጸገም ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ብርቱዕ ክርክር ኣልዒሉ ነበረ። ድንግል ማርያም ኣደ ሰብሲ ሓራይ ከመይ ኢላ ኣደ መለኮት ትኸውን ዝብል ጸገም ብዙሕ ኣካትዔ። እንተኾነ እታ ነዚ ዓቢ ምሥጢር እዚ ማለት ፍጹም ሰብን ፍጹም ኣምላኽን ዝወለደት ድንግል ማርያም ብምንባራ ኣደ ኣምላኽ ካብ ምባል ሓሊፉ ካልእ ፍታሕ ከምዘየለ ኣበው ተገንዘቡ።

ኣብ መንጎ እኖና ድንግል ማርያምን ክርስቶስን ናይ ስጋ ዝመድና ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኪኖ ስጋዊ ኣደነት ሰጊሩ፡ ብደረጃ መልዕልተ ባህርያዊ ዝምድና ዝስራዕ ምስ ኣቦ’ውን ከይተረፈ ንውልቃ ጥራሕ ዝምልከት ፍሉይ ድንግልናን ርክብን ኣለዋ። እዚ ፍሉይ ርክብ ናይ እኖና ድንግል ማርያም ርክብ ብደረጃ ቤተክርስትያን ኣብ ጉባኤ ኤፈሶን ከምዝተዛረብሉን፡ ብከምዚ ዝስዕብ መጠቓለሊ ሓሳብ ከምዘጽደቝዎን፡ ኣብ ሰነዳት ቤተክርስትያን ተመዝጊቡ ይርከብ። «እቲ ወልደኣብ ወልደማርያም ከምዝኾነ ዘይኣምንን፡   ወልደማርያም’ውን ወልደኣብ ከምዝኾነ ዘይኣምንን ውጉዝ ይኹን» እዚ ማለት ቃለ እግዚኣብሔር ኣብ ከርሲ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሓዲሩ ሓቃዊ ስጋ ብምልባስ ፡ ወዲ እግዚኣብሔር ኣብን ወዲ ማርያምን ከምዝኾነ ዘይኣምን ውጉዝ ይኹን ብምባል፡ ቤተክርስትያን እቲ ዘየማትእ እምነታ ገሊጻ እያ።    

እቲ ንጹር መግለጺ ናይ ቤተክርስትያን፡ ነቶም ኣብ ኣብ ደገ ኮይኖም እናዘመሩ ንውሳነ ናይቶም ተጋባእቲ ኣበው ዝጽበዩ ዝነበሩ፡ መላእ ሕዝቢ ኤፈሶን ምኽንያት ዓቢ ኢዮቤል ከምዝኾኖም ይፍለጥ። እቲ ኣብ’ቲ ጉባኤ ዝተበጽሔ ስምምዕ ብኣዋጅ ንሕዝቢ ድሕሪ ተነጊሩ፡ ካብ’ቲ ግዜ`ቲ ንደሓር ኣብ እኖ ኣምላክ ዝነበሮም ፍሉይ ክብሪ ብቕሉዕን ግልጽን ንምግላጽ፡ ኣብ ምስራቓዊትን ምዕራባዊትን ቤተክርስትያናት ዓቢ ነጥበ መቕይሮ ከምዝተኸስተን ክሳብ ሕጂ ከምዘይነከየን ይፍለጥ። ካብ’ቲ ጊዜ’ቲ ጀሚሩ እምበኣር ብዙሕ ንእኖ ኣምላኽ ዝምልከት ምስልታት፡ መዛሙር፡ ስነጽሑፋት፡ ኣብ ስርዓተ ሊጡርግያ ናይ ዓበይቲ በዓለት ናብ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ክትርጎም ምጅማሩን፡ ብዙሓት ንእኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ወላዲት ኣምላኽ ዝተወፈያ ኣብያተክርስትያን ክውፈያን ክባረኻን ከምዝጅመራ ይፍልጥ። ሓንቲ ካብተን ኣብ’ቲ ጊዜ’ቲ ብስም እኖ ኣምላኽ ዝተሓንጻ ዓበይቲ ኣብያተክርስትያን ኣብ ማእከል ከተማ ሮማ እትርከብ ዓባይ ባዚሊካ ድንግል ማርያም ብባዚሊክ ዲ ሳንታ ማርያ ማጆረ  ዝፍለጥ እዩ።

