ድለ

ናይ ጉባኤ ስድስቱ ብፁዓ ካርዲናላት መማክርት ር.ሊ.ጳ. መበል 32 ዓውደ ኣኼባ ናይ ጉባኤ ስድስቱ ብፁዓ ካርዲናላት መማክርት ር.ሊ.ጳ. መበል 32 ዓውደ ኣኼባ  

ናይ ጉባኤ ስድስቱ ብፁዓ ካርዲናላት መማክርት ር.ሊ.ጳ. መበል 32 ዓውደ ኣኼባ

ኣብ ናይ ኣገልግሎት ኵለትናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ናይ ስደተይናታን ተመዘበልትን ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ሚካኤል ችዘርንይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዛዕባ ኣማዞን ናይ ዝመኸረ ፍሉዩ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ኣመልኪቶም ዘቕረብዎ ጸብጻብ

ናይቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዋይ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መዋቕር - ኩሪያ ሮማና መደብ ሕዳሴ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝዓዪ ናይ ቅዱስነቶም መማክርት ጉባኤ ስድስቱ ካዲናላት ብቕዱስነቶም ተመሪሖም ካብ ዕለት 2 ታሕሳስ ክሳብ ዕለት 4 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ኣብቲ ሓድሽ ዝተሓንጸጸ ወንጌል ኣብስሩ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ቅዋም ዘማእከለ መበል 32 ዓውደ ኣኼባ ከምዘካየዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ከምዝሓበሮ፡ ኣብቲ መበል 32 ዓውደ ኣኼባ ናይቲ ጉባኤ ስድስቱ መማክርት ጉባኤ ካርዲናላት ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ማርቸሎ ሰመራሮን ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮኒንን ብፁዕ ካርዲናል ኦስካር ሮሪገዝ ማራዲያጋን ብፁዕ ካርዲናል ራይንሃርት ማርክስን ብፁዕ ካርዲናል ሲን ፓትሪክ ኦምለይን ብፁዕ ካርዲና ጁዘፐ በርተሎን ብፁዕ ካርዲናል ኦስዋልድ ግራሲያስ ከምእተሳተፉ ክፍለጥ እንከሎ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ ብጀካ ዕለት 4 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ብምኽንያት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ረቡዕ ዝልግስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ኣብቲ ካብ ዕለት 2 ታሕሳስ ክሳብ ዕለት 3 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻይደ ኣኼባ ከምእተሳተፉ ሓቢሩ፡ እቲ ዓውደ ኣኼባ Praedicate evangelium - ወንጌል ኣበስሩ  ብዝብል ኣርእስቲ ዝተሓንጸጸ ሓድሽ ሓዋርያዊ ቅዋም ኣማእኪሉ ብፍላይ እቲ ሓዋርያዊ ቅዋም ዘመላኽቶ ርክብ ኵሪያ ሮማናን (ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ሓዋርያውያን ተቕዋማት) ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽርን ህላዌ ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ናይ ኩሪያ ሮማና ተቕዋማትን ኣብ ካልኦት ናይ ቤተ ክርስቲያን ውድባትን ኣብ ናይ ውሳኔ ኪደት ዘለዎም ግደን እዚ ጉዳይ እዚ ብመሰረት ቲዮልጊያን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ክጽናዕን ዝብል ዓንቀጽ ብሰፊሕ ከምእተመያየጠሉ ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ እውን እቲ ዓውደ ኣኼባ ስድስቱ ጉጅለ መማክርት ብፁዓን ካርዲናላት ኣብ ናይ ኣገልግሎት ኵለትናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ናይ ስደተይናታን ተመዘበልትን ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ሚካኤል ችዘርንይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዛዕባ ኣማዞን ናይ ዝመኸረ ፍሉዩ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ኣመልኪቶም ዘቕረብዎ ጸብጻብ ከምእተሰምዔን ምስ እዚ ብምትሕሓዝ እውን ብፁዕ ካርዲናል ኦመለይ ድሕረ ሲኖዶስ ዝቐርብ ሓዋርያዊ ምዕዳን ንምርቃቕ ዝካየድ ዘሎ ዕዮ ኣማእኪሎም እውን ሓበሬታ ከምዝሃቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ እቲ ዓውደ ኣኼባ ሓድሽ ሓዋርያዊ ቅዋም ኣብ ወርሒ ለካቲት 2020 ዓ.ም. ምልኣተ ንባብ ዘካይድን ገምጋም ዝህብን መበል 33 ዓውደ ኣኼባ ንኽካየድ ወሲኑ ከምእተዛዘመ ኣፍሊጡ።

ስድስቱ ብፁዓ ካርዲናላት መማክርት ር.ሊ.ጳ.
05 December 2019, 16:24