ድለ

2019.12.06 ኣባ ካንታላመሳ 1ይ ስብከት ዘመነ ምጽኣት 2019.12.06 ኣባ ካንታላመሳ 1ይ ስብከት ዘመነ ምጽኣት 

ብእምነት ኣሰር እኖና ድንግል ማርያም ንስዓብ! ኣባ ካንታላመሳ 1ይ ስብከት ዘመነ ምጽኣት

ድንግል ማርያም ‘እታ ነቲ ብእግዚአብሔር ዝተነግራ ኸም ዚፍጸም ዝኣመነት ብፅዕቲ እያ` ሉቃ 1.45 - ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣባ ራንየሮ ካንታላመሳ ንምስንዳው ዓበይቲ በዓላት ብሕልፊ በዓላት ልደትን ፋሲካን ኣብ ሓዋርያዊ ኣደራሽ ዝርከብ ቤተጸሎት እመመድኀኔ ዓለም ሎምዘመን እውን ከምቲ ልሙድ ንልደት መቀራረቢ ቀዳማይ ስብከት ሎሚ ንግሆ ኣቅሪቦም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣባ ካንታላመሳ ንመኽፈቲ ስብከቶም ዝመርጽዎ ጥቅሲ ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ላዕሊ ዝተመልከተ ኰይኑ ብሓፈሻኡ እምነት ድንግል ማርያም ዝብል ክንስዕቦ ዘሎና ጽኑዕ እምነት ምዃኑ ንምግላጽ ንሎሚ እምነት እኖና ድንግል ማርያም ኣብ ግዜ ብሥራት ዝብል እዩ።

ነቲ ስብከት እዚ ብኣካል ዝተኸታተሉ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስን ኣብ ኣገልግሎት ቤተክርስትያን ዝተሓጋገዝዎም ብኩርያ ሮማና ዝፍለጡ ካርዲናላትን ጳጳሳትን ካህናትን እዮም።

ኣባ ካንታላመሳ ስብከቶም እንክጅምሩ ዓመት መጸ ንልደት እንክንቀራረብ ሰለስተ ዓበ መራሕቲ ንዝክር እዚኦም ከኣ ኢሳያስ ነቢይ ብመንፈስ ልደት ኢየሱስ ዝተነበየ ዮሓንስ መጥምቅ ዝጭርሕ ድምጺ ኰይኑ መንገዲ ኢየሱስ ዘሰናደወ ድንግል ማርያም ብሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ኣደ መድሓኒ ዝኾነት እዮም ኢሎም።

ንመሪሕነት ናይዞም ብመንፈስ ቅዱስ ዝተመርሑ ሠለስተ ሰባት እንክምልከት ከኣ እቲ ሓደ ብጣዕሚ ርሑቅ ቅድሚ ዘመናት እንክንበ እቲ ካልኣይ ከኣ መንገዱ ዝጸረገሉን ዘጠመቆን ንሰባት ናብኡ ዝመርሐን እንክኸውን ድንግል ማርያም ከኣ ኣብ ከርሳ ዝጾረቶ ብማለት ኣሕጽር ኣቢሎም ቊምነገር ነፍሲወከፎም ምስ ገለጹ ንዘመነ ምጽኣት ናይ ሎምዘመን ማለት 2019 ብምሉኡ ብዛዕባ ማርያም ክነስተንትን መሪጸ ከመይ ክንዮኣ ማንም ንልደት መድሓኒ ብመንፈስ ንምስንዳው ኣብነት ክኾነና ዝኽእል ስለዘየልቦ ኢሎም።

ድንግል እኖና ንዘመነ ምጽኣት ከምዚ ንሕና ንገብሮ ክትዝክሮ ወይ ክትሰናደወሉ ኣይተረኽበትን እንታይ ደኣ ብኣካል ነቢራቶ። ከም ነፍሰጾር ከኣ ትጽቢት እንታይ ምዃኑ ካብ ማንም ንላዕሊ ስለእትፈልጦ ኣብዚ ንሕና እንገብሮ ትጽቢት ዘመነ ምጽኣትስ ይኹን ብዓቢኡ ንካልኣይ ምጽኣት ትርጉም ትጽቢት እንታይ ምዃኑ ክትሕግዘና ትኽእል ምስ በሉ ነዚ ከኣ ብሠለስተ ደረጃ ክንምልከቶ ኢና ኣብ ግዜ ብሥራት ኣብ ግዜ ምብጻሕ ኤልሳቤጥን ኣብ ልደት መድሓኒናን በታ ቀዳመይቲ ንምጅማር ከስ ነታ ኣብ ግዜ ብሥራት ዝበለታ `እነኹ ባርያ እግዚአብሔር ከም ዝበልካዮ ይኹነለይ` ብእትብል ንጀምር።

እነኹ ባርያ እግዚአብሔር!