ኮይኑ ግን እቲ ኣብ ጉባኤ ኤፈሶን ብዛዕባ እኖ ኣምላኽ ዝተበጽሐ መረዳእታ፡ ነቲ ባህርያውን መልዕልተ ባህርያውን መንነታ ሓሊፉ ብልዕል ዝበበል ደረጃ ናይ’ቲ መለኮታዊት እኖ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝድህስስ ዛዕባን ክርክርን’ውን እንደገና ከምዝተላዕለ ይዝከር። ኣብ’ቲ ብዛዕባ ወዲ ኣምላኽ ዝብል ዝነበረ ክርክር፡ሽሕ’ኳ ንማርያም ዘጠቓለለ ኣርእስቲ እንተተዋህቦ፡ እቲ ክውንነት ግን ንእኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ግምት ዘየእተወን፡ ንካልኣይ ኣካል ቅድስቲ ሥላሴ ወይውን ንክርስቶስ ጥራይ ማእከል ዝገበረ መጎተ ከምዝነበረ ይዝከር። ካብ’ቲ ንእኖ ኣምላኽ’ውን ዘጠቓለለ ኣርእስቲ፡ ንመንነት እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝያዳ’ኳ ድኣ ነቲ ንዕኣ ንውልቃ ጥራሕ ዝምልከት ፍሉይ ቅድስና ዘነጽርን ዝገልጽን ምንባሩ ኣብ ግዜኡ ተጎስዩ ከምዝተሓልፈ ይፍለጥ። ቀንዲ ምኽንያት ናይ’ቲ ተጎስዩ ክሕለፍ ዝተደልየሉ እምበኣር፡ እቲ እኖ ኣምላኽ ዝብል መረዳእታ ምስቲ ዝነበረ ናይ ስነ መለኮት ትምህርታት ዝጻረር ብምንባሩ፡ ካብ ጉዳይ እምነትን መንፈሳውነትን ሓሊፉ፡ ኣብ ዘይተደልየ ግጭትን ባእስን ከየምርሕ’ሞ፡ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ከይበዝሕ ብዝብል ፍርሒ ከምዝኾነ ይግለጽ።

ነዚ ትምህርቲ’ዚ ኣብ ምዕማቚን ምዕባይን ዓቢ ተራ ዘበርከቱ ከም ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ዝኣመሰሉ ናይ ምዕራባዊት ቤተክርስትያን ጸሓፍትን ምሁራን ነገረ መለኮትን እዮም። እኖነት ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ ከም ናይ እምነትን መንፈሳውነትን እኖነት ንኽርአ ዝገብርዎ ኣበርክቶ ዓቢ እዩ። ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ስም ማርያም ኣብ እምነት ናይ’ቲ ሕብረተሰብ ኣዝዩ ግኑንን ፍሉጥን ገይርዎ እዩ። ቅዱስ ኣጎስጢኖስ፡ ንእኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣመልኪቱ፡ ነቲ እኖይ መን’ያ ዝብል ቃል ናይ ክርስቶስ ኣልዒሉ፡ ነቲ መንፈሳዊት እኖ ክትስመ ዝገበራን፡ ድሌት ኣምላኽ ንምፍጻም ዘርኣየቶ ምቕሉል ስንድውናን፡ ጥቕልል ብዝበለ ሓሳብ ብኸምዚ ዝስዕብ ይገልጾ፥  “ ድላይ እግዚኣብሔር ኣብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክፍጸም ዝመረጸሉ ምኽንያት፡ እቲ ንደቂ ሰባት ድሕነት ከምጽእ ዘለዎ ካብኣ ክውለድን፡ ንሳ ካብ ኣብ መጀምርያ ብእኡ ማለት ብክርስቶስ ቅድሚ ኣብኣ ምሕዳሩ ዝገልጽ እምነት ስለዝኣመነትም፡ ብእምነት ስለጸነሰትን፡ እወ ብርግጽ ንሳ ድላይ እግዚኣብሔር ኣብኣ ክፍጸም ፍቃደይና ኮይና ስለዝተረኽበትን፡ በዚ ዓቢ ምኽንያት እኖ ክርስቶስ ካብ ምዃን  ሓዋርያ ክትከውን በቒዓ እያ” ይብል።

ስለዚኸስ እቲ ባህርያውን መልዕልተ ባህርያውን እኖነት ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ ክልቲኡ ብሓባር ብወግዒ ኣብ ሓደ መንፈሳዊ እኖነት ወይ እኖነት ናይ እምነት ብምስማር፡ ንእኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ቀዳመይትን ዝዓበይት ቅድስት ውሉድ ኣምላኽ ክትከውን በቒዓ እያ። ንሳ ቀዳመይትን ኣዝያ ምቕልልትን ሓዋርያ ክርስቶስ ትኸውን። ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ሓጥያትን እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ዘሎ ርክብ እንክገልጽ፡ ‘ንፍቅሪ ጐይታ ብዝቀርብ ኣኽብሮት፡ ብዛዕባ ሓጥያት እንክዛረብ ነዚ ነገር እዚ ፈጺሙ ኣይጠቅሶን’፡፡ ንሱ ብዛዕባ ማርያም ከምዚ ይብል፥ ‘ሥጋዊ እኖነት ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክዉንን ሓቅን’ኳ እንተኾነ፡ እዚ ኩውንነት’ዚ ዘይከምናትና፡ ምስ ክርስቶስን ቅድስቲ ስላሴን ፍሉይ ርክብ ኣለዎ። ኩላትና እቶም ዝተረፍና ደቂ ሰባት ምስ እግዚኣብሔር ዘሎና ዝምድና ብሓባራዊ መረዳእታ ከጥመት ዝኽእልን፡ ብመስዋዕቲ ክርስቶስ ዝነጻሕናን ክንከውን እንኮሎና፡ ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኩነት ግን ፍልይ ብዝበለን መወዳድርቲ ዘይብሉን ናይ ውልቃ ፍሉይ ጸጋን ሕርየት ኣምላኽን እዩ እዚ ከኣ በቲ ትሑት እምነታ እዩ። እደና ሔዋን’ውን ብርግጽ እኖ ኩሎም ሕያዋን እንተኾነት፡ ምሉእ እምነት ስለዘይነበራ ካብ ካልኦት ሰባት ዝፈልያ የለን። ክንዲ ብፅዕት ትኸውን ከኣ ናይ ውድቀት ምኽንያት ኰይና።

