ድለ

በዓለ ልደት፡ ምውላድ ኢየሱስ ኣብ መብልዒ ማል፥ ኣስተንትኖ ካርዲናል ማርቲኒ በዓለ ልደት፡ ምውላድ ኢየሱስ ኣብ መብልዒ ማል፥ ኣስተንትኖ ካርዲናል ማርቲኒ 

በዓለ ልደት፡ ምውላድ ኢየሱስ ኣብ መብልዒ ማል፥ ኣስተንትኖ ካርዲናል ማርቲኒ

ድኽነትን ገርሀይናነትን ሓሴትን፡ እዚ እቲ ኣብ መብልዕ ማል ዝግለጽን ዝንበርን ኵነት ሕይወት እዩ፡ … ድኽህነት፥ እቲ ኣብ ዓለም ዝርአይ ኢፍትሓውነትን ጥምየትን ስቓይን ምክፋል ምኽንያት ይኸውን

እቶም ናይ ስነ ቅዱስ መጽሓፍ ሊቕን ናይ ኢጣሊያ ከተማ ሚላኖ ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ዕለት 31 ነሓሰ 2012 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ኣብ 2006 ዓ.ም. ብፁዕ ካዲናል ካርሎ ማሪያ ማርቲኒ ኣብ ኢየሩሳሌም ብምኽንያት በዓለ ልደት ዘእግዚኣነ፡ ብዛዕባ ገርሄይናነትን ትሕትናን ኣብ መብልዕ ማል ምውላድ ኢየሱስ ኣማእኪሎም ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ 30 ጆርኒ እተሰምየ ወርሓዊ መጽሔት ኣብዚ ናይ ጐይታ ኢየሱስ ምውላድ እነብዕለሉ እዋን ዳግም ንንባብ ከምዘብቀዖ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መብልዕ ማል ኩሉ ዝፈልጦን ዝርድኦን ብፍላይ ሕጻናት ክርድእዎ ዝኽእሉ ስፍራ እዩ፡ በዓቲ መሕደር ኣሓ፡  ድኽነት ዝንጸባረቐሉ ስፍራ እውን እንተዀነ ኣብኡ ምውላድ ኢየሱስ ብሓሴት ኣዚዩ ሃብታም እይገብሮ፡

ልደት፥ ናይ ድኽነት ምስጢር

ናይ ልደት ዘእግዚእነ ምስጢር፡ ናይ ድኽነትን ምስጢር እዩ፡ ክርስቶስ ሃብታም ክነሱ ምእንታና ድኻን ተራን ገርሄይናን ኰነ፡ ነቲ ናይ እምነት የዕንቲ ዘለዎ ነዚ ኵነት’ዚ ንምርዳእ ብዙሕ ዘጸግም ኣይኰነን፡ … ኢየሱስ ባዕሉ፥ ናይ ስጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት፡ ብዘሎ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን (ማቴ. 6.22) ከምዝበሎ እዩ፡ እቲ ተራን ገርሄይናን ዝዀነ እምነት መላእ ሕይወትካ ይዅልዕ፡ ብሩህ ይገብርን ነቲ ናይ እግዚኣብሔር ዓበይቲ ነገራት ንኽትቕበል የብቅዓካ፡ እምነት ካብ ፍቕሪ እዩ ዝውለድ፡ ብእግዚኣብሔር ከምእተፈቐርካ ክስምዓካ ዝገብር ሓድሽ ብቕዓት የጸግው፡