ድንግል ማርያም ነቲ ዓቢ ብሥራት ምስ ተቀበለትን ምጽናጽ ኤልሳቤጥ ምስ ሰምዔትን ተቀላጢፋ ናብ ኤልሳቤጥ ከደት። ኤልሳቤጥ ከኣ ብዓቢ ሓጐስ ተቀቢላታ መንፈስ ቅዱስ መሊእዋ ከኣ ‘‘እታ ነቲ ብእግዚአብሔር ዝተነግራ ኸም ዚፍጸም ዝኣመነት ብፅዕቲ እያ’’ (ሉቃ 1.45) በለት። ሉቃስ ወንጌላዊ ነቲ ብስቱር ኣብ ናዝሬት ንዝተፈጸመ በዚ ምብጻሕ እዚ ጋህዲ ክገብሮ ዝደለየ ይመስል። ኣብ ናዝሬት ዝተፈጸመ ዓበይቲ ነገራት ገብርኤል መልኣኽ ከምዝተላእከን ማርያም ከምዝኣመነትን በዚ ከኣ ኣደ ኣምላኽ ከምዝኾነትን ይገልጽ። መልሲ ድንግል ማርያም ከኣ ‘እነኹ ባርያ እግዚአብሔር ከምዝበልካዮ ይኹነለይ’ (ሉቃ 1.38) ዕብየትን ዕምቈትን እምነታ የብርህ። በዚ ውሑዳትን ገርሀይናን ዝኾና ቃላት እምነት ታሪኽ ድሕነት ዓለም ይፍጸም። እዘን ቃላት እዚአን ንዝኾነ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ክግበር ዘለዎ ጠባይ እምነት ጥርዙ ይገልጻ። ልዕሊ ዘየሎ ንማለት እዩ። ኦሪጀነ ዝበሃል ጸሓፊ ነዚ ብዝምልከት ‘ እዛ እነኹ እትብል ቃል ከም ሓደ ጸሓፊ ኣብ ቅድሚኡ ዝተወደነ ነጻ ሰሌዳ ኰይነን እነኹ ዝደለኻዮ ጸሓፍ ከምዝብል ኰይኑ ድንግል እውን ጐይታ ኣባይ ዝደለዮ ነገር ይግበር እነህኹ ትብል` ይብል። ኣብ ዘመኑ ንምጽሓፍ ንዝጠቅሙሉ ዝነበረ ሉሕ ኣብነት ይገብር። ብቋንቋ ሎሚ ጻዕዳ ወረቀት ኰይና እግዚአብሔር ዝደለዮ ክጽሕፍ ተፍቅድ ማለት እዩ።

ካርል ራህነር ነዚ እሽታ ማርያም ንመላእ ፍጥረት ዝተዓደለ ዘለዓለማዊ እሽታ ይብሎ። በዚ ከኣ እግዚኣአብሔር ንተሓድሶ ፍጥረት  ካልኣይ ዕድል ይህቦ። ብሔዋን ዝጠፍኤ ብማርያም ይምለስ።

‘ዚኣመነት ብፅዕቲ እያ’ ዝብላ ቃላት ኤልሳቤጥ ብሥጋ ኣደ ምዃን ጥራይ ዘይኮነስ ብመንፈስ እውን ኣደ ምዃና ይገልጽ። ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ነዚ ንምግላጽ ‘ድንግል ማርያም ነቲ ብእምነት ዝጸነሰቶ ኣሚና ወለደቶ። ብወገን እግዚአብሔር ዝተዓደላ ምልእተ ጸጋ ጥራይ ዘይኮነ ብወገና ዝተረኽበ ምልእተ እምነት እውን ብምዃን ንክርስቶስ ቅድሚ ኣብ ከርሣ ንቃሉ ኣብ ልባ ጸነሰቶ በዚ ከኣ እያ እነኹ ዝበለት ይብል። ንሳን እግዚአብሔር ንብሕቶም ይኾኑ።

ንብሕታ ምስ እግዚአብሔር!

እምነት ክንብል እንከሎና ዳርጋ ሞት እዩ። ብሰብኣዊ ኣመለኻኽታ ምንም ጭብጢ ዘይብልካ ብጐይታን ብቃሉን ምሉእ ምትእምማን ንክህሉ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባን ግምትን ከምዘየሎ እዩ።

ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ኣቦና ኣብርሃም ኤርምያስ ነቢይ ከምኡ ጸዋዕታ ሳውል ተዓሚቶም ነግ ፈረግ ከይበሉ ኣብ ዝተባህልዎ ክኸዱ ንርኢ። ናይ ማርያም ግን ፍልይ ዘበለ ኣሻቃሊ ጉዳይ እውን ብስምዖን ነቢይ ይንገራ። ነዚ ኩሉ ትቅበሎ። ቅድሚ ዝኣገረ ግን ንመን ትንገር መን ይእመና። ከም ዕብራዊት ከምዚ ናታ ብእምኒ ከም እትውገር ትፈልጥ ነራ።  ኣብዚ ወጥሪ እዚ በይና ምስ ጐይታ ትተርፍ። ካርሎ ካረቶ ‘እታ ዝኣመነት ብፅዕቲ እያ’ ብዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ማርያም ኣብ ዝጸሓፈ ኣብ ማሊ እንከሎ ንሓንቲ ጐርዞ ጓል ትዋረግ ዝበሃሉ ዓሌት ጸኒሳ ብምርካባ ብስድርኣ ክብሮም ክሕልው ክብሉ ከምዝተቀትለት ይትርኽ እሞ ቀጥታ ኩነታት ማርያም ከምዝተቀጀሎን ኣብ ከምዚ ኩነት በይና ደው ክትብል ኣሚና ክትጸንዕ ዘኽኣላ ዕብየት እምነታ ምስቲ ጐይታ ድሕሪ ትንሣኤ ንቅዱስ ቶማስ ‘ከይረኣዩ ዚኣምኑ ብፁዓን እዮም’ (ዮሓ 20.29) ብምግንዛብ ነዚ ኣደራዕ ብብሕትውና ዝተሸከመት እሞ ኣሚና ዝጸንዔት ብሓቂ ብፅዕቲ እያ ይብል። ማርያምከስ ናይዞም ከይረኣዩ ዚኣምኑ ብፁዓን ቀዳመይቲ ምዃና እዩ።