መጸውዒ ሓድነት ክርስትያን “እኖ ኣምላኽ”

እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ካብ ኩሉ ፍጥረት ፍልይት ምዃና ንምግላጽ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦ ንክርስቶስ ከምዚ በሎ “ንስኻ ወደይ ኢኻ፡ ኣነ ንዓኻ ወለድኩኻ!” (መዝ 2,7፡ ዕብ 1,5) ቅዱስ እግናጽዮስ ዘኣንጾክያ ንመንነት ክርስቶስ ኣመልኪቱ፡ ብቕልል ዝበለ መንገዲ “ክርስቶስ ካብ እግዚኣብሔርን ካብ ማርያምን እዩ” ብምባል ከም ነፍስ ወከፍና ንሕና ካብ እገለን እገለን ተወሊድና እንብሎ ጌሩ ይገልጾ። ዳንተ ኣሊገሪ’ውን እንተኾነ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ክገልጻ እንከሎ ‘ማርያም ድንግልን እኖን እያ’ ንሳ ‘እኖን ውልድትን’ውን እያ” ብምባል ‘ድንግል እኖ!፡ ጓል ወዳ!’ ምዃና ብግልጺ ይነግር።

እቲ ‘እኖ ኣምላኽ’ ዝብል ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝተዋህበ መጽውዒ ንዕቤትን መንነትን ማርያም ብዘየማትእ ዝገልጽ እኹል መረዳእታ እዩ፡ ኮይኑ ግን ብዙሓት ካቶሊካውያን’ውን ከይተረፈ፡ ንዚ ኩነት’ዚ ካብ ገባሪኡ ብምፍላይ ንበይኑ ብምውሳድ፡ ብዝተጋነነ መልክዑ ንእኖና ማርያም ዘይናታ ክህቡዋ ዝርኣዩ ውሑዳት ኣይኮኑን። ኩሉ ፍሉይነትን ጸጋን ናይ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ካብ’ቲ ሃንዳሲኡን ሰራሒኡን ዝኾነ እግዚኣብሔር ፈሊኻ ክርአ ኣይግባእን። ብዝተፈላለየ ቋንቋ ዝተጻሕፈ ይጸሓፍ፡ ዝተባህለ ይበሃል፡ ካብ’ቲ ብእግዚኣብሔር ንእኖና ቅድስቲ ማርያም ዝተባህላን ዝተዋህባን ዕቤትን ክብርን ዝዓቢን ዝበልጽን ክንገረላን ክወሃባን ኣይክእልን።

ሎሚ እቲ ‘እኖ ኣምላኽ’ ዝብል መጸውዒ፡ መሰረት መራኸቢ ናይ ኩሎም ክርስትያን ብምዃን፡ ካብኡ ብምብጋስ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ነፍስወከፍ ናይ ኣብያተ ክርስትያን እምነታት ባይታ ክህልዋ ምግባር እዩ። እዚ ‘እኖ ኣምላኽ’ ዝብል መጽውዒ እቲ እንኮን ንውልቁ ናይ ሓድነት ክርስትያን መጸውዒ ብምዃኑ፡ ብጉባኤ ዝጸደቐን መሰልን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብኩለን ኣብያተ ክርስትያን ዓቢ ተፈላጥነት ዘለዎ’ውን ስለዝኾነ እዩ። ማርቲን ሉተር ብዛዕባኣ ከምዚ ክብል ጽሒፉ ‘እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ቤተክርስትያን፡ ካብ መጀምርያ ነቒሓ ዝተጓዕዘት እኖ ኣምላኽ እያ፡ ጉባኤ ኤፈሶን ብዛዕባ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘምጽኦ ሓድሽ ትምህርቲ ኣይነበረን፡ እንታይ ድኣ፡ ነቲ ድሮ ብዛዕብኣ ኣብ ወንጌልን ቅዱሳት መጻሕፍትን ኣብ (ሉቃ 1,32: ገላ 4,4) ቅ.ድ.ማርያም ብሓቂ እኖ ኣምላኽ ከምዝኾነት ዝገልጽዎ ሓቅታትን እዩ፡ ብጽኑዕ ዘስፈሮም’ ይብል። ካልእ ዝዊንግሉስ ዝበሃል ከንሻ ‘ብምሳለይ ማርያም ብልክዕ እያ ወላዲተ ኣምላኽ ተባሂላ’ ይብል። ኣብ ካልእ ጽሑፉ ከኣ ‘ማርያም መለኮታዊት ኣደ ኣምላኽ ገና ኣቀዲማ በቲ እምነታ ዝተሓርየት` ይብላ። ካልቪን ዝበሃል ካልእ ሰዓቢዖም እውን ‘ቅዱስ መጽሓፍ እቲ ካብ ድንግል ማርያም ክውለድ ዝነበሮ ወልደ እግዚአብሔር ከዝብሃል (ሉቃ 1.32) ኢሉ ብግልጺ ስለዝዛረብ ድንግል ማርያም ኣደ ጐይታና እያ’ ይብል።

