ድለ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሕይወት ታሪኽ ዘዘንትው ፊልም

ናይ ፍራንቸስኮ ሕይወት ታሪኽ መሰረት ዝገበረ

ኣብ ጠቕላላ ናይ ኢጣሊያ ኣባይቲ ምርኢት ዕለት 17 ታሕሳስ ምስ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለተ ልደት ተተሓሒዙ ብዛዕባ ሕይወት ታሪኾም ዘዘንትው ፊልም ንምርኢት ክቐርብ እዩ፡ እዚ ናይ ፍራንቸስኮ ሕይወት ታሪኽ መሰረት ዝገበረ ፊልም፡ ብቲዚያና ሉፒ ኣብ ዝተደርሰ መጽሓፍ ዝተሞርኰዘ ክኸውን እንከሎ፡ ታሪኽ ስድራ ቤት ፍራንቸስኮ፡ ካብ ኢጣሊያ ናብ ኣርጀንቲና  ዝብልን ታሪዀምን ታሪኽ ስድራ ቤቶምን ብቐረባ ዘዘንተው ክኸውን እንከሎ፡ ኢጣሊያን ኣርጀንቲናን ብምትሕብባር ዝቐረጸኦ ፊልም እውን ከምዝዀነ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኤማኑኤላ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ መበቆልን ካበይን ናበይን መዕበያኦምን ትምህርቶምን ክሳብ ር.ሊ.ጳ. ኰይኖም ዝተሓረዩሉ እዋን ዘሎ ብዛዕባኦም ዝፈልጡ ዝበልዎን ዝዛረብዎን ዝሕፍዎን ብሰነዳዊ መልክዕ ዘቐብር ፊልም ኰይኑ፡ ዕለት 13 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ኣብ ቤተ መዝገብ ፊልም ሃገረ ቫቲካን ብወግዒ ከምዝቐረበን ካምፓኒለ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣርጀንቲና ካብ ስደተይና ስድራ ቤት ኢጣሊይ ዝተወልዱ ሎሚ ኣብ ዓለም እንኰ ናይ ተስፋ ድምጺ ዝዀኑን፡ እቲ ሰነዳዊ ፊልም ናይ 800ን 900ን ታሪኽ ኢጣሊያን ኣርጀንቲናን ዝድህስስን ናይዞም መበል 266 ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ር.ሊ.ጳ. ተክለ ሰብነት ዘዘንትው ክኸውን እንከሎ ዕለት 17 ታሕሳስ ዕለተ ልደት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብወግዒ ኣብ ኩለን ናይ ኢጣሊያ ኣባይቲ ፊልም ንምርኢት ክቐርብ እውን ከምዝዀነ ይሕብራ።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሕይወት ታሪኽ ዘዘንትው ፊልም

 

Photogallery

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሕይወት ታሪኽ ዘዘንትው ፊልም
16 December 2019, 17:25