ብዙሕ ግዜ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ብዛዕባ እምነት እንክጥቀስ ዝዝከር ኣቦና ኣብርሃም ኰይኑ ‘ብእግዚኣብሄር ከኣ ኣመነ፡ ንሱ ድማ ንጽድቂ ቘጸረሉ’ (ዘፍጥ 15.6) ክብል ይንእዶ። ኰይኑ ግን እኖና ድንግል ማርያም ካብዚ ብዝልዕል ኣብ ምድሪ ተገሩ ዘይፈልጥ እምነት ብምዝውታራ ድሕሪ ወዳ ቀዳመይቲ ጻድቅ ትኸውን ወዳ ግን ኣምላኽን ሰብን ምንባሩ ኣይንዘንግዕ።  

ቅዱስ ጳውሎስ እግዚአብሔር ነቲ ብፍቅሪ ዝልግስ ይፈቱ ይብል (2ቆሮ 9,7) ማርያም እውን ነቲ እሺ ሕራይ ናታ ብታሕጓስ እያ ኢላቶ። ከምዚ ብምግባራ ኸኣ ውዕውዕ ድላያ ትገልጽ። ነቲ እግዚኣአብሔር ዝደልዮ ብምሉእ ልበይ እደልዮ ኣሎኹ ብዝቀልጠፈ ከምቲ ዝደልዮ ይኹነለይ ትብል ትመስል። ስለዚ ከኣ እዩ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ቅድሚ ኣብ ማሕጸና ንቃል ኣምላኽ ኣብ ልባ እያ ዝጸነሰቶ።

እቲ እሺ ሕራይ ናይ ማርያም ኣብ ዕብራዊ ባህሊ እንክንወስዶ ኣሜን ዝብል ኰይኑ ትርጉሙ ከኣ ጽንዓት ርግጽነት ስለዘስምዕ ኣብ ፍጻሜ መዝሙራት ዳዊትን ካልእ ጸሎታትን ኣሜን ወኣሜን ወይውን ለይኩን ለይኩን ዝብል ቃላት ነዚ ከም ዝበልካዮ ይኹነለይ ከም ፍቃድካ ይኹን ዝብል ብምሉእ ምትእምማን ብታሕጓስ ድላይካን ሃረርታኻን ኣብ ኢድ ኣምላኽ እተንብረሉ ኩነት እዩ።  እዚ ከኣ እምነትን ተኣዝዞን ብሓደ ጠሚሩ የመልክት። እግዚአብሔር ዝብሎ ኩሉ ሓቂ ከምዝኾነ እኣምን እእዘዞ ከኣ የስምዕ። ኢየሱስ ባዕሉ እውን እንክጽሊ ‘እወ ኦ ኣቦይ ኣመን ዘሓጐስካ እዚ እዩ።’ (ማቴ 11.26) ንሱ እቲ ኣብ ራእዩ ለዮሓንስ ተመልኪቱ ዘሎ ‘ኣመን ከምዚ ይብል ኣሎ’ (3.14) ዝብሎ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ኣመን ብማለት ንሰማያ ዚዓርግ ኩሉ ብኣኡ እዩ (2ቆሮ 1.20) ማርያም እውን እዚ ኣካል ዝለበሰ ኣሜን እዚ እያ።

ኣብ ኣሰር ማርያም!

ኣብ ምንቅስቃስ እትርከብ ጃልባ እቲ ኣሰራ ካብኣ ተላዒሉ እናሰፍሐን እናሃሰሰን ዝኸይድ ንቤተክርስትያን ዘቊሙ ምእመናን እውን ኣሰሮም ከምኡ እዩ። እዚኣ ካብ ሓንቲ ቦታ ትጅምር እናሰፍሐት ከኣ ትኸይድ። ከምኡ እውን ካብቲ ኣመን ናይ እኖና ድንግል ማርያም ዝጀመረት እምነት ምስ ሓውታ ተስፋ ብመዔቅኒ ግዜ ደቂ ሰባት እታ እንኮ ብኢየሱስ ዘይተጀመረት እያ። ኢየሱስ በዓልቤት እምነት ቤተክርስትያን ክኸውን ኣይክእሉን እዩ ከመይ እቲ ክእመን ዘለዎ ንሱ ስለዝኾነ። መልእኽቲ ዕብራውያን ዝርዝር ናይ ኣመንቲ ‘ብእምነ ኣቤል - ብእምነት ኣብርሃም - ብእምነት ሙሴ እናበለ (ዕብ 11.4) ይዝርዝር። እዚ ዝርዝር እዚ ንኢየሱስ ኣይውስኽን ከመይ ንሱ ‘ናይ እምነትና ጀማርን ፍጻምን’ እዩ (ዕብ 12.2)።