እመ ኣምላክ ኣደ ኣምላኽከስ ደጋጊምካ እትምለሶ መጸውዒ ኰይኑ ካብቲ ቊጽርን ስፍርን ዘይብሉ ንድንግል ማርያም ዝወሃብ ኣስማትን ቅጽላትን ፍልይ ዝበለ እዩ። ነዚ መጸውዒ እዚ ኩለን ኣብያተ ክርስትያን ብቊምነገር ተቀቢለን ዋጋ እንተዝህባኦ ክንዮ ማንም ዓንቀጸ እምነት ኣብ መንጎአንን ማርያምን ዲቅ ዝበለ ሓድነት ተፈጢሩ እዚ ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስትያት ዘሎ ፍልልይ ምተወገደ በዚ ከኣ ናይ ሓድነት መጋበሪ ኰይኑ በቲ ዘለዋ ናይ ኣደነት ጸጋ ‘ፋሕፋሕ ኢሎም ንዘለው ደቂ እግዚአብሔር ሓደ ንምግባር’ (ዮሓ 11.52) ይሕግዝ።

 አደ ክርስቶስ! ንእመ ኣምላክ ምምሳል! 

ኣብዚ ዘመነ ልደት እንክገብሮ ዘሎና ኣስተንትኖ ንኩሉ ስጉምታት እኖና ድንግል ማርያም እንክነስተንትን ኣብ ጉዕዞ ዕለታዊ ሕይወትና ንኣኣ ንምምሳል እዩ። ኰይኑ ከመይ ገርና ኢና ንኣደ ኣምላኽ እንመስላ! ድንግል ማርያም ኣምሳል ቤተክርስትያንዶ ክትከውን ትኽእል! ክሳብ ኣበይከ! ንዝብል ሕቶ ክንምልስ ክንፍትን።

እዚ ምምሳል እዚ ዚከኣል ጥራይ ዘይኮነ ልዕሊ እውን ክኽይድ ከምዝከኣል ከም በዓል ኦሪጀነ ቅዱስ ኣጎስጢኖስን ቅዱስ በርናርዶስን ብዘይካ እዚ ንማርያም ምምሳል ዝብል ኣምር ከምቲ መድሃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተልሔም ካብኣ ዝተወልደ ኣብ ነፍሰይ ብእምነት እንተዘይተወሊዱ ኩሉ ከንቱ እዩ ክሳብ ምባል ዝበጽሑ ኣለው። 

እንተኾነ ኣብዚ ክንዝክሮ ዘሎና ጉዳይ ኣደነት እኖና ድንግል ማርያም ክልተ ደረጃ ኣለዎ። እቲ ሓደ ክውንነታዊ ዝጭበጥ ዝረኤ እንክኸውን እቲ ካልኣይ ደረጃ ከኣ መንፈሳዊ እዩ። እኖና ድንግል ማርያም ኣብ ማሕጸና ብዝጭበጥ መንገዲ ስለዝጸነሰቶ ጥራይ ኣይኮነን ኣደ ኣምላኽ ኰይና ቅድሚ ዝኣገረ ብእምነት ኣብ ልባ እያ ጸኒሳቶ። ስለዚ ንሕና በዚ መንፈሳዊ መንገዲ ንእኖና ድንግል ማርያም ክንመስል ንኽእል። እዚ ከኣ ብእምነት እዩ። ስለዝኾነ ከኣ እዩ ኢየሱስ ኣደኻን ኣሕዋትካን ይደልዩኻ ኣለው ምስ በልዎ መን እያ ኣደይ እንመነመንከ እዮም ኣሕዋተይ ኢሉ ይሓትት እሞ ‘ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እቶም ቃል እግዚኣአብሔር ዝሰምዑን ኣብ ግብሪ ዘውዕልዎን እዮም (ሉቃ 8.21 ማር 3.31 ማቴ 12.49) ይብል።

