ድለ

2019.12.16 Libro Martina Luise 2019.12.16 Libro Martina Luise 

ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቅድሚ መራኸቢ ብዙሓን፥ ካብ ፒዮስ 12 ክሳብ ፍራንቸስኮ

ነታ መጽሓፍ ንንባብ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጓልቲየሪ ባሰቲን ናይ ጳጳሳዊ ንናይ ሕግታት ሰነድ ቤት ምኽሪ ልሂቅ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፍራንቸስኮ ኮኮፓልመሪዮን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒን ካብ ናይ ስነ ቫቲካን ሊቃውንቲ ብልጽቲ ተባህሉ ዝነገረለን ቫለንቲና ኣላዝራኪን

ዕለት 16 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ብማርቲና ልዊሰ፥ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቅድሚ መራኸቢ ብዙሓን ብዝንቀሳቐስ ምስሊ፥ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ 12 ክሳብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተደርሰ መጽሓፍ ኣብ ሕንጻ ቫቲካን ረዲዮ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ማርኰኒ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንንባብ ከምዝበቐዔ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይታ ብማርቲና ልዊሰ፥ ናይ ዝንቀሳቐስ ምስሊመራኸቢ ብዙሓን፥ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ 12 ክሳብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተደርሰ ብቤት ማሕተም ኣራክነ ዝተሓትመ መጽሓፍ መቕድም ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዝተደርሰ ክኸውን እንከሎ ብፁዕነቶም፡ ነዊሕን መሳጥን ጉዕዞ ኣብ መንጐ ሕሉፍን ህልውን ታሪኽን፡ ካብ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12ን ክሳብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን፡ ብዝብል ሓሳብ ነቲ መቕድም ኣበጊሶም፡ ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያንን ብምስማዐ ርእየት ዝተሰነየ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ምዕባለ ካብ ሓምሳታት ዝተበገሰ ብትኽክል ኣብ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ዝተጀመረ  ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ቤተ ክርስቲያን ካብቲ እዋን ኣትሒዛ እቲ ዝተበጽሔ ብዝንቀሳቐስ ምስሊ ዝቐርብ ሓበሬታ ኣብ መዳይ ሕንጸት ዘለዎ ዓቢይ ግደ ብምዝኽኻር ንሰናይ ኣገልግሎት ክውዕል ከምዘተሓሳሰበትን፡ ድሮ ካብ 1896 ዓ.ም. ዳርጋ ክበሃል ይከኣል፡ ር.ሊ.ጳ. ሊዮነ መበል 13 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ብናይ ፊልም ቀረጽቲ ምስሎም ንኽወሰድ ፈቒዶም ከምዝነበሩን ጥቒሶም፡ ኣብ መንጐ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ተለቪዥንን ዘሎ ርክብ፡ ካብቲ ኣብ 1949 ዓ.ም.ፒዮስ 12 ብምኽንያት በዓለ ፋሲካ ብናይ ፈረንሳ ተለቪዥን ዝተመሓላለፈ መልእኽቶምን ዮሓንስ መበል 23 ኣብ 1962 ዓ.ም. ብምኽንያት ብጋሴ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምሸት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ቃሎም ኣብ ዝለገስሉ እዋን ኣብቲ እዋን ደሚቓ ዝነበረት ወርሒ እናመላኸቱ ብዛዕባ ዕጹብ ፍጥረት እግዚኣብሔር ዝበልዎ ቃል ብናይ መላእ ሃገራት ዓለም ናይ ተለቪዥን መደብራት ዝተመሓላለፈን፡ ናይ ጳውሎስ ሻድሻይ ሓዋርያዊ መገሻ ናብ ቅድስቲ መሬትን ኣብ እዋን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግምዊ ኣብ 1983 ዓ.ም. ናይ ቫቲካን ናይ ተለቪዥን ጣቢያ ውልደትን ክሳብ ዝነበሮም ኣካላዊ ሕማምን ስቓይን ከይሓብኡ ዝሃብዎ ምስክርነትን በነዲክቶስ መበል 16 …. ቤተ ክርስቲያን ምዃን ብተለቪዥን ክምስከርን … ቤተ ክርስቲያን ንዅሉን ናይ ኩሉን ዝብል መልእኽቶም ብተለቪዥንን መራኸቢ ብዙሓንን ዝምስከር ኰይኑ ይቕጽል ከምዘሎ የብርሁ።