ኣመንቲ ብምዃና ጥራይ ብእምነት ኣብ ኣሰር ማርያም ንርከብ። ኣሰራ ምስዓብ እንታይ ምዃኑ ከኣ ክነስተንትኖ ኣሎና። ኣበው ቤተክርስትያን ብላቲን ማርያ ቨል ኤክልዝያ ቨል ኣኒማ ትርጉሙ ከኣ እቲ ብዛዕባ ማርያም ዝተባህለ ብዛዕባ ቤተክርስትያን እዩ እቲ ብዛዕባ ቤተክርስትያን ዝበሃል ከኣ ብዛዕባ ነፍሲወከፍ ኣማኒ ምዃኑ ተረድኡ ዝብል እዩ። እምነት ማርያምከስ ሓይሉ ክሳብ ክንድዚ እዩ።

ንሕና እውን ነዚ መሪሕ እዚ ብምኽታል እምነት እኖና ድንግል ማርያም ብቀዳምነት ንቤተክርስትያን ስዒቡ ከኣ ንነፍሲወከፍ ዝብሎ ኣለዎ ንብል። ብቀዳምነት ነቲ ቤተክርስትያንን ትምህርቲ ንባበ መለኮትን ብዛዕባ እምነት ማርያም ዝብሎ ነብርህ ደሓን ነናይ ግልናስ ይኹን ናይ ባሕታውያን ንመልከት። በዚ ከኣ ሕይወት እኖና ድንግል ማርያም ንግላዊ መንፈሳውነትና ጥራይ ዘይኮነ ንዓሚቊ ርድኢት ቃል ኣምላኽን ግድላት ቤተክርስትያንን ንምርዳእ ክሕግዘና እዩ። ከምቲ ዝሰምዖ እንተዘየሎ ሙዚቃ ዘየሎ ትቅበሎ እምነት እንተዘይብላ ጸጋ እውን የላን። ከምቲ ዝናም ዝቅበሎ መሬት እንተዘይረኸበ ከፍሪ ዘይክእል ጸጋ እውን እምነት እንተዘይረኺቡ ከምኡ እዩ። እምነት መሠረት ኩሉ ኰይና እታ ቀዳመይቲ ዕዮ እያ ዕዮ እግዚአብሔር ከኣ እዚ እዩ ይብለና ኢየሱስ ኩሎም ብኣኡ ኪኣምኑ (ዮሓ 6.29)። እምነትከስ ኣድላዪት ጸጋ ኰይና ተዓዳዪን ዓዳዪን ዘይብላ ንኩሉ እቲ እግዚኣአብሔር ምስ ዘመደ ኣዳም ንዘለዎ ርክብ እተውሕስ እንኮ መጋበሪት እያ።

ጸጋን እምነትን ክልተ ኣዕኑድ ድሕነት ኰይነን እንተደለኹም ሰብ ዝንቀሳቀሰለን ክልተ ኣእጋር በልወን እንተደለኹም ንምብራር ዝኾና ክልተ ክንፊ በልወን። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ‘ንክርስቶስ ብምእማንኩም ብጸጋ ኢኹም ዝደኃንኩም` እዚ ከኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር ካባኻትኩም ኣይኮነን’ (ኤፌ 2.8) ክብል ዘጠንቅቀና ነዘን ክልተ ክንመቅለን ወይውን ክነወዳድረን ወይን እቲ ሓደ ካብ እቲ ሓደ ካብ ካልእ ዝብል ርድኢት ከይህልወና እዩ። ኣብ እኖና ድንግል ማርያም እውን ናይ እምነት ሥራሕ ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ እዩ ተበጊሱ።