ኣብ ባህሊ ቤተክርስትያን እዘን ክልተ ደረጃታት እዚ ነንሕድሕደን ብዝማላኣሉ መንገዲ ይግለጻ። ብሓደ ወገን እዚ ኣደነት እዚ ንቤተክርስትያን ብምልኣት እንክምልከት `ኩለንትናዊ ምሥጢረ ድሕነት’ ተባሂላ ቤተክርስትያን ብዓንዲ ርእሳ ከም ሻምነይቲ ምሥጢር እንክትርኤ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣካል ወይ ነፍሲ ንቃል እግዚኣአብሔር ሰሚዔ ኣብ ግብሪ ንእተውዕል የመልክት። ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ከኣ ነዚ ናይ ቤተክርስትያን እንከዋዕውዕ ኣብ ብርሃነ ኣህዛብ ቊ.64 ‘ቤተክርስትያን ብስብከተወንጌልን ብጥምቀትን ሓዲስ ሕይወት ብምውላድ ንደቃ ብመንፈስ ቅዱስ ተጸኒሶም ደቂ እግዚኣአብሔር ዝኾኑሉ ጸጋ ስለእትዕድል ኣደ እያ` ይብል።

ካብዚ ብዝነጸረ ካልእ ኣገላልጻ ከኣ ቅዱስ ኣምብሮዝዮስ ‘ነፍሲ ወከፍ እትኣምን ነፍሲ ንቃለ እግዚኣአብሔር ትጸንስን ትወልድን። ብሥጋዊ መንገዲ ኣደ ኢየሱስ ክርስቶስ እንኮ እኳ እንተኾነት ብመንገዲ እምነት ግን ኩለን ንቃል እግዚኣአብሔር ዝቅበላ ነፍሳት ንኢየሱስ ይወልዳ’ ይብል። ቅዱስ ማሲሞ እውን ‘ክርስቶስ ወትሩ ብምሥጢራዊ መንገዲ ኣብ ነፍሳት ይውለድ ነዚ ከኣ ካብቶም ዝደሓኑ ሥጋ ብምልባስን ነታ እትወልዶ ነፍሲ ድንግል ኣደ ከምትኾነ ብምግባርን እዩ’ ይብል። ስለዚኸስ ነፍሲወከፍና ንቃል እግዚኣአብሔር ሰሚዕና ኣብ ግብሪ ብምውዓል ከም ድንግል ማርያም ኣደታት ኢየሱስ ክንከውን ንኽእል ብኻልእ ኣዘራርባ ነታ ኣደ ክርስቶስ ዝኾነት ድንግል ማርያም ክንመስላ ንኽእል። 

ከመይ ገቢርካ ንክርስቶስ ከም ብሓዲስ ክትጸንሶን ክትወልዶን ይከአል!

እምበአር ሕጂ ኣብቲ ኣደ ኣምላኽ ዝብልን ንምሰላ ዝብልን ኣምር ነተኩር ከመይ ንነፍሲወከፍና ስለዝምልከተና። ጭቡጥ ብዝኾነ መንገዲ ከመይ ገቢርካ ሓቀኛ ኣደ ክርስቶስ ከምዝኽወን ንርኤ። ኢየሱስ ኣብ ወንጌሉ ከመይ ጌርካ እዩ ኣዲኡ ዝኸወን ዝበለ እሞ! ብክልተ መንገዲ ይብል! እታ ሃንቲ ቃሉ ምስማዕ እታ ካልአይቲ ከኣ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ይብል። እኖና ድንግል ማርያም ከመይ ኣደ ኢየሱስ ከምዝኾነት እሞ ዳግም ነስተንትን ንኢየሱስ ብምጽናሱን ብምውላዱን እያ ኣደ ኣምላኽ ኰይና።

ክልተ ዓይነት ዘይፍጹም ኣደነት ወይውን ክልተ ዓይነት ምቚራጽ ኣደነት ኣሎ። እቲ ሓደ ጥንታውን ኩሉ ዝርድኦን ኣብ መንጎ ናይ ጽንሲ ምቚራጽ እዩ። እዚ ሓደ ሕይወት ምስ ተጸንሰ ዘጋጥም ኰይኑ ግን ብዝተፈላለየ ጸገም ብሓደጋ ወይውን ሓጢኣት ደቂሰባት እቲ ድቂ ይመውት። ክሳብ ቀረባ ግዜ ኣብ ፍጻሜ ዘይበጽሔ ኣደነት እዚ ጥራይ ነበረ። ሎሚ ሓደ ካልእ ኣደነት ተገልጸ ብኣንጻር ናቱ ከይጸነስካ ውሉድ ምውላድ። እዚ ዘሕዝን ፍጻሜ ዘመና ኰይኑ ማሕጸን ምክራይ ዘምጽኦ ብክራይ ዝግበር እዩ። ኣብዚ እዛ ኣደ እዚኣ ኣብ ልባ ኣይትጸንሶ ኣብ ከብዳ ኣይትጸንሶ።