ምሉእ ሓሴት

ዮሓንስ ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቱ፡ ብዛዕባ ናይ ማርያምን ዮሴፍን ተመክሮ ንሕና ዝሰማዕናዮ፡ እቲ በዒንትና ዝርኤናዮ፡ እቲ ዝጠመትናዮ፡ ኣእዳውናውን ዘረምሰሳኦ፡ ብዛዕባ እቲ ቓል ህይወት፡ ህይወት ድማ ተገልጸት፡ ነታ ምስ ኣቦ ዝነበረት ንኣና ኸኣ እተገልጸት ናይ ዘለኣለም ህይወት ርኢናያ ኢና እሞ፡ ንምስክር ንነግረኩምውን አሎና፡ ንስኻትኩም ድማ ምሳና ሕብረት ምእንቲ ኺህልወኩም ኢልና፡ እቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ንዓኻትኩም ንነግሮ ኣሎና። ሕብረትናውን ምስ ኣቦን ምስ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን እዩ። ሓጐስና ምእንቲ ኺምላእ ኢልና፡ እዚ ንጽሕፈልኩም አሎና። ብዝብላ ቃላት ዮሓንስ ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ምዕ. 1 ካብ ፍቕዲ 1-3 ይገጸልና፡ እዚ ኣስተንትኖ’ዚ ናይቶም ኣብቲ ኢየሱስ ዝተወልደሉ እዋን ናይ ዝነበሩ ጥራሕ ዘይኰነ ሎሚ እውን ኣብ ሕይወትና ኣብ ፍቕሪ ብጻይና ኣብ ዕለታዊ ሕይወት መስቀልን ኣብ ጸሎትን ቅዱስ ቁርባንን ብፍላይ ኣብ በዓለ ልደት ቅዱስ ቁርባንን፡ እዚ ልባትና ብሓሴት ዝመልኦ እዩ።

ገርሀይናነት

ድኽነትን ገርሀይናነትን ሓሴትን፡ እዚ እቲ ኣብ መብልዕ ማል ዝግለጽን ዝንበርን ኵነት ሕይወት እዩ፡ … ድኽህነት፥ እቲ ኣብ ዓለም ዝርአይ ኢፍትሓውነትን ጥምየትን ስቓይን ምክፋል ምኽንያት ይኸውን፡ ካብዚ ተመክሮ እዚ ዝንበር ተካፋልነት ሓልዮት ምሉእ ይገብር፡ ኣብ እግዚኣሔር ምሉእ እምነት ምግባርን፡ ስለ እቲ ምእንታና ዝሓልይ ካልኦት ንኣና ህያብ ክዀኑን ቀረባኦም ንኽንከውን ዘነቓቕሕ እዩ፡ እቲ ኩሉ ድኽነትን ኢፍትሓውነትን ሞትን ዝፍውስ ቃል ሕይወት ምትንካፍና ምልኣት ሓጐስ ይፈጥረልና። እዚ ተራ ዝዀነ ኩነት እምነት እውን ከቢድን ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓትት ዘይኰነ ተራ ምዃን ይብል።

ንኽትኣምን ልቢ ጥራሕ እዅል እዩ  

እቲ ዘጥሕል ዘይተገዳስነትን ተዛማድነትን  ሓደጋ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ምእማን ኣዚዩ ከቢድ ይገብሮ ኣሎ፡ … ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓለም ዘእምን ናይ እምነት ኣመክንዮ ምቕራብ ከቢድ እዩ … ኣብ ከምዚ ዓይነት ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ፡ እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ (ሮሜ. 5, 5)፡ ኣምላኽ መንፈሱ ሰፊሩ ኣይህብን እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ዝለኣኾ፡ ንሱ ቓል ኣምላኽ እዩ ዚነግር (ዮሓ. 3, 34) ንምእማን እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝትንከፍ ልቢ እዅል እዩ፡ እቲ ቓል ኣብ ኣፍካን ልብኻን ጥቓኻ እዩ፡ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ምዕራፍ 10 እዚ ማለት እቲ ንሕና እንሰብኮ ቓል እምነት እዩ። እቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርን፡ ይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ ኢየሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ (8-12) ብዝብላ ቃላት ኣቢሉ ብልቢ ምእማን ዘለዎ ልዑል ኣገዳስነት የዘኻኽረና።