ሎሚ ዘገድሰናኸስ ነተን ነዛ ናይ ሎሚ ቤተክርስትያን ብምልኣት ንክትኣምን ክሕግዛ ዝኽእል ናይ እኖና ድንግል ማርያም ኣብነት ሃሰስ ንምባል እዩ። ሽሕ’ኳ ናይ እኖና ድንግል ማርያም ናይ እምነት ሥራሕ ናታ ናይ ብሕታን ዘይድገምን ኰይኑ ኣካል ንኣካል እትራኸበሉ ባዕላዊ ወይ ግላዊ ደረጃ ዚሓዘ ኣብ መንጎኣን መንጎ እግዚአብሔር ዘሎ ምትእምማን ኰይኑ ብዛዕባ ምእማን እምበር እንታይ እዩ ዚእመን ዘይገልጽ እንተኾነ ብካልእ መንጽር ክንጥምቶ እንከሎና እምነት ድንግል ማርያም ወድዓዊ ንኩሉ ዝኸውን እውን እዩ። ብቀዳማነት ንሳ እትኣምኖ እግዚአብሔር ናታ ናይ ብሕታ ብምሥጢር ዘይኮነ ኣምላኽ ኣቦታታ ኣምላኽ ሕዝባ ንዝኾነ እዩ። ነቲ ብዝተፈለለየ መንገዲ ዝግለጽ ነቲ ኪዳን ዚኣቱ እሞ ዘይጠልም ኣምላኽ ኣብርሃምን ደቁን እያ እትኣምን። ከምቲ ኣብርሃም ቀዳማይ ኣማኒ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝኾነ ንሳ ኸኣ ቀዳመይቲ ኣማኒት ኣብ ሓዲስ ኪዳን ትኸውን። ከምቲ ኣብርሃም ኣቦ ኣመንቲ ዝኾኖ ንሳ ኸኣ ኣደ ኣመንቲ ትኸውን። ነዚ ዘረጋግጸልና ከኣ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኣ ዘዕረገቶ ታዓብዮ ነፍስየ ለእግዚአብሔር ዝብል ጸሎታ ንብምሉኡ ነቲ ታሪኽ ኣብ ብሉይ ኪዳን ተምሥሪታ ትዝርዝር እሞ እቲ ተስፋ ከምዝተፈጸመ እቲ ኪዳን ከምዝተፈጸመ ብምግላጽ ንእግዚኣአብሔር ክንዲ ገዛእ ርእሳን እቶም ብፅዕቲ ዝብልዋ ወለዶ ደቂ እምነትን ተመስግን። ጐይታ ሓያል ቅዱስ መድሓኒ ዝብላ ቃላት ቅዱስ መጽሓፍ ከኣ ትደጋግመን። ምናልባት እቲ መልኣኽ እዚ ዘይኮነ ካልእ ኣምላኽ ገሊጹላ እንተዝኸውን እምበይምኣመነቶን። ስለዚ ድንግል ማርያም ብኩሉ ኩሉ ተኣዛዚት ሕግን ሥርዓት እትሕሉን ኰይና ነቲ ካብ ብግዝረትን ናብ ቤተመቅደስ ብምውፋይን ዝጅመር ሥርዓተ ኣምልኾ ትኽተሎ ከምቲ ሥርዓት ዝእዝዞ እውን ሥርዓተ ንጽሕና ምስ ኣኸለ ናብ ዮሴፍ ትሕጸ ዓመት ዓመት ናብ ኢየሩሳሌም መንፈሳዊ ንግደት ትገብር።

እዚ ኩሉ እንታይ ይምህረና እንተቢልና! ዓቢ ትምህርትን ጥቅምን እምበር። ከመይ እምነት እውን ከም ጸጋ ኣብ ብርቱዕ ክትዕ ብምውራዱ ምናዳ ብኣሕዋትና ከንሻ ናይ ግሊ ጉዳይ ኰይኑ። ሉተር ብዛዕባ እምነት ‘ብጸጋ እግዚኣአብሔር ዝርከብ ሕያውን ተባዕን ምትእምማን’ ይብሎ። ዝሰዓብዎ ከኣ ናይ ምሕረት ሥራሕን ዓንቀጸ እምነትን ኣይጠቅሙን ክሳብ ኣብ ምባል በጽሑ። ውሳጣዊ ግላዊ ርክብ ምስ እግዚኣብሔር ጥራይ እዩ ዘድሊ በሉ። ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን ግን ብኣንጻሩ ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ኣብ ሓባራዊ ውህደታዊ ሓድነታዊ እምነት ብምድንፋዕ ነቲ ግላዊ ዝብል ሓለፍዎ። ብዙሓት ኣበው ብዛዕባ እምነት እንክጽሕፉ ነቲ ግላዊ እምነት ሰጊሮም ኣብቲ ዝእመን ሓቂ ብምትኳር ንመናፍቃን ክከራኸሩ ብዙሕ ለፍዑ። ድሕሪ ሪፎርመይሽን ወይ ተሓድሶ ሉተር ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጥቕልል ብዝበለ ነቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እትኣምኖ ኣብ ምእማን ኣብጺሓ ነታ ቅዱስ ጳውሎስ `ብልብኻ ይእመን ብቃልካ ከኣ እምነትካ ትምስክር` (ሮሜ 10.10) ዝብሎ በቲ ዝነበረ ኩነት እታ ናይ ልቢ ምእማን በታ እምነትካ ምምስካር ትብል ተዓብሊላ።

እስኪ ናብ ማርያም ምልስ ንበል! ንክልቲኡ ክነገናዝቦ እንከሎና ናይ እኖና ድንግል ማርያም እምነት ሚዛናውን ምሉእን ኰይኑ ንረኽቦ። ከመይ ግላዊ ወይ ባዕላዊ እምነት ጥራይ እዩ ዘገድስ ኢልካ ኣጽብብ ኣቢልካ እንክትርእዮ ሓደጋነቱ ኣብዚ ሎሚ ንርእዮ ዝኾነ ጥቅሲ መጽሓፍ ቅዱስ ወሲድካ ናትካ ትርጉም ሂብካ ምስ ጒጅለኻ ተዓጺኻ ነቲ ንስኻን ጒጅለኻን እትኣምኖ ጥራይ ሓሲብካ ዘይንቅነቅ እምነት ኣብ እግዚአብሔ ዝበሃልሲ ዘይንቅነቅ እምነት ኣብ ገዛእ ርእስና ኣብ ኣተሓሳስባና እዩ እምበር ሓቀኛ እምነት ክንብሎስ ብዙሕ የድልዮ።