አብ ደረጃ መንፈሳዊ ጽንሲ እውን እዚ ክልተ ሕማቅ ኣጋጣሚታት ኣሎ። እቲ ንቃል ኢየሱስ ሰሚዑ ኣብ ግብሪ ዘየውዕሎ ንኢየሱስ ይጸንሶ ግን ኣይወልዶን እዚ ወትሩ ንክንሳሕን ሓዲስ ሕይወት ንክጅምርን ዘይውዳእ ቊርጺ ፍቃድ እናገበረ ከይጀመረ ዝርስዖ ወይውን ኣብ ፍርቂ ፍርቂ ዘቋርጾ ከምቲ ቅዱስ ያዕቆብ ዝብሎ ኣብ መስትያት ገጹ ዝርኢ እሞ ብኡ ንብኡ እንታይ ከምዝመስል ዝርስዖ (ያዕ 1.23-24) ኰይኑ ዳርጋ ከምቲ ብተደጋጋሚ ምንጻል ጽንሲ ዘጋጥመን ባህርያውያን ኣደታት እዩ። ብካልእ ኣዘራርባ ከምቲ ቅዱስ ያዕቆብ ዝብሎ እምነት ዘለዎ ግብሪ ግን ዘይብሉ ማለት ‘እምነት ብዘይ ግብሪ ምውቲ እያ’።

ብካልእ መዳይ ከኣ ብኣንጻሩ ንክርስቶስ ከይጸነሶ ዝወልዶ ክንብሎ እንኽእል ብዙሕ ሠናይ ነገራት ዝገብር ኰይኑ ግን እዚ ካብ ልቢ ዝነቀነለ ካብ ፍቅሪ እግዚአብሔር ዝነቀለ ወይውን ካብ ቅኑዕ ሕልና ዘይኮነ ካብ ልማድ ግብዝና ንረኣዩለይ ስምዑለይ ክብሪ ወይውን ጥቅሚ ካብ ምድላይ ዝነቀለ ምስዝኸውን ከኣ ሠናይ ግብሪ ኣሎ እምነት ግን የሎን ስለዝኾነ እምነት ዘይብሉ ከንቱ እዩ።

ሓሙሽተ በዓላት ኢየሱስ ሕጻን!

ክሳብ ኣብዚ እንተስ እምነት ብምጉዳል እንተስ ግብሪ ብምስኣን ኣብ ፍጽምና ዘበጽሐ ኣደነት ርኢና። ሕጂ እምበር እቲ ኣዎንታዊ ጐድኑ ንመልከት። ንማርያም ኣደ ኣምላኽ ከምስለና ዝኽእል ከኣ እዚ እዩ። ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ነዙይ ብዝምልከት ንኩሉ እተጠቃልል ሃንቲ ቃል ኣላቶ። ንምውላድ ናብ ብርሃን ምምጻእ ይብሎ እሞ ብዛዕባ ንክርስቶስ ከም ውሉድ ከም ሓው ምርካብ ክሳብ ክንደይ ዓቢ ነገር ምዃኑ ከምዚ ክብል ይገልጾ።

‘ንክርስቶስ ኣብ ልብና ኣብ ኣካልናን ብመለኮታዊ ፍቅርን ንጹሕ ሕልናን ሒዝናዮ እንክንጐዓዝ ኣደታት ክርስቶስ ኢና ሠናይ ነገር ብምግባር ንወልዶ እዚ ናይ ምሕረት ሥርሓት እዚ ከኣ ብግዲኡ ብኣብነት ናብ ካልኦት የንጸባርቁ። ከምዚ ዓይነት ቅዱስን ክቡርን ደስ ዝብልን ትሑትን ሰላማውን ጥዑምን ፍቁርን ልዕሊ ማንም ነገር እትብህጎን ሓውን ውሉድን ዝኾነና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክህልወካ ክንደይ ትዕድልቲ እዩ` ይብል።

ቅዱስ ፍራንቸኮስ ቀጺሉ ንሕና ንክርስቶስ ብንጹሕን ቅኑዕን ሕልና ክነፍቅሮ እንከሎና ንጸንሶ ዓለምና ክርእዮ ዝኽእል ሠናይ ነገር ክንገብር እንከሎና ኸኣ ናብ ብርሃን ነምጽኦ ንወልዶ ይብል። እዚ ከኣ እንትርፊ ነቲ ጐይታና ኢኡአሱስ ክርስቶስ `ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰባት ይብራህ። ነቲ ሠናይ ተግባራትኩም ርእዮም ኣብ ሰማይ ንዘሎ ኣቦኹም ክብሪ ይህቡ’ (ማቴ 5,16) ንዝብሎ ምግዋሕ እምበር ካልእ ኣይኮነን።

