ድለ

ኣብቲ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዘጓንይ ዓለም ወንጌል ምብሳር ኣብቲ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዘጓንይ ዓለም ወንጌል ምብሳር  ርእሰ ዓንቀጽ

ኣብቲ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዘጓንይ ዓለም ወንጌል ምብሳር

ኣብ ሓደ እዋን እምነት ኣብ ስድራ ቤት እዩ ዝመሓላለፍ ዝነበረ፡ ካብ ወለድን ካብቲ ኣብ ክርስትያናዊ መትከል ኣስተንፍሶ ካብ ዝገብር ሕብረተሰብን፡ ሎሚ እዚ ኵነት’ዚ ተዀሊፉ እዩ፡ ማሕበራዊ ኣካሊት ጸረ ክርስቲያን እውን እንተዘይኰነ እምነት ዘየዝዕግ ኰይኑ ኣሎ፡ ነዚ ኰነት’ዚ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ብናይ ቀረባ ናይ መወዳእታ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን

ዕለት 21 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅዱስ በዓለ ልደት ሰናይ ምንዮት ንምልውዋጥ ናይቲ ብኩሪያ ሮማና ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ላዕለዋይ ኣባይቲ ሓዋርያዊ ምሕደራ ላዕለዎት ሓለፍቲ ብፁዓን ካርዲናላትን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ካልኦት ላዕለዎት ዓበይቲ ናይ ኵሪያ ሮማና ኣካላት ቅድስቲ መንበርን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ተቐቢሎም ዝለገስዎ ስልጣናዊ ቃለ ምዕዳን፥ ኣብ ክርስትያን ዓለም ከምዘይንነብርን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምልዋጥን እውነተይና ልኡካነ ወንጌላውነት ዝብል መሰረታዊ ምዃንና እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli) ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቀዳም ዕለት 21 ታህሳስ 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ንናይ ኵሪያ ሮማና ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ጳጳሳያን ኣባይቲ ምክርን ቅዱሳት ማሕበራትን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ሓዋርያዊ ሓላፍትን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ቅድሚ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዓበይቲ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ዝተነበይዎ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ክርስቲያናዊ ከምዘይኰነን፡ ከም ቀደም ባህሊ እነቕርብ በይናውያን ኣይኰንና ቀዳሞት እውን ኣይኰንናን፡ ስርዓት ክርስትና ኣብ ዝመርሓሉ እዋን ኣይኰንናን ዘሎና፡ ኣብ ብዙሕ ከባቢ ምዕራብ ዓለም እምነት ናይ ሓባር ናብራ ቅድመ ኵነታዊ ኣይኰነን፡ ካብዚ ሓልፉ እውን ተኻሒዱን ክስትንዓቕን መባጨውን ኰይኑ ይረአይ።

ስለዚህ እንኽተሎ ኣመለኻኽታ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምልዋጥ ከምዘድልን እዚ ክበሃል እንከሎ ናብ ተዛማዲ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምዝንባል ማለት ኣይኰነን፡ ሕይወት ክርስትና ጉዕዞን ነጋድነትን ምዃኑ ካብ ዝብል ኣረኣእያ ዝነቕል ናይ ኣመለኻኽታ ለውጢ ከምዘድልን፡ ኣብ እምነት ንምትራፍ ንተልእዀን እሙን ንምዃን ምልዋጥ ወሳኒ እዩ።

ኣብ ሓደ እዋን እምነት ኣብ ስድራ ቤት እዩ ዝመሓላለፍ ዝነበረ፡ ካብ ወለድን ካብቲ ኣብ ክርስትያናዊ መትከል ኣስተንፍሶ ካብ ዝገብር ሕብረተሰብን፡ ሎሚ እዚ ኵነት’ዚ ተዀሊፉ እዩ፡ ማሕበራዊ ኣካሊት ጸረ ክርስቲያን እውን እንተዘይኰነ እምነት ዘየዝዕግ ኰይኑ ኣሎ፡ ነዚ ኰነት’ዚ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ብናይ ቀረባ ናይ መወዳእታ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ትምህርቲ መሰረት ብቑዕ መልሲ ተዋሂብዎ እዩ፡ ኣብቲ ወንጌል ዝፈልጥ ዝነበረ ሎሚ ከምዘይፈልጦ ኰይኑ ኣብ ዝነብር ዘሎ ዓለም ኣብቲ ዘይፈልጦን ብኸመይ ምብጻሕ የድሊ? ናይ ሮማ ጳጳስ በቲ እናበርትዔ ብዝኸይድ ተሓላቕነቶም ነቲ ናይ እዋንና ሰብኣውነት ኣቑሳል ዝፍውስ መድሃኒት ካብ ምሕረትን ኣብ ምሕረትን ምዃኑ የመላኽቱ፡ ናይቲ ንኽደልየካ ዝወጽእን ቀረባኻ ዝኸውን ብዘይ ፍርድን ቅድመ ፍርድን ሓጐፋይ ቢሉ ኣብ ሕቑፎኡ ዘንብረካ ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ምቅላሕ፡ ኣብቲ ናይ ምሕረት ሕቝፎ ድጋፍ ዘድልየካ ሓጥኣተይናን ድኻን ኣብ ምዃንና ተመክሮ ምግባር።