ስለዚኸስ ወድዓዊ እምነት በይኑ ኣብ ዓንቀጸ ሃይማኖት ምእማን በይኑ እኹል ኣይኮነን ምስ እግዚኣአብሔር ግላዊ ምርኻብ እውን ይሕተት ምስ እግዚኣአብሔር ኣነን ንሱን እትብለሉ ደረጃ ምብጻሕ የድሊ። እንተዘየሎ ከምዚ ኣብ ፖሎቲካን ካልእ ኣተሕሳስባን እንርእዮ ብሓደ ኰንካ መምርሒና እዚ ተኣማሚና ኢና ኢልካ ሆ ትብሎ እሞ ገለ ጸገም ምስ ተረኽበ ኩሉ ዘንቈልቊል ክኸውን ይኽእል። ግላዊ እምነት ምስ እግዚኣአብሔር ዘይብሉ ክርስትና ኣብ ቤተክርስትያን ገለ ጸገም እንከጓንፍ የንቈልቊል። ስለዚኸስ ብግሊ ጽኑዕ እምነት ክህልወና የድሊ ነዚ ግን ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ኰና ክንገብሮ ኣሎና። ኣብ ላዕሊ ዝተንተና እምነት ድንግል ማርያም ከኣ እዚኣ እያ ዝነበረት። ኣብ ዝቀደመ ንኩሉ ነቲ ሥርዓተ ኣምልኾ እስራኤላውያን ዝእዝዞ እናፈጸመት ዓሚቚ ግላዊ እምነት ኣመስኪራ ኣብ ሓዲስ ኪዳን እውን ነታ ኣብ ዕለተ ጴንጠቈስጠ ዝተወልደት ቤተክርስትያን ኣብ ውሽጣ ኰንካ ዝንበር ግላዊ እምነት ብሕይወታ ኣርእያ።

ስለዚኸስ ብግልና ክንኣምን ኰይኑ ግን ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ማለት ኣብ ቤተክርስትያን ኰንካ ብግልኻ ምእማን። ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ኰንካ ምእማን ቤተክርስትያን እትኣምኖ ምእማን ንሥራሕ ሃይምኖት ኣይዕንቅጾን እኳ ደኣ ይዕቅቦ ነቲ ልዕሊ ኣብ ቊጽሪ ዘይተኣቱ ተመኲሮይን ፍልጠተይን ዝኾነ እግዚኣአብሔር ንምፍላጥን ንምምላኽን ይሕግዘኒ። ማንም ካባና ምሉእ ብምሉእ ብዛዕባ እግዚኣአብሔር ክቅበል ኣይክእልን። ቤተክርስትያን ከስ ነዚ ሰፊሕ ዝኾነ ምሥጢር እዚ በብቊሩብ ክንቅበሎን ክንስእሎን ትሕግዘና። ኣብ እምነት ቤተክርስትያን ክሕወስ እንከሎኹን ነቲ እምነት ናይቶም ዝቀደሙ ሓዋርያት ሰማዕታት ሊቃውንቲ ሃንጐፋይ ኢለ እቅበል ናተይ እገብሮ። ቅዱሳን ነቲ ዝነበሮም እምነት ኣብ ሰማይ ስለዘየድልዮም ንኩሉ ውርሻ ቤተክርስትያን ገሮም ገዲፎምላ ኣለው።

ኣብታ ኪለው ብዚኽእል ብእግዚኣአብሔር አብ እኣምን ኢልና እንደግመና ጸሎተ ሃይማኖት ዓቢ ምሥጢር ተሓቢኡ ኣሎ። እቲ ኣብ ቊጽሪ ዘይኣቱ ኣነ ምስታ ኣካል ክርስቶስ ዝኾነት ቤተክርስትያን ሓቢሩ ንግዝኣታት ጸልማት ከንቀጥቅጥ ዝኽእል ሓይሊ ዝዓዘ ዓቢ ድምጺ ብምፍጣር እኣምን ይብል። ካብዚ ናብቲ ናይ ሓባር እምነት ብምስጋር ንኣምን ብኣሓዱ ኣምላክ ንብል።  

ብድምጺ ንምክትታል!

ንሕናውን ንኣምን!  

ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ እምነትን ጸጋን ኣብ ግላዊ ደረጃ ነቲ ቤተክርስትያን እትኣምኖ ብምቅባል እኣምን ብእግዚአብሔር ኣብ ካብ ዝብል ናብቲ ብሓባር ምስ ቤተክርስትያን ኰን ንኣምን ብማለት ሓደነትና ኣብ እንገልጸሉ ናይ እምነት ደረጃ ተሳጊሮም ከምዚ ይብሉ።

ሕጂ እምበር ኣብቲ ብሕታውን ሰቂለ ሕልናዊናውን ሳዕቤናት እኖና ድንግል ማርያም ንመልከት። ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ሕጽር ብዝበለ መልክዕ  ድንግል ማርያም ‘ምልእተ እምነት ነቲ ብእምነት ዝጸነሰቶ ብእምነት ወለደቶ’ ይብል እሞ ናብ ተግባራዊ ሕይወት እንክትርጉሞ ‘ማርያም ኣመነት እቲ ዝኣመነቶ ከኣ ኰነላ። ንሕና እውን ንእመን በዚ ከኣ እቲ ኣብኣ ዝተፈጸመ ኣባና እውን ክፍጸም’ ይብል።