ናይዚ ድኻ ቅዱስ እዚ መንፈሳዊ ውሉድን ተኸታልን ዝኾነ ቅዱስ ቦናቨንቱራ ብግዲኡ ነዚ ሓሳብ ‘ሓሙሽተ በዓላት ኢየሱስ ሕጻን’ ዝብል ኣርእስቲ ብምሃብ የማዕብሎ እሞ ንነፍስወከፈን ከመይ ገቢርና ኣብ ሕይወትና ክነብረን ከም እንኽእል ይገልጽ። እተን ሓሙሽተ በዓላት ከኣ ምጽናጽ ምውላድ ምግዛር ኣስተርእዮ ናብ ቤተመቅደስ ምውፋይ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እየን።

ካብዘን ሓሙሽተ በዓላት እዚአን ንሎሚ እተን ክልተ ቀዳሞት እየን ዘገድሳና ምጽናጽን ምውላድን። ንቅዱስ ቦናቨንቱራ ነፍስና ንኢየሱስ እትጸንሰሉ ግዜ በቲ ዘላቶ ሕማቅ ናብራ ተጣዒሳ ብቅዱስ ተገልጾ ተንቀሳቂሳ ብቅዱስ ቅንኣት ሞይቋ ካብቲ ናይ ቀደም ልምድታታን ጒድለታታን ብጽኑዕ ቊርጺ ፍቃድ ተፈልያ ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዓምቢባ ናይ ሓዲስ ሕይወት ቊርጺ ፍቃድ ክትገብር እንከላ እዩ። ብከምዚ ዓይነት ኢየሱስ ኣብ ነፍስና ምስ ተጸንሰ ምኽሪ ብምሕታትን ብርሃን መንፈስ ቅዱስ ክሰደልካ ንእግዚኣአብሔር ብምልማን ሓቀኛ ምልላይን ምርጫን ገርካ ብኡ ንብኡ ነቲ ዝገበርካዮ ቊርጺ ፍቃድ ኣብ ግብሪ ንምውዓል  ሠናይ ነገራት ክትገብር ምስ ጀመርካ ኢየሱስ ኣብ ልብኻ ይውለድ። እዚ በብግዚኡአ እናዓበየን እናበሰለን ንክኸይድ ግን ነቲ ክገብሮ ኣይክእልን እየ ዝብል ፍርሕን ጽባሕ እጅምሮ ዝብል ፈተናን ምሽናፍ የድሊ።

ስለዚ ኣብ ሓደ ነገር ክነተኩር የድሊ እዛ ዝገበርናያ ቊርጺ ፍቃድ ክትከሓድ የብላን ብዘይ ምንም ወዓል ሕደር ኣብ ሓደ ጭቡጥ ለውጢ እንተተኻኢሉ ኣብ ሕይወትናን ኣብ ልምድታትናን  ብደገ ዝርኤ ክኸውን ኣለዎ። ሓደ ቊርጺ ፍቃድ ኣብ ተግባር እንተዘይውዒሉ ኢየሱስ ተጸኒሱ ግን ኣይተወልደን ማለት እዩ። እዚኸስ ካብተን ዘለዋ ብዙሓት ምንጻል ጽንሲ ሓደ እዩ። ስለዚ ንክርስቶስ ጸኒሰዮ ኣሎኹ ኣሚነዮ ኣሎኹ ንብል እንተዀና ምንም ተግባር ግን እንተዘይብልና ልደት ዝበሃል በዓል ክነብዕል ከቶ ዘይሕለም እዩ። እዚ ሕማም እዚ ስለዘጥቅዓና ብዙሕ ቊርጺ ፍቃዳት ንገብር ኰይኑ ግን ወትሩ ይጽናሓለይ አርከበሉ እዩ እናበልና ስለነደናጒዮ ብዙሓት ቅዱሳን ክርከቡ ኣይተኻእለን።

ከም ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም ጒዕዞ ሕይወትካ ክትቅይር እሞ ምስቶም ትሑታትን ድኻታትን ተሰሪዕካ ካብ እግዚአብሔር ጸጋ ጥራይ ክትረክብ ሃረር እናበልካ ንሰብ ዘይኮነ ንእግዚአብሔር ጥራይ ክተሐጐስ ክትጽዕር እንተደሊኻ ሃይ ትብዓት ይሃሉኻ ከመይ ብዘይ ትብዓትን ቈራጽ ውሳኔን ነዚ ለውጢ እዚ ክትገብሮ ኣይትኽእልን ኢኻ። ቅዱስ ቦናቨንቱራ ከምዝብሎ ኣብዚ ጒዕዞ እዚ ከተሸንፈን ዘሎካ ክልተ ዓበይቲ ፈተናታት ኣለዋኻ ንሰን ከኣ እቶም ፍትወት ሥጋ ዝከታተሉ ኣብ ከባቢኻ ዘለው ሰባት ‘እዚ ትሓስቦ ዘሎኻ ብዘይመጠን ከቢድ እዩ! ኣይክትፍጽሞን ኢኻ ሓይሊ ክጐድለካ ክትደክም ኢኻ ጥዕናኻ ክጒዳእ እዩ! እዚ ትሓስቦ ዘሎኻ ምስ ጒዕዞ ሕይወትካ ኣይሰማማዕን እዩ! ነቲ ዘሎካ ጽቡቕ ስምን ክብሪ ሓላፍነትካን ግዳ ዘይትሕሉ ወዘተ’ ኢሎም ዝመኽሩ ቀዳማይን ብርቱዕን ፈተና እዩ።