ናይ ልዕሊ 60 ዓመት ኪደት

ናይታ መጽሓፍ መእተዊ ዝደረሱ ሰርጆ ዛቮሊን ናይ ቅድመ መቕድም ጽሑፍ ዘቕረቡን ራኒየሮ ላ ቫለን ነቲ ካብ 1954 ዓ.ም. ንነጀው ዘሎ ርክብ ቤተ ክርስቲያንን ተለቪዥንን መሰረት ገይሮም፡ ማለት ኣብ 1954 ዓ.ም. ተለቪዥን ኣብ ኢጣሊይ ካብ ዝኣተወሉ ዓመት ንነጀው፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ብተለቪዥንን ምስ ብጋሴ ናይ ኢጣሊያ ናይ ተለቪዥንን ራዲዮን ጣቢያን ቀጺሉ እውን ኣብ መንጐ ናይ ኢጣሊያ ናይ ተለቪዥንን ራዲዮ መደብር ምስ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቲቭ 2000 መደብርን ምስ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ተለቪዥን ጣቢያን ዝተፈጥረ ርክብ ብዝምልከት ነቲ ናይ ልዕሊ 60 ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ርክብ የዘንትዉ።

ኣርእስቲ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ንኣስፍሆተ ወንጌል

ነታ መጽሓፍ ንንባብ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጓልቲየሪ ባሰቲን ናይ ጳጳሳዊ ንናይ ሕግታት ሰነድ ቤት ምኽሪ ልሂቅ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፍራንቸስኮ ኮኮፓልመሪዮን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒን ካብ ናይ ስነ ቫቲካን ሊቃውንቲ ብልጽቲ ተባህሉ ዝነገረለን ቫለንቲና ኣላዝራኪን ዘረባ ከምዘስምዑ ዝሓበራ ዲኒኒ ኣስዒበን፡ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ምእቲ ዝእወን መራኸቢ ብዙሓን ማዕረ ማዕረ ዝስጉሙ ከምዝዀኑን ነዚ መጋበርያ’ዚ ብምጥቃም ንዓለም ቤተ ክርስቲያን የላልዩን ትርጉም መክብባውነት ቤተ ክርስቲያን ዘብርሁ ምዃኑ ዝገልጽ ሓሳብ ከምዘስመሩሉን፡ ኣስዒቦም ብፁዕ ካርዲናል ኮኮፓልመሪዮ እውን፡ ነዚ እናሰጐመ ዝዀይድ ዘሎ ሓድሽ መራኸቢ ብዙሓን ዝፈጥሮ ዕድል ብምጥቃም ንሕዝቢ ቀረባ ይዀኑን ሕዝቢ እውን ናብኣቶም ክምዘቕርቡ ክሕብሩ እንከለዉ፡ ቫለሪያ ኣላዛክሪ እውን ብወገነን፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኰኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ብፍላይ እዞም ኣርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቀዳሞት ዝፈጸመዎም ሓዋርያውያን መገሻታት ምስ ጉጅለ ዘሰንየይዎም ጋዜጠይናታት ከምዝነበራን፡ ኣብቲ ጉዕዞ ዝንበር ጸጥታ ብሓቂ ዝስምጥን ዝማርኽን እንክብላ ገሊጸን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ናይ መወዳእታ ሓዋርያዊ መገሻኦምን ኣገልግሎቶምን ብዝነበሮም ኣካላዊ ሕማም ምኽንያት ድምጾም ክሳብ ዘይስማዕ እውን እንተነበረ ናይ ጸጥታ ውሳጣዊ ሓይሊ ንኽትነብር የብቕዑኻ፡ ስለዚህ መራኸቢ ብዙሓን ብቓላት ጥራሕ ዘይኰነ ብምስለ ብጽሞናን ዝንበር እውን ምዃኑ ንኽስትውዓል ገይሮም እንክብላ ኣብ ዘስመዐኦ ዘረባ ከምዘመልኸታ ሓቢረን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣብ ምርኻብ ዘሎ ሓቂ የብርሁ፡ ሓቂ ኣብ ናይ ምርኻብ ባህሊ ክንበር፡ እምነት ኣብ ምራኻብ ዝብሉን ከምዝዀኑን፡ እምነት ብመራኸቢ ብዙሓን ንምትሕልላፍ የተባብዑን፡ መራኸቢ ብዙሓን ገዛእ ርእስኻ እትርእየሉ መስቲያት ክይኸውን ምጥንቃቅ ከምዘድሊ እውን ዝምዕዱ ምዃኖም ሩፊኒ ብሰፊሕ የብርሁ፡ ናይታ መጽሓፍ ደራሲት ማርቲና ልዊሰ፡ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት መራኸቢ ብዙሓን ንኣስፍሆተ ወንጌል ዘለዎ ኣገዳስነት ዘመላኽቱ እያቶም ከምዝበላ ገሊጸን።

Photogallery

ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቅድሚ መራኸቢ ብዙሓን፥ ካብ ፒዮስ 12 ክሳብ ፍራንቸስኮ
17 December 2019, 17:43