ንሕናውን ንእመን! እምነት ማርያም እንከነስተንትን ንሕናውን ብግደና ነቲ ግላዊ እምነትና ከነሐይሎን ኣብ እግዚአብሔር ክንውከልን ይዕድመና። ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ሕይወትና ከምኣ ወሳኒ ቃል ንሓንሳእን ንሓዋሩን `ከም ዝበልካለይ ይኹነለይ’ ክንብል ንኽእል። ኣብዚ ደረጃ እዚ ምስ በጻሕና ከም ማርያም ንቃል ኣምላኽ ኣብ ልብና ንጸንሶ እዚ ከኣ ምሥጢራዊ ሥራሕ ጸጋን ነጻነትን እዩ። ነጻ ምርጫና ብጸጋ ተደገፊ ኣብዚ ደረጃ እዚ ክበጽሕ ይኽእል እዩ። ከመይ ፍጡራት በይንና ክንገብሮ ኣይንኽእልን! ነጻናትና ከይተንከፈ እግዚአብሔር ይሕግዘና።

እሞኸ ደኣ እንታይ ንግበር። ዋላ ሓንቲ እቲ ጉዳይ ስምዒታውን ደጋውን ከይከውን ኣበርቲዕና ክንጽሊ ኣብ መወዳእታ ከኣ ቃላት እኖና ድንግል ማርያም ብምጥቃም ‘እነኹ ባርያ እግዚአብሔር ከምቲ ዝበልካዮ ይኹነለይ’ ምባል ጥራይ እያ ምርጫና። በዘን ቃላት እዚአን ገርና! ‘አመን እሺ ሕራይ ኦ ኣምላኸይ ንኩሉ መደብካ ምሉእ ብምሉኡ ተቀቢልዮ ኣሎኹ ከም ገዛእ ርእሰይ እኳ ደኣ ካብኡ ንላዕሊ እኣምነካ’ ንብል ኣሎና ማለት እዩ።

ኣብዚ ክንዝክሮ ዘሎና ግን ድንግል ማርያም ነዘን ቃላት እዚአን በየናይ መንፈስ ከምዝበለተን እዩ! ብዓቢ ሓጐስን ዝቃጸል ሃረርታን ነበረ። ኣባና ምልስ ምስ እንብል ክንደይ ግዜ ንማለቱ ፍቃድካ ይኹን ዘይበልና ግን ምስ ሕዙን ልቡ ተስፋ ቁርጸት ዝመልኦ ኣተሓሳስባ ዳርጋ ‘ኤእ ካልእ መንገዲ መዋጽኢ እንተዘየሎ ደኣ ፍቃድካ ይኹን እምበር’ ንብል ንመስለሉ ግዝያት ኣሎ። ማርያም ግን ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ብሓጐስን ሃረርታን ክንገብሮ ትምህረና። ከመይ እንተ ኢልና! ማርያም መደብ ኣምላኽ ካብቲ ንሳ እትሓስቦን እትሓልሞን ንላዕሊ ንሠናያ ምዃኑ ትፈልጥን ትኣምንን ነራ ንዓና እውን ኣቱም ደቀይ ካብቲ ተሃኒንኩም ለይትን መዓልትን ጽዒርኩም እትገብርዎ ውሃ ዘበለ መደባት ፕሮጀክታት ሕይወትኩም እታ ናይ እግዚአብሔር ኣጸቢቃ ትበልጽ ኩሉ ንሠናይኩም እዩ ከመይ ፍቅሩ መወዳእታ ስለዘይብሉ ንዓና ዘለዎ መደባትሲ ‘መደብ ሰላም! ሓሳብ ደሓን እምበር ክፉእ ኣይኮነን’ (ኤር 29,11)። ብዙሕ ግዜ ብርቱዕ ሃረርታ ተኣንጊብና ዳርጋ እኩት እኩት እናበለና እውን ይኹን ምስ ማርያም ሓቢርና ‘ ኦ ጐይታይ እዚ ናይ ፍቅርን ሰላምን ፍቃድካ ቀልጢፉ ይኹነለይ` ንብል።

ከምዚ ብምግባርከስ ትርጉም ሕይወትን ምንባርን ደቂ ሰባትን እታ ዝዓበየት ክብሩን ይግለጽ። ንፍቃድ እግዚአብሔርእሺ ሕራይ ኣመን ምባልከስ ከምቲ ሓንሳእ ሓንሳእ ናይ ዘመንና ሰባት ዚሓስብዎ ንክብረት ወዲሰብ ኣየትሕትን  እኳ ደኣ የዕብዮ። ብዝተረፈ እዚ እንተዘይኮይኑ ነዚ ንፍቃድ እግዚአብሔር እሺ ሕራይ ካብ ምባል ካልእ እንታይ ኣማራጺ ኣሎ! እንተበልና ኣብ ናይ ዘመንና ምንባር (ኤኪስተንሽእሊዝም) ዝብል ንህላዌኻ ቀዳምነት ሂብካ ዝግበር ትንተና እዩ። እዚ ግን እታ ኣመን ግድን ኰይና ንመን ኢኻ ትብላ ንዝብል ንእግዚአብሔር እንተዘይቢልካያ ንካልእ ክትብላ ኣሎካ እዚ ከኣ ዕድለይ ኢልካ ዝረኸበ ይርከበኒ ኢልካ ምጉዓዝ እዩ ሳዕቤኑ ከኣ ኣይምውቅ ኣይዝሑል ኰንካ ደንዚዝካ ምትራፍ እዩ። እግዚአብሔር ግን ኣብ ቃል ‘እቲ ጻድቀይ ብእምነት እዩ ዝነብር’ ይብለና።

ጻድቀይ ብእምነት ክነብር እዩ!