ጐይታ፥ ጐይታ ኵሉ እዩ

እቲ ዝተሓላለኸን ጥልቅንዝዀነ  ኵሉ ምድንጋር ይፈጥረልካ፡ እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ምብራቕ ኰነ ኣብ ምዕራብ ዓለም ዝተፍጸመ ቲዮሎጊያውን ፍልስፍናውን ስነ ምርምራት ዘረጋግጾ እዩ፡ እቲ ምርምር ብሓቂ ሰናይን ዝማርኽን ኣስተንትኖ እውን እንተዀነ ምእማን ተራን ወስታ ልብን እዩ፡ … ጐይታ፡ ጐይታ ኵሉ ምዃኑ ምእማን ኣብ ዝብል ተራን ገርሄይናን ወስታ ዘሎ ልዑል ክብሪ ክዝንጋዕ የብሉን።

እምነት፡ ገዛእ ራስኻ ምጥንጣንን እምንቶ ምግባርን ይሓትት

ናይ እምነት ምስጢር ንምዕሟቕ … ብዙሕ ጻዕሪ ይግበር፡ ምርምር ቅዱስ መጽሓፍን ካልኦት ኣዚዮም ኣድካሚ ዝዀኑ ምርምራት ነካይዱ፡ እምነት ግና ተራን ገርሄይናን እዩ፡ ስለዚህ ገሄይናነትን ተራ ምዃንን ይሓትት፡ ገዛእ ርእስኻ ምጥንጣንን ኣሜን ምባልን ይሓትት፡ ብዘይ ምንም ዓይነት ተሓላልዀን ፍርሕን ናይ ሕይወት ኵነት ኵሉ ንኽትገጥም የብቅዓካ። ንምእማን ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ወሳኒ እዩ፡ እምነት ጸጋ እዩ፡ ዘአግዶን ዝቕበሎን ተራን ገርሄይናን ልቢ ይሓትት።

ነኣሽቱ ምልክታ

ኣብ ፊት እቲ ናይ ኢየሱስ ባዶ መቓብር ንዅን፡ ማርያም መግደላዊት፡ ጐይታ ወሲዶምዎ ኣበይ ኰን ገይሮሞ ይዀኑ ዝብል ስንባደን ንብዓትን ተመክሮ ተገብር፡ ጴጥሮስ ናብቲ ናይ መቓብር ስፍራ ይኣትው እሞ፡ ነቲ ውሽጢ ናይ መቓብር ስፍራ ይምልከት፡ እቲ መግነዝ ተዓጹፉ ብስርዓት ተቐሚጡ ይርእይ፡ ይዅን ደኣ እምበር ከይተረድኦ ይተርፍ፡ እቲ ሓደ ኢየሱስ ኣዚዩ ዘፍቅሮ ዝነበረ፡ ረአየን ኣመነን፡ ነቲ ኢታእላው ፍቅሪ እግዚኣብሔር ዘአንግድ ልቢ ስለ ዝነበሮ ምንም ዓይነት ዘእምን ቲዮሎጊያዊ ፍካሬታት ኣየድለዮን፡ ንእምነት ነኣሽቱ ምልክታ እዅል እዩ።

ንኽኣምን ስንድው ዝዀነ ልቢ

ዝተሓላለኸን ከበድቲ ጻዕርታት ዝሓትቱ ምልክታ ንደልይ፡ እዚ ሰናይ እውን እዩ፡ ልቢ ስንድው እንተድኣ ኰይኑ ንኽትኣምን ንእሽተይ ነገር ጥራሕ እዩ ዝኣኽለካ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ጽን ዝብል ልቢ፡ ተራን ስንድዋትን እንተደኣ ኰይንና እቲ ህልውና ኵሉ ዘብርህ ንኸነበስር ብቑዓት ንኸውን፡  … እቲ ስጋ ዝዀነ ቃል፡ ምልኣት ሓጐስ ዝጽግው።

በዓለ ልደት፡ ምውላድ ኢየሱስ ኣብ መብልዒ ማል፥ ኣስተንትኖ ካርዲናል ማርቲኒ
26 December 2019, 16:41