ቅዱስነቶም ድሕሪ ዝልገስዎ ቃለ ምዕዳን ንዅሎም ናይ ኪሪያ ሮማና ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ጃኒ ቫለንተ ብዘይ ብኣኡ ዝከኣለና ነገር የለን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተደርስዋ መጽሓፍ ገጸ በረከት ከምዝሃቡን፡ ኣብቲ ናይ ፍልዩ ወርሓ ተልእዀ ወንጌል ሰነድ ዘመላኸትዎ፡ ተልእዀ ወንጌል ናቱ ዕዩ እዩ፡ ማለት ናይ ኢየሱስ እዩ፡ ስለዚህ ምርባጽን ላዕልን ታሕትን ምባልን ውዳቤታናን ዓው ዓው ምባልናን ሜላታትና እውን ኣየድልን እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ፡ ባዕሉ ኢየሱስ እዩ ንቤተ ክርስቲያን ካብ ገዛእ ርእሳ ንኽትወጽእ ዝድርኻ ዝብልን፡ ንተልእዀ ወንጌል እትነቓቓሕ ባዕሉ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝድርኸካን ዘሰንየካን እዩ፡ ወንጌል ንኸተበስር ኣብ እትበጽሓሉ ስፍራ ንሱ ቀዲሙካ ከምዝተርክብን ከምዝጽበየካን ተስተውዕል፡ ቅዱስነቶም ኣብቲ ብቃለ መሕትት ኣገባብ ኣብ ዝተሓትመትት መጽሓፎም፥ ተልእዀ ወንጌል ንኻልኦት እምነት ብተኸላኻሊ መደረታትን ኣብ ቅድሚ ካልኦት ብዓውታ ናይ ግልጸት ሓቂ ምቕራብ ማለት ኣይኰነን፡ ብኻልእ መዳይ እውን ኣብ ቅድሚ ካልኦት ልክዕ ከም መሰረተ እምነት ጠመቓዊ ትምህርቲ ዝምልከቱ ቀመራትን ሓቅታትን ምድርጓሕ ማለት ኣይኰነን፡ ስለምታይ ስነ ጽሑፋዊ መልክዕ ብዘለዎ ኣገባብ ምድግጋሙን ምሽምዳዱን ኣብ ገዛእ ርእሱ ስሉጥነት ዘለዎ ስለ ዘይኰነ፡ ኣቶም ወንጌል ዝበጽሖም ምስቲ ናብኣቶም ዘብል ዝፍውስ ናይ እግዚኣብሔር ሓልዮትን ርህራሀን ምሕረትን እንተድኣ ዘይተራኸቡ ናብ ባዶነት ዘውድቕ ይኸውን ከምዝብልዎ እዩ።

ናይ ክርስቲያን ተልእዀ ተክለ መለለይኡ እንታይ ከምዝዀነ ናይ እዋንና ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዕዱ እንከለዉ፡ እቲ ዘገድስ እምነት ክሰፍሕ ደገፍን ባይታን ዘመቻችኡ እምንበር እምነት ዝቖጻጸሩ ምዃኑ ጌጋ እዩ ይብሉ፡ እዚ ማለት ከኣ እቲ ናይ ኢየሱስ ንዅሉ ንኽሓቍፍን ክፍውስን ከድሕንን ዝብል ድላይ ዘሰናኽሉ ዘይምዃን እዩ፡ ብዘይ ብኣኡ እንገብሮ ነገር ሓደ’ኳ የሎን ዝብል ምስትውዓል ወትሩ ይሃልወና ከምዝበሉ ጠቒሶም ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ የጠቓልሉ።

(Andrea Tornielli)

ኣብቲ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዘጓንይ ዓለም ወንጌል ምብሳር
24 December 2019, 16:48