ኣብ እምነት ኩሎም ኣብነት ማርያም ክኽተሉ ኣለዎም ይከኣል ከኣ እዩ ብሕልፊ ግን እቶም እምነትን ቃለ እግዚአብሔር ንካልኦት ከመሓላልፉ ዝተጸውዑን ካህናትን  ክኽተልዎ ኣልዎም። እግዚአብሔር ‘ጻድቀይ ብእምነት ይነብር’ (ሮሜ 1.17 ርኤ) ይብል ኣሎ እዚ ከኣ ብፍላይ ንካህን ይምልከት! ካህናትካ ጽድቂ ይለብሱ ስለዝብል ነዚ ጥቅሲ ካህነይ ብእምነት ይነብር ክንብሎ ንኽእል። ካህን ናይ እምነት ሰብ ናይ እግዚአብሔር ሰብ እዩ። ፍሉይ ክብደት ካህን ካብ እምነት ይምንጩ። ካህን ከም እምነቱ እዩ ንነፍሳት ዘድሕን። ቀንዲ ዕዮ ገዛ ሓደ ካህን ወይ ጓሳ ኣብ መንጎ መጓሲኡ ምህላውን ምሥጢራት ምዕዳልን ካልእ ኣገልግሎትን ምውፋይ ጥራይ ኣይኮነን እንታይ ደኣ እምነት ከውሕስን ምስክር እምነት ክኸውንን ኣለዎ። መጠን እቲ ዝኣምኖን መጠን እቲ ንፍቃዱ ብነጻነት ንእግዚአብሔር ዘወፈዮን መጠን እዩ ዝመርሕን ናብ እግዚአብሔር ገጹ ዝስሕብን።

ምእመናን ካብ ሓደ ካህን ወይውን ሓደ ጓሳ ብቀዳምነት እቲ ዝዓበየ መሠረታዊ ምልክት ዝኣምን እንተኾነ እዩ። እዚ ከኣ ነቲ ዚኣምኖ ዝነብር ዝሠርዕ እንተኾነ እዩ። እንተዘየሎ ከንቱነትን ትዕቢትን ዝወረሮ ገባርን ሓዳግን ቀንዲ ኣድላይን ማእከልን ገሩ ንካህን ዝምልከት እሞ ንጐይታ ከምጸኣሉ ዚምነን በዚ ዚደናግር ካህንን ባዶሽ እዩ ዝኸውን። ይትረፍ ዚኣምን እቲ ዘይኣምን እሞ ሃሰሳ እግዚአብሔር ዘካይድ እውን ምስ ካህን ክዋሳእ እንከሎ ኣብ መንጎ ኣማንን ዘይኣምንን ካህን ዘሎ ፍልልይ ክፈልጦ ይኽእል። ፍልጠትን ምርምርን ክርክርን ዘይኮነ ገርሀይና እምነት እዩ ዘስዕብ። ከመይ እምነት ትመሓላለፍ እያ። ከምቲ ሓደ ቫይሩስ ሓሲብካ ጥራይ ክለኽፈካ ዘይከኣል እምነት እውን ገጽ ንገጽ ብምርኣይ እያ ተንጸባርቅን ትመሓላለፍን።

ሓይሊ ሓደ ሓቀኛ ኣገልጋሊ እግዚአብሔርከስ ምስ ሓይሊ እምነቱ እዩ ዝመዛዘን። ሓንሳእ ሓንሳእ ክንሳቀ ንኽእል ዝገደደ ከኣ ሕዝቢ ካብ ቤተክርስትያን ርሒቆም ሓጢኣት ገኒኑ ዘረባ ጥራይ ኰና ግብሪ የለን እናበልና ምስ እግዚአብሔር ብጸሎት ዕሚም ንብል። ናብ ወንጌል እንተተመልከትና ሓደ መዓልቲ ሓዋርያት ንሓደ ጋኔን ዝሓዞ ከናግፉ ሒዅ ኢሎም ምኽኣሉ ስኢኖም። ደሓር ኢየሱስ ምስ ኣናገፎ ናብ ኢየሱስ ጽግዕ ኢሎም ኣንታ መምህር እንታይ ኰና ደኣ ንሕና ዘይከኣልናዮ ኢሎሞ! ኢየሱስ ከኣ ‘ብጒድለት እምነትኩም እዩ። ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም ነዚ እምባ እዚ ካብዚ ግዓዝ` እንተ በልክምዎ ይግዕዝ፡ ዘይከኣለኩም ነገር የልቦ’ በሎም (ማቴ 17.20)።

ከምቲ ዝበልናዮ ዓለምና ከምቲ ካብ ሓንቲ ጃልባ ዝብገስ ኣሰር እናሰፍሐ ዚኸይድ ካብቲ ብእኖና ድንግል ማርያም ዝተኸፍተ ኣሰር እምነት ተኸቲላ ትጐዓዝ ኣላ። ስለዚ ናብዚ ኣሰር ንእቶ፣ ንሕናውን እቲ ኣብኣ ዝተፈጸመ ኣባና ክፍጸም ንእመን። ኦ ድንግል ዘትትኣመኒ ለምንልና እናበልና ኣማልድነት ድንግል ማርያም ንማህለል እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ። 

ብድምጺ ንምክትታል!
06 December 2019, 16:54