ነዚ ፈተና እዚ ወይዉን ነዚ ዕንቅፋት እዚ ምስ ሰገርካ ከኣ ካልእ ሰላሕታዊ ፈተና ካብቶም ምሳኻ ዘለው መንፈሳውያን ዝመስሉ ስሞም ግኑን ሰባት ብደገ ዳርጋ ከም ቅዱሳት ዝርእዮም ኰይኑ ግን ውሽጦም ባዶሽ ዳርጋ ኣብ ክእለት እግዚኣአብሔርን ሓይሊ መንፈስ ቅዱስን ፈጺሞም ዘይአምኑ ከጓኑፉኻ እዮም። እዚኦም ከም ቀንዲ መኸርትን ደገፍትን መሲሎም ‘ኣብ ጸሎት ብዙሕ ግዜ እናሕለፍካ ካብ ዕላላትና እናተገለለካ ኣድካሚ ናይ ምሕረት ሥራሕ እናገበርካ ምናልባት ብቅልጡፍ ቅዱስ ውፉይ ሰብ ትኸውን ይመስለካ ይኸውን ኰይኑ ግን ንስኻ ክትኮኖ ከምዘይትኽእል ኣዳዕዲዕካ ትፈልጦ ኢኻ። ኣብ መወዳእታ ንሕዝቢ ብምድንጋርን ሓደ ግብዝ ብምዃንን ናይቲ ኩላሊትን ልብን ዝምርምር ኣምላኽ ቊጥዓ ኣብ ልዕሌኻ ከምዝዘንብ ክትገብር ኢኻ` እናበሉ ነታ ካልአይትን ካብታ ቀዳመቲ ዝሓሰመትን ፈተና ከቅርቡልካ እዮም።

ነዘን ፈተናታት እዚአን ብእምነት ምስ ኢሳይያስ ነቢይ ኰይካ ‘እንሆ፡ ኢድ እግዚኣብሔር ንምድሓን ሓጻር ኣይኰነትን፡ ከይሰምዕ ከኣ እዝኑ ኣይጻንዖን እዩ።’ (59.1) እናበልካ ብእምነት ክትምልስ ኣሎካ። ከምኡ እውን ከምቲ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ንገዛእ ርእሱን ንነፍስወከፍናን ዝኸውን ኣብ ድሮ ለውጡ ኣብ መጽሓፈ ኑዛዜኡ ዝጸሓፎ ‘እቶም ካልኦት ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን  ካብ ከኣልዎ ኣነኸ እንታይ ኰይነ ዘይክእሎ!’ ኢልካ ምስ ገዛእ ርእስኻ ተማጐት።

ኣብዘን ሠለስተ ኣስተንትኖ ናይ ዘመነ ምጽኣት ብምርሒት ኣደ ኣምላኽ ንልደት ክንሰናዶ ፈቲና። ሕጂ ኣብ ፍጻሜ በጺሕና። ብዘይካ ምስኣ ሓቢርካ ብሱቚታን ሰቂለ ሕልናን ነቲ ምእንታና ሰብ ዝኾነ ወልደ ኣግዚአብሔር ምሥጢር ምስትንታን ካልእ እንገብሮ የብልናን። ቢዛንታዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ኣብ ዋዜማ ልደት ዘዕርጎ ጸሎት ናትና ንግበሮ። እቲ ጸሎት ኣብ ቅድሚ በዓቲ ልደት ዚዓርግ ኰይኑ ከምዚ ይብል!

ኦ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽና ባህርየ ትስብእት ለቢስካ ኣብ መሬት ብምምጻእካ ከም ህያብ እንታይ ክነቅርበልካ ንኽእል! እቲ ብኣኻ ዝተፈጥረ ፍጥረት ብምሉኡ በተን ቅዱሳት ኣእዳውካ ተቀቢኡ ምስጋና የቅርበልካ ኣሎ! መላእኽቲ መዝሙሮም የወፍዩልካ ሰማይ ድሙቅ ኮኸብ የወፍየልካ ሰብአ ሰገል ወፈያኦም የቅርቡልካ እቶም ጓሶት ኣድናቆቶም የቅርቡልካ መሬት በዓቲ ምድረበዳ ቤተልሔም መብልዕ ማል የቅርቡልካ። ንሕና ዘመደ ኣዳም ግን ድንግል ኣደ ነወፍየልካ ኣሎና ይብል።

ቅዱስ ኣቦና ዝኸበርኩም ኣቦታት ኣሕዋትን ኣሓትን ንኩልኹም ብሩኽ በዓለ ልደት ይግበረልኩም።

ብድምጺ ንምክትታል!
21 December 2019, 18:05